ብእኡ ኽንድኅን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን /ግ.ሐ 4፡12/
ኃገዝ ነቶም ነዚ ቓል እዚ መሠረት ብምግባር “ኦርቶዶክሳውያን ንቕድስት ድንግል ማርያም፡ ንቕዱሳን መላእኽቲ ንጻድቃን ንመስቀል ንጸበል ንማይ ጸሎት መድኃኒት ኢልኩም ስለ ትጽውዕዎ እምነትኩም ቅኑዕ ኣይኾነን ዝብሉ መርከብ እምነት ዚተሰብረቶም ኣኅዋትና!!!
ነዚ ንምምላስ ብመጀመርታ “ድኅነት” ማለት እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ብዝግባእ ኪንምልስ ይግብኣና። ሰብ ደኃነ ኽንብል ከለና ተፈሪድዎ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ተወጊድሉ፡ተወሲድዎ ዝነበረ ሕይወት ከኣ ተመሊስሉ ማለት እዩ። ወዲ ሰብ “ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተብልዕ ኦም ግና፡ ካብኣ ብዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመዉት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ” /ዘፍ 2፡17/ ዝብል ትእዛዝ ኣፍሪሱ ምስ በልዐ፡ በዚ ምኽንያት ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ማለት ብሥጋ ናብ መቓብር ብነፍሲ ድማ ናብ ሲኦል ክወርዱ ተፈሪድዎ ነበረ።
ካብዚ ፍርዲ እዚ መን የድኅኖ?
ናይ ኦሪት መሥዋዕቲ
ናይ ኦሪት መሥዋዕቲ “መዓልቲ መዓልቲ ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ገንሸል መሥዋዕቲ ኣቕርብ” /ዘፀ 29፡38/። “ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ኣፍ እቲ ኣነ ዝርከበሉ ድንኳን ኣብ ቅድመይ ሕረዶ” /ዘፀ 29፡11/ ብዝብል ትእዛዝ ኣብ ጊዜ ብሉይ ኪዳን ዝቐርብ ዝነበረ መሥዋዕቲ ካብ ጊዝያዊ ሥርየተ ኃጢአት ምሃብ ኃሊፉ ዘለዓለማዊ ድኅነት ከውህብ ዝኽእል ኣይነበረን። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ “ከመይ ደም ኣብዑርን ዲበላታትን ኃጢኣት ከርሕቕ ኣይክእልን እዩ” ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ /ዕብ 10፡4/።
ናይ ነቢያት ጸሎትን ገዓርን
ነቢያት ካብቲ ተታኂዞምሉ ዚነበሩ መርገም ዜድኅን መድኃኒት ደልዮም ይልምኑ ነበሩ፡ ጸሎቶምን ገዓሮምን ግና መድኃኒት ካብ ላዕሊ ንኽመጾም እምበር ብጸሎቶም ኃጢአት ንምርሓቕ ኣይከኣሉን። “ሰማያት ጨንዲሕካ እንተትወርድ ኣኽራን ንኣኻ ርእዮም ብፍርሂ መንቀጥቀጡ” /ኢሰ 64፡1?.. “ከመይ ኢልና ደኣ ኺንድኅን ኢና? ኵላትና ብኃጢኣት ረኺስና ጽድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ ኮነ” ዝብሉ ቃላት ድማ ናይዚ መረጋገጺ እዮም /ኢሰ 64፡5/።
ብጸጋ {ምሕረቱ} ኢና ዝደኃንና
“ብሓቂ ሕዝበይ ዘይጠልሙ እዮም በለ እሞ መድኃኒኦም ኮነ። እወ ካብ ኵሉ ጸበብኦም ኣድኃኖም፡ መልኣኹ ልኢኹ ዘይኮነስ ባዕሉ ኣድኃኖም፡ ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም” ብምባል ቤዛዊና ክርስቶስ መጺኡ ብለውሃቱ ክሳዕ ዜድኅነና ኣብ መርገምን ኵነኔን ከም ዚነበርና የረድእ /ኢሰ 63፡8/። ደጊሙውን “ደጊም ነቲ ምግዱር ዝድግፎ ሓደ እኳ ከም ዘየለ ረኣየ፡ ሓደ እኳ ዘማልድ ስለ ዝተሳእነ ተገረመ፡ ስለዚ ብኃይሉ ገይሩ ክብጀዎም እዩ። ዓወት ከኣ ክረክብ እዩ” ብምባል ብዘይካ ክርስቶስ ካልእ ካብዚ ናይ ኵነኔ ፍርዲ ዜድኅን ፍጡር ከም ዘየለ ኣነጸረ። ምኽንያቱ ፍጹም ድኅነት ካብ ፈጣሪ ጥራይ ስለ ዝኾነ /ኢሰ 59፡16/።
ነዚ ዘስተውዓለ ሓዋርያ ድማ “ናይቲ መድኃኒና ዝኾነ ኣምላኽ ለውሃትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ካልኣይ ልደት ዝህብ ምሕጻብን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን ኣድኃነና” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ /ቲቶ 3፡4 አፌ 2፡3-8/። ደጊሙውን እዚ ሓዋርያ “ኣብ ክንድቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ዝመውትሲ ምናልባት ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ” ብምባል እቲ ዚተፈርደና መርገም ብጸጋ ክርስቶስ ከም ዚተወገደልና ይምህረና /ሮሜ 5፡8/።
ስለዚ ከምቲ ብኣፍ ነቢይ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ “ኣነ ኣነ እየ እግዚአብሔር፡ ብጀካይ መድኃኒ የልቦን” ብምባል ዚተዛረቦ /43፡11/ ብዘይካ እቲ ቅድሚ ዓለም ዚነበረን ንምድኃንና ካብ ቅድሥት ድንግል ማርያም ሥጋ ዚለበሰን ክርስቶስ ካልእ ካብዚ መርገም እዚ ኼድኅን ዝኽእል ስለ ዘይነበረ፡ ወንጌላዊ ሉቃስ “ብእኡ ኽንድኅን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድኃን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን” ብምባል ተዛረበ። ሕጂውን እንተ ኾነ ሓደ ሰብ ክድኅን እንተ ኾይኑ ብናይ ባህሪ ኣምላኽነት ናይ ኢሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ /ዮሓ 3፡18/፡ ካብ ጐድኑ ብዝፈሰሰ ማይ ተጠሚቑ /ማር 16፡16 ዮሓ 3፡5/፡ ኣብ መስቀል ዚተቖርሰ ሥጋኡን ካብ ጐድኑ ዚፈሰሰ ደሙን ተመጊቡ /ዮሓ 6፡54/፡ ትእዛዛቱ እናፈጸመ /ማር 10፡18 ራእ 22፡12 ማቴ 25፡1-31/ ኣብ መወዳእታ ምሕረት እግዚአብሔር ተሓዊስዎ ይድኅን።
ብኻልእ መገዲ ግና ሰብ ካብ ሓደጋ ካብ ጥሜት ካብ ሞት ካብ ሕማም ካብ እስሪ ቤት ወዘተ ድኂነ ክብል ይኽእል እዩ። እግዚአብሔር መላእኽቱ ልኢኹ ወይ ቅዱሳን ልኢኹ ኬድኅን ስለ ዝኽእል እቶም እግዚአባሔር ንድኅነት ዚተጠቀመሎም መገድታትውን መድኃኒት ተባሂሎም ይጽውዑ እዮም። ንኣብነት፦
1. እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም፦ መድኃኒት እናበልና ንጽውዓ ኢና። ኣባ ቕዱስ ጊዮርጊስ “እግዝእትነ ወመድኃኒትነ” እመቤትናን መድኃኒትናን እናበለ ኣብ ኣርጋኖን መጽሓፉ የመስግና። ቅዱስ ያሬድውን ኣብ ኣንቀጸ ብርሃን “መድኃኒተ ኵሉ ዓለም” ናይ ኵሉ ዓለም መድኃኒት ይብላ። እዚ ማለት ግና ንሳ ተሰቒላ ዓለም ኣድኂና ማለት ኣይኮነን፡ የግዳስ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚጠቐስኩዎ፡ እግዚአብሔር ንዓለም ኬድኅን እንከሎ፡ ዚተወሓሓዶ ሥጋንን ደምን ናታ ስለ ዝኾነ፡ ዓለም ምሉእ ንኽድኅን ምኽንያት ከም ዝኾነት ንምግላጽ እዩ። ከምኡውን ብኣማላድነታን ብቓል ኪዳናን ንዝኣምኑ ኵላቶም ኣብ ምድኃን ስለ ትኅግዞም ኣደ መድኃኒት መድኃኒተ ኵሉ ዓለም ንብላ።
2. ቅዱሳን መላእኽቲ፦ ብዙኃት ሰባት ምድኃን ብክርስቶስ ጥራይ እዩ፡ መላእኽቲ የድኅኑና ኣይበሃልን እዩ፡ ክብሉ ንሰምዖም ኢና። ቅዱስ ዳዊት ግና “መልኣኽ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የድኅኖም ከኣ” /መዝ 34፡7/ ብምባል መልኣኽ እግዚአብሔር “የድኅነኒ እዩ” እናበለ ዘመረ። ኣቦና ያዕቆብውን “እቲ ኻብ ኵሉ ክፉእ ዜድኅነኒ መልኣኽ ንሱ ነዞም ደቀይ እዚኣቶም ይባርኽ” እናበለ መልኣኽ እግዚአብሔር ከም ዜድኅኖ ብንጹር መስከረ። /ዘፍ 48፡16 ዳን 6፡22-23 3፡28 ግሃ 12፡7 5፡29/። ስለዚ እቶም ደቂ ቕዱሳን ምስ ቅዱሳን ኴንና ቅዱሳን የድኅኑና እዮም ንብል። ኣብታ ቕዱሳን ዝኣተውዋ ገነት ድማ ንኣቱ።
3. መሳፍንትን ነገሥታትን፦ መስፍን ማለት ገዛኢ ማለት ካብ 3100-4000 ዓመተ ኵነኔ ዘሎ ዘመን ዘመነ መሳፍንት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ካብ 4000-4400 ዓመተ ኵነኔ ዘሎ ዘመን ድማ ዘመነ ነገሥታት ይበሃል። ኣብዚ ጊዜ ነቲ ሕዝቢ ንምጉሳይ እግዚአብሔር ዘተንሥኦም መሳፍንትን ነገሥታትን መድኃኒት ተባሂሎም ይጽውዑ ነይሮም። “እግዚአብሔር ድማ ንደቂ እስራኤል ዜድኅኖም መድኃኒ ዖትኒኤል ወዲ ቄናዝ ንእሽቶ ኃዉ ንካሌብ ኣተንሥኣሎም” ብምባል ንሓደ ተራ ሰብ “ዜድኅኖም መድኃኒ” እናበለ ጸዊዕዎ ኣሎ /መሳ 3፡9/። ነዚኸ እንታይ ትብልዎ ትኾኑ? ዋላስ ንድንግል ማርያምን ንቕዱሳንን ጥራይ ኪኸውን ከሎ እዩ ዘሕምመኩም?
ቀጺሉ ዘሎውን ንተዓዘብ “ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚአብሔር ተማህለሉ፡ እግዚአብሔርር ድማ ኤሁድ ወዲ ጌራ፡ ብንያማዊ፡ ዓኼላይ ሰብኣይ፡ መድኃኒ ኣተንሥኣሎም። ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ዔግሎን ንጉሥ ሞኣብ ብኢዱ ገጽ በረኸት ሰደዱ /መሳፍንቲ 3:15/። “ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ኬጥፍኣኒ ዚደሊ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ ንጉሥ ንገረዱ ንምድኃን ኪሰምዕ እዩ /2ይ ሳሙኤል 14:16/። ዝብሉ ቓላት ብጌጋ እዮም ተጻሒፎም ክሳዕ ዘይበልና፡ ንቕዱሳን የድኅኑና እዮም ምባል ደኣ ንምንታይ ይንቀፍ።
4. መምህራነ ወንጌል፦ ብተወሳኺ መምሃራንውን መድኃኒት ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ።ቅዱስ ጳውሎስ “እዚ እንተገበርካ ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ከተድኅን ኢኻ” /1ይ ጢሞ 4፡16/። ብምባል ኣብዚ ድማ ጢሞቴዎስ ብትምህርቱ ንሰባት ካብ ኃጢአት ናብ ጽድቂ መሊሱ ካብ ኵነኔ ስለ ዜድኅኖም መድኃኒት እናበለ ኺጽውዖ እንከሎ ንርኢ።
5. መስቀል፦ መስቀል ናይ ድኅነት ሥራሕ ስለ ዚፈጸመሉ መድኃኒት ይበሃል። “ክርስቶስ ግና ናይቲ ዝመጽእ ሠናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹም ብሰብ ዘይተገብረ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኮነ ድንኳን ብደም ዲበላታትን ምራኹትን ዘይኮነስ ብደም ርእሱ ናይ ዘለዓለም ምድኃን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ” /ዕብ 9፡11-12/። ኣብዚ መቕደስ ዝበሎ ንመስቀል እዩ፡ ምኽንያቱ መሥዋዕቲ ኣብ መቕደስ እዩ ዝቐርብ። ክርስቶስ ርእሱ መሥዋዕቲ ዚገበረሉ መቕደስ ድማ መስቀል እዩ። ብኢድ ሰብ ዘይተሠርሐ ማለቱ ኣይሁዳውያን ንድኅነት ኢሎም ስለ ዘየዳለዉዎ እዩ። ካብዚ ዓለም ዘይኮነት ማለቱ ድማ ነዚ ድኅነት ዝህበና ካብዚ ዓለም ዘሎ ፍጥረት ከም ዘይኮነን ሰማያዊ ኣምላኽ ምዃኑን ንምግላጽ እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ጸሎትና “መስቀል ኃይልነ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ” እናበልና ንጽልን ንዝምርን።
6. ጸበልን ማየ ጸሎትን፦ መድኃኒት ኢልና ንጽውዖም። ከምቲ ኣቦና ያዕቆብ መልኣኹ ልኢኹ እግዚአብሔር ምስ ኣድኃኖ “ዜድኅነኒ መልኣኽ” ዝበለ፡ ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ ነሥታት ኃዲሩ ዜድኅኖም ዚነበረ ንሳቶም ግና ነቶም መሳፍንትን ነገሥታትን “መድኃኒት” ዝበልዎም፡ ከምቲ ኣብ ጢሞቴዎስ ኃዲሩ ዝምህርን ዜድኅንን እግዚአብሔር ከሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ግና ነቲ እግዚአብሔር ብኡኡ ገይሩ ሰባት ዘድኅነሉ ንጢሞቴዎስ “መድኃኒ” ዝበሎ፡ ንሕና ድማ እቲ ብጸበል ገይሩ ዜድኅን እግዚአብሔር እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ንምድኃን ዚተጠቀመሉ “ጸበልን ማየ ጸሎትን” ድማ መድኂት ንብሎ /2ይ ነገ 5፡13-20/ ዮሓ 5፡1-10 ዮሓ 9፡1../። ንኸኒና ንመርፍእን መድኃኒት ኢሉ ዝጽውዕ፡ ንሓኪም ከኣ ኣድኂንኒ እናበለ ኣፉ መሊኡ ዝዛረብ ነቶም ምኽንያት ድኅነት ዝኾንዎ ግና ዝቃወም ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ መቸም የልቦን።
ስለዚ ብእኡ ኽንድኅን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድኃን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን ግ.ሐ 4፡12 ዝብል ቃል፦
1. ብዕለተ ዓርቢ ንዝተፈጸመ ድኅነት ብኻልእ ፍጡር ኪፍጸም ከም ዘይክእል።
2. ሕጂ ኪድኅን ዝደሊውን ብስም ኢሱስ ከይኣመነ ብኻልእ ስም ኣሚኑ ኪድኅን ከም ዘይክእል።
3. ዋላ እቲ ዅሉ ቕዱሳን ዚፍጽምዎ ድኅነትውን ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይፍጸም “ምድኃን ብኻልእ ከቶ ልቦን” ክብል ከሎ ልክዕ እዩ። ካብዚ ኃሊፉ ግና ነቶም ምኽንያት ድኅነት ዝኾኑ ቅዱሳንን እግዚአብሔር ንምድኃን ዚተጠቕመሎም ነገራትን ብምሉኦም መድኃኒት ተባሂሎም ኣይጽውዑን እዮም ምባል የምዝነካ እሞ ከም ብልጣሶር ድማ “ቴቄል” ኴንካ ከም ትርከብ እዩ ዝገብረካ /ዳን 5፡27/።
No comments:
Post a Comment