1.4 ነቢያት ከ ይጾሙ ነይሮም ዶ?
እወ! ብርግጽ ነቢያት ይጾሙ ነይሮም እዮም። ንኣብነት እቲ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ ዚነበረ ሙሴ ኣብ እምባ ሲና ብምኻድ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ /ዘፀ 24፡18/ ኤልያስ 40 መዓልትን 40 ለይትን ድኅሪ ምጻሙ ዓረገ /1ይ ነገ 19፡8/። ነቢይ እግዚአብሔር ዳዊት ከኣ “ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ሥጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዓበረ” ብምባል ንጾሙ ይገልጾ/ መዝ 109:24/። ዳንኤልውን ብዙኅ ጊዜ ይጸውም ነበረ /ዳን 2፡15 10፡2/ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ”…/ነህምያ 1፡4? “ብድኅርዚ ከምቲ ኡርኤል መልኣኽ ዝኣዘዘኒ ድማ እናበኸኹን እናጐሃኹን ንሾብዓተ መዓልቲ ጾምኩ” /ካልኣይ መጽ.እዝ 5፡20/።ካልኦት ነቢያትውን ከምኡ ይጾሙ ነበሩ..።
1.5 ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከ?
ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጾም ዚጀመረ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ዝጾመ እዞም ኵሎም ዝዘርዘርናዮም ወይ ዘይዘርዘርናዮም ጥቕምታት ናይ ጾም ስለ ዘድልይዎ ኣይኮነን። ንሱ ብኣምላኻዊ ቓሉ “ካባይ ተመሃሩ” ከም ዝበለና /ማ 11፡30/ ኵሉ ዚገበሮ ንትምህርትና እዩ። ንሱ ጾመ ንኣና ከመይ ኢልና ኺንጸውም ከም ዝግብኣና ድማ ኣርኣየና።
ቅዱስ ያሬድ፦ “...ሠርዐ ለነ ጾመ ለንስሐ እስመ ጾም በቋዒት ባቲ ክርስቶስ ጾመ በእንቲአነ አርዓያሁ ከመ የሀበነ - ንንስሓ ምእንቲ ኺኾነና ጾም ሠርዓልና፡ ጾም ብዙኅ ጥቕሚ ዘለዋ ጠቓሚት ስለ ዝኾነት፡ ክርስቶስ ንኣና ኣብነት ንኽኾነና ጾመ።” ብምባል ክርስቶስ ኣብነት ኪኾነና ንኣርኣያነት ከም ዝጾመ ይነግረና /ዝማሬ ዘመጻጕዕ)
ሓደ ሓደ የዋሃት ግና “ኪትበልዓ ዚደለኻያ ኣባ ጕምባሕ ዛግራ በላ” ከም ዝበሃል ንሥጋኦም ስለ ዘፍቀሩን ኽበልዑ ስለ ዝደለዩን ጥራይ፡ “ጾም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተሪፉ እዩ፡ ጐይታ ጾይምለይ እዩ” እናበሉ ነብሶም ከተዓሻሽዉ ይረኣዩ እዮም። ኣብ ዋላ ሓንቲ ኽፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ግና “ጐይታ ጾይምልካ እዩ ጾም ኣየድልየካን እዩ” ዝብል ቃል ንምስክርውን ኣይትረክብን ኢኻ። ጾም ዘየድሊ እንተ ዝኸውን ጐይታ ንምንታይ ጾመ? ጸይሙ ጥራይ ኣይኮነን “ንስኻ ግና ክትጸውም ከለኻ ከም ዝጾምካ ነቲ ብሥዉር ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር ንሰብ ምእንቲ ኸይተርኢ ርእስኻ ቅባእ ገጽካውን ተሓጸብ” ብምባል ብዘየወላውል መገዲ ናይ ጾም ትእዛዝ ሃበ። ከመይ ኢልና ኃይሊ ኣጋንንቲ ከም ንስዕር ከም ዝግበኣናውን “እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወፅእን እዩ” ብምባል ብንጹር መሃረና /ማቴ 17፡21/። ካብዚ ኸም እንርድኦ ዲያብሎስ ብጾም ዚሰዓር እንተ ኾይኑ ጾም ኪንጸውም ኣይደልየናን እዩ ማለት እዩ። በዚ ድማ ኵላቶም ንጾም ዝቃወሙ ሰባት ውሉድ ናይ መን ምዃኖም ተጋለጸ።
ጐይታና ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ተሓቲቱ ኺምልስ እንከሎውን “ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ኽሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጕህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ” ብምባል ሓዋርያት ዚጾምላ ጊዜ ሓበረ /ማቴዎስ 9:15/። እታ ሰዓት ምስ ኣኸለት ድማ ሓዋርያት ንጾም ቀንዲ ደጋፊን ናይ ኣገልግሎቶም ምርኩስን ገይሮም ተጠቕምሉ /ግ.ሐ 13፡3 14፡23/።
ብድኅሪ ጐይታና ካብ ሓዋርያት ንመጀመርታ ጊዜ ዝጾመ ሓዋርያ ያዕቆብ ኃው ጐይታና ከም ዝኾነ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ካብ ዚነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውን ቅዱስ ጄሮም ከምዚ እናበለ ይገልጾ፦ “ቅዱስ ያዕቆብ እኁሁ ለእግዚእነ ካብታ ጽዋዕ ናይ ጐይታ ዚሰተየላን ቅዱስ ሥጋኡ ዚበልዓላን ካብ ጸሎተ ኃሙስ ምሸት ጀሚሩ፡ ጐይታና ካብ ሞት ተንሢኡ ክሳዕ ዝርእዮ (ክሳዕ ትንሣኤ) ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይቀምስ ንርእሱ ቃል ኣተወ። ስለዚ ኸኣ መድኃኒና ምስ ተንሥአ ብቕጽበት ንያዕቆብ ተገልጸሉ እሞ ንኽምገብ ኣዘዞ” /1ይ ቆሮ 15፡8 ቅዱስ ጄሮም/
እዚ ሕጂውን ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዝፍጸም ዘሎ ሥርዓት ምዃኑ ኸኣ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። እዚ ሕጂ “አክፍሎት” እናተባህለ ካብ ኃሙስ ምሸት ክሳዕ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ዘሎ ዋላ ሓንቲ ዝብላዕ ይኹን ዝስተ ኸይቀመስካ ዝጽወም ጾም ጀማሪኡ እምበኣር ሓዋርያ ያዕቆብ እዩ።
ሕይወት ናይ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ምስ ንዕዘብ ድማ ነዚ ዝስዕብ ንረክብ “ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም..ነበርኩ” /2ይ ቆሮንቶስ 6:5/። ኣብዚውን ነዚ ብጾም ዝብል ዘሎ ቃል “ብጥሜት” ኢሎም ቀይሮምዎ ኣለዉ። ናይ ጾምን ጥሜትን ፍልልይ ብመጠኑ ኣብ ላዕሊ ርኢና ኣሎና። ናይ ጸላኢ ሠናያት ዕላማ ዝያዳ እናነጸረ ዝኸይድ ዘሎ ግና “ጾም” ትብል ቃል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእ እዩ /መጽሓፍ ቅዱስ ካልኣይ ቀኖና ብሉይ ኪዳን ዝኃዘ ገጽ 190/። ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙኅ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙኅ ጊዜ ብጾም፡ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ /2ይ ቆሮንቶስ 11:27/። ኣብዚኣውን ነዛ “ብዙኅ ጊዜ ብጾም” ትብል ዘላ “ብስእነት መግቢ ብምባል ቀይሮምዋ ኣለዉ /ዝኒ ከማሁ ገጽ 193/።
1.6 ጾም ሕማም የምጽእ ድዩ ወይ ቀልጢፍካ ከም ትኣርግ ይገብረካ ድዩ?
ብዙኃት ጾም እንተ ጾሙ ዝሓሙ ጽቡቕ ምግቢ እንተበልዑ ድማ ዝያዳ ዝጥዕዩ ዝመስሎም ኣለዉ። ጾም ግና ንኣካላትካ ዘድሊ መጢንካ ንኽትበልዕ ዝኅግዝ ስለ ዝኾነ ጥዕና እምበር ሕማም ኣየምጽእን እዩ። እቲ ንዳንኤልን ነቶም ሠለስተ መንእሰያትን ዝሕልዎም ዚነበረ “ሓለቓ ሹማምንቲ ንንጉሥ ስለ ዝፈርሆ ኸኣ ንዳንኤል ‘መብልዕኩም ኣሎ ንስኻትኩም ካብቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዓቢርኩም እንተ ተረኸብኩም ኪቐትለኒ እዩ በሎም።” ከም ዝብለና ሎሚውን ከም ናይዚ ሓለቓ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብዙኃት እዮም። ኣብ ዓዲ ቚሪ ደቅና ብጥሜት ክሙቱ ኣይኮኑን ኣብዚ ኣይጽወምን እዩ፡ ደቅና ዕባራታት ኪኾኑ እዮም ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ምኽንያታት ነቕርብ። እዚ ብንግሆኡ ሕሊናኡ ዝዓረቦ ሰብ ንባዕሉውን ስለ ዘይጸውም ብደቁ ኼመሳምስ ንቡር እዩ።
ዝኾነ ኾይኑ ግና ዳንኤልን ሠለስተ መንእሰያትን ጾሙ “እተን ዓሠርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉሥ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ ገጾም በሪሁን ሃጢሮምን ተራእዩ” ብምባል ብዘደንቕ ኣገላልጻ እዩ ገሊጽዎ። ምስ ነብስናውን ነወዳድሮ እንዶ ኣኅዋተይ፡ ኣየናይ ብሩህ ገጽ ዘለዎ ሰብ እዩ ኣብ ጥቓና ዘሎ፡ ዘይንበልዖ ዓይነት ፍረታትን ኣሕምልትን ሥጋን እንቋቑሖን ካልእ ስማቱ እኳ ዘይንፈልጦ ዓይነት ምግብታትን መስተታትን የልቦን፡ ኣብ ርእሲኡውን በብዓይነቱ ክሬማት ንልከ እቲ ዘንጸባርቕ ገጽ ግና ሽታ ማይ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ዓድና ቅያር ብዘይብላ ሽሮን ዓደስን ዚነበረ ወዝ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? ኣብዚኅካ ምብላዕ ኣዝዮም ብዙኃት ሕማማት ከም ዘስዓበልናኸ ዘንጊዕናዮ ዲና? ሕክምና ኣብ ንኸደሉ ጊዜ እታ ዝዓበየት መድኃኒት ምግቢ ቐንስ፡ ኣሕምልቲ ኣዘውትር ትብልዶ ኣይኮነትን ተቐይራ ዘላ፧ ብኃይሊ ብበትሪ እናተሃረመ ልዕሊ ዓቐን ዝበልዕ ቈልዓ እናዓበየ ምስ ከደ ንጥዕናኡ ኣብ ዘስግእ ዓይነት ግዝፊ ይወድቕ እሞ፡ ቀንስ እናተባህለ ድማ መሊስካ ብበትሪ እምባን ዓቐብን ከም ዝወፅእ ትገብሮ። ኣሽሓት ሂብካ ትገዝፍ ዕጽፊ ናቱ ኸፊልካ ድማ ሚዛንካ ንምጕዳል ትጽዕር። ቅርጺ ንምሕላው ተባሂሉ ዝወሃብ መድኃኒትውን ጾም እዩ። ስለዚ ነቲ ነዚ ፈሊጡ ኣቐዲሙ ጾም ዝሃበና እግዚአብሔር ሰሚዕና ደኣ ብእምነት ንጹም እምበር ከዕብረኒ እዩ ከድክመኒ እዩ ከሕምመኒ እዩ እናበልና ንታለል ሰባት ኣይንኹን።
ቅዱስ ኣግናጤዎስ፦ “ጸወምቲ ቕዱሳን ናብቲ ጽኑዕ ዚኾነ ናይ ጾም ሥርዓት ዚኣተዉ ብቕጽበት ኣይኮነን። ብንእሽተይ እንጌራ ናብ ምጽጋብ ዝበጽሑውን ቀስ ብቐስ እዮም። እዞም ቅዱሳን እዚኣቶም ኃጢኣት ፈጺሞም ኣይፈልጥዋን፡ ንሠናይ ተግባር ኵሉ ጊዜ ምስ ተቐላጠፉ እዮም። ኣብኣቶም ሕማም ኣይፍለጥን ዕድሜኦምውን ካብ ናይ ኵሉ ሰብ ዚነውኀ እዩ” ብምባል ዚገለጾ ድማ ካብዚ ከንቱ ፍርሂ ናጻ ኺገብረና ዝኽእል ትምህርቲ እዩ።
ቅዱስ ኣውጐስጢን፦ “ጾም ናይ ሰብ ዕድመ ኣየሕጽርን እዩ ቅዱስ ቄርሎስ ዘኣንኮራይት ኣብ 108 ዕድሜኡ ዓረፈ፡ ቅዱስ እንጦንስ ን105 ዓመት ምሉእ ነበረ፡ መቃርስ ዘእስክንድርያ ዝነበረሉ ድማ ን100 ዚኣክል እዩ” ብምባል ነቶም ብጾም ዕድሜና ከም ዝሓጽር ኮይኑ ዝስምዓና ሰነፋት ዘበራትዕ ትምርቲ ገዲፉልና ኣሎ።
1.7 ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት
ብመሠረት ሥርዓት ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ጾም ናይ ኣዋጅን ናይ ፍቓድን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኽፈል። ቃለ ኣዋዲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሥርዓት መጽሓፍውን፦
1. ብትእዛዝ ቤተ ክርስቲያን ዝጽወም
2. ብገዛእ ርእስኻ ብንስሓ ወይ ብብሕቲ ዝጽወም እዩ፡ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ /ቃለ ኣዋዲ ኣንቀጽ 18 ገጽ 16።
ናይ ኣዋጅ ጾም ዚበሃል ሓደ ሰብ ብመገዲ ጥምቀት ናብዛ ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ቤተ ክርስቲያን ካብ ዚመጽእ ጀሚሩ ኪጸሞም ዝግብኦ ሾብዓተ ኣጽዋማት እዮም። ብዙኃት ሰባት “ጐይታና ጾም ብኅቡእ እንድዩ ዝበለና” ዝብል ጥቐሲ እናጠቐሱ ነዚ ናይ ኣዋጅ ጾም ኪቃወምዎ ይረኣዩን ይሰምዑን እዮም። ብመሠረቱውን እኮ ጾም ኣየድልን እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት እዮም። ብሓፈሻ “ኣሚነ ድኂነ” ንዝብል ሰብ ጾም እንታይ ይጠቕሞ? ጾም ኣየድልን እዩ ክብል ይጸንሕ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረታዕካዮ ድማ “ተሳዒርና ኸይብላስ ይግባይ ይብላ” ኸም ዝበሃል፡ ኣሜን ኢሉ ኸይቅበሎስ ተመሊሱ ድማ ንምንታይ እሞ ብኣዋጅ ይኸውን ዝብል ሕቶ ይሓተት። ነዚ ምስ ተመለሰሉ ድማ ንምንታይ ካብ ጸባን ሥጋን ጥራይ ትጾሙ? እናበለ ምልፍላፉ ይቕጽል?
መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ኣዋጅ ጾም ኣይቃወሞን እዩ እኳ ደኣ “ጾም ኣውጁ መለኸት ንፍሑ” እዩ ዝብል /ኢዩኤል 2፡14-15/። ነቢያትውን ናይ ጾም ኣዋርኅ ነይርዎም እዩ ንኣብነት ኣብ ትንቢተ ዘካርያስ ምዕራፍ 7 ምዕራፍ 8ን “እቲ ብራብዓይን ኃምሳይን ሳብዓይን ዓሥራይን ወርኂ እትጾምዎ ዝነበርኩም ንኣኻትኩም ንሕዝቢ ይሁዳ ብሓጐስን ደስታን እተብዕልዎ ዓመታዊ በዓል ኪኾነልኩም እዩ” ብምባል ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማትን ኣዋርኅን ከም ዚነበሮም ብንጹር ይምህረና /ዘካ 8፡19/።
“ስለዚ ንስኻ ናብኣ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝጸሐፍካዮ ቓል እግዚአብሔር በታ መዓልቲ ጾም ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኣብ እዝኒ እቶም ሕዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ካብ ከከተማኦም ዝመጹ ዅላቶም ይሁዳ ኣንብበሎም። እቲ እግዚአብሔር ነዚ ሕዝቢ እዚ ተዛሪብዎ ዘሎ ዅራን ቊጥዓን ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምናልባሽ ናብ እግዚአብሔር ይምህለሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱ ይምለስ ይኸውን። ባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ከምቲ ነቢይ ኤርምያስ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፡ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ካብቲ መጽሓፍ ነቲ ቓል እግዚአብሔር ኣንበቦ። ኰነ ኸኣ ኣብታ ኃምሰይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉሥ ይሁዳ፡ ኣብታ ታስዐይቲ ወርኂ ንዅሉ እቲ ሕዝቢ ኢየሩሳሌምን ንዅሉ እቲ ኻብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም መጺኡ ዝነበረ ሕዝብን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጾም ኪጾሙ ተኣወጀ /ኤር 36፡6/።
ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብረ ሓዋርያት /27: 9-10/ “በዚ ኸምዚ ብዙኅ ወርኃት ምስ ኃለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ኃሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙኅ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዓዶም” ብምባል ዝጸሓፈልና ቓልውን ነዚ ናይ ጾም ኣዋርኅ ዘመልክት እዩ።
ጐይታና ዚተቓወሞ ዓይነት ኣጸዋውማ ግና ኣብቲ ናይ ውልቂ (ናይ ፍቓድ) ጾም ሰብ ክርእየልካ ኢልካ ኺትጸውም ከም ዘይብልካ ዘረድእ ቃል እዩ። ናይ ፍቓድ ጾም ካብ ሓደ ነገር ንምቕባል፡ ንዝወረደካ መዓት ንምርሓቕ፡ ወይውን ንጽድቂ ንትሩፋት ኢልካ ስለ ትገብሮ እዚ ብኅቡእ ይኹን ማለቱ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ከምቲ ጐይታ ዝበለና ጌርና ብጥንቃቐ እንፍጽሞ ኣገባብ ጾም እዩ። ስለዚ ኣኅዋተይ “ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙኅ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ /13፡9/።
1.7.1 ስለ ምንታይ ካብ ጥልላት ጥራይ ንኽልከል?
ጾም ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ሥጋኻ ኣድኪምካ ንነባቢት ነፍሲ ከም ዝግዛእ ምግባር እዩ። ስለዚ ካብቶም ንሥጋ ከም ዝሃጥርን ናብ ኃጢአት ከም ዝጐተካን ዝገብሩኻ መግብታት ምቚጣብ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ቅዱስ ዳዊት፦ “ ኣነስ እንተ ሓመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ /34፡13/ ደጊሙውን “እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ /69፡10/። “ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ሥጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረ /109፡24/ብምባል ብጾም ሥጋና ኸነድክም ከም ዝግብኣና ይምህረና።
ሥጋን ጸባን ጠስምን ነዚኣቶም ዝኣመሰሉ ካልኦትን እናተመገብካ ግና ሥጋኻ ከተድክም ዘይሕሰብ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ነቢይ ዳንኤልን እቶም ሠለስተ መንእሰያትን፦ “ሽዑ ዳንኤል ነቲ ሓለቓ ሹማምንቲ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ኣናንያን ኣብ ልዕሊ ሚሳኤልን ዚተሾመ መጋቢ ‘እንበልዖ ኣሕምልትን እንሰትዮ ማይን ሂብካ ዓሠርተ መዓልቲ ተዓዘበና ደኃር ንኣናን ነቶም ብልዒ ንጉሥ ዚበልዑን ርኣየና፡ ሽዑ ንባሮትካ ከምቲ ዚመስለካ ግበረና’ በሎ” ብምባል ካብ ጥዑም መባልዕ ብምጻም ኣሕምልትን ማይን ይምገቡ ከም ዚነበሩ ይነግረና።
ዳንኤል ደጊሙውን ከምዚ ይብል “በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሠለስተ ሰሙን ምሉእ ኃዚነ ነበርኩ። እተን ሠለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፡ ሥጋን ወይንን ኣብ ኣፈይ ኣየእተኹን ዘይቲውን ኣይተለኼኹን /ዳን 1፡8-13/” ብምባል ካብ ሥጋን ወይንን ጥዑም መባልዕን ናይ ምጻም መምህርናን ኣርኣያናን ምዃኑ ኣረድአ /ዳን 10፡2-3/። ስለዚ ንሕና ብመንፈስ ዝምርሑ ነቢያትን ሓዋርያትን ኣቦታት ኣለዉና፡ ንሕይወቶም ሕይወትና ንናብራኦም ናብራና ንጾሞም ጾምና ጌርና ድማ ንኽተሎም፡ ዘለዉዎ ገነት ከኣ ገነትና ይኸውን።
ብሓፈሻ ጐይታ ተጠመቑ ኢሉ ደኣ ኣዘዘና እምበር ኣበይ ኬድና ንጥመቕ ከመይ ጌርና ንጥመቕ ዝርዝር ኣይነገረናን። ጹሙ ደኣ ኢሉና እምበር ከመይ ጌርና ንጸውም መዓስ ንጸውም ካብ ምንታይ ንጸውም ዝርዝር ኣይመሃረናን፡ ቊረቡ ደኣ ኢሉና እምበር ኣበይ ኬድና ንቘርብ ከመይ ጌርና ንቖርብ ዝብል ዝርዝር ኣይመሃረናን። ኣቦታትና ሓዋርያትን ብድኅሪኦም ዚሰዓቡ ኣቦታት ሊቃውንትን ግና፡ ንዅሉ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ሥርዓት ሠሪዖምሉ ኣለዉ። ኣብዚ ሥርዓት እዚ ድማ መኣስ ንጸውም ካብ ምንታይ ንጸውም ክሳዕ መኣስ ንጸውም ዝብሉን ካልኦትን ተጠቓሊሎም ይርከቡ። ምናልባት ብሥርዓት ምንባር ዘይወሓጠሎም ሰባት ኪህልዉ ስለ ዝኽእሉ ግና ኣቐዲመ ብዛዕባ ሥርዓት ንእሽተይ መብርሂ ክህብ።
No comments:
Post a Comment