bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday, 3 February 2017

ትርጕም ሓንቲ ቓል 10





በሎም፥ ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ /ሉቃ 22፡36/

 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።ነቲ ኪማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ኅደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሓበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። ንዝለመነካ ሃቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ።ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንኃጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነኅዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ኃለፋ ገበርኩም፧ ኣሕዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” ብምባል ምሂሩና እዩ /ማቴ 5፡38-48/

“የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ” ኢሉ ዝመሃረ ደኣ ንምንታይ እዩ ሰይፊ ኃዙ ዝበለ? እዚ ሰይፊ እዚ ከምቲ ንሕና ንርድኦ ንመቚረጺ  ዝኸውን ሰይፊ ኣይኮነን። ሰይፊ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ንኃዘንን ንቃል ኣምላኽን” ውን ተዋሂቡ ንረኽቦ ኢና። ንኣብነት ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ዝበዓሉ ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ናይ ጐይታና ሓደ “በዓለ ስምዖን” እዩ። ኣቦና ኣረጋዊ ስምዖን ንጐይታና ንእመቤትናን ኣብ ቤት መቕደስ ረኺቡ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፥ “እንሆ፡ እዚ ንብዙኃት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙኃት ምእንቲ ኺገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ” /ሉቃ 2፡34-35/።

 ኣብዚ ብንጹር ከም ዝረኣናዮ “ንኃን እዩ ሰይፊ” እናበለ ዝጸውዖ እምበር ንድንግል ማርያም ሰይፊ ናብ ነፍሳ ኣትዩ ማለት ከም ዘይኮነ ዝኾነ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዝርድኦ እዩ። መጽሓፍ ተኣምረ ማርያም ከም ዝነግረና ንድንግል ማርያም ካብ ዝረኸቡዋ ዓበይቲ ኃዘናት ሓደ ድማ እዚ ናይ ስምዖን ቃል ትንቢት እዩ። ስለዚ ኣብዚ ብንጹር ከም ዝረኣናዮ “ሰይፊ” ዚተባህለ “ኃዘን” እዩ።

 ስለዚ “ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ” ማለቱ እምበኣር ብኽዳን ዚተመሰለ ሥጋኻ ብመከራ ብመግረፍቲ ሼጥካ ኅዘን ብሥጋኻ ተሳቒካን ኃዚንካን ኣክሊል ሰማዕትነት ግዛእ ማለቱ እዩ። “ዝኃዝኑ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም” /ማቴ 5፡4/ እናበለ ዝመሃረ ጐይታ ንደቁ ኣብ መወዳእታ ምእንቲ ኼጸናንዖም ሕጂ ኣብ መከራኡ ተኻፈልቲ ንኽኾኑ ንምዕዳም “ሰይፊ” ኃዙ ብምባል ተዛረበ።


 ናብቲ ኻልኣይ ትርጕም ምስ ንኸይድ ድማ “ሰይፊ” ዚተባህለ “ቃል ኣምላኽ” እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል፦ “ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ኃዙ /6፡17/። ደጊሙ ድማ “ቃል ኣምላኽ ሕያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” ይብለና /ዕብ 4፡12/። 

 ስለዚ “ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ” ማለቱ ብኻልኣይ ትርጕሙ “ዘለካ ኵሉ ሼጥካ ተኸተለኒ” ከም ዝበል ዘለኩም ኵሉ ምድራዊ ነገራት ተኸዲንኩሞ ዘለኹም ሥጋዊ ሓሳባት ሥጋዊ ድሌታት ናይ ኃጢአት ማሕፍዳታት ሼጥኩም (ደርቢኹም) ሰይፊ ማለት ቃል ኣምላኽ ኃዙ ማለቱ እዩ። 

ቅዱስ ኣምብሮስ፦ “ክልተ ሰይፊ ኃዙ ማለቱ ቃል ኣምላኽ ማለቱ እዩ፡ ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ካብ ክልተ ዝኣፉ ዝበልሕ ሰይፊ ተባሂሉ ኣሎ” ብምባል ዚተርጐሞ ድማ ነዚ እዩ ዘረድኣና። ፖፕ ሺኖዳ ሣልሳይውን “ሰይፊ ኃዙ ማለት ቃል ኣምላኽ መንፈሳዊ ሰይፊ ኃዙ ማለት እዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ሰይፊ ብምሳሌ ነጊርዎም ስለ ዘይተረድኦም ግና ክልተ ሰይፊ ኣሎና ብምባል መለስሉ። ንሱ ድማ “ይኣክል እዩ” ማለት እኹል ጊዜ ስለ ዘይብልና ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምዝርራብ ይኣኽለና ማለቱ እዩ እምበር ክልተ ሰይፊ ይኣክል ማለቱ ኣይኮነን” ብምባል የብርህዎ። 

ኣብ ማቴ 26፤51-54 “እንሆ፡ ካብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፉ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ። ሽዑ ኢየሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሠርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝኁ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧..” ብምባል ነዚ ንሕና እንፈልጦ ሰይፊ ከም ዝተቓወሞ ነዚ ዅሉ ኪንዝርዝሮ ዚጸናሕና መደምደሚ ዝኾነና ቃል እዩ። 

 ቅዱስ ጴጥሮስ ሰይፉ መሊሑ ንባርያ ናይቲ ሊቀ ካህናት (ንማልኮስ) የማነይቲ እዝኑ ምስ ቆረጾውን “ኢየሱስ ከኣ ንጴጥሮስ ‘ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሱ። ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ጽዋዕ ዘይሰትዮዶ መሲሉካ፧ በሎ” ብምባል ንሰይፊ ደጋጊሙ ከም ዚተቓወሞ ንርኢ /ዮሓ 18፡11/። ስለዚ “ሰይፊ” ዚተባህለ “ብኃዘንን ብቓል ኣምላኽን ይትርጐም”።

No comments:

Post a Comment