bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 1 February 2017

ትርጕም ሓንቲ ቓል 8

ድንግል ማርያም ብፅዕቲ እያ ምባል እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?

 እዚ ሕቶ እዚ ውን መሠረታዊን ኪምለስ ዘለዎን ሕቶ እዩ። ምኽንያቱ ኵሉ ትገብሮ ነገር ቅድሚ ምግባርካ ስለ ምንታይ ወይ ንምንታይ ጥቕሚ ትገብሮ ከም ዘለኻ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ ልማዳዊ ኢኻ ማለት እዩ። ልማድ ድማ ብልማድ ክሰዓር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ብዙኃት ኣኅዋትና ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። ብልማድ ከመስግንዋ፡ ብልማድ ስማ ኪጽውዑ፡ ብልማድውን ሥዕላ ኪሳለሙ ይጸንሑ’ሞ፡ ዲያብሎስ ነዚ ሃጓፍ እዚ ተጠቒሙ፡ ስለ ምንታይ ሥዕላ ትስዕም፡ ስለ ምንታይ ብስማ ትዝምር ስለ ምንታይ በዓላ ትገብር ስለ ምንታይከ ብፅዕቲ ትብላ? ስለ ምንታይ ተመስግና ምስጋና ንሓደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ዝወሃብ” ዝብሉን ካልኦት ጭማራታት ይውርውረሎም እሞ መከላኸሊ ዋልታ ዘይብሎም ምስ ዝጸንሑ በዚኦም ተወጊኦም ካብ ምስጋና ናብ ጸርፊ ይዋፈሩ። ነቲ “ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም” ዝብል ትንቢት ፈጸምቲ ኣብ ክንዲ ንኸውን ድማ ነቲ “ንስሙን ንማኅደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ክጸርፍ ኣፉ ኸፈተ” ዚተባህለ ብጸረ ክርስቶስን ተኃባበርቱን ዚፍጸም ትንቢት ፈጸምቲ ንኸውን /ራእ 13፡6/። ስለዚ ካብዚ ምእንቲ ኽንድኅን ንድንግል ማርያም ክብርቲ ብፅዕቲ ምስግንቲ ምባል ዘለዎ መንፈሳዊ ጥቕሚ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንዅሉ ምዝርዛር ዓቕምና ኣይኮነን። ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ግና እነሆ፦

1. ትንቢት ንምፍጻም፦ ““ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም” ዝብል ቃል ትንቢታዊ ቃል እዩ። ወለዶ ናታ ማለት ውሉድ እግዚአብሔር ምዃንካ ዝፍለጠሉ ሓደ መገዲ እዚ እዩ። ዳዊትውን ኣቐዲሙ ኵሉ ሰብ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ” /መዝ 87፡5/ ብምባል ዚተነበዮ ትንቢት ኣሎ። ስለዚ ሰብ ተጠሚቑ ውሉድ ኣምላኽ ካብ ኮነ ብነቢያት ዚተነገረ ትንቢት ኣብኡ ንኸይፍጸም፡ ማለት ኣዴና ጽዮን ከይብልን፡ ቅድስት ብፅዕት ድንግል ማርያም ከይብልን ኣፉ ዚዓብሶ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

2. ቅዱሳን ኣበው ስለ ዘመስገንዋ፦ ቅዱስ ጳውሎስ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰበኽልኩም መራሕትኹም ዘክርዎም ከመይ ኢሎም ከም ዚነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ”/ዕብ 13፡7/ ዝበሎ ቓል ንምፍጻምውን ኣማራጺ ዘይብሉ ግዴታ ናይ ሓደ ክርስቲያን እዩ። ምኽንያቱ ቅዱሳን ዚኃለፍዎ ሕይወት ከይኃለፍካ ቅዱሳን ናብ ዘለዉዋ ገነት ምእታው ስለ ዘይከኣል። እስከ በሉ ካብ መዝገብ ቅዱሳን ቁሩብ ንካፈል፦ በየን እሞ ኺጅምር እየ “ሰላም ንዓኺ ኦ ምልእተ ጸጋ” ዝብል ናይ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽቲ ቃል ይቕድመኒ /ሉቃ 1፡28/ ከም ኤልሳቤጥ “ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ...ኣደ ጐይታይ ናባይ ኪትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይ” /ሉቃ 1፤42-43/ ብምባል ውን መንፈሰይ ከሐድስ እደሊ። ናይቶም ካልኦት ምስጋና እሞ ኣበይ ኢለ ክበጽሖ  ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ “ናይ ድንግልናኣ ምስጋና ኣብ ኵሉ ዝመልአ ኢዩ” ኢለ ዶ ክዓጽዎ?............ኦ እመቤተይ “ብዕለተ ዓርቢ ካብ ወድኺ የማናይ ጐድኑ ብዘዝፈሰሰ ማይ ተጠሚቓ ካብቲ ብመውጋእቱ ዝፈሰሰ ደም ተቐቢኣ ቅድስት ቤ ክርስቲያን ተመስግነኪ.....ምስጋናኺ ኣብ ኵሉ ኣጽናፈ ዓለም ሰፍሐ፡ ናይ ውቅያኖስ ባሕሪ መደቡ ውሱን ኢዩ፡ ናይ ሐኖስ ባሕሪውን ከም መጠኑ ዓቐን (ልክዕ) ኣለዎ ናትኪ ምስጋና ግና ደረትን ወሰንን ቊጽርን መወዳእታን የብሉን። ኣእምሮ ኪውስኖ ኣንደበት ተዛሪቡ ኪፍጽሞ ኣይክአእልን.....መላእኽትን ሓለቓታት መላእኽትን ነቲ ዚፈጠሮም ስለ ዝወለድኪ የመስግኑኺ.....ኦ ድንግል ብዅሉ ዚተፈትወን ዚጸበቐን ነገር መሰልኩኺ ምስጋናኺ ንምፍጻም ግና ኣይ ከኣልኩን....ብንጽሕና ሥርዓት ስለ ዚመሰልክዮም ኵሎም ማኅበረ መላእክት የመስግኑኺ ዝተነበይዎ ትንቢት ብኣኺ ስለ ዚተፈጸመ ኵሎም ማኅበረ ነቢያት የመስግኑኺ። ዚተፈተወ ወድኺ ኃው ኮይንዎምን ንመንግሥቱ ድማ ወረስቲ ስለ ዝገበሮምን ማኅበረ ሓዋርያት ኵሎም የመስግኑኺ ..ናይ ስምኪ ኣጸዋውዓ ካብ ኣፉ ዘየርሕቕ ናይ ልዕልናኺ ነገርውን ካብ ልሳኑ ዘየቋርጽ ሰብ ዝተመስገነ ኢዩ። ኦ! ቅድስት ድንግል ጉልበትናን ኃይልናን ሞገስናን ክብርናን ተድላ ደስታናን ንስኺ ኢኺ /ኣርጋኖን ዘሠሉስ/።
ኦ ድንግል ከየቋረጽኩ ንኸመስግነኪ ናይ ኪሩቤል ኣፍ ናይ ሱራፍኤል ልሳን እንተ ዝቕበል በዚ ምስጋናኺ ንምፍጻም ኣይክእልን /ኣርጋኖን ዘረቡዕ/። 

3. ንድንግል ማርያም ምምስጋን በረኸት ስለ ዘለዎ

ብሥርዓት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ኵሉ ጊዜ ኣብ ንዝምሮ መዝሙራት ብመጀመርታ ናይ ጐይታና ካብኡ ቐጺሉ ኸኣ ናይ እምቤትና ብድኅሪኡ ድማ ናይ ዕለቱ ዚዝከር ሰማዕት ወይ ጻድቕ መዝሙር ይዝመር። ነዞም ነዚ ዘይወሓጠሎም ኣኅዋት ሓንቲ ኣብነት ክህቦም እሞ ናብ ምስተውዓል ክምለሱ ድማ ተስፋ ይገብር። ኣብ መጽሓፈ መሳፍንቲ ምዕራፍ 5 “መዝሙር ዲቦራ” ዝበሃል መዝሙር ኣሎ። እቲ መዝሙር ከምዚ እናበለ ይጅምር “በታ መዓልቲ እቲኣ ዲቦራን ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓምን እዚ ዝስዕብ መዝሙር ዘመሩ፦ መራሕቲ ኣብ እስራኤል ስለ ዝመርሑ፡ እቲ ሕዝቢ ድማ ባዕሉ ብፍቓዱ ንውግእ ስለ ዝተዳለወ ንእግዚአብሔር ኣመስግንዎ..” /መሳ5፡1-2/። ባራቅን ዲቦራን ኣብ ውግእ ምስ ተዓወቱ መጀመርታ ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ ቀጺልና ምስ ነንብብ ድማ ከምዚ ይብል “..ያዔል ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ ብርኽቲ ትኹን፡ ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን...” እናበሉ ንሓንቲ ኣብቲ ውግእ ዓቢይ ተራ ዚነበራ ሰበይቲ ብመዝሙር ኣመስገንዋ /መሳ 5፡24/።
  ስለዚ ዓይነቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ንቕዱሳን ምዝማር መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ። ማለት ናይ ፈጣሪ ምስጋና ንፍጡር፡ ናይ ምፍጡር ምስጋና ንፈጣሪ ከይንህብ ኪንጥንቀቕ ይግብኣና። ደረፍትን ናይ መናፍቓን ዘመርትን ነቲ ንኣምላኽ ዝግባእ ንሰብ ነቲ ንፍጡር ዝግባእ ድማ ንፈጣሪ ብምሃብ ይፍለጡ። ቤተ ክርስቲያን ግና ኵሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ሥርዓቱን ኣገባቡን ዝሓለወ ናይ ምስጋናን ናይ ዝማሬን ውህብቶ ኣለዋ። ብሕጽር ዝበለ ኣብ ዋላ ሓንቲ ኽፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ “ንቕዱሳን ኣይትዘምሩ ንቕዱሳን ኣይተመስግኑ” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘይንረክብ ባዕልና ተቓዊምና ባዕልና ከይንኹነን ንጠንቀቕ።

 እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም “ዚረግሙኻ ርጉማት ይኹኑ፡ ዚባርኹኻ ድማ ኪባርኾም እየ” ከም ዝበሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። እሞኸ ደኣ ንኣብርሃም ዚባረኸ ዚባረኽ ካብ ኮነ፡ ነታ ኣምላኽ ኣብርሃም ዚወለደት ድንግል ማርያም ብፅዕት ቅድስት እናበለ ዘመስገነ ክንዲ ምንታይ በረኸት ይሓፍስ ይኸውን? ንኣብርሃም ዚረገመ ርጉም ካብ ዝኸውን ንድንግል ማርያም ዚባረኸ ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ? ካብዚ የድሕነና!

 ብሕጽር ዚበለ ንቕዱሳን ምምስጋን ናይ እግዚአብሔር ቦታ ዚምንዝዕ ኣይኮነን፡ ኣይትጨነቕ ኣኺሉ ዚተርፍ ሃብቲ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ ዘለና። ናቱ ምስጋና ፍልይ ዝበለ ዓቢይ እዩ፡ ንቕዱሳኑ ድማ ከነመስግነሉ ይደሊ፡ ንሱ ቅዱስ ከም ዝኾነ፡ ቅዱሳን ጌርዎም እዩ፡ ንሱ ብርሃን ኮይኑ ብርሃናት ጌርዎም እዩ፡ ጐይታ ኾይኑ ናይ ጸጋ ጐይቶት ኔርዎም እዩ... ወዘተ። ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ሃቡ ዝበለና “ዝግብኦም ክብሪ ንህቦም”። ንሕና ብነኽብሮም ክብሪ ይኸብሩ ማለት ግና ኣይኮነን። ንሳቶም ብኣምላኾም ክቡራትን ምስጉናትን እዮም። ስለዚ ንእኣቶም ብምምስጋንና እቲ ጥቕሚ ንኣና ደኣ እምበር ንሳቶምሲ ስማቶም ኣብ ሰማይ ተጻሒፉ እዩ /ሉቃ 1፡16-20/ ስለ ዝኾነ ድማ ዝኾነ ሰብ ኣመስጊኑ ዝምልኣሎም ክብሪ ወይ ጸሪፉ ዘጉድለሎም ክብሪ የልቦን። “እቲ ዝረግም ይርገም እቲ ዝባርኽ ድማ ይባረኽ” ደኣ። ኣባ ሕርያቆስ ድንግል ማርያም ንምምስጋን ቃላት ሓጺርዎ “ኦ ድንግል ምልእተ ውዳሴ በመኑ በአምሳለ መኑ ናስተማስለኪ? ኦ ምስጋና ዝተመላእኪ ድንግል ብመን ብኣምሳል ናይ መን እሞ ክንምስለኪ ኢና? ይብል እሞ ብብዙኅ ምሳሌታት ጌሩ ምስ ኣመስገና ከምዚ ይብል “ወረከብኩ በውስቴታ ዘይብል ዘንተ ቅዳሴ ዘይቀድስ ካህን አኮ ማርያምሃ ዘይትቄድስ አላ ውእቱ ይትቄደስ ወእለ ሰምዕዎ ኵሎሙ ይትቄደሱ። እስመ እግዝእትነሰ ማርያም ቅድስት ይእቲ ወትረ በሰማይ ወበምድር” ትርጕም “ኣብ ውሽጡ ከምዚ ዝብል ረኸብኩ ነዚ ቅዳሴዚ ዝቕድስ ካህን ንርእሱ ደኣ ኢዩ ዝቕደስ እምበር ንእመቤትና ማርያም ኣይኮነን ዝቕድስ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ውን ኵሎም ይቕደሱ ኢዮም። ከመይ እመቤትና ማርያም’ሲ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ብመላእኽትን ብደቂ ኣዳምን ኵሉ ጊዜ ዝኸበረት ኢያ። ከምኡ ውን ቅድስት ኢያ ዝብል ጽሑፍ ረኸብኩ” ማለት እዩ።

No comments:

Post a Comment