bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday, 3 February 2017

ሕይወተ ወራዙት 4ይ ክፋል

 
መንእሰያት እንተፈትዮም ኣረጋውያን ኪኾኑን ኣረጋዊ ዝበጽሖ ጸጋን ክብርን ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም። መንእሰይ ናይ ሽማግለ ሥራሕ ኪሠርሕ ይከኣሎ ድዩ? ዝብል እንተሎ ካብ ወገን ሽማግለታት፡ ናይ መንእሰያት ሥራሕ ኣብ ምሥራሕ ጸኒዖም ዚነብሩ ብዙኃት ከም ዘለዉ፡ “ከማሁ ይትከሀሎ ለወሬዛ የሀሉ በከዊነ አዕሩግ” “ከምኡ ኸኣ መንእሰይ ናይ ሽማግለታት ሥራሕ እናሠርሐ ኪነብር ይከኣሎ እዩ” ዝብል መልሲ ተጻሒፉ ይርከብ /ተግሣፅ ዘዮሐ ኣፈ 7/።

 ከምቲ ፃዕዳ ፀጕሪ (ሽበት) ካብ ምዅናን ዘየድኅን “ከማሁኬ ጸሊም ድምድማ ኢይከልዕ ረኪበ ጸጋ፡ ከምኡውን ጸሊም ፀጕሪ ጸጋ ካብ ምርከብ ኣየኸልክልን እዩ።” ኣብ ክርስትና ሕይወት ጽቡቕ ተግባር ደኣ እምበር፡ ሽበትን ጸሊም ፀጕርን ምብልላጽ የልቦን። ኣረጋዊ ይኹን መንእሰይ በቒዖም እንተ ተረኺቦም ንዝኾነ ኽብሪ ይበቕዑ።

 ኣረጋዊ ዮሴፍ ሽማግለ እኳ እንተ ነበረ ብብዙኅ መገዲ ጽድቁ ተመስኪርሉ ነታ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ንምግልጋል ተመሪጹ እዩ። እመቤትና ብሓደራ ንኽሕልዋ ንኣረጋዊ ዮሴፍ ተዋህበት። ከምኡ ድማ ወንጌላዊ ዮሓንስ ዋላ እኳ መንእሰይ እንተ ነበረ በቒዑ ስለ ዚተረኽበ ነታ ንዮሴፍ ዚተዋህበት ድንግል ማርያም ንምግልጋል ከም ዮሴፍ ንሱ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መስቀል ናይ ጐይታ ብምርካብ ብሓደራ ተቐበላ።

እዚ ድማ ጸጋ ንምቕባል በቒዕካ ምርካብ ደኣ እምበር ዕድመ ወሳኒ ከም ዘይኮነ የረድእ /ዮሓ 19፡26-27 ማቴ 1፡18-25/።

 ወንጌላዊ ዮሓንስ ንኣና ንመንእሰያት መመክሒና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ንእስነቱ ንድንግል ማርያም ስለ ዚተቐበለ። ኣብ እምነት ክርስትና ንድንግል ማርያም ዝመሳሰልን ክንድኣ ዝኣክልን ሃብትን ጸጋን የልቦን። እሞኸ ነዚ ንድንግል ማርያም ንምቕባል ዝበቕዐ፡ ካልኦት ነገራት ንኸይቅበል እንታይ ይእግዶ? እዚ ኺበሃል ከሎ ግና በቒዑ እንተ ተረኺቡ ደኣ እምበር፡ እንተ ዘይበቒዑስ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ዘመን ናይ ዮሴፍ ኣረጋዊ ብዙኃት ኣረገውቲ ነይሮም እዮም፡ እንተ ኾነ ግና ኣባትሮም ተኣኪቡ ምስ ተጸለየሉ፡ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ በትሪ ከም ናይ ኣሮን በትሪ ለምሊማ ብምርካባን ኣብ ልዕሊኣ “ኦ! ዮሴፍ ዕቀባ ለማርያም፡ ኦ! ዮሴፍ ንማርያም ሓልዋ” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዚተረኽበን ንድንግል ማርያም ንገዛኡ ወሰዳ /ትርጓሜ ትንቢተ ሕዝቅኤል/። ኣብ ዘመን ወንጌላዊ ዮሓንስውን ብዙኃት መንእሰያት ነይሮም እዮም፡ እንተ ኾነ ግና ከም ዮሓንስ ንእመቤትና ብሓደራ ንምቕባል ኣይተዓደሉን። ከምኡ ኸኣ ኣብ ዘመንና ብዙኃት መንእሰያት ኣለዉ፡ ኵላቶም ንቚርባን ንተኽሊልን ንክህነትን ዘይክበቕዑ ግና ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዅሉ እዚ ዝበቕዑ መንእሰያት ምህላዎም ኪንዝንግዕ ግና ኣይግባእን።

 ጸጋ እግዚአብሔር ብዕድመ ዝወሃብ ነይሩ እንተ ዝኸውን እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ከመይ ኢላ “ካብ ኣንስቲ ተፈልያ ዚተባረኸት” ንምዃን ምኸኣለት? እንተ ኾነ ግና ጸጋ እግዚአብሔር ብዕድመ ብዘይ ምዃኑ “ምልእተ ጸጋ” ንምዃን በቕዐት። ዋላ እኳ ብዕድመ ንእሽተይ ጐርዞ እንተ ኾነት፡ መጽሐፈ መነኰሳት “ለብፅዕትኒ ማርያም ኢከልአ ደቂቅናሃ ከመ ትኩን ቡሩክተ እም አንስት” ከም ዝበለ “ብፅዕቲ ማርያም ብዕድመ ንእሽተይ ምዃና፡ ካብ ኣንስቲ ተፈልያ ብርኽቲ ንምዃን ኣይከልከላን” /ፊል ክፍል 4፡47/። በዚ ምኽንያት ድማ ድንግል ማርያም “ምክሐ ደናግል” ጥራይ ዘይኮነት “ኃይለ ወራዙት” ውን ትበሃል። ድንግል ማርያም “ኃይለ ወራዙት” እያ ማለት ንመንእሰያት ኮነ ንኣረጋውያን ናይ ንእስነቶም ኃይሊ ንሳ እያ ማለት እዩ /መልክዐ ቊርባን/።

እኳ ደኣ መንእሰያት ብኣገባብ እንተ ዓብዮምን ናብራኦም እንተ ኣጸቢቖምን ካብ ኣረጋውያን ዚኃሹ ኾይኖም ክርከቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ “ወራዙትኒ እመኒ ሕፃናት እሙንቱ ወተጸምዱ ለሥርዓተ ንጽሕ ይኄይሱ ፈድፋደ እም አዕሩግ፡ መንእሰያት ዋላ እኳ ኣብ ዕብየት ዝርከቡ (እግሪ ተኽሊ) እንተ ኾኑ፡ ንጽሕናኦም ሓልዮም ምስ ዚነብሩ ካብ ኣረጋውያን ኣዝዮም ይበልጹ” ብምባል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዝተዛረቦ ቓል ይፍለጥ። እቲ ቊሩብ ዓመታት ነይሩ ኣብ ብዙኅ ዘመን ዝርከብ ፍልጠት ዚደለበ በሊሕ መስተውዓሊ መንእሰይ፡ ካብቲ ብዙኅ ዓመታት ነይሩ ሰኣን ፍልጠት ከም ሕፃን ኮይኑ ዚነብር ሽማግለ ዘይኅሸሉ ምኽንያት ከ እንታይ ኣሎ?

 ቅዱሳት መጻሕፍቲውን በዚ ሓሳብ እዚ ተሰማሚዖም እዮም። ጥበበኛ ሰሎሞን “ክብረ ርእስ አኮ በብዝኃ መዋዕል፡ ክብረት ብብዝኂ ዘመን ኣይኮነን” ብምባል ክዛረብ እንከሎ፡ ሲራክ ድማ “ሲበቱ ለብእሲ ኣእምሮቱ ይእቲ፡ ንሰብ ሽበቱ ፍልጠቱ እያ” ኢሉ ኣሎ። ጻድቕ እዮብውን “አኮ ዘአብዝኃ ክራማተ ዘየኣምራ ለጥበብ፡ ንጥበብ ዝፈልጣ ዕድመ ዚጸገበ ኣይኮነን” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። እዞም ኵሎም ጥቕስታት እምበኣር ምብላጽ ብሥራሕ ደኣ እምበር ብዕድመ ከም ዘይኮነ ዘረድኡ እዮም።

ሓደ ሓደ መንእሰያት ኣብ ቤቶም ዓበይቲ ስለ ዝኾኑ ጥራይ እቶም ምንኣሶም ዘለዉ ኪንቅጥቀጡሎም ይደልዩ። እዚ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ነቲ ጽቡቕ ተግባራት ዘይብሉ ሽማግለ፡ ስለ ዝሸየበ ጥራይ ዘኽብሮ መን እዩ? ሽበት ናይ ክብሪ ምልክት ጥራይ ደኣ እዩ እምበር፡ ባዕሉ ኬኽብር ኣይክእልን እዩ። ዘውዲ ምድፋእ፡ ዝናር ምዕጣቕ፡ ቅብኣ መንግሥቲ ምቕባእ ጥራይ ንንጉሥ ኣየኽብርዎን እዮም። ንስኻውን እንተ ኾንካ ነቲ ከምዚ ዚተሸለመ ንጉሥ፡ ዘውዱ ደፊኡ እንከሎ ገዛእ ባሮቱ ኼቃልልዎን ኪንዕቅዎን እናላገጹ ኺጎትዎን ምስ ትርኢ፡ ትኃዝነሉ ደኣ ትኸውን እምበር ኣይተኽብሮን ኢኻ። ምኽንያቱ ምኽባር ብምልክት ናይ ክብሪ ጥራይ ስለ ዘይኮነ። እሞ ንስኻኸ ናይ ዕብየት ምልክት ኂዝካ ምስ ትጻላእን ምስ ትተሃራረምን ምስ ትሰክርን ምስ ተመንዝርን ድቓላ ምስ ትወልድን፡ ኣተኃኅዛ ገንዘብን ኣመሓዳድራ ገዛን ምስ ዘይትፈልጥ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ሰብ ካብ ምኽባር ጀሚሩ ዋላ ሓንቲ ፍቕርን ሃይማኖትን ከይኃዝካ ክብሪ ምድላይካ ኣዝዩ ዘገርም እዩ።

 ንፉዕ መንእሰይን ንፉዕ ሰብኣይን ኪትከውን እንተ ዘይክኢልካ ክብሪ ጥራይ ኣይኮንካን ትስእን። ዝኾነ ኃላፍነት ኣይወሃበካን እዩ። ንስኻ ከም ኤሳው እንከለኻ፡ ከም ያዕቆብ ዝኾነ ንእሽተይ ኃውኻ ብዅርናኻ ይወስድ እሞ፡ ንስኻ ኸኣ ናቱ ኢድ ክትርኢ ትነብር። ምስኡ ድማ ንምንኣስካ ዘለዉ ናይ ምቕጻዕን ናይ ምግሣፅን መሰል ኣይህልወካን። ከምቲ ኣመንዝራ ሽማግለ ንመንእሰያት ኺግሥፅ ዘየምሕረሉ፡ ንስኻ ብሥርዓት ዘይትነብር እንከለኻ ንምንኣስካ ዘለዉ ኺግሥፅ እየ ምስ ትብል መን ይሰምዓካ?። ከማኻ ንዝበለ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እናበለ ይግሥፅ “ኣታ ግብዝ ቅድም ካብ ዓይንኻ ሠርወ ኣውፅእ፡ ብድኅሪኡ ካብ ዓይኒ ኃውካ በሰር ንምውፃእ ኣጸቢቕካ ክትርኢ ኢኻ” /ማቴ 7፡5/።

ጌና ኣይኣረግኩን ንእሽተይ እየ ዘለኹ ንምባል ንሽበቶም ኅብሪ እናለኸዩ ዘጸልሙ ወይ ከኣ “መዓር ስለ ዝተጸየቕኩ እኮ እየ ሸይበ፡ ስብሒ ስለ ዚተንከፈኒ እኮ እዩ፡ ካብ ዓሌትና ዚተወረሰ እዩ፡ ናብራ ስለ ዝኸርፍሓኒ እየ” ዝብሉ ዘይረብሑ ምኽንያትት ብምቕራብ ቈልዓ እየ ዘለኹ ከም ዝብሉ ሽማግለታት፡ ንስኻውን ዋላ እኳ ናይ መንእሰይ ቁመና ኂዝካ ጐበዝ እንተ ኾንካ፡ ኵሉ ተግባራትካ ናይ ሕፃን እንተ ኾይኑ “ስቕ ኢሉ ደኣ ዓንዲፉ እምበር ሕፃን እዩ፡ ኣይበሰለን” ምባልካ ስለ ዘይተርፍ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣካላትካ ኣብ ኣእምሮኻን ኣብ ሥራሕካን ድማ ኽትዓቢ ይግብኣካ። ካብዚ ወፂኻ ግና ንጕብዝናኻ ኣይተንዕቆ።

 ሓደ ሽማግለ ዕድሚኡ ሓጊዝዎ ሥጋኡ ደኺምሉ እንከሎ፡ ጌና ከምቲ መንእሰይ ምዝላል ኣይጸገብኩን እንተ በለ ካብ ቅጽዓት ኣየምልጥን እዩ። ንስሕተቱ ኸኣ ምኽንያት የብሉን፡ ማለት ስለ ዘይበሰልኩ እየ፡ ወይውን ሰብነተይ ከም ሓዊ እናቃጸለኒ ንጽሕናይ ሓልየ ኺነብር ኣይተኻእለንን ንምባል ኣይክእልን እዩ።

ልክዕ ከምኡ መንእሰያትውን ሕጊ ኼፍርሱ እንከለዉ ዚንቀፉሉ ብዙኅ ነገር ኣሎ። ሽማግለ ብፍቕረ ንዋይ እንተተጠቕዐን ስሱዕ እንተ ኾነን፡ ነቲ እርጋን ዘምጽኦ ድኻሙ ዝኅግዞ ስለ ዝደሊ ገንዘብ እንተሎኒ ብገንዘበይ ኪኃልፎ እየ ኢሉ እዩ ይበሃል። መንእሰያትከ ንምንታይ እዮም ዝስስዑ፧ ንሳቶም ላዕልን ታሕትን ኢሎም ርእሶም ክኣልዩ ስለ ዝኾእሉ፡ መንእሰያት ብፍቕረ ንዋይ ምስ ዝተኃዙ በዚ ይንቀፉ።  በዚ ጥራይ ዘይኮነ ንጽሕናኦም ብዘይ ምሕላዎም፡ ብስኽራኖም፡ ብስንፍናኦምን ብዝኣመሰሉ ሕማቕ ሥራሓት ተሓተትቲ እዮም። ንጽሕናና ሓሊና ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና ንኸይብሉ፡ ነቲ ንጽሕና ንምሕላው ዘለዎም ሓጋዚ ኃይሊ ምምልካት ምተገብኦም ነይሩ። መንእሰያት እቲ ንኣረጋውያን ዘይብሎም ኃይለ ሥጋ ስለ ዘለዎም፡ ፍትወት ንምስዓር ክብሉ ኽጾሙን ክጽልዩን ክሰግዱን መጻሕፍቲ ኼንብቡን ይኽእሉ እዮም። እዚ ካብ ፍትወት ዝሕለዉሉ መሣርሒ፡ ነቶም ፍትወት ናብዝን ናብትን ዘገላብጦም መንእሰያት እንኮላይ ደኣ እምበር ንመነኰሳት ጥራይ ዚተዋህበ ኣይኮነን። ስለዚ መንእሰያት ናይ ምጻም ምጽላይን ምስጋን ዝኣመሰሉ ክርስቲያናዊ ግዴታታት ናይ ምፍጻም ኃላፍነት ኣለዎም።

No comments:

Post a Comment