ዘመነ ውርዛዌ
ከም ዝፍለጥ ናይ ወዲ ሰብ ተፈጥሮ ኣብ ንፋስን እሳትን ማይን መሬትን ኃሙሻይ ድማ ነፍሲ እዩ። እቶም ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ ዝበሃሉ ንፋስን እሳትን ማይን መሬትን ክኾኑ እንከለዉ፡ እዚኣቶም ብምሉኦም ኣብ ሕይወት ናይ ሓደ ሰብ ኪንጸባረቑ ይነብሩ። ኪመውት እንከሎ ኸኣ ኣርባዕቲኦም ናብ ዝነበሮም ናይ ጥንቲ ህላዌኦም ይምለሱ። ሽዑ ሰብ ይብስብስን ይፈርስን። ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ ድማ ኣርባዕተ ናህርያት ብድጋሜ ምስ ነፍሲ ተወሓሒዶም ይትንሥኡ።
ኣበው “ካብ ኣፈፌት ንፋስ ካብ ኣፍ ድማ እስትንፋስ” ከም ዝብሉ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኵሉ ዘመኑ ከተንፍስ ይነብር። እዚ ኸኣ ብተፍጥሮኡ ባህርየ ነፍሲ ከም ዘለዎ ምልክት እዩ። ኣብ ጥዑይ ሰብነት ዝርአ ቀዋሚ ናይ ሰብነት ሙቐት፡ ብዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ጥዕና ብምስኣንን ናይ ሰብነቱ ሙቐት ኪቕንስን ኪውስኽን ምርኣዩ ድማ፡ ኣብ ሰብነቱ ባህርየ እሳት ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ ዋዒ ናይ እሳት ባህርይ ስለ ዝኾነ። ካብ ሰብነት ናይ ወዲ ሰብ ዝበዝኀ ብማይ ዝቖመ ምዃኑ ድማ ካብ ማይ ከም ዚተሠርሐ የረድእ። ብተወሳኺውን “መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ድማ ኺትምለስ ኢኻ” ከም ዝተባህለ ወዲ ሰብ ምስ ሞተ መሬት ይኸውን /ዘፍ 3፡19/። ብኻልእ ወገን ምስ ንምልከት ድማ ኵሉ ሰብ ግዙፍ ነገር ተመጊቡ ግዙፍ ነገር ምውፅኡ (ምስዳዱ) ናይ መሬትነት ባህርይ ኣለዎ ከብሎ ይኽእል። ምኽንያቱ እንምገቡ ዝኾነ ነገር ምንጩ ሓመድ ፍጻሜኡ ውን ሓመድ ስለ ዝኾነ። ናይ ወንጌል ማቴዎስ ትርጓሜ “ዝበልዕን ዝብላዕን መሬት እዩ” ብምባል ነቲ መግቢ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ተመጋቢ ወዲ ሰብውን መሬት ምዃኑ ይገልጽ /ማቴ 15፡20/።
ቅዱስ ዳዊት፦ “ዕድሜና ሰብዓ ዓመት እንተ በዝኀ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ” ይብል /መዝ 90፡10/። ነዚ ዕድመ ናይ ወዲ ሰብ ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ ብማዕረ ይካፈልዎ። እዚ ማለት ዋላ እኳ ኣርባዕቲኦም ኣብ ዘመን ሕይወት ናይ ወዲ ሰብ ክሳዕ መወዳእታ ብሓድነት ዚጸንሑ እንተ ኾኑ፡ ዝያዳ ጐሊሖም ዝረኣይሉ ዕሥራ ዕሥራ ዓመት ኣለዎም።
ካብ ሓደ ክሳዕ ዕሥራ ዓመት ዘሎ ዕድመ ናይ ንፋስ ባህርይ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረኣሉ ዘመን ብምዃኑ “ዘመነ ንፋስ” ወይ ከኣ “ምግበ ንፋስ” ይበሃል። ኣብዚ ጊዜ እዚ “ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ” ሕፃናትውን ናብ ዝመሰሎም ሽው ሽው ይብሉ /ዮሐ 3፡8/። እንተ ኾነ ግና ከምቲ ንፋስ ብዙኅ ዘየርኢ፡ ኣብ ምግበ ንፋስ ዘለዉ ሕፃናትንውን ብዙኅ ዘስተውዕልዎ ነገር የልቦን።
ሕፃናት ኣብ ዘመነ ንፋስ ስለ ዝርከቡ ዘይምፍላጥ የጥቅዖም። ንዝኃዝዎ ክቡር ነገር ዋጋ ንዘይብሉ ዘብለጭልጭ ነገር ንምልዋጥ ብቐሊሉ ይታለሉ። ነዚ ብምንጽጻር ከኣ ንሕና ከምቲ ኣብ ምግበ ንፋስ ዘሎ ሕፃን ኴንና ነቲ ሰማያዊ ዓለም በዚ ኃላፍን ዘብለጭልጭን ዓለም ከይንልውጥ፡ ካብ ሃይማኖት ናብ ጥርጥርን ናብ ክሕደትን ከይንምለስን ብኣእምሮ ሕፃናት ኪንከውን ከም ዘይብልናን፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ ይመኽረና፦ “ደጊም ከም ሕፃናት ብናይ ሰብ ምጥባርን ምፍሓስ ስሕተት ተንኮልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ንፋስ ኔው ነጀው ኣይክንድፋእን ኣይክንክብከብን ኢና/” ኤፌ 4፡14/።
ካብ ዕሥራ ክሳዕ 40 ዘሎ ዕድመ ድማ ናይ እሳት ባህርይ ጐሊሑ ዝረኣየሉ ስለ ዝኾነ “ዘመነ እሳት” ወይ ከኣ “ምግበ እሳት” ይበሃል። እዚ ንሰብ “ጐበዝ (ጐርዞ) በጽሒ መንእሰይ” ዘብሎ ዘመን እዩ። ካብዚ ምሥጢራውን ምሳልያውን ትምህርቲ ብምትንሣእ ንንእስነት “ናይ እሳት ዘመን” ወይ ከኣ “ፋየር ኤጅ” ምባል ካብ ቤተ ክርስቲያን ዚተረኽበ ደኣ እምበር ካብ ፀዓዱ (ካብ ኣሜሪካውያንን ኤውሮጳውያንን) ዚተረኽበ ኣይኮነን።
ከምቲ እሳት ብሩህ ዝኾነ መንእሰያት ድማ ጽቡቕን ሕማቕን ዚፈልጡሉ ናይ ፍልጠት ብርሃን ኣለዎም። እንተ ኾነ ግና ከምቲ እሳት ንዅሉ ዚረኸቦ ኪበልዖን ኬቃጽሎን ዝደሊ፡ ከምኡ ድማ መንእሰያት ንዅሉ ዝብህጉን ትምክሕተኛታትን ይኾኑ። ካብ ኣርብዓ ክሳዕ ስሳ ዘሎ ዘመን “ዘመነ ማይ” ወይ ከኣ “ምግበ ማይ” ኪበሃል እንከሎ፡ ካብ ስድሳ ክሳዕ ሰማንያ ዘሎ ዘመን ድማ “ዘመነ መሬት” ወይ ከኣ “ምግበ መሬት (ሓመድ)” ይበሃል።
ካብ ዕሥራ ክሳዕ ኣርብዓ ዘሎ ዕድመ ምግበ እሳት እኳ እንተ ተባህለ፡ ሓደ መንእሰይ ልክዕ ዕሥራ ዓመቱ ኪመልእ እንከሎ፡ እሳታዊ ባህርይኡ መጋቢነቱ ካብ ንፋሳዊ ባህርይኡ ይቕበል ማለት ኣይኮነን። ካብ ልዕሊ ዓሠርተ ዓመት ዘሎ ጀሚሩ እሳታዊ ባህርይ መጋቢነት ኣብ ኢዱ ንምግባር፡ ኪጽዕር እንከሎ፡ ንፋሳዊ ባህርይ ብወገኑ ድማ ቦታኡ ንኸይምንዛዕ እናተቓለሰ ክሳዕ መፋርቕ ናይ ዕሥራታት ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ብምኽንያት ናይዚ ቅልስ እዚ እሳታዊ ባህርይ እንተ በርቲዑ፡ ናይ ጕብዝና ምልክታት ኣብ ዓሠርተ ኽልተ ዓመትን ትሕቲኡን ይኽሠቱ። ምግበ ንፋስ እንተ በርቲዑ ድማ ኣብ ውሽጢ ዕሥራታት ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ክንዲ ጕብዝና ቊልዕነት ኬጥቅዖም ይርአ። ከምኡውን መግለጺ ናይ ጕብዝና ዝኾኑ ምልክታት ዘርእይሉ ጊዜያት ድንጉይ ክብል ይኽእል። ንንእስነት ብዓመታት ለኪዕኻ “ኣብ ከምዚ ጊዜ እዩ ዝኽሠት፡ ኣብ ከምዚ ጊዜ ድማ ይውድእ” ኢልካ ዚተወሰነ ኣኀዛዊ ቊጽሪ መረዳእታ ንምሃብ ኣሸጋሪ ዚገብሮ ኸኣ እዚ እዩ።
ዘመነ እሳት (ጕብዝና) ትሕቲ ዕሥራ ዓመት ኪጅምር ከም ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዖዝያን ኪዛረብ እንከሎ “ዖዝያን ወዲ ዓሠርተው ሽዱሽተ ዓመት በጽሒ ከሎ” ብምባል የረድእ /2ይ ዜና 26፡1/። ጕብዝና ብዘይ ጥርጥር ክሳዕ ኣርብዓን ክሳዕ መወዳእታ ሠላሳታትን ወይውን ካብኡ ንላዕሊ ኪጸንሕ ከም ዝኽእል ድማ “ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ኺነግሥ ከሎ፡ ወዲ ሠላሳን ኃሙሽተን ዓመት በጽሒ ነበረ” ካብ ዝብል ቃል እግዚአብሔር ምርዳእ ይከኣል /2ይ ዜና 20፡31/።
No comments:
Post a Comment