ኣቦና ናብ ካልእ ዝብጻሕውን ስለ ዝነበሮም “ሔዋነይ በሊ ሕጂ ኣብ ሓደ ገዛ ዝሓመመት ኣደ ኣለዋ እሞ ከይመሰየ ናብአን ክኸይድ እየ። ንኣኺ ግና ኣብዚኣ ኣላ ኣብዛ ባቡር እናንበብኩዋ ዝመጻኹ መጽሓፍ እሞ ነዚ ክንመሃሮ ዚጸናሕና ትድግፍን ነቲ ዝተረፈና ድማ ትምልእን ስለ ዝኾነት ንበብያ እዛ ጓለይ። ኣቦና ሙሴ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዝብል ጽሑፍ ዝጸሓፈልና፡ ከነኽብሮም ዝግብኣና እዞም ከም ኣቦ ኾይኖም ዝምዕዱና መጻሕፍቲ ናይ ኣቦታትናውን ዘጠቓልል ደኣ እምበር ንወለዲ ናይ ሥጋ ጥራይ ዘመልክት ኣይኮነን። ደኃን ሓደ መዓልቲ እግዚአብሔር እንተ ፈቒድዎ፡ ብዛዕባ ጥቕሚ ናይ ንባብ ኪንመሃር ኢና። ሕጂ ግና እዛ ዝህበኪ ዘለኹ ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 20 ኽፍለ ዘመን ዚነበሩ ዝዓበዩ ሊቃውንት ሃገርና ሊቀ መዘምራን መጐስ ዑቕባ ጊዮርጊስ ዘዳለውዋ “ኣንጋረ ፈላስፋ” ትብል ቃል ናይ ጥበበኛታት ዝኃዘት ናብ ጥበብ እትመርሕ ኣዝያ ጠቓሚት መጽሓፍ እያ። ንበብያ ኣብ ዝመጽእ ርክብና ድማ ካብኣ ኽሓቲ እየ” ብምባል ካብ ቦርሳኦም ኣውፂኦም ነታ መጽሓፍ ሃቡኒ።
ሽዑ ዓባየይ “ሔዋን ጓለይ ምሳሕ በሊ ቐርቢ ኣቦና ኽባርኹልና እሞ ብሓደ ኺንምሳሕ” በለትኒ። ምሳሕ ቀራሪበ ነቦና ብመኪናይ ገይረ ናብ ዝደለይዎ ቦታ ኣብጻሕኩዎም። ኣዝዮም ተሓጕሶም መሪቖም ኣፈነውኒ፡ ካብኦም ንላዕሊ ግና ኣነ በቲ ዝሃቡኒ ማዕዳን በቲ ዝኃገዝኩዎም ንእሽተይሓገዝን ብዙኅ ኃጢአት ከም ዝተደምሰሰለይ ገይረ ብምቚጻር ብሓጐስ እናተፈንጫሕኩ ንገዛይ ተመለስኩ።
ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢለ ድማ ንባብ ተታኃኃዝኩዎ፡ ሓቂ ዘረባ እኳ ንባብ ስለ ዘይፈቱ ንሱ ተታኃኂዝኒ እዩ ዝበሃል። ጀሚረዮ መቂሩኒ ኸቋርጽውን ኣይከኣልኩን፡ ከመይ ኢልካ ኸ ኺቋረጽ ገለ እስከ ንኣኻትኩም ከኣ ወስ ክብለኩም፦
ሶቅራጥስ ከምዚ በለ “ሓንቲ ሰበይቲ አረ መልክዕኻ ኽንደይ ይኸፍእ ኢዩ፧” በለቶ እሞ ንሱ ድማ “በቲ ዝመረተ መነጸርኪ ስለ ዝረኣኽኒ እኮ ኢዩ” ኢሉ መለሰላ። ዝመረተ መነጸር ወይ መስትያት ንጽቡቕ ኣኽፊኡ ስለ ዘርኢ ኢዩ። እዚ ማለቱ ድማ ደጊኣዊ መልክዐይ ደኣ እምበር ውሽጣዊ መልክዐይ ከርኢ ዝኽእል ዓይኒ የብልክን ማለቱ ኢዩ።
ንሕናኸ ንኽንደይ ደቂ ኣንስትዮ ብዝመረተ መነጽር እናርኣና ነተን ክብረን ባህለን ሃይማኖተን ዓቂበን ደኒነን ዝኸዳ ኣኅዋትና ገዲፍና ነተን ዕርቃነን ኮይነን ሓዳርና ዕርቃኑ ክወፅእ ዝገበራ፡ ኣብ ፈቐዶ ስኽራንን ለይታዊ ትልሂትን እናኸዳ ንኣናውን ብብስጭትን ተስፋ ምቚራጽን ብኣልኮልን ሽጋራን ክንቃጸል ዝገበራ ኣይመረጽናን ዲና፧ እተን ደቂ ኣንስትዮውን ከምኡ። ስለዚ መነጸርና ነጽሪ እሞ ሃየ ነቲ/ታ ውሽጣዊ መልክዕ ንጽሕና ልቡና ትሕትና ተኣዛዝነት ዘለዎም መጻምድቲ ደኣ ንምረጽ።
ሓደ ሰብ ንሶቅራጥስ ኅፍረተ ሥጋኡ ክኸድን ዘይክእል ብጥስጣስ ጨርቂ ተኸዲኑ ምስ ረኣዮ፡ እዚ ብጥስጣስ ጨርቂ ተኸዲኑ ዘሎ ድዩ ሓጋጊ ሕጊ ወይ ጥበብ ተናጋሪ ሶቅራጥሰ! ብምባል ነዓቖ ኣቃለሎ እሞ ሶቅራጥስ ድማ ኣዝዮም ዝኸበሩን ብሉጻትን ሓደስቲ ክዳውንቲ ካብ ምኽዳን፡ ሕጊ ምልባስዶ ኣይኃይሽን ብምባል ነቲ ስድነቱን በዓለገነቱን ገለጾ።
ሶቅራጥስ ከምዚ ይብል ነበረ ንወዲ ሰብ ናይ መልክዕ ምጽባቕን ናይ ክዳን ምጽብባቕን ምንም ኣየርብሖን ኣይጠቕሞን እዩ። ዝጠቕሞስ ሓቅነት ትኽክልነትን ቅንዕናን ጥራይ እዩ።
ፈላስፋ ህንቃር “ካብ ጽቡቕ መልክዕን ጽቡቕ ደምግባትን ጽቡቕ ስም ይበልጽ ከመይ ጽቡቕ መልክዕን ጽቡቕ ደምግባትን ይኣርግ፡ ጽቡቕ ስም ግና ንዘለዓለም ኢዩ ዝነብር” በለ።
እወ ብሓቂ ወዲ ሰብሲ ዋላ እንተ መልክዐ ከም ዕምበባውን እንተንጸባረቐ ረጋፊ እዩ። ነዚ ኽብል እዩ ነቢይ ኢሳይያስ “ሥጋ ዘበለ ኵሉ ሳዕሪ እዩ ኵሉ ኽብሩ ከም ዕምበባ መሮር እዩ፡ ትንፋስ እግዚአብሔር ነፊስዎ እዩ እሞ ሳዕሪ ይነቅጽ ዕምበባ ይቕምስል”
ፈላስፋ ህንቃር “ሡር መሠረቶምን ውሽጢ ጠባዮምን ታሪኾምን ከይመርመርካ፡ ደጊያዊ ሃብቶምን ክዳውንቶምን ርኢኻ ሃብታማት ኢዮም ብምባል ፈተውቲ ኣይትግበር” በለ። “ንኤልያብ መልክዑ ኣይትመልከት ጽባቐ መልክዑውን ኣይትርኣይ ከመይ ኣነ ንዒቐዮ ስለ ዘለኹ፡ እግዚአብሔር ዝርእዮ ድማ ከምቲ ሰብ ዝርእዮ ስለ ዘይኮነ” 1ይ ሳሙ 16፡7
ፈላስፋ እስክንድር “ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ተርእዮ ምድላይን ምግያጽን ፈተውትኻን የዕሩኽትኻን የርሕቕ” ይብል ነበረ።
ዲዮጋንስ ሓደ ጽቡቕ ዝመልክዑ ሰብ ክሕሱ ኸሎ ርኣዮ እሞ “እቲ ገዛ ጽቡቕ ነይሩ እንተ ኾነ እቲ በዓል ገዛ ጽሩይ ስለ ዘይኮነ እንታይ ይገበር ብምባል ኣድናቖቱ ገለጸ።
ሓደ ሃብታም ንዲዮጋንስ ናብ ገዝኡ ክጋብዞ ወሰዶ እሞ እቲ ሃብታም ድማ ፃዕዳ ሃሪ ተኸዲኑ ተሸላሊሙ ምስ ረኣዮ ለካ እዚስ እምበኣር ብሥነ ሥርዓት ዘይዓበየ በዓለገ እዩ። ዘይተቐጽዐን ሥነ ሥርዓት ዘይብሉን ምዃኑ ፈለጠ እሞ፡ ናብ የማን ጸጋም ርእዩ ብዘይ እቲ ሃብታም ካልእ ጡፍ ዝብለሉ ምስ ሰኣነ፡ ናብ ገጹ ጡፍ በለሉ። እቲ ብዕሉግ ሃብታም ግና፡ ስለ ምንታይ ኣብ ገጸይ ጡፍ ትብለለይ ኢሉ ተቖጥዖ። ዲዮጋንስ ከኣ ሰብ ኮይኑ ኣብ ሕማቕ ቦታ ጡፍ ክብል ኣይግብኦን ድዩ? ኣነ ድማ ኣብ ውሽቲ ገዛኻ ኣብ የማነ ጸጋም እንተ ጠመትኩ ብዘይካኻ ጽርየት ዘይብሉ ስለ ዘይረኸብኩ ኢየ” በሎ። እቲ ፈላስፋ ከምዚ ምባሉ ገዛኻ ጽቡቕ እዩ ንስኻ ግና ኣእምሮ ዝሰኣንካ ዘይተቐጻዕካን ዘይተገሠፅካን ብዕሉግ ኢኻ ማለቱ እዩ።
ፈላስፋ ህንቃር “ናብ ዓው በሃሊትን ተታራኺትን ሰበይቲ ኣይትቕረብ፡ ንሰበይቲ ተፈታውነታ ጠባያ ጽቡቕ፡ ኣዘራርባኣ ልዙብ ክኸውን እንከሎ ኢዩ” በለ።
ኣኅዋተይ ናትና ጽብቕቲኸ መን ኢያ፧ እታ ብደጊኣ ዝወቀበት ባዶ መቓብር፧ እታ ብድፍረት ክትቋዮቕ እንከላ መጕልሒ ድምፂ ኣብ ጐሮሮኣ ከም ዝተተኽለላ ጎርቤት ክሳዕ ዝነቓነቕ እትጭድር። ሕጂ ድማ ጀሚራቶ ኣየ …መዓት እንታይ ድቢ ዝኾነት ሰበይቲ ረኺቡ ወደይ …እናበሉ ጐረባብትና ዝዛረቡላ፧ ዋላስ እዛ ፈላስፋ ህንቃር ገሊጽዋ ዘሎ ሰበይቲ፧
ፈላስፋ ህንቃር ከምዚ በለ “መልክዐኛ ሰበይቲ ጸጽቡቕ ክዳን ተኸዲናን ጸጽቡቕ ሽልማት ተሸሊማን እንተ ረኣኻያ፡ ልብኻ ናብኣ ኣይተዘንብል፡ ካብ ሕፃንነትካ ዝኣከብካዮ ኵሉ ገንዘብካ እንተ ሃብካያ እኳ፡ ኃጢኣት ምፍጻምን ንእግዚአብሔር ምኅዛንን እንተ ዘይኮይኑ ካብቲ ምስ ሰበይትኻ ዘሎ ዝበልጽ ኣይትረኽበላን ኢኻ”
ታሪኽ “ሓንቲ ሰበይቲ ሰብኣያ ምስ ካልኦት ኣንስቲ እናመንዘረ ምስ ኣሸገራ፡ ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ምስሑ ኣብ ዝምሰሓሉ ጊዜ፡ ነታ ሓንቲ ጻሕሊ ጸብሒ ደርሆ ሕምቕ ዝበለ መኾምብያ ኸዲና፡ ነታ ሓንቲ ጻሕሊ ድማ ጸብሒ እንጣጢዕ ጽቡቕ ግምጃ ከዲና ንኽልቲአን ኣቕረበትሉ እሞ ኣየነይተን ከቕርበልካ ምስ በለቶ ነታ ግምጃ ዝተኸድነት ጻሕሊ መረጸ፡ እንተ ኸፈተቶ እንጣጢዕ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ (ቢከፍቱት ተልባ) እንተ ኸፈትካዮስ እንጣጢዕ በለ። ከም ብሓድሽ ነታ ካልኣይቲ ክፈትያ በላ እሞ እንተ ኸፈተታ ጽቡቕ ጸብሒ ደርሆ ኾይኑ ረኸቦ። ምኽንያቱ እንተ ሓተታ ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ጽቡቕ ክዳን እንተ ተኸድነት ካልእ ሰበይቲ ድማ ጽቡቕ ክዳን እንተ ተኸድነት እቲ ኽዳን እዩ ዝተፈላለየ እምበር ሰበይትነተን ዝተፈላለየ ኣይኮነን ኢላ ስለ ዘረደኣቶ ድኅሪኡ ሰበይቱ ኃዲጉ ናብ ካልእ ምኻድ ኣቋረጸ ይበሃል።
ነዚ ምስ ኣንበብኩ ነቲ ነቢይ ኢሳይያስውን “እግዚኣብሔር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ከንኵዖ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። ክሳውደን ገቲረን በዒንትን ቅምጽ እንዳበላ ብግንትእ ዝብል ኣራግጻአን፡ ብሽውሕዋሕ ዝብል ስልማት እግረን ይኸዳ ኣለዋ እሞ..” ዝበሎ ቃል ዘከርኩ ኢሳ 4፡16 ። ኣብዚ ብዘየማትእ መረዳእታ ኣዋልድ “ጽዮን” ተባሂለን ዘለዋ ኣብ ጽዮን ዝቕመጣ ኣከዳድናአንን ኣራግጸአንን፡ ካብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ወፃኢ ዝኾነ ዝሙታዊ ምንቅስቓስ ዘርእያ ዝነበራ እስራኤላውያን እየን። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኣከዳድና ዝምልከት ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ ትምህርቲ ተማሂረ ኣይፈልጥን እየ። ነዚ ምስ ኣንበብኩ ግና ውሽጠይ በብቕሩብ ኪቕየር ሕሊናይ ኪወቕሰንን ተሰማዕኒ። መጽሓፍ ኪኅዝ እንከለኹ ናይ ድቃስ ሸውሃተይ ስለ ዝኽፍት ግና ኣብ መንጎ ድቃስ ጠሊሙኒ መጽሓፍ ኣቐሚጠ ደቀስኩ።
ናይ ኣጋ ምሸት ኮይኑ ዓባየይ “ሔዋነይ ኣዴኺ ኺትመጽእ እያ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ ድራር ቀራርቢ እዛ ጓለይ” ብምባል ኣተንሥኣትኒ። ኵሉ ቀራሪበ ምስ ወዳእኩ “ኣንቲ ዓባየይ እዛ ኣቦና ዝሃቡኒ መጽሓፍሲ ኣዝያ መሃሪት መጽሓፍ እያ፡ ስቕ ኢላ ከምዚ ብዛዕባይ ዚተጻሕፈት ኮይና ኸኣ ትስምዓኒ፡ እንታይ እሞ ኣያ ድቃስ ከኣ ኣብኣ እዩ ዝነፍዕ፡ እናንበብኩ ድቃስ መጺእኒ፡ ባዕልኺ እባ መልእለይ ዓባየይ፧ ክሳዕ ኣደይ ትመጽእ ናይ ኣተኃኅዛ ጸጕሪ ምሃርኒ” ምስ በልኩዋ፡ “እወ ሔዋነይ ጸጕርኺውን ብጥንቃቐ እንተዘይኂዝክዮ ንኣኽን ነቶም ንኣኺ ዝምልከቱን ጐቲቱ ናብ ኃጢኣት ክድርብየኩም ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ኣብ ኣከዳድና ዝረኣናዮ፡ ኣተኃኅዛ ጸጕርኺውን ውሽጣዊ መንነትኪ መን ምዃንኪ ዝዛረብ ልሳን እዩ።” ምስ በለትኒ ብርግጽ እዚ ዅሉ ኣብ ከባብየይን ኣብ ትምህርተይን ኣብ መሓዙተይን ዝርእዮ ኣተኃኅዛ ጸጕሪ ውሽጣዊ መንነተን ዘጕልሕ መነጸር ምዃኑ በሪህለይ።
ንኣብነት ኣብ ናይ ሰይጣን እምነት (ሳታኒዝም) ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልበን ዘሎ ናይ ሰይጣን ሃይማኖት ዝገልጽ ዓይነት ኣተኃኅዛ ጸጕሪ እዩ ዘለወን። ግብረ ሰዶም ዝገብራውን ከምኡ ነቲ ለቢሰንኦ ዘለዋ ባህሪ ዘነጽር ኣተኃኅዛ ጸጕሪ ኣለወን፡ ኣመንዝራታት ድማ ከምኡ ሰብኡት ንዝሙት ክማርኽ ዝኽእል ዓይነት ኣተኃኅዛ ጸጕሪ ኣለወን።
ዓባየይ ብምቕጻል “ንስኺ ድማ እዛ ጓለይ መንፈሳዊት ሰብ (መዘምራን) ምዃንኪ ዝምስክር ኣተኃኅዛ ጸጕሪ ክህልወኪ ኣለዎ። ኣብዚ ምድሪ እንከለኺ ንክርስቶስ ብኣተኃኅዛ ጸጕርኺ ውን ክትሰብክዮ ትኽእሊ ኢኺ። ካብኡ ኃሊፉ ከምተን ዘመውትን ግብረሰዶማውያንን፡ ጸጕርኺ ብብጫን ብቐይሕን ሰማያውን ሕብርታት ተለኺኺ ሴማፎሮ እንተመሰልኪ ግና፡ ኣካልኪ እዩ ኣብ ቤት መቕደስ ዘሎ እምበር ልብኺስ ኣብ ቦታ ዘመውትን ኣመንዝራታትን ከም ዘሎ እዩ ዘረደኣካ። እኳ ደኣ ነዚ ኽፍኣት እዚ ኂዝኪ ናብ ቤት መቕደስ ተደፋፊርኪ ብምእታው ኣብ ቅድሚ እቲ ንጹሕ ዝኾነ እግዚአብሔር ናይ ዘመውቲ ሞባእ ከተቕርቢ ብምፍታንኪ ቅጽዓትኪ ዝዓበየ እዩ ዝኸውን። “ቁራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዘላግቦ መን እዩ? እንተ ዘይኮይኑስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ ምቕዳዱ ከኣ ዝገደደ ይኸውን” (ማቴ 9፡16)
“ጸጕርኺ ብሕብሪ ዘመውቲ ቂሐ ጽልሚ መሲልኪ ምምጻእኪ ቊራጽ ክዳን ክምሰል እንከሎ፡ ክትዝምሪ ምምጻእኪ ድማ ሓድሽ ዓለባ እዩ። ስለዚ ነቲ ጥዑይ ዓለባ ዝተመሰለ ናይ መዘምራን ሕይወትኪ ምቕዳዱ ዝገደደ ኸይከውን፡ ምስቲ ኣረጊት ዓለባ ዝተመሰለ ጸጕርኻ ሕብርታት ምስታይ ካባኺ ኣርሕቒ።
ጸጕርኺ ጥራይ ዘይኮነ ጽፍርኺውን ዝተፈላለየ ቀለማት እትልከዪስ እንታይ ስለ ዝደለኺ ኢኺ? ሔዋን ጓለይ ኣብ ዓዲ እንከለኺ ትዝክሪ ኢኺ፡ ኣብ ገዛና ኣዝማልቶ ንምንታይ ንጥቀመሉ ከም ዝነበርና። እወ እቲ ናይ ማኅበር መለሊኽ ከይጠፍኣና ብኣዝማልቶ ምልክት ንገብር ኔርና እምበር ኣዝማልቶ እትልከ ጓል ኣብ ገዛና ኣይጠረየትን። ንስኺ ደኣ ሕጂ ናይ ምንታይ ምልክት እዩ ኣብ ኤውሮጳ መጺእኺ ነቲ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነ ሰብነትኪ፡ ብዝተፈላለየ ሥዕሊ ኣራዊትን ካልእን እናተነቐስኪ ብውቃጦ /ታቱ/ ናይ ሥዕሊ ጠራዝ ዝመሰልኪ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ክቡር እዩ ስለዚ ንስኺ ነቶም ሰብ ካብ ኣምላኹን ሃይማኖቱን ምስ ጠፍአ ዝቕብኦም ቅብኣታት ታቱን (ውቃጦ) ኣዝማልቶን ዘይኮነ፡ በቲ ንኸይትጠፍእ ዝሕልወካ ክቡር ደም ናይ ክርስቶስብ ንነፍስኺ ናይ ድኀነት ምልክት ግበርላ እዛ ጓለይ።” ምስ በለትኒ ብድኅርዚ ንዓባየይ ዝመዓደትኒ ምዕዶታት ብምሉእ ልበይ ተቐቢለ፡ ንምትግባር ቆሪጸ ተበገስኩ።
No comments:
Post a Comment