bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Thursday, 2 February 2017

“ኣንቲ ጓለይ እዚኣሲ ዘማሪት ድያ ወይስ ኣዝማሪት 5ይ ክፋል”


ኣብ ዝኃለፈ ኣቦና ብዝሃቡኒ ማዕዳ ገና ምስ ዓባየይ ዕላል ከይወዳእኩ ኢየ፡ ብልበይ ክዳን ናይ ሳኦል ካብ ሰብነተይ ክቕንጥጥ ዝተሰማማዕኩ። ልብሲ ናይ ሳኦል ንዳዊት ከዐውቶ ከም ዘይከኣለ ትፈልጣ ኢኽን። ብኣንጻሩ ሸኸም እዩ ኾይንዎ። ልብሲ ናይ ሳኦል ደርብዩ ኣብ ስም እግዚአብሔር ምስ ተወከለን ምስ ተኣመነን ግና፡ ንጐልያድ ብሓንቲ እምኒ ኼውድቖ ኢና ንዕዘብ።(1ይሳሙ 17፡1......) ኣኅዋተይ ነቲ ንኣይን ንኣኻትክንን ልብሲ ናይ ሳኦል ኮይኑ እናጠለፈ ዝድርብየና ዘሎ ጓይላን ደርፍን ሳዕስዒትን ካብቲ ቐዳማይ ዕላል ናይ ዓባየይን ተግሣፅ ናይ ኣቦይ ቀሽን ተማሂርክን  ካብ ልብኽን ኣውፂእክንኦ ኺትኮና ተስፋ ይገብር፡ ክዳን ትእማር (ክዳን ዘመውቲ) ውን ክዳንክን ኣይኮነን ኔው በልኦ /ዘፍ 38፡13-15/ እሞ ነዚ ምስ ገበርክን ቀጺሉ ናብ ዝስዕብ ትምህርቲ ናይ ኣቦና ኼኅልፈክን። ኣቦና ነቲ በብቑሩብ ዝተለማመድናዮን ዘጥረናዮን ኃጢኣታት በብቑሩብ ከም እነውፅኦ እዮም ዚገብሩና ዘለዉ። ብፍላይ ድማ ትርጓሜ ቕዱስ ወንጌል ከም ዝነግረና፡ እቲ ዝኸፍአ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፆር (ፈተና) ትውዝፍት ወይ ድማ ፍቕሪ ናይ መጋየጺ እዩ። ኣቦናዝህቡ ዘለዉ መድኃኒት ድማ ካብዚ ናጻ ዝገብር እዩ እሞ ንስምዓዮ ነስተንትኖ ብዘይ ውልውል ንቀበሎ ሽዑ ብሕይወት ክንነብሮ ኢና።
 ኣቦናውን ከም ናይ ዓባየይ ዘረባኦም “ሔዋን ጓለይ” ኢሎም እዮም ዝጅምሩ፡ ንዅላትና ደቂ ሔዋን ዝጠቅም ትምህርቲ ስለ ዝኾነ እዩ ይመስለኒ “ሔዋን ጓለይ ትዕቢት ኩርዓትን ምምራርን ተስፋ ምቚራጽን ዝኣመሰሉ ኃጢኣታት ኵላቶም መብዛኅትኡ ጊዜ ኣፍኣዊ መጋየጺ ካብ ምፍታው እዮም ዝውለዱ። ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ክረኽባ ኸለዋ ከም ዝኾርዓን ደስ ከም ዝብለንንም ነዚ ኣብ ዝስእናሉ ጊዜ ድማ ኣብ ሕይወተን ሓደ ዓቢይ ነገር ከም ዝጐደለን ብምቚጻር ብዘይ መጠን ከማርራን ክኃዝናን ይርከባ። ኅሉፍ ኃሊፈንውን መጋየጺ በቲ ግቡእ መገዲ ክረኽባኦ እንተ ዘይክኢለን ብሓሶትን ብምስራቕን ድሌታተን ከማልኡ ንዝኽእሉ ሃብታማት ሰባት ብምግዛእን የማልእኦ።

 እዚ እንተ ዘይኣኺሉ ድማ ሓሳባተን ንምምላእ ንዝሙት ካብ ምንብርካኽን ካብ ቅትለት ጀሚረን ንዝኾነ ይኹን ኃጢኣት ንምትግባር ድኅር ኣይብላን። ክምርዓዋኦ ዝሓጸይኦ ሰብውን ዘለወን ናይ መጋየጺ ህርፋንን ናፍቖትን ስለ ዘየማልኣለን ጥራይ ክሳዕ ምኽሓድ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ስለዚ ሔዋን ጓለይ በዚ ምኽንያት ፍቕሪ መጋየጺ ኸም “ጨካን ጐይታ” ክቑጸር እንከሎ ፍቕሪ መጋየጺ ዘለዋ ጓል ድማ “ናይ  ሥጋን ዓለምን እምንቲ ባርያ” ክንብላ ንኽእል። ንምንታይ እንተ ተባህለ መጋየጺ ምፍቃራ ጥራይ እትደልዮ ኵሉ ኃጢኣት ስለ እትፍጽም እዩ” ምስ በሉኒ ኵሉ ሓሳባተይ ምስቲ ኣቦና ዝምህሩኒ ዘይቃዶ ተጻራሪ ስለ ዝነበረ፡ “ኣንቱም ኣቦና እዚ ትብልዎ ዘለኹምሲ ከቢድ እዩ፡ ብፍላይ ኣነስ ከመይ ገይረ ብዝተፈላለየ መመላኽዒ ገይረ ዘየጋየጽኩ እዩ ዘጨንቕኒ እምበር፡ ናይ መጋየጺታት ክብደት ኃጢኣትሲ ፈጺሙ ኸምዚ ገይሩ ኣጨኒቐኒ ኣይፈልጥን እዩ” ብምባል ናይ ልበይ ደርጓሕኩሎም።

 ሔዋን ጓለይ ከም ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ንምግያጽ ዓቕሚ ብምስኣንኪ ንምንታይ ትኃዝኒ? ፈጣሪኺ ንጌጻ ጌጽ ተገዚእኺ ካብ ምንባርን ባርያ ካብ ምዃንን ናጻ ስለ ዘውፅኣኪ ድዩ ኃዘንኪ? ሓደ ሰብ መዝገቡ ተጊህኪ ንኽትሕልዊ እንተ ዝእዝዘኪ ኣዚኺ ምኃዘንኪ ኔርኪ። ካብዚ ዝገድድ ግና ናይ መጋየጺ ጉዳይ   ንምምላእ እትገብርዮ ጥንቃቐን ምድላዋትን ይኸብድ። እሞኸ ደኣ ግዝእቲ ናይ መጋየጺ ብምዃን ስለ ምንታይ ንነብስኺ ብጽኑዕ መእሰሪ ትኣስርያ? ጠፊኡኪ ኻብ ምስንባድ፡ ከይስረቕ ኢልካ ካብ ምሽቚራር፡ ግድን ንዘየድሊ ነገር ብዙኅ ባጀት ካብ ምምዳብ፡ ጊዜ ካብ ምብኻን፡ ብሰንኪ መጋየጺ ናይ ሰብ ኢድ ካብ ምጥማት ወ.ዘ.ተ ካብዞም ኵሎም እዚኦም ናጻ ካብ ምዃን ዝዓቢ ዋላ ሓደ ነገር የልቦን። መጋየጺ ስኢንኪ ማለት ካብዞም ኵሎም ዝዘርዘርናዮም ጸገማትን ሽግራትን ናጻ ዄንኪ ኣለኺ ማለት እዩ” ብምባል ኵሉ ናይ ውሽጠይ ስምዒታት ምስ ዘርዘሩለይ፡ ኣብ ሓንጎለይ ኣትዮም ኵሉ ሓሳባተይ ዚፈለጡ ኾይኑ ተሰምዓኒ። ብርግጽ ከኣ ሓቆም እዮም ካብዞም ኵሎም ዝዘርዘርዎም ጽዕነታት ናጻ ካብ ምዃን ዝዓቢ ነገር የልቦን። እንታይ እሞ ኣታሓሳስባኡ ኣብ ዘይማዕበለ ሕብረተ ሰብ እክለ ቐዲማትኒ ካብ እከሊት ዶ ሓሚቐ? እናበልካ ዘሎ ሕማቕ ውድድር እኮ እዩ ጸገም ዜምጽእ ዘሎ እምበር ጕድኣቱ ኸም ዝገድድ ደኣ መዓስ ጠፊኡና። ርእስና ብትምህርትን ብፍልጠትን ኣብ ክንዲ ምሽላም ጽሕዲ ናይ ልደት ክንመስል ኣብ ፈቖዶ ውራይ ሓፃውን ኪንሽለም ከፊእና ኣሎ።

 ኣቦና ትምህርቶም ብምቕጻል “ሔዋነይ መጋየጺ ምፍቃር ባርነት ጥራይ ዘይኮነ ኣምልኾ ጣዖትውን እዩ። ነፍሲ ብጽኑዕ ፍቕሪ ዝተኣስረትሉ እንተኾይኑ ዝኾነ ይኹን ኣምልኾ ጣዖት እዩ።ነዚ ኽብል ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንኣፍኣዊ መጋየጺ ንዝሃርፉ ሰባት ምስ መምለኽያነ ጣዖት ከም ዝቑጸሩ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ብምጥቃስ ነጊረና ኣሎ። “እስኩ ንግረኒ ኢኮነሁ ርቱዐ ቃለ ሓዋርያ ሶበ ይሰምዮ ለስሱዕ ከመ መምልኬ ጣዖት” ትርጉሙ “እስኪ ንገረኒ ሓዋርያ ውዱስ ጳውሎስ ጣዖት ዘምልኹ ኣብ ዝነቐፈሉ ኣንቀጽ “አው ዐማፂ” ዓማጺውን ይኹን ድኅሪ ምባሉ ብናይ ምንዝርና መጋየጺን ብፍቕሪ ንዋይን ዝተኣሰሩ ሰባት ኣተኃኂዙ ምንቃፉስ ግቡእዶ ኣይኮነንዩ? ኣምለኽቲ ጣዖት ንጣዖታት ከም ዘኽብርዎም “ከማሁ እሉሂ ያከብሩ ኣልባሰ ወንዋየ” ከምኡውን እዚኣቶም ክዳንን ገንዘብን እዮም ዘኽብሩ” /ተግ ዘዮሐ አፈ 20/።
 ሔዋን ጓለይ ኣምልኾ ጣዖት ማለት ካልእ ኣምላኽ ምምላኽ ማለት ምዃኑ ኣይጠፍኣክን እዩ፡ እንታይ ዝበለ ሕማቕ ስም እዩ እዚ፡ እዛ ጓለይ ዘማሪትን ኣምላኺት ጣዖትን፡ እስኪ ሓንቲ ካብ ትዝምረዮ መዝሙር ከዘክረኪ፡ ብፍቕሪ ኃላፊ ወርቅን ዝተፈላለዩ መጋየጺታትን ክሬማትን ሕብርታትን ትንፋስኪ ዝኃለፍኪ ኽነስኺ “ኵሉ ከንቱ ከንቱ ንብረቱ እስመ ኵሉ ኀላፊ ውእቱ......” እናበልኪ ትዝምሪስ ብልምዲ ድዩ ዋላስ ብልቢ?። ናይ ልምዲ ኣገልግሎት ከይህልወኪ ተጠንቀቒ። ምኽንያቱ ዓለምን ፍትወታን ኃላፊ ምዃኑ ቕድሚ ምዝማርኪ፡ ንዓለም ኅልፍ ክትብልያ ስለ ዝግበኣኪ። “ኵሉ ከንቱ” ቕድሚ ምባልኪ ድማ ካብቲ ከንቶ መንቶ እልይ በሊ እዛ ጓለይ። እንተ ዘይኮይኑ ግና ኣብ ዓለምን ፍትወታን እናሓምበስኪ “ዐለሙኒ ኃላፊ” ኣብ ከንቱነት እናነበርካ “ኵሉ ከንቱ” ኢልካ ምዝማርሲ ጣቋ ዘይብሉ ድራማ እዩ እዛ ጓለይ” ብምባል መመሊሱ ልብኻ ዝትንክፍ ቃላቶም ሰደዱለይ።

 ይቕሬታ ኣቦና ዘረባኹም ደኣ ቆሪጸኩም እምበር “ኣነን መኃዙተይንሲ ኣፍንጫኻ ምስቋርን ብዝተፈላለዩ መጋየጺታት ምግያጽን፡ ከም ምዕባለ ስለ እንርእዮ በዚ ኵርዓትን ክብርን እዩ ዝሰምዓና” ከምኡ ኢልና እናዘመርናውን ኃጢኣት ዝገበርና ኾይኑ ኣይስመዓናን እዩ። እዚስ እንታይ ሽግር ኣለዎ? ምኽንያቱ ኣምላኽ ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ” ምስ በልክዎም እሞ ዓባየይ ብስምባደ  “ሰኣሊ ለነ ኣይ! ኣንቲ ጓለይ ከመይ ዝበልዎ  ዘርጊ ዘረባ እዩ እዚ። “ኣፍንጫኻ ተሰቚርካ ድማ ይዝመር እዩ? ወይ ኣምላከ እስራኤል ናይ ሻሙናይ ሽሕ ክፍለ ዘመን ዘመርቲ ኽርኢዶ ኣጽኒሕካኒ? እሞ እቲ ቤተ ክርስቲያንኩም ደኣ ኣልቤርጎ ተቐይሩ ዘይትብልኒ፡ ነውሪ ምሥራሕክን ከይኣክል ድማ ነቲ ነውሪ ኸም ክብሪ ጌርክን ኢኽን ትርእይኦ ይበሃል እዩ?” ብምባል ከይተረድአን ኣብ መንጐ ትምህቲ ኣተዋ።
 ሽዑ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም “ሰይጣን ዝምቡላት ክነስኽን ምዕቡላት ዝብል ስም ስለ ዘጠመቐክን፡ ነውራማት ክነስኽን  ክቡራት ኴንክን ከም ዝስመዓክን ስለ ዝገብርን እዩ ንስሓ ኸይትኣትዋ ዓቐብ ዝኾነክን ዘሎ። ሔዋን ጓለይ ክቡር ጳውሎስ ብዛዕባ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ዝጸሓፎ ቃል፡ እተን ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ዝበለን ንስኻትክን ደኣ ከይትኾና?። ምኽንያቱ እቲ ባህርያት ናይ ጸላእቲ መስቀል  ምሳኻትክን ስለ ዘሎ። እቲ ቓል ከምዚ እዩ ዝብል “ብዙኃት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይመላለሱ ኢዮም፡ መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ። ኣምላኾም ከብዶም እዩ ነውሮም ክብሮም እዩ፡ ነቲ ኣፍንጫኻን ሕምብርትኻን እና ተሰቖርካ ነውሪ ክነሱ ክብሪ እዩ ዝብላ ዘመልክት ቃል እዩ።(ፊል 3፡20-21)

 ሔዋን ጓለይ ንስኺ እኮ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኢኺ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ድማ ብንጽሕናን ብቕድስናን ከጋይጽ ደኣ እምበር፡ ብሓፂነ መጺን ተኸቢብኪ መደበር ክትመስሊ፡ ወይ ውን ከም መትኃዚ መፍትሕ ዝሰዅዕልኪ ሓፂንን ስልክን ከተንጠልጥሊ ኣይግበኣክን እዩ” እናበሉ ትምህርቶም ቀጸሉ። ዓባይ ድማ “ኣብዚ ዓዲ ኻብ ዝመጽእ እኳ ዓይነይ ጥዑይ ኣይረኣየን፡ ኣብ ኣፍንጫአን ዘሎ ጥውይዋይ ስልኪ ኣይንርኣዮ እዩ ኣብ ኣፍንጫአን ኣብ መልሓሰን ኣብ ከበሮ ዓይነን ኣብ ሕምብርተን ወ.ዘ.ተ ኣንቲ እንታይ እዩ ረኺብዎ እዚ ሰብ ኵሉ እኮ ብሓፂነ መጺን ፌራሜንታ ተቐይሩ” እናበልኩ እየ ንበይነይ ዝጭነቕ። 

 ኣቦና ድማ ትቕብል ኣቢሎም “ሔዋነይ ስምዕኒ እሞ እዛ ጓለይ እዚ ኣብ ኣፍንጫኽን ሕምብርትኽን ካልእ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላትክን፡ ሓፂነ መጺን ሰዅዕኪ፡ መስማር ዝበዝኃ ሃራምበ ምምሳልኪስ  ከጕህየኪ ደኣ እምበር፡ ከዅርዓኪ ኣይግብኦን እዩ።  እዚ ዘዅርዓክን ካብ ካልእ ሰብ ዝበለጽኪ መሲሉ ዝስምዓክን እንተ ኾይኑ ስንፍቲ ጓል ኢኺ። ዘይትፈልጢ ብምዃንኪውን ተኅዝኒ ደኣ እምበር ኣይትምስገንን ኢኺ። ምኽንያቱ ይትረፍዶ እቲ ብባህሪኡ ፍልጠት ዝተዓደለ ወዲ ሰብሲ በቕልን ፈረስን እኳ ከም ናይ ወዲ ሰብ ፍልጠት ዘይብሎም ክነሶም፡ መጋየጺታት ጌሮም ካብ ዝኽብክብዎም መጋየጺታቶም ኣራጊፎም ክኽብክብዎ እዩ ዝያዳ ደስ ዝብሎምን ሸኸሞም ዝቐለሎምን። ስለዚ ፈላጥ ዝበሃል ወዲ ሰብ ወርቅን ብሩርን ኣብ ርእሱ እንተ ሰቐለ ኣብ ኢዱን እግሩን ክሳዱን እንተ ገበረ ክኃፍር እምበር ክኾርዕ ኣይግብኦን እዩ።

 እቲ ጌርዎ ዘሎ ካብ ወርቅን ብሩርን ካልእ ሓፂነ መጺን ዝተሠርሐን መጋየጺ ሕይወት ዘይብሉ ፍጡር ደኣ ኾይኑ እምበር ዝያዳ ኩርዓት ክስምዖ ዝግበኦስ ንእኡ እዩ ነይሩ። ካብቲ ንባህሪኡ ዘየድልይዎ ነገራት ዝተጻዕነ ሰብ ንላዕሊ እቲ መጋየጺ እንተኸበረ ደኣ እንታይ የደንቕ? እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ክቡር ዝኾነ ወዲ ሰብ ዝተጻዕነ መጋየጺ ዘይኮርዐ፡ ንእኡ ዝተሸከመ ወዲ ሰብ ንዕኡ ብምሽካሙ ክኾርዕን ኪሕጐስን ክትርኢ ኣዝዩ ዜኅዘን እዩ። ተዓዘብቲውን ስለ እቲ ዝተሸከሞ ሸኸም ኣብ ክንዲ ዝኃዝነሉ ብእኡ እንተ ቐንኡን እንተኽበርዎን ቅዱስ ያዕቆብ ንወርቅን ንብሩርን ብምህራፍ ዝነቐፎም ከንቱ ስለ ዝኾኑ ኣይምስገኑን እዮም። እቲ ፋላጥ ግና ንሰብ ብዘለዎ ወርቅን ብሩርን ኣየኽብሮን እዩ። ንባዕሉውን ብብዝኂ ሃብቲ ከም ዝኸብር ኣይሓስብን ኣይቅበሎን ድማ እዩ።

 እቲ እግዚአብሔር ልቢ እዩ ዝርኢ ምባልኪ ድማ ቅኑዕ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኃጢአት ዝሠርሕ ሰብ፡ ዘይጸውም ሰብ፡ ዘይጽሊ ሰብ፡ እግዚኣብሔር ልቢ እዩ ዝርኢ ክብል ግና ኣዝዩ ዜኅዝን እዩ። ናትክን ልቢስ እግዚአብሔር ኣይርኣየልክን እየ ዝብል እዘን ደቀይ፡ ንስኻትክንውን እግዚአብሔር ናይ ልብና ኣይርአ ክትብላ እዩ ዝግብኣክን። ብመጀመርታ እግዚአብሔር ልቢ እዩ ዝርኢ ዝብል ሰብ ልበይ ንጹሕ እየ ይብል ምህላዉ ክዝንግዕ የብሉን እዚ ድማ ከቢድ ትዕቢትን ናይቲ ተጋዊ ውድቀትን እዩ። (ሉቃ 18፡9-14፡ 1ይ መል ዮሐ 1፡8)። ብምቕጻል ድማ እቲ ኣብ መጋየጺታትን ዘይውርዙይ ኣከዳድናን ዝርአ ተርእዮ እኮ ካብ ልቢ እዩ ዝምንጩ፡ ስለዚ ዋላ እኳ ንሓደ ሰብ ናይ ልቡ ሓሳባት መርሚርካ ዝፍለጥ እንተዘይኮነ፡ ኣከዳድናኡ ግና መንነቱን ውሽጣዊ ሓሳባቱን ዘነጽር ላባራቶሪ እዩ እንተበልካ ምግናን ኣይኮነን።

 ስለዚ ሔዋን ጓለይ ካብዚ ኵሉ ኣብ መወዳእታ ዝብለኪ ኣብ ግዳማዊ መጋየጺታት ጊዜኺ ካብ ምብኻን ውሽጣዊ ንጽሕናኺን ቅድስናኺን ኣብ ምግያጽ እንተትነጥፊ እዩ ዝኅሸኪ። መጽሓፍ ቅዱስውን “ስልማትክን እቲ ብኅቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝኾነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር እቲ ናይ ሥሩሕ ርእስን ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን....ይብለና እዩ። (1ይ ጴጥ 3፡2-6) እስኪ ነዚ ዝኅግዘኪ ገለ ቓላት ናይ ጥበበኛታት ኣቦታትውን ወስ ክብለልኪ እሞ ንሕጂ ይኣኽለና።...

No comments:

Post a Comment