. ዓባየይ “ሔዋን ጓለይ ይኣኽለኒ ካብዚ ናይ ዳንኬራ ቦታ ከዕርፍ ገዛ ውሰድኒ እሞ እቲ ዘዝተረፈ ድማ ኣብኡ ኺንምልኦ ኢና” ኢላትኒ ናብ ገዛ ተበገስና። ሕጂ ድማ ካብቲ ዓባየይ ኣፍ ደገ ሞት ኢላ እትጽውዖ ናይ ጓይላን ዕግርግርን ቦታ ወፂና ኣብ መኪና ተሰቒልና ጕዕዞ ንገዛና ኢና ተተኃኂዝናዮ ዘለና። ኣብ መገዲ እንከለና ብሃንደበት ስልኪ ተደወለኒ ቴለፎነይ ናይ ሓደ ደራፊ ድምፂ ተሰንያ ከተጕርዕ ጀመረት፡ ኣቦይ ቀሺ እዮም ስሕት ኢሎም ኣብ ገዛ መጺኦም ቃለ እግዚአብሔር ስለ ዝምህሩና፡ ገዛ እንተለኹ ንኸረጋግጹ እዮም ደዊሎም። ዓባያይ ሔዋነይ እዞም ደረፍቲስ ሂዲመሎም እንተበልኩ እምበኣር ሓዚልክለይ መጺኺ? ካን ዋላ ኣብ ስልክኺ ደራፎ ተሰኪምኪ ኢኺ ትኸዲ? ብምባል እናተደነቐት፡ ኣቦይ ቀሺ ንገዛ ድዮም ዝመጹ ዘለዉ ብምባል ሓተተትኒ? እወ ይመጹ ኣለዉ፡ ብባቡር ገይሮም ከርክቡና እዮም ኢለያ ጕዕዞና ቐጸልና።
ኣብ ገዛ ምስ ኣተና ኣቦይ ቀሺ ቀልጢፎም ስለ ዝመጹ፡ ንዕላልና ቐልጢፎም ተሓወስዎ። በቲ ዓባየይ ዝሃባኒ ምኽርን ትምህርትን ድማ ኣዝዮም ተደነቑ። “ኣየ ኵሉ ወላዲ ከምዚ እናገበረ ደቁ እንተ ዝምህር እዛ ዓለም ከመይ ብቐሊሉ ምተዓረየት መሲልክን? እናበሉ ከስተንትኑ ኸኣ ጀመሩ። ዓባየይ ድማ “በሉ እግዚአብሔር ንኣይ ክብል እዩ ሎሚ ሰዲድኩም ዘሎ እሞ፡ ንኽልቴና ጌርኩም ካብቲ ጥዑም ቃል መሃሩና፡ ብፍላይ ብዛዕባ እዚ ሔዋን ጓለይ ትሓቶ ዘላ ጽላለ፡ በቲ ዚተዋህበኩም ጸጋ ጌርኩም ኣስፍሕ ኣቢልኩም መሃሩና ኣቦየ” እናበለት ብትሕትና ተዛረበቶም። ኣቦና ኸኣ ኣይ! ኣደይ ለተብርሃን ኵሉ እቲ ዝበሃል ኢልክንኦ ኢኽን፡ የግዳስ ኣብዚ በጺሐውን በረኸት ተኻፊለ ምእንቲ ክኸይድ ንእሽተይ ወስ ክብለክን” እናበሉ ናባይ እናጠመቱ “ሔዋን ጓለይ ጓይላ ናይ ኣቦታትና እንድዩ ዝብል ሕቶ ኢኺ ሓቲትኪ ዘለኺ፡ ነዛ ሕቶ ንምምላስ ቀሊል እዩ፡ ኣቦታትኪ ዝበሃሉ ግና በዓል መን እዮም ሔዋን ጓለይ፡ ነዚ ሕቶ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ክንምልሶ እንከለና ጥራይ እዩ ዝቐልል፡ ክርስቲያን ድማ ንዝኾነ ዝመጸና ሕቶ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ኣቦታትና መጻሕፍትን ወፃኢ ብናትና ትርጕምን ሓሳብን ክንምልሶ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እምነት ኣቦታትኩም ኣኽብሩ እምበር ክፉእ ልምዲ ኣቦታትኩም ኣኽብሩ ኣይብልን እዩ /እብ 13፡7/። ኣቦታትና ዝበሃሉ ድማ እቶም ብመንፈስ ብሃይማኖት ዝወልዱና ነቢያት ሓዋርያት ሰማዕታትን ጻድቃንን እምበር ብሥጋ ዝወለዱና ጥራይ ኣይኮኑን።
ብሥጋ ዝወለዱና ሥጋውያን እንተኾይኖም ናታቶም ሥጋዊ ነገር ክንክተሎ ኣይግበኣናን፡ ብሥጋ ዝወለዱና መንፈሳውያን እንተኾይኖም ግና ኵሉ መንፈሳዊ ነገሮም ንኽተሎ። ነቶም ጓይላን ሳዕስዒትን ስኽራንን ንእኡ ዝኣመሰለ ዘዘውትሩ ወለዲ ኣቦታትና ኢልና ንጽውዖም እንተሃሊና ግና ከምቲ ጐይታ ዝበሎ “ንስኻትኩም ናይ ኣቦኹም ናይ ዲያብሎስ ግብሪ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም” ዝብል መልሲ ኢዩ ዝወሃበና። (ዮሐ 8፡35-40) ስለዚ ሔዋን ጓለይ ኣቦታትኪ ብዛዕባ ጓይላ እንታይ ከም ዝጸሓፉልኪን ሥርዓት ከም ዝሠርዑልክን ድማ ክነግረኪ ኢየ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ። ሰባት ንደርፊ ከም ሥራሕ ጌሮም ክኅዝዎ ምዃኖም ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ኣቦታትኪ ብፍላይ “ፍትሐ ነገሥት መንፈሳዊ ብዛዕባ ሥራሕ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል “ብዛዕባ ተግባረ ኢድ ግና ኣብ ዓለም ካብ ዝሥርሑ ሥራሓት መንፈሳዊ ሕጊ ዝቃወም ሥራሕ እንተ ዘይኮይኑ ኵሉ ሥራሕ ኽሠርሑ ይግባእ። ከም ደርፍን ሕማቕ ጸወታን ብእግርኻ ምሽብሻብ (ዳንስ ጭፈራ) እንተ ዘይኮይኑ” /ፍት.ነገ መን.አን.23፡820/ እዚ ናይ ኣቦታት ቃል ደርፊ ከም ሥራሕ ክቑጸር ከም ዘይብሉ ዘረድእ እዩ።
ብርግጽውን ሓዋርያት ኣብ ዲዲስቅልያ “ኢትኩኑ ዘፈንያነ” ደረፍቲ ኣይትኹኑ ኢሎም ጽሒፎምልና እዮም /ዲድስ ኣን 7/። መጽሐፈ ሓዊ ድማ “ካብ ሰይጣን ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ ጓይላን ሳዕስዒትን ካባና ከነርሕቕ ይግበኣና” ይብል /መጽ ሓዊ አን 50/። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ድማ ካብ ምእዛዝ ኃሊፉ “ጓይላ ንኽትገድፉ እልምነኩም ኣለኹ” እናበለ ይምሕጸነና /ተግ ዘዮሐ አፈ 28/
ጓይላ ኣይንገድፍን ንዝበሉ ድማ መጽሓፈ ሓዊ “ኣብ ጓይላ ጸኒዖም ንዝነብሩ ክፍረዶም እዩ” ብምባል ከጠንቅቐና እንከሎ ንርኢ (መጽ ሓዊ አን 12) ነዚ ናይ ቅዱስ ሓዊ ቃል ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ናይ ሥጋ ሥራሕ ግሉጽ እዩ ንሱ ድማ ዝሙት ስኽራን ጓይላ ነዚኣቶም ዝገብሩ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣይወርሱን እዮም ብምባል ዘቐመጦ ናይ መጠንቀቕታ ቃል ሓደ እዩ /ገላ 5፡21/። ክፈርዶም እዩ ማለትን ናይ እግዚአብሔር መንግሥቲ ኣይወርሱን እዮም ማለትን ፍልልይ የብሉን” እናበሉ ዘየዳግም መልሲ ብምሃብ ንልበይ ናብ ምልኣት ሰሓብዎ።....
No comments:
Post a Comment