bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday, 14 February 2017

ትምህርተ ጾም ዘኦርቶዶክስ 4ይ ክፋል

1.7.9 ጾም ኣርብዓ 

ቅዱስ ኣቡሊድስ፦ “ኣብዛ ፍልይቲ ዝኾነት ጾም ኣርብዓ ብዝግበር ትሩፋትን ብጾም ዝርከብ ጽቡቕ መድኃኒትን ኣሎ” 


እዚ ጾም እዚ ዚተፈላለየ ስያሜታት ኣለዉዎ። ዓቢይ ጾም ይበሃል፡ ምኽንያቱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝጾሞን ካብቲ ካልኦት ኣጽዋማት ዝያዳ መዓልታት ማለት 55 መዓልታት ስለ ንጸውምን ብትኅዝቶኡ ዓቢይ ብምዃኑን ዓቢይ ጾም ይበሃል። ጾመ ዓርብዓ ይበሃል፡ ምኽንያቱ ንኣርብዓ መዓልቲ ስለ ዝጽወም እዩ። ልዕሊ ኢለ ከም ዝገለጽክዎ ኣብ ዓቢይ ጾም ን55 መዓልቲ ኢና ንጸውም። ጐይታና ግና ን40 መዓልቲ እዩ ዝጾመ፡ እዚ ከመይ እዩ፧ ንዘብል ሕቶ ክልተ መልሲ ክንህበሉ ንኽእል ኢና።

1. ካብታ ቐዳመይቲ ሰንበት ናይ ጾም ኣርብዓ ጀሚርና ኣብ ጾም ኣርብዓ ዘለዋ ሰናብቲ ምስ ንቘጽረን ብጠቕላላ 8 ሰናብትን ሾብዓተ ቐዳምን ኣለዋ። እዚኣተን ተደሚረን 15 መዓልቲ እየን። እዘን 15 መዓልቲ ድማ ብሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብዘይካ ቀዳም ስዑር ቀዳምን ሰንበትን ካብ ጥልላት እንተ ዘይኮይኑ ኪንጸውም ግቡእ ኣይኮነን። ስለዚ 55-15= 40 መዓልቲ ይኸውን ማለት እዩ።

2. እቲ ኻልኣይ ድማ እታ ቐዳመይቲ ሰሙን ናይ ዓቢይ ጾም ጾመ ሕርቃል ትበሃል ብልምዲውን /ጾመ ንጉሥ/ ተባሂላ ትጽዋዕ እያ። ንጉሥ ሕርቃል መን እዩ፧ ብ614 ዝነበረ ኪሮስ ዝተባህለ ናይ ፋርስ ንጉሥ ንኢየሩሳሌም ወሪሩ ብዙኅ ጕድኣት ኣውረደላ። ናብቲ ቕድስቲ እሌኒ ዘሥርሓቶ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ ቕድስቲ እሌኒ ኣኽቢራ ዘቐመጠቶ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ከም ፀሓይ ኬብርህ ረኣዮ፡ ክኅዞ ኢሉ እንተ ተንከፎ ኸኣ ኣቃጸሎ። ነቶም ዲያቆናት ኣሸኪሙ ካልኦት ንዋየ ቅድሳትውን ዘሪፉ ልዕሊ 60 ሽሕ ዝኣኽሉ ኣቚሲሉ ሠለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ማሪኹ ነታ ኸተማ ኣቃጺሉ ናብ ፋርስ ባቢሎን ተመልሰ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ካብቲ ውግእ ዝሃደሙ ኣብ ፈቐዶ ጣሻታት ተኃቢኦም ዝጸንሑ ብምትእኽኻብ ድኅሪ 14 ዓመት ማለት ብ628 ዓ.ም ኵሉ ሽግሮምን ዝወረዶም ግፍዕን በደልን ነቲ ክርስቲያን ናይ ሮማ ንጉሥ ንንጉሥ ሕርቃል ነገሩዎ። ንሱ ኸኣ ሓዋርያት ሰብ ዝቐተለ ዕድሚኡ ምሉእ ይጹም ስለ ዝበሉ ከመይ ኪገብር በሎም። ንሳቶም ከኣ፦ “ንሕና ንዕድሜኻ ተኻፊልና ኪንጸሞ ኢና” ብምባል ንዕድሚኡ ምስ ተኻፈልዎ ሓሓደ ሰሙን በጽሖም፡ ነቲ ጾም ከኣ ብዝግባእ ጾምዎ። 

 ንመስቀል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ንዝተማረኹ ክርስቲያንን ንምምላስ ንጉሥ ሕርቃል ኵናቱ መዚዙ ንንጉሥ ኪርዮስ ተላዕሎ፡ ዓወት ንሕርቃል ኮይኑ መስቀል ናይ ጐይታና ግና ኣበይ ከም ዘሎ ስኢንዎ እናተሸገረ እንከሎ፡ ሓንቲ ነቶም ዲያቆናት ኪቐትሎም ከሎን ነቲ መስቀል ኪቐብሮ እንከሎን ብመስኮት ኮይና ትርእዮ ዝነበረት ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኻ ዝመጸት ሰበይቲ ስለ ዘርኣየቶ ኣውፂኡ ነቲ መስቀል ብልብሰ መንግሥቱ ጠቕሊሉ ናብ ቊስጥንጥንያ ተመልሰ። ዚተማረኹ ብምልኦም ከኣ ናጻ ወፁ። ነዚ ንምዝካር ብተወሳኺውን ኣብ ልዕሊ ኃጢአት ንኽንዕወት መንፈሳዊ ዕጥቂ ኣብ ውሽጥና ንኽበዝኃልና፡ ከምቲ መስቀልካ ካብ ምርኮ ዚተመልሰ፡ ንኣና ኸኣ ካብ ናይ ኃጢአት ምርኮ ምለሰና፡ ንሕርቃል ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ንኽዕወት ኃይሊ ኸም ዝሃብካዮ፡ ንኣና ድማ ኣብ ልዕሊ ኃጢአት ኪንዕወት መንፈሳዊ ኃይሊ ሃበና እናበልና ንጸውም።

 ኣብ ናይ ጐይታ ጾም ከም ዝጽወም ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ጾም ኣብዚ ናይ ጐይታና ጾም ዝጽወመሉ ጊዜ ስለ ዚተጾመ ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ጐይታ ጾም ንኽጽወም ገበረት። ኣብዚ ኣብቲ ሽዑ ጊዜ እቶም ሕዝቢ ንሕርቃል ሱባኤ ኣትዮምሉ እዮም። ሎሚ ኸኣ ንሕና ንቤተ ክርስቲያን ዝገበርናዮ ብምዝካር እግዚአብሔር ከምቲ ንሕርቃል ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዝሃቦ ዓወት ንኣናውን ንኽህበና እንሓተሉ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ናይ መጀመርታ ሰሙን ብሕርቃል ሰይምና ነዚ ጾም ንጾሞ። ናትና ጸላኢ እቲ ናይ ጸልማት ገዛኢ ዝተባህለ ዲያብሎስ ስለ ዝኾነ፡ ንእኡ ድማ ብጸሎትን ብጾምን ከም እንስዕሮ ጐይታና ምሂሩና እዩ።

 ስለዚ ነዛ ቐዳመይቲ ሰሙን ጾመ ሕርቃልን ንሰሙነ ሕማማትን ኣውፂእኻ ድማ 40 መዓልቲ እየን ዘለዋ። ምኽንያቱ ሰሙነ ሕማማትውን ምስቲ ጾም ናይ ጐይታ ተተኃኂዛ ኺትከይድ ብምግባር ዚሠርዕዋ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን እዮም እምበር፡ ኣብ መንጐ ጾመ ኢየሱስን ሕማማቱን ናይ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን ፍልልይ እዩ ዘሎ። ብተወሳኺ እዚ ጾም እዚ “ጾመ ኢየሱስ” ውን ይበሃል እዩ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾመ ጾም ስለ ዝኾነ። ናይ ጐይታና ጾም ከመይ ከም ዝነበረ ካብዚ ቐጺልና ንከታተል፦ 


ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 4፡1-12

 /4፡1/፦ “ብድኀርዚ መንፈስ ቅዱስ ንጐይታ ብዲያብሎስ ኪፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ።

መግለጺ፦ መንፈስ ናብ በረኻ ኣውፅኦ ኪብል ከሎ ፍቓዱ ሓሳቡ እዩ። ንኣብነት ጾሙን ጸሎቱን ምስ ፈጸመ “ጐይታ ኢየሱስ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ገሊላ ተመልሰ ይብሎ” /ሉቃ 4፡14/።

1. ኪፍተን ኢሉ ኣይከደን፦ እንተ ኾነ ፈተና ስለ ዘይተረፈሉ ማቴዎስ ብዲያብሎስ ኪፍተን ኢሉ ጸሓፎ። ናብ ገዳም ምኻዱ ስለ ምንታይ እዩ፧ እንተበልና ኣብ ገዳም ጾር ንወጣንያን ዝቐለለ እዩ። ንፍጹማን ግና ዝበርትዐ እዩ። ስለዚ ንዅሉ ኣብነት ኪኸውን ኢሉ ናብ ገዳም ከደ።

ቅዱስ ኣውግስጢን፦ “እቲ ኣርኣያና ዝኾነ ክርስቶስ ንኣና ደቁ መንፈሳዊ ውግእ ኪምህረና ስለ ዝደለየ ንኽፍተን ፈቐደ” 

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፦ “ሰይጣን ንኣዳም ኪፍትኖ ኢሉ ኸይዱ ነበረ፡ እንተ ኾነ ግና ሰይጣን ንክርስቶስ ኬጥቅዖ ኣይከኣለን፡ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ ናብኡ ዝኸደ 

2. ነቲ ፈተና ደልይዎ ኣይኮነን፦ ነቲ ፈታኒ ኃይሉ ኼጥፍእ ኢሉ እምበር ፈተና ደልዩ ኣይኮነን ከም ዝብል፡ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ።

3. ብፍቓዱውን ነቲ ፈተና ኣለዓዒሉ ኣየምጽኦን፦ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈተናታት ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸሙ ብፍቓዱ ኣየላዓዓሎምን፡ ብታህዋኾም ደኣ ብኃይሊ እቲ ምስ ሥጋ ዚተወሃሃደ ቃል ጠፍኡ” ከም ዝብል ሳዊሮስ ዘእንጾኪያ።

/2/ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ።

መግለጺ፦ ክርስቶስ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ዝጾመ ንምንታይ እዩ፧ እንተ በልና፦

1. ኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ዚተዋህቦ ክብሪ ስለ ዘጥፍአ፡ ክብሪ ኣዳም ንምምላስ /ኩፋ 4፡9/።

2. ሙሴ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጸይሙ ሕጊ ኦሪት ተቐበለ /ዘፀ 24፡12-18 31፡18። ክርስቶስ ከኣ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጸይሙ ሕጊ ወንጌል ሠርዐ።

3. ሙሴ ዝለኣኾም 12 ሰለይቲ ምድረ ርስቲ ሰልዮም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ተመልሱ /ዘኁ 13፡25/። ክርስቶስ ድማ ናይ መንግሥተ ሰማያት መራሒ ስለ ዝኾነ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ። ከምኡውን ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ተስእሎተ መልክዕ ቅርጺ ኣካል ዚተሠርዓሉ ሰብ ስለ ዝበደለ ንኻሕሳ ክኸውን ኢሉ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ።። ሥርሑ ብጾም ጀመረ ከመይ ብልዒ ናይ ተግባር ኃጢአት መሠረት ከም ዝኾነ፡ ጾም ድማ ናይ ሠናይ ተግባር መሠረት እዩ። “እስመ ጾም እማ ለጸሎት እህታ ለአርምሞ ወነቅአ ለአንብዕ ወጥንተ ኵሉ ገድል ሠናይት” ይብል /መጽ.መነኮሳት/።

ድኅርዚ ጠመየ፦ ጠመየ ማለቱ ባህሪ ሰብ ስለ ዝለበሰ እዩ። ከምኡውን እቲ ፈታኒ ዝቐርበሉ መገዲ ንምሃብ እዩ።

/3/ እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ ወዲ እግዚአብሔር እንተ ኾንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል በሎ።

መግለጺ፦ ኣብ ዮርዳኖስ ብኡኡ ዝሠመርኩ ፍቱው ወደይ እዚ እዩ፡ ክብል ዝሰምዐ ሰይጣን “ወዲ እግዚአብሔር እንተ ኾንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል” በሎ። ከምቲ ንኣዳም ብብልዒ ምኽንያት ዘስሓቶ ጠምዩ ኣሎ እሞ ኅብስቲ ርእዩ እንተ ሰሓተ ብምባል እዩ።

/4/ “ጐይታ ኢየሱስ ግና ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወፅእ ኵሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ /ዘዳ 8፡3/።

መግለጺ፦ ንሰብ እንስሳዊ ባህርይ መንፈሳዊ ባህርይ ኣለዎ። እንስሳዊ ባህርዩ ካብ መግቢ እንተ ተኸልከለ ኣብ ሞት ይበጽሕ። መንፈሳዊ ባህርዩ ድማ ካብ ቃል እግዚአብሔር እንተ ተኸልከለ ናብ ሞት ይበጽሕ። ከመይ ቃል እግዚአብሔር መንፈሳዊ መግቢ እዩ /ኣሞ 8፡11/። “ሲሲተ ልብ ቃላቲሁ ለእግዚአብሔር” ቃላት እግዚአብሔር ምግቢ ልቢ እዩ ይብል /ቅ.ቄርሎስ መጽ.ሊቃውንት /።

/5/ ድኅርዚ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ከተማ ወሰዶ እሞ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ።

ኣብነት፦ ተድባብ፡ ማዕዝንት፡ ርእሰ ቤት መቕደስ ይብል።

/6/ ብሓቂ ወዲ እግዚአብሔር እንተ ዄንካስ እስከ ካብዚ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር (ጽደፍ) በሎ።

መግለጺ፦ ዘሊልካ ጽደፍ ማለቱ ኃይሉ ንምግምጋም እዩ። ድኹም ሰብ እንተ ኾይኑ ኪስበር እዩ፡ ኃያል እንተ ኾይኑ ኣይስበርን እዩ።

ምኽንያቱ “ኣብ ኵሉ መገድኻ ክሕልዉኻ፡ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍውን ብኣእዳዎም ከልዕሉኻ ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ” ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ኣሎ /መዝ 90/።

/7/ ጐይታ ኢየሱስ ድማ ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ። /8/ ድኅርዚ ዲያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ሓደ ነዊኅ እምባ ወሰዶ፡ መንግሥታት ኵሉ ዓለም ኵሉ ክብረትን ድማ ኣርኣዮ

መግለጺ፦ ንእኡ ስለ ዝመሰለ ደኣ እምበር ንጐይታስ ኵሉ ተለዊጡ መሲሉ ኣይረኣዮን እዩ።

/9/ ሰይጣን ደፋር ስለ ዝኾነ ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ ኢድውን እንተ ነሳእካለይ እዚ ዅሉ ኪህበካ እየ በሎ። /10/ ድኅርዚ ጐይታ ኢየሱስ ሰይጣን ኪድ ካባይ ርሓቕ በሎ።

መግለጺ፦ ኣምላኽ ብኣምላኽነቱ ቀናእ እዩ /ዘፀ 20/

1. ሰይጣን እንተ ሰገድካለይ ስለ ዝበሎ ኪድ ካባይ ርሓቕ በሎ።
ኣብነት፦ ሑር ለዘእምድኅሬየ ይብል
2. ደድኅረይ ካብ ዝስዕቡ ምእመናን ርሓቕ በሎ።

ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ክትሰግደሉ ንእኡ በይኑ ድማ ኪትግዛእ ጽሑፍ እዩ እሞ ሰይጣን ኪድ ካባይ ርሓቕ በሎ።

መግለጺ፦ ወሰዶ ወሰዶ ማለቱ፡ ሓሳቡ ንምርኣይ ስለ ዝኾነ እዩ፡ ተገዲዱ ኣይኮነን።

ሠለስተ አርእስተ ኃጣውእ ዚበሃሉ፡

1. ስስዐ፡ ትዕቢት፡ ፍቕሪ ገንዘብ እዮም።

1. ስስዐ፦ ዘይተዋህበካ ምድላይ እዩ።
2. ትዕቢት፦ ኣምላኽነት ምድላይ እዩ።
3. ፍቕሪ ገንዘብ፦ ይኣኽለኒ ዘይምባል እዩ።
ጐይታ ኢየሱስ ንኣዳምን ንሔዋንን በዚ ሠለስተ አርእስተ ኃጣውእ ተፈቲኑ ንዲያብሎስ ሰዓረሎም። እንተ ኾነ ንኣዳምን ንሔዋንን ጥራይ ኣይኮነን ንዅሉ እዩ።

1. መነኮሳት ዝደለይዎ ስለ ዘይረኽቡ፡ ጾሮም (ስምዒት) ስስዐ እዩ። ኣብ ገዳም (በረኻ) ዲያብሎስ ብስስዐ እንተ መጾ ብትዕግሥቲ ስዒርሎም እዩ።

2. ካህናት ኣእምሮና ዓሚቚ ረቂቕ፡ መዓርግና ልዑል ምጡቕ እዩ ብምባል ስለ ዝዕበዩ ጾሮም ትዕቢት እዩ። ኣብ ቤት መቕደስ ብትዕቢት እንተ ፈተኖ ብትሕትና ሰዓረሎም።

3. ነገሥታት ጾሮም ፍቕሪ ገንዘብን ሥልጣንን እዩ። ስለ ዝኾነ ኣብ እምባ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ፈተኖ፡ ገንዘብ ብምጽላእ ስዒርሎም እዩ። ብድኅርዚ ኃጢአት ካብ ሡሩ ከም ዝተማሕወ ኦም ኮነት።

ቅዱስ ሳዊሮስ፦ እዛ ምትላል እዚኣ ንኣዳም ናብ መሬት ከም ዝምለስ ዝገበረቶ እያ። ናብ ኣምላኸይ ናብቲ ዅሉ ወሃቢ ሲሳይ ምስ በጽሐት ግና፡ ሰይጣን ኃፊሩን ተሳዒሩን ተመልሰ ይብል።

/11/ ድኅርዚ ዲያብሎስ ኃደጎ

መግለጺ፦ ኣብ ሉቃስ እስከ ጊዜሁ ይብል /ሉቃ 4፡13/ ዳኅራይ ኣብ ልቢ ይሁዳን ኣይሁድን ኃዲሩ ክሳብ ዜስቅሎ ንጊዜኡ ኃደጎ በለ።

እነሆ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ፦

1. “ኃይሊ ምስጋና ይግብኣካ” እዩ ዝብሉ እዮም።
2. መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ  ማለቱ ዲያብሎስ “ምስ መላእኽቱ ኾይኑ ስዒሩኒ እምበር በይኑ ኣይምሰዓረንን” ከይብል እዩ።

ምሳሌ ዓቢይ ንጉሥን ንኡስ ንጉሥን

 ቅዱስ ኤጲፋንዮስ፦ “ዓቢይ ንጉሥን ንኡስ ንጉሥን ንውግእ ተሰለፉ፡ ዓቢይ ንጉሥ ነቲ ካብኡ ዝትሕት ንኡስ ንጉሥ “ሕዝቢ ካብ ዝሃልቕ” ንሓድሕድና ንግጠም” በሎ እሞ ገጠሙ። ዓቢይ ንጉሥ ንንኡስ ንጉሥ ሰዓሮ። ኵሉ ንብረቱውን ማረኾ። ድኅርዚ ዓቢይ ንጉሥ ስዒሩ ክምለስ ከሎ ሠራዊቱ ብሓጐስን ብዕልልታን ተቐበልዎ” ይብል /ሃይ.አበው 55፡13/። ስለዚ ክርስቶስ በይኑ ንዲያብሎስ ስለ ዝሰዓሮ እነሆ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ በለ።

3. ንስኻትኩምውን ብትዕግሥቲ እንተ ሰዓርኩም መላእኽቲ ኺግለጽልኩም እዮም ንምባል ንኣብነት እዩ።

ታሪኽ፦ ሓደ ባሕታዊ ካብ በዓቱ ከይወፅእ መብጽዓ ነበሮ። ኣብ በዓቱ ኺነብር ከሎ ሰይጣን መጺኡ ንጉሥ ይጽውዓካ ኣሎ በሎ፡ “ንሱ ብዘይካ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ የብለይን” በሎ እሞ፡ እቲ ሰይጣን ከኣ “ኣብ ዓለም ተቐሚጥካስ ንጉሥ የብለይን ትብል ኢሉ ብዝኃዞ በትሪ ቐጥቂጥዎ ኸደ። ድኅርዚ መልአከ ዑቃቤ (ሓላዊ መልኣኽ) ተገልጸሉ እሞ መን ኢኻ በሎ፡ ንሱ ድማ ኣነ ሓላዊኻ መልኣኽ እየ በሎ፡ ክሳዕ ሕጂ ደኣ ኣበይ ኔርካ እንተ በሎ፡ ሕጂውን ስለ ዝተዓገሥካ እየ ተገሊጸልካ በሎ።

No comments:

Post a Comment