1. መምህራን ኣይትብሀሉ
ነዚ ሕቶ እዚ ብቐሊሉ ንምምላስን ንምርዳእን ነቲ ምዕራፍ ብምሉኡ ኬነንብቦ ተመራጺ እዩ። እዚ ምዕራፍ እዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ምስ ንምልከት ናይቶም ብግዳማዊ ትርኢት ኣጊጾም ብትዕቢት ተነፊሖም መምሃራን ኢና ፈለጥቲ ሕጊ ኢና እናበሉ ዝምክሑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ተግሣፅ ዚኃዘ ምዕራፍ እዩ። ክርስትና ድማ ናይ ትሕትናን ነብስኻ ናይ ምውራድን ሃይማኖት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታና ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ነዚ መምህራን ሕጊ ኢና ዝብሉ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዚገብርዎ ሕማቕ ተግባራት ኣብ ሓዋርያቱ ከይርአን ንሳቶም ከም መምህሮም ከም ክርስቶስ ትሑታት ኪኾኑ ከም ዘለዎም ኬረድእን “መምህራን ኣይትበሃሉ” ክብል ዝኣዘዞም። እዚ ድማ ንሳቶም ንነብሶም “መምሃራን” ኢና እናበሉ ከይጽውዑዋን ከምኡ ዝብል ትዕቢት ንኸይኅዞምን ዝኅግዝ ኪኸውን ከሎ፡ ንኣና ነቶም ዝምህሩና ድማ ካብ ናብኣቶም ንላዕሊ ዝያዳ ናብቲ ምንጪ ትምህርቶም ዝኾነ ክርስቶስ ከም እንጥምት ዝገብረና ግሩም ቃል እዩ። እዚ ቓል እዚ ብሓቂ ነዞም ሎሚ ካብ ንትምህርቲ ክርስቶስ ንመምህራን ኢና በሃልቲ ኬነምልኽን ምስኦም ንመውት ምስኦም ንጠፍእ እናበልና ኪንስዕቦም ጀሚርና ዘለና ሰባት ብምስትውዓል እንተ ርኢናዮ መድኃኒት እዩ። ስለዚ ኣብ ትምህርቲ ናይ ሓቀኛታት መምህራን ደኣ እምበር ኣብቶም መምህራን እምንቶና ኣይንግበር፡ ንሳቶም ኪወድቁ ይኽእሉ እዮም "ቃሉ ግና ንዘለዓለም ሕያው እዩ"። ስለዚ ካብ ምስቲ ወዳቒ ምስቲ ዘይወድቕ ንጐዝጐዝ።
ጐይታና ንነብስና መምህራን ኢልና ከይንጽውዕ የጠንቅቐና። እቲ ሰብ ዝምህሮ ትምህርቲ ካብ ክርስቶስ ዚረኸቦ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ከም ዝኾነ ጌርና ደኣ ንቀበሎ እምበር፡ ከም ክርስቶስ ካብ ርእሱ ዝመንጨወ ትምህርቲ ከም ዝምህር ጌርና ኪንቆጽሮ ኣይግብኣናን። ምኽንያቱ ንሱ ናቱ ቓላትን ትምህርትን ዘይኮነስ ናይ ክርስቶስ ቃል፡ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ናይ ክርስቶስ ሕይወትን ምስክርነትን ኂዙ እዩ ዝመጽእ። ጐይታና፦ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” /ማቴ 28፡19-20/” ብምባል ንሓዋርያት ልኢክዎም ነይሩ።
ስለዚ ጐይታና “እናመሃርኩም” ብምባል ንኽምህሩ ትእዛዝ ካብ ሃቦም “መሃርዎም” ብምባል መምሃራን ምዃኖም ካብ ገለጸ መምሃራን ዘይበሃሉሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ? ዝምህርዎ ትምህርቲ ናይ ርእሶም ከም ዘይኮነ ንምርዳእ ግና “ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ቃል መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ንሳቶም ንሱ ዝመሃሮም ትምህርቲ ዝምህሩ መምሃራን እዮም። መምሃራን ተባሂሎም ኪጽውዑ ኸኣ ግቡእ እዩ።
ቅዱስ ኣውግስጢን፦“ኣነ ናይዚኣቶም መምህር እየ ኣባኻ ግና ተማሃሪ እየ ኣነ ናታቶም ጓሳ እኳ እንተ ኾንኩ ንኣኻ ግና ሓደ ካብተን ኣባጊዕ እየ” ብምባል ዚተዛረቦ ድማ ነዚ መረጋገጺና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽና” /ሮሜ 12:7/ ብምባል ዚጸሓፎ ድማ ሓዋርያትን ኣሠሮም ዚተኸተሉ ኣበው ኵላቶም ግቡእ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሮም ጽሩይ ቃል ኣምላኽ ዝምህሩ መምሃራን ተባሂሎም ኪጽውዑ ከም ዝኽእሉ ኣረድኣና። ደጊሙውን፦ “ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣሕዛብ ክኸውን ተሸምኩ “/2ይ ጢሞ 1:11/ ብምባል ንሱ መምህር ኪኸውን ብእግዚኣብሔር ከም ዝተሸመ ገለጸ። እሞ ክርስቶስ “መምህራን ኣይትበሃሉ” እናበለ መሃሩዎም ኢሉ ኪልእኽ ደኣ ይግብኦ ድዩ? ቅዱስ ጳውሎስ “ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽና” ብምባል መምህር ኢሉ ምጽውዑኸ ጌጋ ድዩ? መምህር ኣሕዛብ ክኸውን ተሸምኩ ብምባሉ ኸ ንቓል ክርስቶስ ተጻሪርዎ ድዩ? ያእ ኣይፋሉን፡ ስለዚ ካብዚ ከም ንርድኦ፡
1. ናይ ባህሪ መምህራን ኣይትበሃሉ፦ ናይ ባህሪ መምህር ንሱ ክርስቶስ ጥራይ ስለ ዝኾነ። ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ምሰዚ ቃል እዚ ዚሰማማዕ ኦርቶዶክሳዊ ቋንቋ ኣሎ። ንሓደ መምህር “መምህር” ኢልና ምስ ንጽውዖ “መምህርና እግዚአብሔር” ኢሉ እዩ ዝምልስ። እዚ ማለቱ ድማ “ናይ ባህሪ መምህር ክርስቶስ ጥራይ እዩ፡ ኣነ ዜመኃላልፎ ዘለኹ ቃል ወንጌልውን ናቱ እዩ፡ ስለዚ ብኣይ ገይሩ ዝምህር ዘሎ እግዚአብሔር እዩ ማለቱ እዩ”።
2. ንነብስኻ መምህር እየ ኢልካ ኺትቈጽራ ከም ዘይግባእን መምህር ኢልኩም ጸውዒኒ ኺትብል ከም ዘይግባእን ትሕትና ንምምሃርን እዩ። ኣብዚ ኬነስተውዕለሉ ዘለና ግና መምህር ነቲ ግቡእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ተማሂሩ ዝወድአን፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ መምህርነት መዓርግ ዝሃበቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዝነብርን ጥራይ ደኣ እምበር፡ ንዝረኸብናዮ ሰብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኣልዒሉ ስለ ዝመሃረና ጥራይ መምህር ኢልካ ምጽዋዕ ግቡእ ኣይኮነን።
ሎሚ ግና ሳላ ኢንተርኔት ኵሉ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህር ኪንርእዮን ኪንሰምዖን ስለ ዝኸኣልና፡ መንነቱ ከይፈለጥና ንዝተማህረን ንዘይተማህረን፡ ንወዲ ቤተ ክርስቲያን ንጸረ ቤተ ክርስቲያን ንዅላቶም መምህር እናበልና ምጽዋዕ ግቡእ ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚውን ብዙኃት ናይዚ ገጽ ተኸታተልቲ ነቲ ትጽሕፉለይ ሓናፂ ርኢቶኹም ኣዝየ እናመስገንኩ፡ መምህር ኣቦና ዲያቆን ኢልኩም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ንትጽሕፉለይ ግና “ኃውና” ወይ “ወድና” ብምባል ኪትጽውዑኒ ብትሕትና ይሓትት። ምኽንያቱ መምህር ከይበሃል ናይ ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ትምህርቲ ኪምህርሲ ይትረፍ ንኽመሃር እኳ ዝበቅዕ ሰብ ኣይኮንኩን፡ ናይ ዲቁና ማዕርግውን የብለይን፡ ብዕድመውን ኣቦኹም ኪኸውን ስለ ዘይክእል “ኃውና ወድና” ዝብላ ምቁራት ቃላት መሪጸልኩም ኣለኹ። ብተወሳኺውን መጀመርታ ከምቲ ጐይታና “..እተን ኣባጊዐይ ድምፀይ ይሰምዓ…. ዝበሎ፡ እንሰምዖ ድምፂ ስብከትን መዝሙርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ኪንፈልጥ ይግብኣና። “ንጓና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ ካብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን” ከም ዝበለና ድማ ስብከትን መዝሙርን መጻሕፍትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ፈሊጥና ንእኦም ኪንስዕብ ካብ መምህርነት ናይ ጓኖት ግና ኪንገልብ ይግብኣና።/ዮሓ 10፡4-5/…..ይቕጽል
No comments:
Post a Comment