ናይ መንእሰያት ትምኒት
ደቂ ሰባት ካብ ቊልዕነት ናብ ንእስነት ኣብ ዝሰጋገርሉ ኣዋርኅን ዓመታትን ኣካላቶም ከም ዝዓብን ኣእምሮኦም ከም ዝዳብርን (ከም ዝምዕብልን)፡ ትምኒታቶም ከኣ ብዓይነትን ብስፍሓትን እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ። እዚ ናይ ጕብዝና ትምኒታት ብመጠኑ ምስ መንፈሳዊነት ዝጻረርን ሥጋውን ብምዃኑ “እኩይ ፍትወት” ይበሃል።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣጓብዝ ዝኽሠት ትምኒት ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ “ካብ ክፉእ ትምኒት ጕብዝና ህደም” ብምባል ነቲ ናይ መንፈስ ወዱ ንጢሞቴዎስ ኣብ ዝመኸረሉ ጊዜ፡ ነዚ ናይ ጕብዝና ትምኒት “ክፉእ ትምኒት” እናበለ ኺጽውዖ ነንብብ /2ይ ጢሞ 2፡22/።
ብርግጽ ከኣ ኣብ ናይ ጕብዝና ዘመን ዝርከብ ትምኒት ኣዝዩ ክፉእ እዩ። ምኽንያት ጕብዝና ትሥርሓሉ ደኣ እምበር ትምነየሉ ዘመን ኣይኮነን። ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ ዘመን እዚ ዝኽሠት ትምኒት ብናይ ጕብዝና ኣእምሮ ክፉእነቱ ዘይብጻሕን ኣታላልን እዩ። ሓዋርያ ቕዱስ ያዕቆብ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዝወድቕ” ብምባል ከም ዚተዛረበ፡ ኣብ ዘመነ ጕብዝና ዝርከብ ትምኒት፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ናብ ጥፍኣት ዝስሕብን ዝጎትትን ዘታልልን” እዩ /ያዕ 1፡14/።
ብፍላይ “ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡ” ዝብል ቃል ትምኒት ልዑል ኃይሊ ከም ዘለዎ ይጥቁም። ኣብ ዘመነ ጕብዝና ዋላ እኳ ኣእምሮ ዝበሰለ እንተ ኾነ፡ ካብኡ ዝብርትዕ ግና ትምኒት እዩ። ኣብ ኣጓብዝ ካብ ፍልጠቶም ንላዕሊ ትምኒቶም ከም ዝብርትዕ ንምርዳእ ጕብዝና “ብዘመነ ኦሪት” ይምሰል።
ኦሪት ቅድሚ ምሥራዓ ዚነበረ ዘመን ናይ ሕገ ልቦና ዘመን ይበሃል። ኣብቲ ዘመን እቲ ዋላ ሓንቲ ሕግን ሥርዓት ብዘይ ምንባሩ፡ ሰብ ብልቦናኡ ከም ዝመሰሎ ይነብር ነበረ። ሕፃናትውን ከምኡ ብልቦናኦም ከም ዝሓሰብዎ ስለ ዝነብሩ ብሕገ ልቦና ይምሰሉ። ኣብ ዘመነ ኦሪት ድማ ብመገዲ መስፍን ሙሴ ንእስራኤላውያን ሕጊ ተዋህበ። እቲ ዘመን ከኣ ዘመነ ኦሪት ተባህለ። ሕገ ኦሪት ኣብ ዘመና ክፉእን ጽቡቕን ንምፍላይ ኣኽኢላ እያ። ከምኡ ድማ ጕብዝና ካብ ናይ ሕፃንነት ዘመን ንላዕሊ ጽቡቕን ሕማቕን ንምፍላይ ዝከኣለሉ ዕድመ ብምዃኑ ብዘመነ ኦሪት ይምሰል። እንተ ኾነ ግና ዋላ እኳ ፍልጠት እንተ ተረኽበ፡ ኣብ ዘመነ ኦሪት ናይ ወዲ ሰብ ባህርይ ብኃጢአት ዝተጐሳቐለ ስለ ዝነበረ፡ ኒቲ ሕጊ ፈጺምካ ንምጽዳቕ ኣይተኻእለን ነይሩ። ብተመሳሳሊ መልክዑ መንእሰያት ዋላ እኳ ዕድሚኦም እናወሰኸ እንተ መጸ፡ ትምኒቶም ከኣ ብኡ መጠን ስለ ዝብርትዕን ስለ ዝስሕቦምን ፍልጠቶም ተጠቒሞም ነቲ ዘጽድቖም መገዲ ንኽኽተሉ ይሽገሩ እዮም። ቅዱስ ጳውሎስ “ግናከ ኣብ ሰብነተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ኃጢአት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ” /ሮሜ 7፡23/ ብምባል ዚተዛረቦ፡ ትምኒት ኣብ ኣጓብዝ ማዕረ ኽንደይ መሰናኽል ከም ዝኸውን ንምግላጽ እዩ።
ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስውን ብዛዕባ ኣተዓባብያ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዚተዛረበሉ ናይ ቅዳሴ መጽሓፉ ከምዚ ይብል፦ “አኮ ድንግል ወራዙት ስፉጣን ዘናዘዙኪ አላ መላእክተ ሰማይ ሐወጹኪ፡ ኦ! ድንግል ናይ ሰማይ መላእኽቲ ደኣ በጽሑኺ እምበር፡ ጣዕሚ ዓለም ዝሸፈጦም ኣጓብዝ ኣየረጋግኡኽን” /ትርጕም ውዳሴ ማርያም ቅዳሴ ማርያም ገጽ 282/። እዚ ኣገላልጻ እዚ መንእሰያት ብናይ ጕብዝና ትምኒት ከም ዚታለሉ ካብ ምግላጽ ኃሊፉ፡ ንሳቶም ብትምኒቶም ተዓንቂፎም ንኻልኦትውን ንምትላል ከም ዝሓባብሉ ይነግር። እመቤትና ግና ብናይ ሰማይ መላእኽቲ ደኣ ተበጽሐት እምበር፡ ብዘታልሉ ኣጓብዝ ኣይተጸናንዐትን።
“ትምኒት” ኣብ ውሽጥና ንኽነብርን ንኽዓበየልናን ንከናኸኖ ነገር ኪኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ትምኒት ተስፋ ኣይኮነን። ኃጢአተኛ ሰብ ትምኒት የብዝኅ። ኃጥእ ምሉእ መዓልቲ እዩ ዝምነ” ብምባል ጥበበኛ ሰሎሞን ዚተዛረቦ ኸኣ ነዚ እዩ። ትምኒት ተጻዒኑና ኸይንመውት ትምኒትና ኺንውስኖ /ደረት ኺንገብረሉ/ ብኣንጻሩ ጻዕሪ ድማ ኸነብዝኅ ጽቡቕ እዩ።
“ትምኒት” ደስ ተብል ምቅርቲ ነገር ኪትመስል ትኽእል እያ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ብዛዕባ ትምኒት ከምዚ ይብል፦ “እስመ ፍትወት አኮ ጣዕም ይእቲ አላ ስሕተት ወዳኅፅ” ትርጕሙ “ትምኒት ስሕተትን ውድቀትን ደኣ እምበር ምቅርቲ ኣይኮነትን” ማለት እዩ። ትምኒት ምብዛኅ ድኻምን ተስፋ ምቚራጽን ምብዛኅ እዩ። ምኽንያቱ ትምኒት ንምስኻዕ ብዙኅ ድኻም ኣብ ልዕሊ ምሕታቱ፡ ትምኒት ከይተሳኽዐ ምስ ዚተርፍ ዝኽሠት ተስፋ ምቚራጽ ከኣ ከምኡ ብዙኅ ይኸውን።
ብዙኃት መንእሰያት ዝምነይዎ ትምኒት ጕድኣት ዘስዕበሎምን ድኅሪ ቚሩብ ጊዜ ብብርቱዕ ዘሳቕዮምን ነገር እዩ። እቲ ኻብ ኵሉ ዘደንቕ ከኣ ዋላ እኳ ተሃንጥዮም ብህርፋን ይድለይዎ፡ ምስ ረኸብዎ ግና ሽዑ ንሽዑ ዘሰልችዎምን ዘጣዕሶምን ምዃኑ እዩ። ሕጂ ሃብታም ካብ ምዃን ንላዕሊ ዋላ ሓንቲ ዝድለ ነገር የልቦን ትብል። ሃብታም ምስ ኮንካ ግና እዚ ዅሉ እዚ ከንቱ ከም ዝኾነ ካልእ ዝተርፈካ ብዙኅ ነገር ከም ዘሎ ይስምዓካ። እዚ ዝከውን ኵሉ ነገር ዚተማልአን ፍጹምን ዝገብሮ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ስለ ዝኾነ እዩ። ንፈጣሪ ኸይተጸጋዕካ ዋላ ሓደ ዘዕግብን እኹልን ዝበሃል ነገር የልቦን። ስለዚ ምምናይን ንምርካቡ ኸኣ ምጽዓርን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣቐዲምካ ናብ ፈጣሪኻ ኺትጽጋዕ ይግብኣካ።
No comments:
Post a Comment