2. ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ
እዚ ቓል እዚውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዚረኣናዮ ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለዎ ደኣ እምበር ቃል ብቓሉ ወሲድካ ኺትርጐም የብሉን። ፍጹም ኣነ ከም ዘላታ እየ ዝወስዳ ንዝብል ሰብ ግና “ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውፅእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ አሎ” /ማር 7:10 ዘፀ20፡12 ኤፌ 6፡2 ማቴ 19፡19/። ንሓደ እኳ ኣቦ ኣይትበሉ ስለ ዝበለ ነዚ ሕጊ እዚ ኣፍሪስካ ዶ ኸ ንኣቦኻ ወላዲኻ ኣቦ ኣይብለካን ኪትብሎ ኢኻ? ኣይትውዕሎን ግዲ ትኸውን! “ፊደል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ሕያው ይገብር /2ቆሮ 3፡6/ ከም ዚተባህለ ናብ መንፈሳዊ ትርጕም ደኣ ንኺድ እምበር ጥረ ቓል ወሲድና እንጠፍእ ዓያሱ ውሉድ ኣይንኹን።
ቅዱስ ጳውሎስ “እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብሥጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና” ይብል /ሮሜ 4፡1/። ኣብርሃም ደኣ ንቕዱስ ጳውሎስ ኣቦኡ ድዩ? እቲ ጳውሎስ ከይተወለደ ቅድሚ 2000 ዓመታት ኣቢሉ ዚነበረ ኣብርሃም ደኣ ከመይ ኢሉ ንቕዱስ ጳውሎስ ኣቦኡ ኪኸውን ከኣለ? ወይስ ቅዱስ ጳውሎስውን ተጋግዩ ኽንብል ኢና? እዚስ ካባና የርሕቆ!
ደጊሙውን ከምዚ ይብል “ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚኣምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ” /ሮሜ 4፡11/። ኣብዚ ድማ ኣብርሃም ኣቦ ግዙራት ጥራይ ዘይኮነ ኣቦ ናይ ኵሎም እቶም ብኣምላኽነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ሰባት ከም ዝኾነ “ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣሠርኣሰራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን” ብዝብል ቃል ዝያዳ የነጽሮ /ሮሜ 4፡12/። እዚኸ ነቲ ኣብ ምድሪ ንዋላ ሓደ ኣቦ ኣይትበሉ ዝብል ቃል ዚጻረርዶ ይመስለና? ያእ ኣይፋሉን! እዚ ዝያዳ እኳ ደኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ባህርይ ኣቦና እግዚአብሔር፡ መንፈሳውያን ናይ ጸጋን ናይ ሥጋን ኣቦታት ከም ዘለውና ዜብርህ እዩ።
ኣብ ሮሜ 4:16 ድማ “ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ” ይብል። ነዚ ቓል እዚ ኸ ትቕበሎ ዲኻ? ኣብርሃም ኣቦይ ትብልዶ ኣይትብልን? እሞ ኣቦኻ ደኣ እቲ ሓደ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጥራይዶ ኣይኮነን? ቅዱስ ጳውሎስ ግና ነዚ ምድራዊ ኣቦ ንኣቦና ኣብርሃም “ኣቦ” ኢለ እንተ ጸዋዕኩዎ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ኪስእኖ እየ፡ ወይ ጌጋ ይገብር ኣለኹ ኣይበለን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘኽበሩን ብመገዱ ኸኣ ንዝተመላለሱን ኣቦይ ኢልካ ዘይምጽዋዕ ኣብ መገዶም ዘይምህላውካ እዩ ዘነጽር።
ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ አሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከአሎ፡ እብለኩም አሎኹ” ብምባል ጐይታና ዚተዛረቦ ቃል ብኣንቃዕድዎ ምስ ንምርምሮውን፡ ኣእማን ዚተባህሉ እቶም ልቦም ከይኣምን ከም እምኒ ዚተረረን እምኒ ጸሪቦም ኣምላኽ ኢሎም ዜምልኹ ዚነበሩን ኣሕዛብ እዮም። ስለዚ ኣሕዛብውን ናብ እምነት እንተ መጺኦም ንኣብርሃም ኣቦ ኺብልዎ ከም ዝኽእሉ በዚ ኣረድኣና /ማቴዎስ 3:9/ ንስኻኸ ካብኣቶም ዶ ትሓምቕ ኢኻ?
እቲ ነቶም ቅድሚኡ ዚነበሩ ኣቦታተይ እናበለ ኣሠሮም ዚተኸተለ ቅዱስ ጳውሎስ ንሱውን ንኣና ነቶም ኣብ መገዲ ክርስቶስ ዘለና ኣቦና እዩ። መን እዩ ሕጂ ቅዱስ ጳውሎስ ኣቦይ ኣይኮነን፡ ኣቦ ኢለ ድማ ኣይጽውዖን እየ ዝብል? እዝነ ልቦናኻ ኽፈት እሞ እዚ ክቡርን ንዑድን ዝኾነ ጳውሎስ እንታይ ከም ዝብለካ ስማዕ፦ “ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙኃት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ኬኅፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን /1ይ ቈረንቶስ 4:14–15/። “ብወንጌል ወሊደኩም እየ..ብዙኃት ኣቦታት የብልኩምን? ብምባል ብግልጺ ኣቦኾም እየ ይብለና ኣሎ። እሞ ኣቦና ኣይኮንና ኢልናዶ ንካትዓዮ? እዚስ ኣይ ናይ ጥዕናን። እሞ ኣነስ ኣብዚኣ እየ ዝደርቕ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ኣይሰምዕን እየ ንዝብል ግና ካልእ ወንጌል ኂዞም ብዝመጹ ሰባት ልብኻ ተባሒቱ ኣሎ እሞ ቅጽዓቱ ከይረኽበካ ቀልጢፍካ ህደም ኢለ እየ ዝምዕድ። እቲ ምንታይሲ “እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን” ዝብል ቃል ናይቲ ሓዋርያ ትዝ ስለ ዝብለኒ / ገላ 1፡7-8/።
ደጊሙውን “ብዛዕባ እቲ ኣብ መቕውሔይ ኰይነ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔስሞስ እልምነካ አሎኹ” ይብል /ፊልሞና1:10/። ኣብዚኸ እንታይ ማለቱ እዩ? ቅዱስ ጳውሎስ ዘይተመርዓወን ድንግልን እዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኾይነ ዝወለድኩዎ ዝበሎ ደኣ እንታይ ማለቱ እዩ? ሰለዚ ቅዱስ ጳውሎስ ንኦኔስሞስ ምሂሩ ወዱ ስለ ዝገበሮ ወደይ እንተበሎ ደኣ መን እዩ ተጋጊኻ ኣሎኻ ኦኔስሞስ ወዲ ክርስቶስ እምበር ወድኻ ኣይኮነን ዝብሎ? ኦኔስሞስ ንቕዱስ ጳውሎስ ኣቦይ እንተ በሎኸ መን እዩ ተጋጊኻ ኣቦና እቲ ናይ ሰማይ ጥራይ እዩ እናበለ ኪማጎቶ ዝኽእል? ከምዚ ዝገበርሲ እቲ በዓል ካልእ ወንጌል ንሱ እዩ።
መኣስ እዚ ጥራይ ፍቁረ እግዚእ ድንግል ንጹሕ ቅዱስ ዮሓንስውን “ኣቱም ደቀየ፡ ኃጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ” ይብል /1ይ 2፡1/። እሞ ኣቦና ኣይኮንካን ደቀይ ኣይትበለና እናበለት ምስ ሓዋርያ ዮሓንስ ትከራኸር ልሳን ደኣ ከመይ ዝበለት እያ? ደጊሙውን እዚ ሓዋርያ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ይብለና /3ይ ዮሓ1.3-4/።
ናብ ብሉይ ኪዳን ምስ ንምለስ ድማ “ኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩ፡ ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሠረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረ። መሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ኂዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ” መንፈስ ነቢያት ዘለዎ ሰብ ከም ናይ ነቢይ ኤልሳዕ ነቶም ሃይማኖቱ ብዝግባእ ዝመሃርዉ መምህራኑ ኣቦይ እናበለ ከም ዝጽውዕ ዘጠራጥር ኣይኮነን /2ይ ነገስት 2:12/
"እዚኣቶም ድማ ከምቶም ኣኅዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ጻዶቅን ኣሒሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ፡ ዕጭ ተዋደቑ” ዝብል ቃልውን ካህናት ኣቦታት ከም ዝበሃሉ ብንጹር ኬረድኣና ዝኽእል ቃል እዩ።1ይ ዜና መዋእል 24:31
ስለዚ በዚ ዅሉ ዚረኣናዮ መለክዒታት ንሕና ደቂ ነቢያት ደቂ ሓዋርያት ደቂ ሰማዕታት ደቂ ሊቃውንት ደቂ ጻድቃናት ደቂ ጳጳሳት ደቂ ካህናት ደቂ ኣብርሃም ደቂ ጴጥሮስ ደቂ ቅዱስ ጊዮርጊስ ደቂ ዮሓንስ አፈወርቅ ደቂ ጳጳሳትን ካህናትን ..ኢና። ንሳቶም ድማ ብርግጽ ናይ መንፈስ ኣቦታትና እዮም።
ስለዚ ኣቦ ዝብል ቃል ንብዙኅ ዝውክል ቃል ከም ዝኾነ ነስተውዕል። ንኣብነት፦
1. ንእግዚአብሔር
2. ንመንፈሳውያን ኣቦታት
3. ብሥጋ ንዝወለዱኻ ኣቦታት
4. ብዕድመ ንዝዓብዩኻ ኣቦታት
5. ከም ኣቦ ኾይኖም ዘዕበዩኻ ኣቦታት
6. ብኣባሊጋነት ንዝኃዙኻ ኣቦታት ወ.ዘ.ተ ኪጥቀሱ ይከኣሉ።
ስለዚ “ኣቦ ኣይትበሉ መምህር ኣይትበሉ” ዝብሉ ቓላት ብመንፈሳዊ ትርጕሞም ደኣ ንውሰዶም እምበር ብጥረ ቓል ኪንጋገ ኣይግባእን። ኣብ ሓደ ሓደ ናይ መናፍቓን ስብከት “ፓትርያርክ” “ኣቦ እምነት" ንዘብል ስም ብምኃዝ፡ እዚ ማለት ኣቦ ማለት እዩ፡ ናይ ኣምላኽ ስም ትህብዎ ኣለኹም፡ ከም ኣምላኽ ኢኹም ትርእይዎም ዝብል ግጉይ ትምህርቲ ኪምህሩ ይስምዑ እዮም። ንሰባት ናይ ሓቂ ወንጌል ኪምህሩ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ከምዚ ሓሶታት እዚ እናኣለሙ ካብ መገዲ ሓቂ ንምርሓቕ ዚጥቀምሉ ሜላ ብምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘኅዝን እዩ። እምበር ንሕና ብዘይካ ነቲ መድኃኒና ዝኾነ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዋላ ሓደ ኣምላኽ ኢልና ነምልኾ ፍጥረት የልቦን።
ሽግርኩም ኣቦ ዝብል ቃል ምስቲ ናይ ባህርይ ኣቦና ምስ ናይ እግዚአብሔር ስለ ዚተመሳሰለ ድዩ? ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርይ ከም ዝኾንናዶ ኣይትኣምኑን ኢኹም? እስከ ነዚ ቓል ስምዕዎ “ንኣኻ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣምላኽ ገበርኩኻ” /ዘፀ 7፡1/ ኣብ ሕግኹም፥ ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ -ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧”(ዮሐ 10፡34-37)
በሉ ዕረፉ ሙሴ ኣምላኽ ተባሂሉ ሕጂ ንሓደ ናይ ሙሴ ማዕርግ ዘለዎ ኣቦ ኣምላኽ እንተ ንብሎስ እንታይ ኮን ምበልኩም? መኣስ እዚ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት ሓደ ጐይታ” ይብል /ኤፌ 4፡5/። ኣብርሃም ያዕቆብ ሙሴ ቅዱስ ሚካኤልን ካልኦትን ድማ ጐይታ ተባሂሎም ኣለዉ /ኢያ 5፡13-15 ዘኁ 12፡1- ፍጻሜ (1ይ ጴጥ 3፡6) ወ.ዘ.ተ ብዙኅ ኪንጠቅስ ንኽእል ኢና። ንጠቢብ ሓንቲ ቓል ትኣኽሎ እናበልና ግና ከነሕጽሮ ኢና።
ብሓጺሩ ኣቦነት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይኡ እዩ ንቕዱሳን ድማ ብጸጋ ሃበ
ኣምላኽነት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይኡ እዩ ንኣና ድማ ብጸጋ ሃበና
ጐይቶትነት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይኡ እዩ ንኣና ድማ ብጸጋ ሃበና
መምህርነት ናይ እግዚአብሔር ናይ ባህርይኡ እዩ ንኣና ድማ ብጸጋ ሃበና
ቅዱስ ኮይኑ ቅዱሳን ገበረና
ብርሃን ኮይኑ ብርሃናት ገበረና ወ.ዘ.ተ ንሱ ዘይነፈገ ንስኻትኩም በቲ ዝሃበና ልግስን ጸጋን ኣይትቕንኡ።
ቅዱስ ጂሮም፦ “ንሓደ ሰብ ናይ ባህርይ ኣቦ ወይ መምህር ክትብሎ እንከለኻን ንኣኽብሮት ጥራይ ክትብሎ እንከለኻን ፍልልይ ኣለዎ። ንሓደ ሰብ ኣቦ ኢልና ኪንጽውዖ እንከለና፡ እዚ ንዕድሚኡ ኣኽብሮትን ተኣዛዝነትን እዩ። መምህር ኢልና ኪንጽውዖ እንከለና ድማ ነቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ስለ ዘካፍለና ጥራይ እዩ” ብምባል ዝመሃረናውን ነዚ ዝያዳ ዘብርህ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ጐይታና ነተን ቃላት ከምዚ እናበለ እዩ ዓጽይወን፦ “እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዐለ ኪሓስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ” /መቴ 23፡11-12/። እዚ ድማ መምህር ንምባል፡ መራሒ ንምዃን፡ ኪቀዳደሙ ከም ዘይብሎም መምሃራን ኢና መራሕቲ ኢና ኣቦታት ኢና ኪምክሑውን ከም ዘይግብኦም ብኣንጻሩ ትሑታትን እዙዛትን ንምዃን ዝመሃሮ ትምህርቲ ደኣ እምበር፡ “መምህር ኣቦ መራሒ” ዝብላ ቃላት ኣብ ገጽ ምድሪ ፈጺምኩም ከይትጥቀሙለን ማለቱ ኣይነበረን። ከምኡ እንተ ኾይኑ ናይ ቊጽሪ መምህርካ እንታይ ኢልካ ኢኻ ኺትጽውኦ? ኣቦኻ ኸ? ንመራሒኻ ኸ? አረ ኅልፍ ዝበለ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” /ማር 10፡18/። ነዚ ቃል እዚ ዚተዛረቦ ክርስቶስ እዩ። እሞ ንሱ ሕያዋይ ኪበሃል ግቡእ ኣይኮነን ድዩ? ሕያዋይ ከ ኣይኮነን ድዩ? ኣምላኽከ ኣይኮነን ድዩ? ኢየሱስ ባዕሉ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን ስለ ዝበለ ንሱ ኣምላኽ ኣይኮነን ዶ ኽንብል ኢና? ከምዚ ካብ ምባል ይሠውረና።
No comments:
Post a Comment