በእንተ ጾም
1.1 ትርጕም ጾም
ናይ ትግርኛ መዝገበ ቓላት ንጾም፦ ጸወመ፦ “ምጻም ይጸውም ይጹም ከይበልዐን ከይሰተየን ንነዊኅ እዋን ጸንሐ፡ ካብ ምብላዕን ምስታይን ተቖጠበ። ካብ ጥልላት ዘለዎ ምግብን መስተን ምውሳድ ተቖጠበ” ብምባል ይትንትኖ /ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ብ ተክአ ተስፋይ ገጽ 982/።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መፍትሒ ድማ፦ “ጾም ብምኽንያት እምነት ካብ እኽልን ማይን ተፈሊኻ ክሳዕ ዝተወሰነ እዋን ምውዓል፡ ወይ ምውዓልን ምኅዳርን እዩ። ካብ ሥጋን መስተን ጥልላትን ምሕራምውን የመልክት” ብምባል ይትርጕሞ /ካልኣይ ቀኖና ብሉይ ኪዳን ዝኃዘ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ቃላት መፍትሒ ገጽ 286/።
ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ድማ ንመንፈሳዊ ትርጕሙ ብዝገልጽ ኣገባብ ብምትንታን፦ “ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕዉቅ በውስተ ሕግ እንዘ ይትኤዘዝ ለዘሐገጎ ለሥርየተ አበሳ ወብዝኀ ዕሤት ፈቂዶ ኪያሁ ከመ ያድክም ኀይለ ፍትወት ወትትአዘዝ ለነፍስ ነባቢት “ጾምሲ ኣብ ውሽጢ ሕጊ ኣብ ፍሉጥ ጊዜ ሰብ ካብ ምግቢ ምኽልካል እዩ። በደሉ ንምሥትስራይ ዋጋኡ ንምብዛኅ ንሱ ፈትዩ ሕጊ ንዝሠርሓሉ እናተኣዘዘ ናይ ፍትወት ኃይሊ ብምድካም ንነባቢት ነፍሲ ከም ዝእዘዝ ምግባር እዩ” ብምባል ይትርጕምዎ /ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ 15 ገጽ 150/።
ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ እምበኣር ጾም ብምኽንያት እምነት ንዝተወሰነ ሰዓታት መዓልታት ሰሙናት ወይ ኣዋርኅ ካብ ማይን መግብን ወይ ከኣ ካብ ጥልላት ምኽልካል ማለት እዩ። ኣብዚ እዛ “ብምኽንያት እምነት” እትብል ቃል ከነሥምረላ ይግብኣና። ምኽንያቱ ሰብ ብኻልእ ዚተፈላለየ ዕላማ ካብ ማይን መግብን ኪኽልከል ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሰብ ዝብላዕ ስኢኑ ኺጸውም ይኽእል እዩ፡ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማውን ኪገብር ይኽእል እዩ፡ ቅርጹ ንምሕላው ኢሉውን ኪጸውም ይኽእል እዩ። እዚ ግና ምጥማይ እምበር ምጻም ኣይበሃልን እዩ።
ብተወሳኺውን ጾም ካብ መብልዕን መስተን ጥራይ ምኽልካል ማለት ኣይኮነን። ጾም ቃል ብቓሉ ምሕራም ወይ ምኽልካል ማለት እዩ። ካብ ምንታይ ምኽልካል ንዝብል ድማ፡ ካብ ኵሉ ግብሪ ኃጢአት ምኽልካል ናብ ዝብል ሰፊሕ ሓሳባት ዝኃዘ መልሲ ይወስደና። ስለዚ ከብዲ ካብ ምግቢ ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነ፡ ልሳን ክፉእ ካብ ምዝራብ፡ እግሪ ናብ ክፍኣት ካብ ምስጓም፡ ኢድ ርኹስን ኣጸያፍን ነገራት ካብ ምሥራሕ ደም ካብ ምፍሳስ፡ ዓይኒ ንነፍሲ ዝጐድኡ ሕማቕ ነገራት ካብ ምርኣይ፡ እዝኒ ንእምነት ዘዳኽሙ ዘየድልዩ ከንቱ ነገራትን ሓሜትን ካብ ምስማዕ ኪጸውም እንከሎ ሓቀኛ ጾም ይብሃል /ኢሳ 58፡1..ፍጻሜ/።
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “ሕጂ ኣነ ዚዛረበሉ ጾም ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ጾም ደኣ እምበር ብዛዕባ እዚ ሰባት ብልምዲ ጾም እናበሉ ዝጽውዕዎ ጾም ኣይኮነን። ሓቀኛ ጾም ካብ ኃጢአት ምርሓቕ ደኣ እምበር ካብ ሥጋ ምኽልካል ጥራይ ኣይኮነን።..ጾም መድኃኒት እዩ፡ እንተ ኾነ ግና መድኃኒትውን ኣጠቓቕማኡ ዚፈልጥ ሰብ ይደሊ እዩ” ብምባል ዘነጸሮ ኸኣ ነዚ እዩ //ትምህርት በእንተ ምክንያተ ሐውልታት 3 ቊ 8/
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “ኪንጸውም ከለና ልሳንና ካብ ዘይግባእ ዘረባን ካብ ነቐፌታን ይጹም። ከምዚ እንተ ዘይገበርና ግና ካብ ሥጋን ካብ ዓሣን ምጻምና ጥራይ እንታይ ይጠቕመና፧”ትምህርት በእንተ ምክንያተ ሐውልታት 3 ቊ 12/
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሕጂውን ደጊሙ፦ “ኣብ ጊዜ ጾምና ናይ ነፍስና ክፉኣት ልማዳት እንተ ዘይኣርሒቕና፡ ካብ ሥጋ ጥራይ ምኽልካል ንበይኑ እንታይ ይጠቕመና፧ ጾምና ውዒልና ነቲ ቕድሚ ጾም ምእታዉ ንምገቦ ዚነበርና መግቢ ቐይርና ዚተናዕቀ መግቢ ኣብ መኣድና ቀረብና፡ እንተ ኾነ ግና ከምቲ ኣብዚ ጊዜ ጾም እንበልዖ ምግቢ ዝቐየርና፡ ክፉእ ግብርናን ሕይወትናንከ ምስኡ ቐይርናዮዶ ንኸውን? ብሓቂ ኣነ ግና ከምዚ ዝገበርኩም ኣይመስለንን ዘሎ፡ ከምዚ እንተ ኾይኑ ደኣ ናይ ጾምኩም ጥቕሙ እንታይ እዩ፧ ስለዚ ምስ ጾምኩም ልማድኩምን ሕይወትኩምን ናብ ጽቡቕ ነገር ንኽትቅይርዎ ብተኸታታሊ ከም ትሓስብሉ ምእንቲ ኺገብር ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ንኣኻትኩም ምምሃርን ምግሣፅን ኣየቋርጽን እየ..” ብምባል ዝመሃሮ ኸኣ ነዚ እዩ ዘረድእ /ትምህርት በእንተ ምክንያተ ሐውልታት 4 ቊ 12/
1.2 ጾም መዓስ ተጀሚሩ?
ጾም እግዚአብሔር ንኣዳም ፈጢሩ “ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ፡ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ብዝኣዘዞ መሠረት ጾም ንመጀመርታ ጊዜ ብኣዳም ኣብ ገነት ተጀመረ /ዘፍ 2፡3/።
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ፦ “…ካብ ገነት ዚተባረርና ሕጉ ስለ ዘፍረስና እዩ። ፍልጠት እትህብ ብዝተባህለት ኦም ተሳዒርና፡ ምጻም እምቢ ስለ ዝበልናን ጾም ብምስዓርናን ብድኅሪኡ ብዝወረደና መከራ ብግዲ ጾምና። ናይ ጾም ሕጊ ጥንታውን ቀዳማውን እዩ፡ ምስ ተፈጥሮና ኃቢሩ ዚነበረ ሕጊ እዩ።…ስለዚ ሎሚ ካብ ጥንቱ ካብ መጀመርታኡ ናይ ጾም ሕጊ ብዘይ ምሕላውና ንዘጥፋእናዮ ነገር መሊስና ምእንቲ ኺንረኽቦ ጾም ከም እንጸውምን ንጾም ከም እንግዛእን ገበረና” ብምባል ናይ ጾም ጥንታውነት ይገልጸልና። /ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ ትምህርተ ካልኣይ በእንተ ትንሣኤ ቊ. 28/
1.3 ናይ ጾም ጥቕሚ እንታይ እዩ?
ናይ ጾም ጥቕሚ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። እግዚአብሔር ፈጣሪና ኪፈጥረና እንከሎ እንታይ ከም ዝጠቕመናን እንታይ ከም ዝጐድኣናን ንሱ ካባና ንላዕሊ ኣጥዕዩ ስለ ዝፈልጠና፡ ንሥጋናን ንነፍስናን ኪሰማማዕ ዝኽእል ሕጊ ሃበና። ሓደ ካብቲ ዝሃበና ትእዛዛት ድማ ጾም እዩ። ስለዚ ጾም ኣብ ሕይወት ወዲ ሰብ ኣዝዩ ብዙኅ ዝኾነ ጥቕምታት ኣለዎ።
ቅዱስ ያሬድ፦ “እስመ ጾም ዓቢይ በቁዔት ባቲ ታግዕዘክሙ ነፍስክሙ እምኃጢአት ትሜህሮሙ ለወራዙት ጽሙና ዛቲ ጾም ጾም ቅድስት ትፈሪ ሰላመ ወተዓሥዮሙ ትፍሥሕተ - ጾም ዓቢይ ጥቕሚ ኣለዋ፡ ንነፍስኹም ካብ ኃጢአት ናጻ ተውፅእ፡ ንመንእሰያት ከኣ ምርግጋእን ርእስኻ ምግዛእን ትምህሮም። እዛ ጾም እዚኣ ቕድስቲ እያ፡ ሰላም ተፍሪ ነቲ ዝፍጽማ ሰብ ከኣ ሓጐስ ትህብ።” ብምባል ዝዘመሮ ኸኣ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ /ጾመ ድጓ ዘቅድስት ዘሐሙስ/ ስለዚ ካብቲ ብዙኅ ጥቕሚ ብዓቕምና ገለ ቚሩብ ንምጥቃስ፦
1.3.1 ጾም ህልውና እግዚአብሔር ንኸይንዝንግዕ ይጠቕመና፦ ካብ መጀመርታኡውን እግዚአብሔር ንኣዳም ካብታ ኦም ከይትበልዕ ኢሉ ዝኸልከሎ ነፊግሉ ዘይኮነስ፡ ኣዳም ካብ ኵሉ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም እናበልዐ ኣብታ ኸይትበልዕ ዝበሎ ኦም ምስ በጽሐ ግና፡ እንታይ ኮይነ እየ ካብዚኣ ዘይበልዕ ኢሉ ይሓስብ፡ ብድኅሪኡ ብቕጥታ “እግዚአብሔር ከይትበልዕ ከልኪሉካ እዩ” ዝብል መልሲ ድማ ኣእምሮኡ የቐብሎ። በዚ ድማ ልዕሊኡ ዝኾነ ዝእዝዞ ፈጣሪ ከም ዘለዎ ይዝክር።
ኣዳም ዚተዋህቦ ኽብሪ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ናይ ኵሉ ፍጥረት ገዛኢ ነበረ፡ ገነት ዝመስል ቦታ ተዋህቦ፡ ብዘይካ እታ ፍጡርን ፈጣርን ንምፍላይ እትኅግዝ ኦም ድማ ካብ ኵሉ ናይ ገነት ፍረታት ክበልዕ ተፈቕደሉ፡ በዚ ድማ ኣነ ኣምላኽ እየ ናብ ምባል ክሰሓብ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ምስ ጸገበን ኵሉ ምስ ተማልኣሉን ኣምላኹ ንምርሳዕ ቀረባ እዩ። ሙሴ “ሕዝቢ እስራኤል ግና ሃጠረ እሞ ተናድሐ ሰብሐ ረጐደ ከረሸ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ኃደጎ” ብምባል ዚጸሓፈልና ድማ ነዚ እዩ ዘረጋግጽ /ዘዳ 32፡15/። ነዚ ስለ ዚተረድአ ድማ እዩ ጠቢበ ሰሎሞን “ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ እግዚአብሔር መን እዩ∶ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ” ዝበለ /ምሳሌ 30: 8-9/። ሎሚውን ከምዚ እዩ ሰብ እናሃብተመ እናጸገበ ትምህርቲ እናወሰኸ ኪኸይድ ከሎ ጾም ይገድፍ ቤተ ክርስቲያንውን ኣይመጽእን ብኣምላኽ ከኣ ኣይኣምንን።
ንኣዳም ግና ካብ ከምዚ ንኽሕልዎ ማለት ነታ ዚተኸልከላ ኦም ምስ ረኣየ ልዕሊኡ ዝእዝዞ ፈጣሪ ከም ዘሎ ንኽርዳእ ጾም ሃቦ። ሓደ ክርስቲያንውን ነዚ ኣዘውቲሩ ኺገብር ከሎ ምስ ኣምላኹ ዘለዎ ዝምድና ይዓቢ፡ ነዞም ምስ ኣምላኽ ዘራኽቡና ሥርዓታት ጾም ጸሎት ስግደት ምጽዋት ቃለ እግዚአብሔር ምስማዕ ከቋርጽ ከሎ ድማ ሕይወቱ ካብ እግዚአብሔር ይቋረጽ። ከባቢና ምስ ንዕዘብ ነዚ ኺምስክረልና ይኽእል እዩ። ዝበዝኀ ኣማኒ ተዋሕዶ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ኪጸውምሲ ይትረፍ ጾም መኣስ ከም ዝጀመረን ከም ዝወድአንውን ኣይፈልጥን እዩ። ሎሚ ጾም ፵ ናብ ቤቶም ምስ እትኸይድ ደርሆን እንቋቚሖን ዝቕርቡ ውሑዳት ኣይኮኑን። እንታይ ፈሊጥና እቲ ሓደ መኣስ ተወዲኡ ደኣ ሕጂ ኸኣ ጀሚርኩም ዝብሉውን ኣይተሳእኑን። ከምዚ እናበሉ ቤተ ክርስቲያን ክመጹ ኢልካ ኸኣ ዘይሕሰብ እዩ። ጾም ምስ ገደፍዎ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ገዲፎምዎ እዮም። እዚኣቶም እሞ ሕጂ ካብቶም ኣምላኽ የልቦን ዝብሉ ብምንታይ ይፍለዩ? ጾም ግና ህልውና ፈጣሪ ንኸይርስዑ ምኃገዘቶም ነይራ።
1.3.2 ሥጋና ንነባቢት ነፍስና ንምግዛእ፦ ኣቦታትና 318 ሊቃውንት ኣብ ፍትሐ ነገሥት ኣን 15 “ወጾምሰ ጸባሕተ ሥጋ ውእቱ፡ በከመ ምጽዋት ጸባሕተ ንዋይ ይእቲ። ወመፍቅደ ሕግሰ በጾም ከመ ትድክም ኃይለ ፍትወት ወትትአዘዝ ለነፍስ ነባቢት” ትርጉም “ምጽዋት ናይ ንብረት (ገንዘብ) ሥራሕ (ግብሪ) ከም ዝኾነት፡ ጾም ድማ ናይ ሥጋ ሥራሕ (ግብሪ) ኢያ። ናይ ጾም ሕጊ ንፍትወታት ሥጋ ከም ዝደክም ብምግባር ሥጋና ንነባቢት ነፍሲ ከም እትግዛእ ንምግባር እዩ”
ቅዱስ ጳውሎስ ሥጋን መንፈስን መጻርርቲ እየን ይብለና /ገላ 5፡19/። ስለዚ ሰብ ሥጋኡ ብጹምን ብስግደትን እንተ ዘይኣድኪሙ ሥራሕ መንፈስ ንኽሠርሕ ዋላ እኳ ድሌት እንተ ሃለዎ ከም ቅዱስ ጳውሎስ “ሠናይ ንምግባር ደኣ ድሌት ኣሎኒ እምበር ምግባር ሠናይሲ የብለይን” እናበለ ኺሽገር ይኽእል እዩ /ሮሜ 7፡18/። ነዚ ንምግባር እምበኣር ሥጋ ብጾም ኪደክም ኣለዎ፡ ቅዱስ ጳውሎስውን “ንኻልኦት እናሰበኽኩ ንርእሰይ ዘይብቑዕ ምእንቲ ኸይከውን ንሰብነተይ እቐጽዖን አግዝኦን ኣሎኹ” ብምባል ርእስኻ ብጾምን ብስግደትን ምቕጻዕ ንሥጋና ኣድኪሙ ንፈተነታት ናይ ሥጋ ኣርሒቑ፡ ንነፍሲ ከም ዝድግፋ የረድእ /1ይ ቆሮ 9፡27/።
ማር ይስሐቅውን“ ጾም ትፌውስ ቊስለ ነፍስ፣ ወታጸምም ኵሎ ፍትወታተ ዘሥጋ፣ ወትምሄሮሙ ለወራዙት ፅሙና” “ጾም ቊስሊ ነፍሲ ትፍውስ ኵሉ ፍትወታት ሥጋ ኣኅዲኣ ተጥፎኦም፣ ንመንእሰያት ምርግጋእን ትዕግሥትን ትምኀረና” ይብል።
1.3.3 ካብ እግዚአብሔር ዝኾነ ነገር ኪንሓትት ምስ ንደሊ ኪንጸውም ንኽእል፦ እግዚአብሔር ድማ ንጾምና ተቐቢሉ መልሲ ስለ ዝህበና ንጸውም። ክርስቲያን ንዝገብሮ ዅሉ ነገር ፍቓድ እግዚአብሔር እናሓተተ ምስ ዝገበሮ ሕይወቱ ዕዉት ይኸውን። ነቢይ ዳንኤል ብጾምን ጸሎትን ራእያትን ሕልምታትን ንምትርጓም ይኽእል ነበረ/ዳን 2፡15-.. 9፡3/ ነቢይ ሙሴ ጽላት ንምቕባል 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ /ዘፀ 24፡18/።
ቅዱስ ያሬድ፦ “..ንጹም ጾመ ወናፈቅር ቢጸነ ንንሣእ መንትሜጦ ኣሚነነ እምዝንቱ ኅብስት ርእዩ ዕበያ ወክብራ ለጾም ኃዘን ለአብዳን ወፍሥሐ ለጠቢባን ን. ብፁዕ ብእሲ ዘይትዔገሣ ለሥርዓትየ ይንሣእ ትእዛዝየ አነ ሎቱ ሥምረቶ እገብር ን. እንተ ባቲ ተመጠወ ሙሴ ሕገ እግዚአብሔር ወባቲ ጾመ ለሊሁ መድኃኒነ ን. ወበይእቲ ጾም ዐርገ ኤልያስ ውስተ ሰማያት ወዳንኤል ድኅነ እም አፈአናብስት... - ጾም ንጹም ኣኅዋትና ኸኣ ነፍቅር፡ ካብዚ ኅብስቲ (ካብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን) ከኣ ኣሚንና ንቀበል። ናይ ጾም ዕብየትን ክብርን ተመልከቱ፡ ጾም ንሰነፋት ኃዘን ኺትከውን ከላ ንጥበበኛታት ከኣ ሓጐስ እያ። ንትእዛዘይ ምእንቲ ኽኅዝ ንሥርዓተይ ዚዕገሥ ሰብ ምስጉን እዩ፡ ነቲ ኸምዚ ዚገብር ሰብ ኣነ ኸኣ ፍቓዱ ኺፍጽመሉ እየ። ሙሴ ናይ እግዚአብሔር ሕጊ ዚተቐበለ ብኣኣ (ብጾም) እዩ፡ መድኃኒናውን ከምኡ ጾመ፡ በዛ ጾም እዚኣ ኤልያስ ናብ ሰማይ ዓረገ ዳንኤል ከኣ ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ደኃነ...” እናበለ ብምዝርዛር ቀዳሞት ቅዱሳን ነቢያት ብጾምን ጸሎትን ንእግዚአብሔር ዚደለይዎ ሓቲቶም ይረኽቡ ከም ዚነበሩ ኣነጸረ /ዝማሬ ዘገብርኄር/
1.3.4 ካብ መቕጻዕቲን መቕዘፍትን ንምድኃን፦ ነቢይ ኢዩኤል
“እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚአብሔር። ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፡ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ፣ ርኅሩኅን መሓርን እዩ እሞ፣ ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፣ ናብ እግዚዘብሔር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ። ተጣዒሱ ዚምለስ እንተ ዀነ፣ ድኅሪኡ ድማ ንእግዚአብሔር ኣምላኽኩም ብመሥዋዕቲ ብልዕን ብመሥዋዕቲ መስተን በረኸት ዚኃድግ እንተ ዀነ፣ መን ይፈልጥ∶ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ። ሕዝቢ ኣክቡ፣ ማኅበር ቀድሱ፣ ኣረገውቲ ኣክቡ፣ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉን ኣክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውፃእ፣ መርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኝኣ። እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሠውዕን ይብከዩ ይበሉውን፣ ዎ እግዚአብሔር ንሕዝብኻ ንሓፎ፣ ነቲ ርስትኻ፣ ኣሕዛብ ኪገዝእዎ ኢልካ፣ ንመላገጺ ኣኅሊፍካ ኣይትሀቦ። ስለምንታይከ ኣብ ኣሕዛብ፣ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ፣ ዚበሀል፧ እግዚአብሔር ንሃገሩ ቐንኤ፣ ንሕዝቡ ኸኣ ራኅርኄ። እግዚአብሔር ንሕዝቡ መለሰሉ በሎውን፣ እንሆ፣ ኣነ፣ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፣ ብእኡ ኸኣ ክትጸግቡ ኢኹም፣ ድኅርዚ ኣብ ማእከል ሕዝብታት መላገጺ ኣይክገብረኩምን እየ” ዝበሎ ቃል ድማ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ ኢዩ 2፡12-18/።
ሰብአ ነነዌ ብጾምን ጸሎትና ካብ መዓት እግዚአብሔር ደኃኑ /ዮና 3፡10/ እስራኤላውያን ከኣ ብናይ ሠለስተ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ካብ መቕጻዕቲ ንጉሥ ደኃኑ /ኣስቴር 4/
1.3.4 ኣገልግሎትካ ንኽሠምረልካ፦ ናይዚ ተግባር እዚ እቲ ቐንዲ መምህርና ክርስቶስ እዩ። ንሱ ዝኾነ ዓይነት ሥራሕ ቅድሚ ምፍጻሙ ድኅሪ ጥምቀቱ ኣይወዓለ ኣይኃደረ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ብምኻድ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ /ማቴ 4፡1/። ኣሠሩ ዚተኸተሉ ሓዋርያትውን ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሮም ይጾሙ ነበሩ /ግ.ሐ 13፡3/።
1.3.5 ኃይሊ ኣጋንንቲ ንምርሓቕ፦ ጐይታና ነቲ ሓዋርያት ኬውፅእዎ ዘይተኻእሎም ጋኔን ንሱ ግና ኣውፅኦ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ንኣና ስለምንታይ ዘይወፀልና ምስ በልዎ “እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወፅእን እዩ” ብምባል እዩ መሊስሎም /ማቴዎስ 17:21/።
ቅዱስ ኣትናቴዎስውን ካብዚ ብምብጋስ፦ “ጾም እንታይ ከም ዝገብር ተመልከት፡ ንሕማም ይፍውስ ንኣጋንንቲ የርሕቕ፡ ክፉኣት ሓሳባት ይኣሊ፡ ንልቢ ንጹሕ ይገብር፡ ብርኹስ መንፈስ ዚተታኅዘ እኳ እንተሎ ብመሠረት ቃል ናይ ጐይታና ‘ከምዚ ዝበለ መንፈስ ብዘይ ጾምን ጸሎትን ከም ዘይወፅእ ይፍለጥ” ብምባል ይምህረና /ማቴ 17፡1 ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሐዋርያዊ/
ሓደ ሓደ ንመገዲ ድኅነት ዚቃወሙ ሰባት /ኣሚነ ድኂነ ተወዲኣ/ ዝዓይነቱ ናይ ኣጋንንቲ እምነት ዘለዎም ሰባት /ያዕ 2፡14/፡ ጾም ኣየድልን እዩ ዝብል ሰይጣናዊ ትምህርቶም ንምዝርጋሕ ነዛ ኣብ ማቴ 17/ 21 ዘላ “እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወፅእን እዩ” ትብል ቃል ናይ ጐይታ ብምቕያር፡ ኣብ ሓደ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ጾምን ጸሎትን” ትብል ንምጥፋእ ነታ ቊጽሪ 21 ብምልእታ ፍሒቖም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከውፅእዋ ተገዲዶም ኣለዉ /GOOD NEWS BIBLE PAGE 822/፡ ኣብ ሓደ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነታ “ጾም” ትብል ኣውፂኦም ““እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ጸሎት ኣይወፅእን እዩ” ብምባል ቀይሮምዎ ኣለዉ…ይቕጽል
No comments:
Post a Comment