bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 1 February 2017

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 25 ክፋል


1. ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኣብ ስደት

ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ በቲ ኣብ ጊዜ ሓምለን ነሓሰን ኣዝዩ ዘቃጽል ሙቐት ዘለዎ ኣከባቢ ብቆጶዶቅያ ጌሮም ኣብ ኣርማንያ ናብ ዝርከብ እታ በቐለኛ ዝኾነት ንግሥቲ ኣውዶክስያ ናብ ዝመረጸትሉ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ናብ ዝኾነ ካውካሰስ ናብ ዝበሃል ዓሳው ቦታ ተወስደ። ካውካሰስ ኵነታት ኣየሩ ኣዝዩ ኣሸጋርን ተቐያያርን ኣብ ጊዜ ረምቲ ድማ ዛሕሉ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከምኡውን ኢሱሪያንስ ዚተባህሉ ሰበኻ ሳግም ነገዳት ነቲ ቦታ እናወረሩ ሓደጋ የውርዱሉ ስለ ዝነበሩ ብኣታቶም ኪቕተል እዩ ብዝብል ተስፋ ናብኡ ከም ዝስደድ ገበረት። ንሱ ድማ ኣብቲ ኣሸጋሪ ዝኾነ ናይ ስደት ቦታ ብተቕማጥን ብቓንዛ ርእስን ኣዝዩ ተሳቐየ። ካብ ሓደ ጊዜ ንላዕሊ ንሞት ክሳዕ ዝቃረብ ሓመመ። ናብቲ ቦታ ክሳዕ ዚበጽሕ ንሰብዓን ሾብዓተን መዓልታት ዝኣክል ብተኸታታሊ ብእግሩ ብዘይ ዕረፍቲ ከም ዝጉዓዝ ተገብረ።

ናይ ካውካሰስ ጳጳስ ብርኅራኄን ብኃዘንን ተቐበሎ። ካብ ናይ ቀረባ ፈተውቱን ካብ ክርስቲያንን ብዙኅ መልእኽትን ህያባትን ይለኣኸሉ ነበረ። ከምኡውን ብዙኃት ንእኡ ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ዚተላዕለ ነዚ ኵሉ ኣሸጋሪ ቦታታት ተጓዒዞም፡ ኣብቲ ዘለዎ እናኸዱ ይበጽሑዎ ነበሩ። ንሱ ድማ ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ኾይኑ ብመልእኽቱ ንናይ ቁስጥንጥንያ ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ ይመርሕ ነበረ። ካብቲ ኣብ መንበረ ጵጵስና እንከሎ ዚገብሮ ዚነበረ ንቤተ ክርስቲያን ናይ ምምራሕን ናይ ምሕላውን ሥራሕ ብዘይንእስ ኣብ ጊዜ ስደቱውን እኳ ደኣ ብዝበለጸ ኵነታት ተጽዕኖኡ ጐሊሑ ነበረ። ኣብ ካውካሰስ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ንናይ ኣርማንያ ሕዝቢ ጥዑም ዝኾነ ቃለ ወንጌል እናመገበ፡ ብዙኃት ነፍሳት ናብ እግዚአብሔር የቕርብ ነበረ። ካብቶም ናይ ቁስጥንጥንያ ሕያዎት ምእመናን ከምኡውን ካብ ካልኦት ብፍላይ ድማ ካብ ኦሎምፒያስ ብዙኅ ገንዘብ እናተላእከሉ፡ በቶም በወረርቲ ብኢሱሪያንስ ተኣሲሮም ብምርኮ ዚተወሰዱ ሰባት ነቶም ዝማረኹዎም ብዙኅ ገንዘብ እናሀበ ብዙኃት ናጻ ተባሂሎም ከም ዝፍትሑን ምስ ቤተ ሰቦም ከም ዝራኸቡን ገበሮም። ንብዙኃት ድኻታት ድማ ይረድኦም ነበረ። ብዙኃት ካብ ኣንጾኪያ፡ ካብ ሶርያ፡ ካብ ኪልቂያን ካብ ካልኦት ቦታታትን ናብኡ ይኸዱ ነበሩ።

ኣብ ውሽጢ እተን ሠለስተ ናይ ስደቱ ዓመታት ካብ ዝለኣኾም ብዙኃት መልእኽታት እቶም 242 መልእኽታት ክሳዕ ሕጂ ተዓቂቦም ይርከቡ። እዞም መልእኽታት እዚኣቶም ግሉጽን ዘደንቕን ዘእምን ብዝኾነ ዘይቤ እቲ ዝለዓለን ዝረቐቐን ናይ ክርስትና መንፈስ ንጹር ኮይኑ ዚረኣየሎም መልእኽታት እዮም። እዞም መልእኽታት እዚኣቶም ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ንውሕስነትን ኩለንትናዊ ጥቕምን ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ሓቀኛ ሓሳብን ተሓላቕነትን፡ ከምኡውን ንሱ ካብዛ ዓለም ፈጺሙ ዚተፈለየን፡ ምስ ክርስቶስ ምንባርን ካብኡ ዚረኽቦ ሰማያዊ ኽብርን ጥራይ ደኣ እምበር ዋላ ሓንቲ ከም ዘይደሊ ኣጕሊሖም ዘርእዩ እዮም።

ንኣብነት ኣብ ፊንቄን ኣብ ምድሪ ዓረብን ክርስትና ንምስፍሕፋሕ ብዙኅ ጊዜ ምስኡ ይሠርሕ ንዝነበረ ኮንስታንቲየስ ዝተባህለ ናይ ኣንጾኪያ ካህን ናብቲ ዚተፈረደሉ ናይ ስደት ቦታ እናኸደ ኣብ መገዲ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ከምዚ ይብል፦
 “ዕለት ኣርባዕተ ሓምለ ካብ ኒቅያ ክብገስ እየ። ዋላ እኳ እቲ ማዕበል መመሊሱ እናበርትዕ እንተ ኸደ ነቲ ዝጀመርካዮ ተግባር ማለት ንኣምልኾ ጣዖት ምጥፋእን ኣብያተ ክርስቲያን ምሕናፅን ነፍሳት ናብ እግዚአብሔር ናይ ምቕራብን ነገር ሸለል ንኸይትብል ንምትሕስሳብን ንምብርታዕን ሓደራ ንኽብለካ እዚ ደብዳቤ እዚ ይልእኸልካ ኣለኹ። ናይዚ ሥራሕ እዚ ብጽሒተይ እንተ ዘይገብርን ሸለልተኛ እንተ ዝኸውንን ብምኽንያት እዚ ሕጂ ዝወርደኒ ዘሎ ነገር ካብዚ ኃላፍነት እዚ ነብሰይ ናጻ ኺገብራ ኣይክእልን እየ። ጳውሎስ ኣብ መከራን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርትን እንከሎን፡ ዚተዋህቦ ኃላፍነት ኣይገደፈን፡ ዮናስውን ኣብ ውሽጢ ዓሣ ነባሪ ኸምኡ፡ ሠለስተ መንእሰያትውን ኣብ ማእከል ሓዊ ኾይኖም ተግባራቶም ኣየቋረጹን። ስለዚ ኦ! ዝኸበርካ ጐይታይን ኃወይን፡ ነዚ ዘኪርካ ኣብ ፊንቄን ኣብ ዓረብን ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ንዝተጀመረ ናይ ስብከተ ወንጌል ተልእኾ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ሸለል ንኸይትብል ሓደራ እብለካ። ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ ሽግርን መከራን ጊዜ ንሥራሕ ዝከኣለካ እንተ ገበርካ ዋጋኻ ዕጽፍን ድርብን ኪኸውን እዩ። ናብ ሴባስቴ ዘይኮኑስ ናብ ካውካሰስ ይወስዱኒ ምህላዎም ሕጂ ተረዲአ ኣለኹ፡ እዚ ድማ ንስኻ ናባይ መልእኽቲ ንምልኣኽ ዚኃሸ ቦታ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ክንደይ ዝኣኽላ ኣብያተ ክርስቲያን ከም ዚተሓነፃ፡ ክንደይ ዝኾኑ ምእመናን ከም ዝተጠመቑ፡ እንታይ ዓይነት ናይ ሕይወት ለውጥን ዕብየትን ከም ዝገበሩ፡ ደጋጊምካ ጽሓፈለይ። እታ ብናይ መርቅያን መናፍቕነት ትሕመስ ዘላ ኣብ ቆጵሮስ ዘላ ኣብ ሳላሚስ በቶም ዝግብኦም ሰባት ክግበር ዚነበሮ ነገር ምገበርኩ፡ ንነገራትውን ኵሉ ከም ዝግባእ ገይረ መስተኻኸልኩዎ፡ ግና ኣብ ስደት ኮይነ። ነዚ ንዅላ ዓለም ዘናውጽ ዘሎ ኃያል ማዕበል ጸጥ ንኸብሎ፡ ብትዕግሥቲ ኾይኖም ብዙኅ ጸሎት ናብ እግዚአብሔር ንኸቕርቡ ንዅሎም ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ምስ እግዚአብሔር ዝቐረበ ርክብ ንዘለዎም ተጊሆም ንኽጽልዩ ኣተሓሳስቦም”። 

መልእኽታቱ ንምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ጳጳሳት ካህናት ዲያቆናት ዲያቆናውያት፡ መነኰሳትን ሰባኽያንን ዚተላእኩ ኾይኖም፡ ኣብ ናይ ስደት ጕዕዞኡ ዚረኸቦ ከልበትበትን ድኻምን ዚገልጹ፡ ኣብ ዚተፈላለዩ ኣርእስታት ምኽርን ትምህርትን ዚህቡ፡ ነቶም ብኣካል ዚተፈለዮም መጓሰ ዘበራትዑን ዘጸናንዑን፡ ኣብ ፋርስ (ናይ ሎሚ ኢራን) ንዓሌት ጎታውያንን ኣብ ሲጢያን ጀሚሩዎ ንዚነበረ ስብከተ ወንጌል ንኽቕጽሉ ዘበራትዑን ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዳያትን ዚድህስሱ እዮም። ሓቀኛ ኣቦ ብኣካል እኳ እንተተሰደ፡ ንሱ ካብ ምእመናኑ ምእመናን ድማ ካብኡ ኣይፈላለዩን እዮም። እቲ ኣብ ሓቂ ዘይተመሥረተ ግና ዋላ እኳ ብኣካል እንተ ቐረበ ብመንፈስን ብልብን ግና ዚረሓቐ እዩ። እቲ ሕዝቢ ንበዓል አቲከስ ኣይንቕበልን ኢና ብምባል ብዙኅ መከራ ኪቕበል ከሎ፡ ካብቲ ሓቀኛ ኣቦ ግና ዋላ ኣብ ስደት ከሎ ኣይተፈለየን። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መልእኽታት ኣብ ቁስጥንጥንያት ኣብ ኵሉ ዚተረኸቡሉ ቦታን ብናፍቖት ይንበቡ ነበሩ። 

No comments:

Post a Comment