ንስደቱ ተኸቲሎም ዚተፈጥሩ ኽሥተታት
ናብቲ ዚተመደበሉ ናይ ስደት ቦታ ኪወስዱዎ ካብ ቁስጥንጥንያ ኂዞምዎ ኪወፁ ኸለዉ፡ ኣብ ከተማ ቑስጥንጥንያን ኣብ ከባቢኣን ከምኡ ዓይነት ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ዓቢይ ናይ መዓት በረድ ወረደ። ንግሥቲ ኣውዶክስያውን ብምኽንያት ምንጻል ጥንሲ ኪትሳቐ ድኅሪ ምጽናሕ እዚ ብርቱዕ በረድ ድኅሪ ምውራዱ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ብጭንቂ ሞተት። ዚተፈላለዩ ናይ ታሪኽ ጸኃፍቲ ኣውዶክስያ ብዙኅ ዓይነት መከራን ሽግርን ከም ዝወረዳ ጽሒፎም ኣለዉ። ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ቦታ ዚተተክአ ኣቲከስውን ቀልጢፉ ሞተ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚተገልጸ መንበረ ጵጵስናን ቤተ ክርስቲያንን ከምኡውን ቤተ መንግሥቲ ብሓዊ ተቓጸለ።
በዓል ቴዎፍሎስ ኣብ ኬልቄዶን ኣብ ዚገበሩዎ ናይ ኦክ ጉባኤ፡ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ቀንዲ ከሳስን ወንጃልን ኮይኑ ናይ በዓል ቴዎፍሎስ መሣርሒ ዚነበረ ናይ ኬልቄዶን ጳጳስ ዚነበረ ሲሪኖስ ዚተባህለ ጳጳስ ሽዑ ንሽዑ ካብቲ ናይ ውንጀላ ጉባኤ ከይወፁ፡ ሓደ ኻብቶም ተጋባእቲ ከይረኣዮ ስለ ዚረገጾ እግሩ ሓሚሙ ኪኸይድ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ቁስጥንጥንያ ተረፈ። ብድኅርዚ እግሩ ስለ ዚተመረዘ ዋላውን ኣብ ዚተፈላለየ ቦታ እንተ ተቖርጸ ኪድኅን ኣይከኣለን። ዋላ ኽልተ ኣእጋሩ ተቖሪጹውን ኪድኅን ስለ ዘይከኣለ ድማ እናተሳቐየ ሞተ።
ብናይ ነገሥታት ጣልቃ ምእታው ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚተፈጠረ ሕንፍሽፍሽ ነቲ መንግሥታዊ ምምኅዳርውን ኣይጠቐሞን። ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሩ ናይ ሮም ምብራቒ ግዝኣት ብዓመፅን ብኣድማን ናይ ኣዘዝቲ ሠራዊትን፡ ብሕዝባዊ ዓመፅን ብወራር ናይ ካልኦት ዚተፈላለዩ ሸፋቱን ይሕመስ ነበረ። ብሰንኪ ኣዘዝቲ ሠራዊት ምብራቓውን ምዕራባውን ናይ ሮማ ግዝኣት ንሓድሕዱ ኪዋጋእን ኪደማሰስን ቀሪቡ ነይሩ። ሮማውያን ኣረመናውያን ኢሎም ዚጽውዑዎም ኢሱሪያንስ ድማ ብዙኃት ከታማታት ወረሩ። ካልኦት ዚዓመፁ ሰባትውን ብዙኅ ዓድታት ኣጥፍኡ።
1. ዕረፍቱ
ነቶም ሞቱ ንምርኣይ ዚናፍቑ ዚነበሩ ጸላእቱ ዕድሚኡ ነውኆም። እዚ ስደተኛ ፓትርያርክ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ተራን (ዕማምን) ሰናይ ተግባራትን ኣብ ስደት ኮይኑውን ስለ ዘየቋረጾ ድማ ብሕርቃን ተቓጸሉ። ዋላ እኳ ኣውዶክስያ እንተ ሞተት እቶም ናይ ግብሪ ደቃ ግና ነቲ ናታ ናይ ክፍኣት መስፈሪ ንምምላእ ላዕልን ታሕትን ምባል ቀጸሉ። ስለዚ ድማ ናይ ካውካሰስ መከራ ቀልጢፉ ኪቐትሎ ከም ዘይከኣለ ምስ ረኣዩ፡ መጀመርታ ካብቲ ዚነበሮ ቦታ ካራቢስከስ ናብ ዝበሃል ካልእ ቦታ፡ ብምቕጻል ድማ ጲጢየስ ናብ ዝበሃል ኣብ ጥቓ ካውካሰስ ናብ ዝርከብ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማ ዚርከቡ ቦታታት እቲ ንምምባሩ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ናብ ዝኾነ ቦታ ንኽወስድዎ፡ ካብቶም ናይ ቤተ መንግሥቲ ወተሃደራት ኣዝዮም ጨካናት ዚተባህሉ ክልተ ወተሃደራት ተመሪጾም ተላእኩ። ንሳቶም ከኣ ብእግሩ እናሃወኹን እናጨነቑዎን ኪወስድዎ ጀመሩ። እቶም ወተሃደራት ብዛዕባ እቲ ዚተዋህቦም ትእዛዝ ኪዛረቡ ኸለዉ “ኣብ መገዲ እንተ ሞይቱ ናይ ማዕርግ ዕብየትን ብዙኅ ሽልማትን ኪትረኽቡ ኢኹም ተባሂልና ኢና” በሉ።
ካብቶም ክልተ ወተሃደራት እቲ ሓደ ግና ብዘየፍልጦ ዅነታት ኅብእ ዝበለ ርኅራኄ ኺገብረሉ ይፍትን ነበረ። እቲ ሓደ ግና ናይ መወዳእታ ጨካን ኣረሜን ነበረ። ኃያል ዝናም እናዘነመ፡ ኣብ መሪር ፀሐይ፡ ብለይቲውን ብዘይ ዕረፍቲ ከም ዝጐዓዝ ብምግባር፡ ነቲ ብትኅርምቲ ሰብነቱ ዚደኸመ ኣቦ ብዘይ ርኅራኄ ኣሳቐይዎ። ኣብ ናይ ስደት ዘመኑ ዝወረዶ መከራ ብቓላት ዝግለጽ ኣይኮነን። ንሠለስተ ወርኂ ዝኣክል በቶም ጨካናት ወተሃደራት እናተኻላበተ ብእግሩ ዚተጐዓዞ ናይ ቅጽዓት ጕዕዞ፡ ነቲ ሰብነቱን ጥዕናኡን ካብ ብዝኂ ትኅርምትን ተጋድሎን ዚተጐድአን ዚተዳኸመን ኣቦ ናይ ቀስ ብቐስ ሰማዕትነት ነበረ። እዚ ቕዱስ ኣቦ ኣብዚ ናይ ስደት ዘመኑውን እንተ ኾነ ኣዝየን ብዙኃት ነፍሳት ናብ ክርስቶስ መሊሱ እዩ።
ብኣርማንያ ኣቢሉ ኺኃልፍ ከሎ ኣብ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ባሲሊቆስ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ኣብጽሐ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ እቲ ዕዉት ሰማዕት ቅዱስ ባሲሊቆስ ብራእይ ተገልጸሉ እሞ፦ “ኦ! ዮሓንስ ኃወይ ጽባሕ ብሓደ ኺንከውን ኢና እሞ ኣጆኻ” በሎ። እዚ ሰማዕት እዚ ኣቐዲሙ ነቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ካህን፦ “ይመጽእ ኣሎ እሞ ንኃውና ዮሓንስ ዝኸውን ቦታ ኣዳሉ” ከም ዝበሎ ይንገር። ንሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ስለ ዚሰምዐ ንጽባሒቱ ነቶም ወተሃደራት ኣብዚ ናይ ቅዱስ ባሲሊቆስ ቤተ ክርስቲያን ንኽጸንሕ እንተ ለመኖም ኣበይዎ። ከምቲ ልሙድ ድማ ገና ከይወግሐ ናይ ስደቱ ጕዕዞ ጀመረ። እንተ ኾነ ግና ብዙኅ ከይተጓዕዙ ስለ ዚሓመመ ናብታ ዚተበገሱላ ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ተገደዱ።
እቶም ካህናት ተቐቢሎም ንቕድስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ከደኑዎ። ንሱ ድማ ፃዕዳ መጎናጸፍያኡ ተኸዲኑ ካብ ቅዱስ ምሥጢር (ካብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን) ተቐቢሉ ሽዑ ንሽዑ ነፍሱ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ሃበ። ካብ ልሳኑ ዚተሰምዐት ናይ መወዳእታ ቓል እታ ናይ ኵሉ ጊዜ ምስጋናኡ “ስለ ዅሉ ነገር ክብሪ ንእግዚአብሔር ይኹን” ትብል ቃል እያ። ብርግጽውን ንሱ ብሕይወቱን ብትምህርቱን ኣብ ኵሉ ዘመናቱ ንናይ እግዚአብሔር ክብሪ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግናዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ንዚተባህለ እቲ መዋቲ ዝኾነ ወዲ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ዘበለ ገይሩ እዩ። ዕረፍቱ ናብቲ ኺወስዱዎ ዝሓሰቡ ቦታ ከይበጽሐ ኣብ ጳንተስ ኣብ ዘላ ኮማኒ ዚተባህለት ቦታ ንኽበጽሕ ንእሽተይ ምስ ተረፈቶ ኣብ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ባሲሊቆስ ቤተ ክርስቲያን ኪኸውን ከሎ፡ ዕለቱ ድማ ዕለት 14 መስከረም 407 ዓ.ም ኣብ መበል 60 ዓመቱ እዩ፡ ኣብ መበል 14 ዓመት ናይ ሊቀ ጵጵስና መዓርጉ ዓረፈ። ኣብኡ ድማ መነኰሳትን መነኰሳይትን ካልኦት ብዙኃትን ካብ ዚተፈላለዩ ቦታታት መጺኦም ኣብ ዚተረኽቡሉ ኣብ ጐድኒ ናይ ሰማዕት ቅዱስ ባሲሊቆስ ተቐብረ። ናይ መቓብሩ ቦታ ድማ ተሳለምቲ ዚሳለሙዎ ዚተኸበረ ቦታ እዩ።
No comments:
Post a Comment