bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday, 30 January 2017

ትርጕም ሓንቲ ቓል 6

‘ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” /ማር 10፡18/

“ኢየሱስ ብመገዲ ኪኸይድ ከሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መጺኡ ሰገደሉ። ‘ኣንታ ሕያዋይ መምህር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስሲ እንታይ እግበር?’ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎ ‘ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” /ማር 10፡18/። ነዚ ቓል እዚ ዚተዛረቦ ክርስቶስ እዩ። እዚ ቓል እዚ ኣምላኽነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይቅበሉ ኣርዮሳውያንን መሰልቶም ንምድንጋር ዝጥቀምሉ ዘለዉ ቓል እዩ። እዚ ቓል እዚ ብዙኅ ሕቶታት ከልዕል ዝኽእል ቃል እዩ፡ ንኣብነት፦
1. ክርስቶስ ኣምላኽከ ኣይኮነን ድዩ?  
2. ክርስቶስ ሕያዋይ ኣይኮነን ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ከላዕል ይኽእል እዩ።
ኣምላኽነት ክርስቶስ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ከምኡውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢሎም ሠሪዖም ካብ ናይ መናፍቓን መጻሕፍቲ ፈልዮም ዘረከቡና ኣበው ቅዱሳን ኵላቶም ናይ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ገሊጾም እዮም። ካብቲ ብዙኅ ውሑድ ንምጥቃስ ብናይ ብሉይ ኪዳን ኣበው ንጀምር፦ “ድንግል ክትጠንስ እያ ወዲ ኸኣ ኽትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ኢላ ኽትሰምዮ እያ” ዝብል ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ንርአ።  ነዚ ቓል ኣስተንትንዎ፡ ኣብ ዝኾነ እምነት ናይ ዓለም ብዘይ ዘርኢ ዝተጠነሰ ነቢይ ኣሎ ድዩ? ብድንግልና ዝተወለደኸ? ብርግጽ የልቦን። እዚ ፈጣሬ ዓለማት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይምርመር ጥበቡ ዚፈጸሞ ናይ በይኑ ተኣምራታዊ ልደት ኣምላኽነቱ ዘረጋግጽ እዩ።

 ኣማኑኤል ማለትከ እንታይ ማለት እዩ? ኣማኑኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ /ማቴ 1፡23/። ስለዚ እቲ ብሥጋ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ምሳና ዚተመላለሰ ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ። ቀጺሉውን ኢሳይያስ “ሕፃን ተወሊድልና ወዲውን ተዋሂቡና እዩ፡ ንሱ ኸኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ ንሱ፦
ግሩም መኻሪ
ብርቱዕ ኣምላኽ
ዘለዓለማዊ ኣቦ
መስፍን ሰላም ተባሂሉ ኺጽዋዕ እዩ” ይብል /ኢሳ 9፡6/። ሕጂውን ነዘን ቃላት ነስተንትነን፡ እቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዚተወልደ ሕፃን ንሱ “ብርቱዕ ኣምላኽ” እዩ “ናይ ዘለዓለም ኣቦ” ድማ እዩ። ዘለዓለማውነት ናይ እግዚአብሔር ናይ በይኑ ባህርይ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ንሱ እግዚአብሔር እዩ። ሓንቲ ናይ ኢሳይያስ ቃል ንወስኽ “እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ቀዳማይን ዳኅራይን ኣነ እየ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን..” /ኢሳ 44፡6/። ነዚ ድንቂ ቓል እዚውን ናብ ሓድሽ ኪዳን መጺኻ እሞ መርምሮ “ኣይትፍራህ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳኅራይን እቲ ሕያውን እየ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እነሆ ኸኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ፡ ኣብ ልዕሊ ሞትን ሲዖልን ከኣ ሥልጣን ኣሎኒ..” ብምባል ክርስቶስ ኪዛረቦ እንከሎ ክትርኢ ኢኻ /ራእ 1፡17-18/።

 እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን “ቀዳማይን ዳኅራይን ኣነ እየ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን.” ኢሉ ንኢሳይያስ ዚተዛረቦ እግዚአብሔር፡ ሥጋ ለቢሱ ምእንታና ሞይቱ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ ብኽብሪ ብምትንሣእ ናብ ሰማያት ምስ ዓረገ ንዮሓንስ ተገልጸሉ እሞ “ቀዳማይን ዳኅራይን ኣነ እየ” ብምባል ኣምላኽነቱ ኣነጸረሉ።

 ነቢይ ዳዊት “ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ” /መዝ 47፡5/ ብምባል ዝዘመረሉኸ ነቲ ንሞትና ብሞቱ ስዒሩ ዚዓረገ ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑ ንመን ኪኸውን ይኽእል። ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ “እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ካብ ኣዕይንቶም ከኣ ደመና ሠወረቶ” ብምባል ከም ዝጸሓፎ እቲ ዝዓረገ ንሱ ኢሱስ ክርስቶስ እዩ /ግ.ሐ 1፡9/። ቅዱስ ዳዊት ድማ ነዚ ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሉ ነዚ ዝዓረገ ጐይታ “ኣምላኽ እግዚአብሔር” ብምባል ዘመረሉ።

 ናብ ሓዋርያት ምስ ንመጽእ ድማ ብቐዳምነት ዚጥቀስ ናይ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ቃል እዩ። “ቃል ብቕድሙ ነበረ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ” ብምባል ብደረቑ ኢየሱስ ክርስቶስ ብቕድሙ ዚነበረ ኣካላዊ ቓል መለኮታዊ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ብግልጺ ጸሓፈ /ዮሓ 1፡1/። ቅዱስ ጳውሎስውን “ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ ንዘለዓለም ብሩኽ እዩ፡ ኣሜን” ብምባል ደምዲምዎ ኣሎ /ሮሜ 9፡5/።
ክርስቶስ ሕያዋይ እዩ

 ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያውነት ብቓላት ወይ ብጥቕሲ ጥራይ ኺግለጽ ዝኽእል ኣይኮነን። ዚገበሮ ተግባር ንባዕሉ እኹል ምስክር እዩ። ሰብ ከም ዝኸውን ዝገበሮ መግረፍትን ሥቅያትን ሞትን ከም ዝቕበል ዝገበሮ “ሕያውነቱ” ዶ ኣይኮነን? እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ መን ድዩ? ንሱ ባዕሉ እቲ ሕያዋይ ክርስቶስ እኮ እዩ! /ሉቃ 10፡25…/። ነዚ ንምርግጋጽ ናቱ ናይ ክርስቶስ ቃል ኪጠቕሰልኩም እሞ ናብ ትርጓሜኡ ኪንኃልፍ፦ “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፡ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ..” /ዮሓ 10፡11/። ካብዚ ዝበለ ሕያውነት እሞ እንታይ ደሊኻ? 

 ስለዚ ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነትን ሕያውነትን ንጹርን ብሩህን ከም ዝኾነ መጀመርታ ብልብኻ እመን። ብድኅሪኡ ስለ ምንታይ ‘ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” ኢሉ ከም ዚተዛረበ ብምስትውዓል መርምር። ብልማድ ናይ እስራኤላውያን ዝወድስካዮ ሰብ ተመሊሱ ይውድሰካ፡ ስለዚ ኪትውደስ እንተ ደሊኻ ንስኻ ኣቐዲምካ ኢኻ ትውድስ። እዚ ናብ ክርስቶስ መጺኡ “ሕያዋይ” ዝበሎ ሰብ እምበኣር “ንርእሱ ሕያዋይ” ክበሃል ዝደለየ ሰብ እዩ ነይሩ። እዚ ሰብ እዚ ሕያዋይ ክበሃል ደለየ፡ ናይ ሕያውነት ሥራሕ ግና ኣይነበሮን። እዚድማ ጐይታና “ዘለካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ..” ምስ በሎ “ንሱ ግና ብዙኅ ጥሪት ስለ ዚነበሮ በዚ ቓል እዚ ኃዘነ እናጐሃየውን ከደ” ብዝብል ቃል ከነረጋግጾ ንኽእል ኢና ሉቃ 10፡21-22/። 

 በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እምበኣር እቲ ሓሳብ ኵልና ዚፈልጥ ጐይታና “ናይ ሕያውነት ግብሪ ዘይብልካስ ሕያዋይዶ ኽትበሃል ደሊኻ፡ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ብባህርይኡ ሕያዋይ የልቦን” ብምባል ዚመለሰሉ። እዚ ከምዚ ዓይነት ውዳሴ ኸንቱ ናይ ምድላይ ጥበብ ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስውን ብኻልእ ሰበይቲ ተፈጺሙ ኣሎ። እቲ ቓል ከምዚ ይብል፦ “ኢየሱስ እዚ ኽዛረብ ከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቶም ሕዝቢ ድምፃ ዓው ኣቢላ ‘ዝፆረትካ ኸርሥን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁዓት እየን” በለቶ /ሉቃ11፤27/። ኣስተውዕሉ እዚ ኣዘራርባ እዚውን ምስቲ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ ሓደ ዓይነት እዩ። ናይ ጐይታና መልሲውን ሓደ እዩ “ንሱ ግና ብፁዓንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑዎን ዝሕልዉዎን ደኣ እዮም በላ” /ሉቃ 11፡28/። እሞኸ ድንግል ማርያም ብፅዕቲ ኣይኮነትን ድያ? ኣብ ዝቕጽል የራኽበና….


No comments:

Post a Comment