bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday, 31 January 2017

ትርጕም ሓንቲ ቓል 7



“ንሱ ግና ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑዎን ዝሕልዉዎን ደኣ እዮም በላ” /ሉቃ 11፡28/።
“ኢየሱስ እዚ ኽዛረብ ከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቶም ሕዝቢ ድምፃ ዓው ኣቢላ ‘ዝፆረትካ ኸርሥን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁዓት እየን” በለቶ /ሉቃ11፤27/። “ንሱ ግና ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑዎን ዝሕልዉዎን ደኣ እዮም በላ” /ሉቃ 11፡28/። እዚ ቓል እዚ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮ ዚተኃኃዝ ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለዎ ቓል እዩ። ብዙኃት ቅኑዕ ትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰኣን ምፍላጥ ዚጠፍኡ ኣኅዋትና ግና፡ ነዚ ቓል እዚ ብኻልእ መንፈስ ተቓንዮም ጠዋይ ትርጕም ብምሃብ ንርእሲኦም ስሒቶም ንሰባት ከስሕትሉ ካብ ዚጅምሩ ዘመናት ኣቚጺሩ ኣሎ። በዚ ግሩም ቃል እዚ ኣብ ክንዲ ዚባረኹ ንተዋሕዶ ሃይማኖት ዘዳኸሙ መሲልዎም ነብሶም ኣዳኺሞም፡ ንቕድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ዘሕሰሩ መሲልዎም ንነብሶም ኣሕሲሮም፡ ንኣኣ ኼቃልሉ ንፈጣሪኦምውን ምቅላል ተገደዱ።

 ምስጋና ንፈጣሪ ደኣ እምበር ንፍጡር ኣይወሃብን እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ንማርያም ተመስግኑ እናበሉ ተቓውሞኦም ኣስምዑ፡ ንኣምላኽ ኬመስግኑ ግና ርኢናዮም ኣይንፈልጥን፡ ስግደት ንኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝግባእ ንስኻትኩም ግና ንቕዱሳን ትሰግዱ እናበሉውን ንብርክናን ንጉልበትናን ዚደንገጹልና ኺመስሉ ክብሪ ዘኽልእ ቃል ይዛረቡ፡ እንተ ኾነ ግና ንኣምላኽ ኪሰግዱ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ኣይረኣናዮምን፡ ኣብ ኣዳራሽ ኪዘሉን ከንከባልሉን እንተ ዘይኮይኑ ስግደት ዝበሃል ኣይፈልጡዎን እዮም፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንዝወደቑ ደኣ የተንሥእ እምበር መንፈስ ቅዱስ ተመሊአ እናበልካ ምውዳቕ ጸረ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

 ሕዝቅኤል “መንፈስ እግዚአብሔር መልኣኒ ብእግረይ ደው ኣበለኒ” ብምባል መንፈስ እግዚአብሔር ደው ከም ዘብል ደኣ እምበር ከም ዘየውድቕ ኣረድአ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ውን ከምዚ ዝብል ዜደንቕ ቃል ንረክብ “ጐይታይ ንወደይ መሓረለይ፡ በብወርኂ ዜውድቕ ሕማም ይለዓሎ፡ ኣዝዩ ይሳቐ፡ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ሓዊ፡ ብዙኅ ጊዜውን ኣብ ማይ ይወድቕ..” /ማቴ 17፡14-17/። በሉ ረኣይዎ እቲ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ኣዳራሽ ዜውድቐኩም ዘሎ መንፈስ እዚ እዩ። ኦ! ጐይታ ነዞም ብዙኅ ጊዜ ኣብ ኣዳራሽ ዝወድቁ ምስ መንደቕን ወንበራትን ዝላግዑ፡ ርኹስ መንፈስ ተሰኪሙ ኣብ ርእሲ ርእሲ ጨራሪሑ ዝድርብዮም ዘሎ፤ ብዙኅ ጊዜ ሳዕሪ ዘብልዖም.. መሓረልና። ጐይታና ነቲ ጋኔን ምስ ገንሖ ግና እቲ ቘልዓ ሓወየ ብድኅሪኡ ቀኒዕካ ምቛም እምበር ውድቀት የልቦን፡ ውዱቕ መንፈስ የውድቕ፡ ቅዱስ መንፈስ ከኣ የተንሥእ።

 


 ምስጋናን ዝማሬን ንኣምላኽ ጥራይ እዩ ክብሉ ይስምዑ፡ ኪደርፉ እንተ ዘይኮይኑ ግና ሓንቲ መዓልቲ ክዝምሩ ርኢና ኣይንፈልጥን፡ “ኢየሱስ ዓርከይ” ዝብል ደርፊ ብናይ ጓይላ መሣርሒ ሙዚቃታት ተሰንዩ፡ ነቲ ናይ ጓይላ ወልፊ ዘለዎ ሕዝብና ብቐሊሉ ምምራኽ ከም ዝኽእል ሰይጣን ኣንዳዕዲዑ ይፈልጦ እዩ። ስለዚ መተዓሻሸዊ ዝኸውን ግጥሚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜማ ካብ ናይ ደረፍቲ፡ እናሓዋወሰ ልቦም ጠዋውዩ ባሮት ንኽገብሮም ጊዜ ኣይወሰደሉን። እምበር ንቕዱሳን ምምስጋንሲ ናይ ቅዱሳን ግብሪ እዩ። 

 ምናልባት ነዚ ንኽዝርዝር ካብ ኣርእስተይ ዝወፃኹ ኣይምሰልኩም። ነዚ ዅሉ ዘምጽእ ዘለኹ ኸ ንምንታይ እየ? ምኽንያቱ መናፍቓን ነዛ ““ንሱ ግና ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑዎን ዝሕልዉዎን ደኣ እዮም በላ” /ሉቃ 11፡28/። ትብል ቃል መበገሲ ብምግባር፦

1. ድንግል ማርያም ብፅዕቲ ኣይኮነትን ይብሉ /ላቲ ስብሐት/
2. ንቕዱሳን መዝሙርን ምስጋን ኣይፍቀድን ስለ ዝብሉ እየ።

እስከ መጽሓፍ ቅዱስ ንገንጽል እሞ ዜስተውዕል ልቦና እንተ ሂብዎምሲ ቅኑዕ ትምህርቲ ብምሃብ ንሓግዞም። ብመጀመርታ ኣብዛ ጐይታ ዚተዛረባ ቓል ብኣስተንትኖ እንተ ርኢናያ፡ ጐይታና “ኣደይ ወላዲተይ ብፅዕቲ እያ” ዝብል ቃል ከም ዚተዛረበ ኪንርዳእ ኢና። ቅድሚኡ ግና ነዚ ዝስዕብ ናይ ምስጋና ቃል ብህዱእ መንፈስ ንመርምሮ፦

እነሆ ኻብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም/ሉቃ 1፤49/
ነዚ ቓል እዚ ዚተዛረበቶ ወለዳዲተ ኣምላኽ ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሐን ኣደ ብርሃን ዝኾነት እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ስለ ምንታይ እዮም ግና ዅሎም ወለዶ “ብፅዕቲ” ዝብልዋ? ብርግጽከ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ይብልዋ ኣለዉዶ? እቶም ብፅዕቲ ዝብልዋ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ኣሎዶ? ወይስ ብፅዕቲ እንተ ተባሂላ እቲ ጥቕሚ ንኣኣ እዩ? እቶም ብፅዕቲ ዘይብልዋኸ ዝረኽቦም መርገም ኣሎዶ? ዝብሉ መሠረታውያን ሕቶታት ክለዓሉ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ክርስትና ካብ መርገም ርሒቕካ ናብ መርኸት ምቅድዳም ስለ ዝኾነ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣቐዲምካ መርገም እንታይ እዩ? በረኸትከ እንታይ እዩ? ብኸመይ ርጉም ትኸውን? ብኸመይከ ብሩኽ ትኸውን ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ኣገዳሲ እዩ።

ድንግል ማርያም ብፅዕቲ ድያ?

 ብርግጽ እምበር! ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብፅዕቲ እያ። ጐይታና ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል “ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ሰሚዖም ዚትግብርዎ ዅሎም ኢዮም” /ሉቃ 11፡27/። ሓደ ሓደ መናፍቓን ነዚ ጥቕሲ እዚ መበገሲ ብምግባር ድንግል ማርያም ብፅዕቲ ኣይኮነትን ይብሉ እዮም። ምኽንያቱ ቅድሚኡ ዘሎ ቃል ምስ ንምልከት “ሓንቲ ሰበይቲ ካብቶም ሕዝቢ ድምፃ ዓው ኣቢላ ‘ዝፆረትካ ኸርሥን ዝጦበኻየን ኣትባጥን ብፁዓት እየን’ በለቶ እዩ ዝብል። ጐይታና ድማ “ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም” በላ። እዚ ግና ብሓቂ ልቦናኦም ደኣ ተደፊኑ እምበር፡ ከም ድንግል ማርያም ገይሩ ንቓሉ ዚሰምዐን ዚፈጸመን እሞ መን ኣሎ? እስከ ሕሰብዎ ሰበይቲ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ኪትወልዲ ኢኺ ተባሂላ ከመይ ገይራ ኪትኣምን ትኽእል። ይትረፍዶ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ፡ ሳራ ኣብ እርጋና ካብ ሰብኣይ ኪትወልድ ምዃና ተነጊርዋ ከም ዝሰሓቐት ንፈልጥ ኢና። ነዚ ናይ በዓል ሳራ፡ ርብቃ፡ ሐና እመ ሳሙኤልን ካልኦት መኻናት ነይረን ኣብ እርጋነን ዚወለዳን ታሪኽ ጽቡቕ ጌሩ ዚፈልጥ፡ ብዛዕባኡ ኪምህርን ኪትርጉምን ዝውዕል ካህን ዘካርያስውን፡ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድ እያ ምስ በሎ ስለ ዘይኣመነ፡ ዮሐንስ ክሳዕ ዝውለድ ዓባስ ከም ዝኾነ ወንጌል ይነግረና። ድንግል ማርያም ግና “እነሆ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር እየ፡ ከምቲ ዚበልካኒ ቃልካ ይዅነለይ” ብምባል ነቲ ንምእማኑ ዘሸግር ቃል ብዓቢይ ትሕትና ተቐበለቶ።

 ስለዚ ጐይታና “ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም”  ካብ በለ፡ ነዚ ድማ እመቤትና ብዝግባእ ካብ ፈጸመቶ፡ ጐይታና “እታ ንቓል ኣም ላኽ ሰሚዓ ዚኃለወቶ ወላዲተይ ብፅዕቲ እያ” ማለቱ እዩ። በዚ ድማ ነታ ዘይግብኣ ውዳሴ ደልያ ዝመጸት ሰበይቲ ዝግሥፅን ናይ ድንግል ማርያም ብፅዕና ድማ ዚገልጽን ሓደ ቓል ተጠቕመ። ብባህሎም ንዝውድሰካ መሊስካ ኢኻ ትውድሶ። ንሳ ድማ ነዲኡ ብፅዕቲ ክብላ እሞ ንኣይ ድማ ከመስግነኒ እዩ፡ ብፅዕቲ ክብለኒ እዩ ኢላ ብምሕሳብ እያ ዝመጸት። ናይ ልብና ሓሳባት ዝፈልጥ ጐይታ ግና፡ ነታ ናይ ብፅዕና ሥራሕ ከይሠርሐት ብፅዕቲ ኪትበሃል ዚደለየት ሰበይቲ ዚግሥፅን ክብሪ ናይቶም ንቓል ኣምላኽ ሰሚዖም ዚትግብሩ ዚገልጽን ሓደ ቃል ብምምጻእ “ብፁዓን’ሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም” በላ። ኣብ ካልእ ቦታ ውን “ኄር ሕያዋይ መምህር እናበለ ዚመጾ ሰብ፡ “ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ኄር የለን” ብምባል መሊስሉ እዩ። እዚ ማለት ከ ክርስቶስ ኣምላኽ ኣይኮነን ማለት ድዩ? ወይስ ኄር (ሕያዋይ) ኣይኮነን ማለት ድዩ? ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ካባና የርሕቆ። ንሱ ንስሙ ክብሪ ይኹኖ ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ እዩ (ዮሐ 1፡1-14 ሮሜ 9፡5 1ይ ዮሐ 5፡20) ንሱ ኄር ሕያዋይ ጓሳ እዩ (ዮሐ 10፡11 ሉቃ 10፡33-37) ትርጓሜኡ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮ እዩ።

 ስለዚ ንሕና ብርግጽ ጐይታና ““ብፁዓን’ሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም” ብምባል ብፅዕና ናይ ኣዲኡ ገለጸ ንብል። ነዚ ድማ እያ ኤልሳቤጥ “እቲ ካብ እግዚአብሔር ዚተነግረኪ ቃል ከም ዚፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” ዝበለታ /ሉቃ 1፡45/። ኣስተውዕል ሕጂውን ኣብ ኤልሳቤጥ ኮይኑ ዚዛረብ ዘሎ ባዕሉ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ቓል ከምዚ እዩ ዝብል “ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ” /ሉቃ 1፤41/። ባዕላ እታ ሕያወይቲ ኣዴና ፈቃር እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያምውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ እያ “ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም” ዝበለት....

No comments:

Post a Comment