ሥርዓት “ሰርዐ” ሰርዐ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ስም እዩ። ትርጉሙ ድማ ደምቢ ኣሠራርሓ መርሐ ግብር ማለት እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣሠራርሓ፡ መርሐ ግብር፡ ደምቢ ማለት እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ብዶግማን ቀኖናን ትውፊትን በዞም ሠለስተ መምርሒታት እናተቐለሰት እያ ትኸይድ። ካብዚኣቶም ንሕጂ ነዛ ቀኖና ትብል ቃል ጥራይ ወሲድና ኸነብርህ ኽንፍትንኢና።
ቀኖና፦ ዝብል ቃል ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ሥርዓት ማለት እዩ። ሥርዓት ብቕዱስ ሲኖዶስ ኪመኃየሽ ኪቕየር ኪውሰኾ ወይ ኺጐድሎ ይኽእል። ቅዱስ ሲኖዶስ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ማንም ካህን ወይ ጳጳስ ብውልቁ ንሥርዓት ከመኃይሽ ሥልጣን የብሉን። ነዚ ኣመልኪቱ ፍትሓ ነገስት ከምዚ ይብለና፥
⦁ ወናሁ ተሠርዐ በተፍጻሜተ ዝንቱ መጽሐፍ ዘይደሉ ለሊቃውንት፡ ከመ ይወስኩ ዲቤሁ ወያንትጉ እምኔሁ፡ ወአልቦ ዘኢኮነ ሎሙ ብዉሐ ውስተ ዝንቱ” ትርጉሙ “እነሆ ኣብዚ መሓፍ መወዳእታ ንሊቃውንት ዝግባእ ነገር ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብኡ ንኽውስኹን ካብኡ ኪቕንሱን ካብዚ ዘይተፈቕደሎም ነገር የልቦን” ማለት እዩ።
⦁ ንሕና ዘጕደልናዮ እንተሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵላትና ስለ ዝኃደረ ንስኻትኩም ከምዝግባእ ጌርኩም ፍረዱ /ትእዛዝ /
ቅዱስ ጳውሎስ ንሥርዓት ኣመልኪቱ ኺምህር ከሎ “ግናኸ ኵሉ ብሥርዓትን ብኣገባብን ይኹን” ክብል የጠንቅቐና/1ቈረ.14:40/። ንሰብ ቆላሴ ኣብ ዚለኣኻ መልእኽቲውን “ብሥጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ሥርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ አሎኹ” ብምባል ሰብ ቆሎሴ ብሥርዓት ይነብሩ ከም ዚነበሩ በዚ ድማ ሕጕስ ምዃኑን ገለጸ /ቆሎ 2፡5/። ነቶም ካብ ሥርዓት ወፃኢ ዝኸዱ ግና “ኣቱም ኣኅዋትና፡ ነቶም ብዘይ ሥርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም” ብምባል ይምዕድ /1ይ ተሰ 5፡14/። ኣብ ካልኣይቲ መልእክቱውን “እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣኅዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ሥርዓት ዚመላለስ ዘበለ ኃው ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና/ ብምባል ብሥርዓት ኪንመላለስ ይምዕድ /2ተሰ.3:6/።
ብመሠረት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ሥርዓት መጻሕፍቲ ፍትሐ ነገሥትን ቃለ ኣዋድን እቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዝበሃሉ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
1. ጾመ ነቢያት ካብ 15 ኅዳር ክሳዕ 28 ታኅሣሥ
2. ጾመ ገሃድ ድሮ ልደትን ጥምቀትን
3. ጾመ ነነዌ 3 መዓልቲ
4. ጾመ ኣርብዓ 55 መዓልቲ ምስ ጾመ ሕርቃልን ሰሙነ ሕማማትን
5. ጾመ ሓዋርያት /ጾመ ሰነ/ ይሓጽር ይነውኅ
6. ዓርበ ሮቡዕ
7. ጾመ ፍልሰታ 15 መዓልቲ ካብ 1 ክሳዕ 15 ነሓሰ እየን/
1.7.3 ጾመ ነቢያት፦ ነቢያት ኣቦታትና ነቢያት እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ኮይኑ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብምውላድ ኬድኅኖም ምዃኑ ብትውፊትን ብመጻሕፍትን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎምን ይፈልጡ ስለ ዚነበሩ፡ ነታ መዓልቲ ምድኃን ብምንፋቕ ውረድ ተወለድ እናበሉ ዚኣትውዎ ዚነበሩ ሱባኤ እናዘከርና ንጾሞ ጾም እዩ /ዳን 10፡2።
1.7.4 ጾመ ገሃድ፦ ገሃድ ማለት ግልጺ ምዃን ምግላጽ ማለት እዩ። እቲ ብባህርይኡ ዘይርአ እግዚአብሔር ንድሕነትና ኽብል ብዝተወሃሃዶ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ግልጺ ኾይኑ መጸ /ሮሜ 1፡20 ማቴ 1፡24/። ብተወሳኺውን ምሥጢረ ሥላሴ ጐይታና ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኪጥመቕ እንከሎ ስለ ዚተገልጸ ኣስተርእዮ ማለት ተራእየ ተገልጸ ጋህዲ ኮነ ንብል /ማቴ 3፤16/። ብልደቱ ምሥጢረ ሥጋዌ ብጥምቀቱ ድማ ምሥጢረ ሥላሴ ተጋህደ በዚ ድማ ድሮ እዘን ክልተ ዓበይቲ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ገሃድ እናበልና ንጸውም።
ገሃድ መተካእታ ናይ ዓርብን ሮብዕን እዩ። እዚ ድማ ኵሉ ጊዜ ድሮ ልደትን ድሮ ጥምቀትን ንዘላ ዕለት ዘመልክት እዩ። ልደት ወይስ ጥምቀት ኣብ ሮቡዕ ወይ ዓርቢ እንተውዒለን፡ ኣብዘን ዓበይቲ ዝኾና በዓላት ኪንጸውም ስለ ዘይግባእ፡ መተካእታ ናተን ብድሮ ንጸውም። እዚ ማለት ልደት (ጥምቀት) ሮቡዕ እንተ ውዒለን ሰሉስ ንጸውም ሮቡዕ ግና ጥልላት (ሥጋ ጸባ..) ንበልዕ ንሰቲ ማለት እዩ። ዓርቢ እንተ ውዒለን ድማ ኃሙስ ንጸውም ዓርቢ ግና ንበልዕ ማለት እዩ።
1.7.5 ጾመ ነነዌ:- ሰብአ ነነዌ ብኃጢአቶም ምኽንያት እግዚአብሔር ነታ ኸተማ ኼጥፍኣ ምስ ሓሰበ፡ ሓሙዅሽቲ ነስኒሶም ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ምስ ጾሙ ግና እግዚአብሔር ንመዓቱ መለሶ። ዮናስ ናብታ ኸተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፣ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ። ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመኑ፣ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሔ፣ ካብ ዝፋኑ ተንስኤ፣ ባርኖሱ ቐንጠጠ፣ ክሻ ተኸድነ፣ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥን መኳንንቱን ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ተኣወጀ፣ ሰብ ወይስ እንስሳ፣ መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማ፣ ኣይውፈራ፣ ማይውን ኣይስተያ፣ ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ፣ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፣ ንሕና ኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰን፣ መን ይፈልጥ∶ ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፣ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገብሮን ከኣ” ከም ዝብል /ዮና 3፡4-10/።
1.7.6 ጾመ ሓዋርያት፦ ጾመ ሓዋርያት ከምቲ ጐይታና “..” ዝበሎ ብድኅሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ /ግብ.ሓዋ 2፡1../ ኣቦታትና ሓዋርያት ንዝጾምዎ ጾም እናዘከርና ንጸሞ ናይ ኣዋጅ ጾም እዩ።
1.7.7 ዓርበ ሮቡዕ፦ ሽሙ ከም ዝሕብሮ ኵሉ ጊዜ ዓርብን ሮቡዕን ዝጽወም ጾም እዩ። ሮቡዕ ኣይሁዳውያን ንጐይታና ኣኅሊፎም ንምሃብ ምኽሮም ዝወድእሉ ዕለት እዩ፡ ዓርቢ ድማ መድኃኒና ምእንቲ ድኅነትና ኣብ ዕፀ መስቀል ዚተሰቕለሉ ዕለት እዩ። ነዘን ክልተ ዕለታት እናዘከርና ድማ ኵሉ ጊዜ ዓርብን ሮቡዕን /ብዘይካ ኣብ በዓለ ኃምሳ/ ንጸውም።
1.7.8 ጾመ ፍልሰታ፦ ፍልሰታ ማለት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታ ወይ ካብዚ ምድራዊ ዓለም ተንሢኣ ናብ ሰማያዊ ዓለም ዝገዓዘትሉ ዕለት እናዘከርና ኣሰር ኣቦታትና ሓዋርያት ተኸቲልና ንጾሞ ጾም እዩ።
No comments:
Post a Comment