4ይ ክፋል
ናይ ኣቦና ቓል ነቲ ኣብ ቀረባ ዚነበረ ልበይ ሰባቢሩ ናብ መኣዲ ቕድስና ክስሕበኒ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ብቐደሙውን ከምዚ ገይሩ ኮፍ ኣቢሉ ሰኣን ዘረደኣኒ እምበር ልበይ ደኣ እኮ ንእግዚአብሔር ናፊቑ ካብ ዝነቅል ነዊኅ እዩ ገይሩ። ሽዑ ኣነ “ኣቦና ዓባየይ ብሕይወት እንከላ ብኣይ ሕጕስቲ ምእንቲ ኽትከውን፡ መወዳእታ ሕይወተይ ድማ ምእንቲ ክጽብቐለይሲ ብሓፈሻ “ሓንቲ ዘማሪት ጓል ኣንስተይቲ ኽትገብሮም ዝግብኣን ዘይግብኣን ነገራት ኣብርህ ኣቢልኩም ንገሩኒ” ምስ በልክዎም ዓበየይ ደስ እናበላ፡ “ሔዋን ጓለይ ብርኽቲ ዅኒ እዛ ጓለይ እግዚአብሔር ይባርኽኪ ፡ ኣነ ኣዴኺ ካብ ቀደም ከም እትፈልጥኒ ሕጊ እግዚአብሔር ንደቅኻ ከም ምንጋር ገይሩ ዘሐጕሰኒ የብለይን፡ ሕጂ ድማ እግዚአብሔር ነዚ ናይ ልበይ ሓሳባት ፈሊጡ ካህን ልኢኽለይ ኣሎ። ስለዚ ንሶም እናመሃሩና ኣነን ንስኽን ብእዝነ ልቦናና ደኣ ንስማዕ” ብምባል ናብ ኣቦይ ቀሺ ኣመኃላለፈትኒ።
ሽዑ ኣቦና ድምፆም ኣለስልስ ኣቢሎም “ዘማሪት ምዃን ማለት ብድምጽኻ ነቲ ጥዑም ዜማ ናብ ሰባት ምትኅልላፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሠናይ ኣካይዳኺ ማለት ብኣዘራርባኺ፡ ብኣከዳድናኺ፡ ብትሕትናኺን ንሰባት ማሪኽኪ ናብ ቤተ ክርስትያንን ናብ እግዚአብሔርን ምትኅልላፍ ማለት እዩ። ነዚ ድማ ጐይታ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም ዝበለና።(ማቴ 5፡14) ደጊሙ ውን “ነቲ ሠናይ ኣካይዳኹም ርእዮም ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግናዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢልና እዩ። (ማቴ 5፡16) ካብዛ ጥቕሲ ከም እንርድኦ ሰብ ንዓኽን ነተን ኣብ ቅድሚት ወፂኽን እትዝምራ ደቂ ኣንስትዮ ኵላትክንን ኣብነት ገይሩ እዩ ዝኽተል። ማለት ንስኽን ሰሓብን ጽፉፍን ኣካይዳ እንተደኣ ኣለክን በቲ ሕይወትክን ቀኒኡን ተሳሒቡን ናብ ቤት እግዚአብሔር መጺኡ መንፈሳዊ ሰብ ኮይኑ ከም ዝነብር ትገብራኦ። ኵሉ ሰብ ድማ ናይዚኣተን ኣምላኽ ሓቀኛ ኣምላኽ ሃይማኖተን ድማ ትኽክለኛ ሃይማኖት እዩ እናበለ ነቲ ሠናይ ኣካይዳኽን ርእዩ ነቲ ናይ ሰማይ ኣቦኽን የመስግኖ። ብኣንጻሩ ከምዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ዘርጊ ዝኾነ ኣካይዳ ማለት ደርፍን ሳዕስዒትን መዝሙርን ሓዋዊስክን ምስ እትኸዳ ድማ፡ ከምቲ ካብ ዝመውት ነዊኅ ዝገበረ ሬሳ ብጨናኡ ሰብ ናብኡ ከም ዘይቀርብ ዝገብር፡ ንስኽን ድማ ብኃጢኣት ስለ ዝሸተትክን ኵሉ ሰብ ካባኽንን ካብቲ ንስኽን ዘለኽንኦ ቤተ ክርስቲያንን ክሃድም ይጅምር፡ ሃይማኖትክንን ኣምላኽክንን ከም ዝንቀፉ ኸኣ ትገብራ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ክቡር ጳውሎስ “ብሰንክኹም ስመይ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ ዝበለ” (ሮሜ 2፡23-24)
ስለዚ ሔዋን ጓለይ ክትጥንቀቕሉ ዘለኪ ካብ ኣከዳድናኺ ክጅምር ኢየ። ኣከዳድናኺ ንስኺ ውሽጣዊ መንነትኪ መን ከም ዝኾንኪ ዝዛረብ ልሳን እዩ። ፍቐሪ ዝሙት ዘለዋ ጓል ንሰብኡት ኣብ መጻወድያ እተእትወሉ ሰሓቢ ዝኾነ ናይ ዝሙት ክዳን ብምኽዳን ኢያ እትፍለጥ። ንስኺ ድማ ከምዚ ዓይነት ንዝሙት ዝደፋፍእን ዝዕድምን ክዳን እንተተኸዲንኪ፡ ብርግጽ ኣብ ልብኺ ፍቕሪ ናይ ዝሙት ምህላዉ እዩ ዘፍልጥ። ኣፍኪ እኳ እንተዘይተዛረበ ክዳንኪ ግና ኣፍ ኮይኑ ይዛረብ ምህላዉ ኣይትዘንግዒ። ነዚ ድማ እቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃል ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ዜረጋግጾ ሓቂ እዩ። “ብሰሓብነት ክዳኑ ክፉእ ትምኒት ኣብ ልቦናኡ ኣእትዩ ንኽኃድር ዝሙት ክፍጽም ዝምነ ሰብ ሰሓቢ ኽዳን ይኽደን፡ ብኃጢኣት ዝረኸሰ ኽዳንኩም መጻወድያ ኣይትግበርዎ፡ ዘማውን ዘማዊትን ኣይትጠምት” ይብለና። ቀጺሉ ዝጥቀስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣብነት ኣከዳድናኡ ንሓደ ሰብ ብውርደተኛን ብነውሪ ዝኾነ ሥራሕን ከፍልጦ ከም ዝኽእል የረደኣና። ትእማር ንዝደለየቶ ኽትፍጽም ኮነ ኢላ ብዕላማ ናይ መበለት ክዳና ኣውፂኣ መጎናጸፍያን መሸፈንን ተኸዲና ኣብ ጽርግያ ተቐመጠት ሓሙኣ ይሁዳ ብመገዲ ኪኃልፍ “ገጻ ሸፊና ስለ ዝነበረት ኣመንዝራ መሰለቶ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይትርኸልና። ስለዚ ንትእማር ኣከዳድናኣ ኣብቲ ጊዜ ንዝነበራ ኣመንዝራታት ኣምሲልዋ ነበረ /ዘፍ 38፡13-15/
ከም ናይ ቀደም ሰባት ለሚውን ዋላ እኳ ከምቲ ነቲ ናይ ዝሙት ልብሲ ዝለበሳ ዝገብራኦ ተግባር እንተዘይገበርና፡ ኣከዳድናና ከም ናተን እንተ ኾይኑ ግና ምሳኣተን ከመድበና ይኽእል እዩ። ካልኦት ካብ ኣከዳድናና ተበጊሶም ብዛዕባና እዚኣተን ዘመውቲ እየን እንተበሉና ክንፈርዶም ንኽእል ዲና? ካልኦት ሓሳባቶም ከም ዝልውጡ ካብ ምግባርን፡ ንሕና ኣከዳድናና ካብ ምስትኽኻልን ኣየናይ ይቐልል? ናይ ካልኦት ሰባት ኣባና ዘለዎም ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ካብ ምቕያር፡ ኣከዳድናና ምቕያር ኣይቀልልን?
ሔዋን ጓለይ ንእግዚአብሔር ምግልጋል፡ ዘማሪት ኮይንኪ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምውፃእ ቀሊል ኣይምሰልኪ፡ ብዝግባእ ተጠንቂቕኪ እንተኂዝክዮ ዓቢ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ ኣገልግሎት እዩ። ብሸለልትነትን ብድፍረትን ምስ እትምልከትዮ ድማ ብኣንጻሩ ካብቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ዘለዉ ኃጢኣተኛታት ንላዕሊ መሪር ቅጽዓት ክወርደኪ ይኽእል እዩ። ካህናት ደቂ ኤሊ ብዝፈጸምዎ ሸለልትነት ዝወረዶም ቅጽዓት ዘክሪ፡ ብሰንኮም ታቦት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብዘይፈልጡ ሰባት ተማሪኹ፡ ብሰንኮም ሕዝቢ እስራኤል ምስ ኣሕዛብ ኲናት ገጢሞም ከቢድ ስዕረት ገጢምዎም ብዙኃት ድማ ብዘሰቅቕ ሞት ረጊፎም፡ ሰበይቲ ካህን ፊንሃስ ክትሓርስ እንከላ ነዚ ብምስምዓ ብስንባደ ሞተት፡ ኣቦኦም ሊቀ ካህናት ኤሊውን በዚ ነገር ሰምቢዱ ካብ ተቐሚጥዎ ዝነበረ መንበር ወዲቑ ክሳዱ ተቖልዒጹ ሞተ እዚ ዅሉ ዝወረደ እግዚአብሔር ኣብ ቤቱ ንዝግበር ናይ ሸለልትነት ኣገልግሎት ብኸቢድ ዝብቀል ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኤርሚያስ “እቲ ሥራሕ እግዚአብሔር ብሸለልትነት ዝገብሮ ርጉም ይኹን” ዝበለ /ኤር 48፡10/። ስለዚ ኣብ ኣከዳድናኺ ኣዚኺ ጥንቅቕቲ ኽትኮኒ ይግበኣኪ። ንክርስቲያን ብፍላይ ድማ ንሓንቲ ኣብ ሰባት ኣብነት ክትከውን ዘለዋ ዘማሪት ዝግባእ ክዳን ፈሊኺ ክትፈልጢ ይግበኣኪ።
ክርስቲያን ክለብስዎ ዝግበኦምን ዘይግበኦምን ክዳን ኣሎ። ነዚ ውን ቅዱስ ጳውሎስ “ግቡእን ትሕትና ዘርእን ክዳን ይከደና። ከምቲ ነተን መንፈሳውያን ኣንስቲ ዝግባእ ብሠናይ ግብሪ ኪስለማ እደሊ ኣለኹ” /1ይ ጢሞ 2፡9-10/ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።
ዘይግባእ ክዳን ዝበሃል ዕርቃንካ ንምርኣይ ዝዳርግና ፀረ ክርስትና ዝዀነ መልእኽትታት ዘለዎን ክዳን እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ናይ ዝሙት መልእኽቲ ዚኃዘ ሥዕልን ጽሑፍን ዘለዎ እንተኾይኑ፡ ምስ ሰብነትካ ጠቢቑ ኣካልካን ቅርጽኻን ዘርኢ ወይ ብዝኾነ መገዲ ክርስቲያናዊ ዕላማ ዝጻረር እንተኾይኑ ክርስቲያን ነዚ ክኽደና ኣይግባእን።
ዘይግቡእ ኣከዳድና ዝበሃል ደቂ ኣንስትዮ ስረ ምኽዳን ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ቀሚስውን ዘይግባእ ክዳን ኮይኑ ዝርከበሉ ብዙኅ ኣጋጣሚ ኣሎ። ንኣብነት ኣዝዩ ሓጺር ወይ ዝተጨደደን ሰብነትና ዘርእን እንተ ኾይኑ ቀሚስ ስለ ዝኾነ ጥራይ “ዝግባእ ክዳን” ክበሃል ኣይክእልን እዩ።
ሓንቲ ድንግል ንዓቕሚ ሔዋን ምስ በጽሐት ኣብ ኣካላታ ዝረአ ለውጢ ነቶም ዓቕሚ ኣዳም ንዝበጽሑ ኣወዳት ብኃይሊ ዝማርኽ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ብዙኃት ደቂ ኣንስትዮ ብኣወዳት መንእሰያት ብተደጋጋሚ ይፍተና እየን። ንስኺውን እናዓበኺ ምስ ከድኪ ተመሳሳሊ ዝኾነ ፈተና ይገጥመኪ እዩ። ሓቀኛ ዝኾነ ናይ ልብን ናይ ሕሊናን ሰላም ንምርካብን፡ ንሰላምኪ ዝዘርጉ ሽግራት ከይረኽቡኽን እንተ ደኣ ትደልዪ ዄንኪን ነብስኺ ምቁጽጻርን ትኽክለኛ ኣብ ዝኾነ ነገር ተሪር መርገጺ ክህልወክን ይግብኦ።
ምስ ናይ ወሊድ ዝምድና ዘለዎም ክፍሊ ኣካላትኪ ንኽርኣየልኪ ቁምጣን ምስ ነብስኺ ዝጠብቕ ቁርጽራጽ ቀሚስን ኣካላትኪ ዘርኢ መንፊት ዝዓይነቱ ረቂቕ ክዳውንቲ እናለበስኪ ኮነ ኢልኪ ኣቓልቦ መንእሰያት ክትስሕቢ ይግበኣኪ ድዩ? ከምዚ እንተደኣ ትገብሪ ዄንኪ በቲ ናይ ወራዙት ፆር ዝኾነ “ፍቕሪ ናይ ምንዝርና መጋየጺ” ተታኂዝኪ ኣለኺ ማለት እዩ። በዚ ምቕጻልኪ ድማ ናይቶም ኣንጻር ጾታ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ፍትወተ ሥጋ ኣብ ምልዕዓል (ምቕስቃስ) ዓቢ ተራ ትጻወቲ ምህላውኪ ኣይትረስዒ።
ምስ ናይ ወሊድ ዝምድና (ምትእስሳር) ዘለዎም ክፍሊ ኣካላትኪ ዘጋልጽ ክዳን ተኸዲንኪ ናብ ዕዳጋን ናብ ናይ ሥራሕ ቦታን ምኻድ ኣዝዩ ዜኅፍር እዩ። ንሥራሕውን ዝምችእ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ንክርስቲያን ሰብነትካ ከም እንስሳ ዘቚጽረካ ኽዳን ተኸዲንካ ኣብ መሐንበሲ ቦታታት ናብዝን ናብትን ምባል ነውሪ እዩ። ካብዚ ዅሉ ብዝኸፍአ ዘውቅስ ግና ክዳን ዘመውቲ ተኸዲንካ ቤተ ክርስቲያን ምእታው እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ቦኑ ትትቃወምዮ ለቃለ ሓዋርያ ብፁዕ ጳውሎስ” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ድማ “ርእሳ ከይተሸፈነት እትጽሊ ወይ ትንቢት ትዛረብ ሰበይቲ ርእሳ እያ ተሕስር” ዝብል ቃል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንምቅዋም ዲኺ ናብ ቤተ ክርስቲያን እትኸዲ? ማለቱ እዩ 1ይ ቆሮ 11፡5።
ብምባል እቲ ኣዕጽምቲ ዘጥልል ማዕዳኦም ምስ ወድኡ እቲ ቓል ልበይ ስለ ዝሃረመኒ ሰሙን ኃሊፉ ንኣበ ነፍሰይ ረኺበ ንስሐ ከይኣተኹ ንኸይመውት ካብ ልበይ እየ ክፈርህ ጀሚረ። ብፍላይ ኣብ ፌስ ቡክ ዝወርድ ሥዕልታት ናተይን ናይ መኃዙተይን ዓባየይ እንተትርእዮ ወዲቓውን ኣይምተንሰአትን፡ ምኽንያቱ ዚኃለፈ ሕይወተይ ኵሉ ድራማ እዩ ነይሩ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ደገ ክፍኣተይ ንምሽፋን ልብሲ መዘምራን ለቢሰ ዝዋስኣላ መድረኽ እያ ነይራ። ብልብሲ መዘምራን ብዙኅ ሸቂጠ፡ ልብሲ መዘምራን ለቢሰ ብምሥዓል ኣብ ፌስ ቡክ ሼር ይገብሮ፡ ናይ ዘመውቲ ልብሲ ለቢሰ ድማ ኣብ ጐድኑ ይገብሮ፡ ክፍኣተይ ንኣይ ጥራይ ዘይኮነ ክንደይ ሰባት ብኣይ ተዓንቂፎም ከም ዝኾኑ ርዱእ እዩ? .....ይቕጽል
No comments:
Post a Comment