bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 25 January 2017

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 24 ክፋል

 ኣብዚ ጊዜ እዚ ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናዊታትን ኵላቶም እቲ ዚፈትዉዎ ኣቦኦም ክፍለዮም ብምዃኑ ኣብ ዓሚቚ ኃዘን ወደቑ። ገሊኣቶም ይበኽዩ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ናይ ሓሳብ ባሕሪ ጥሒሎም ኮታስ ኵሉ በብመገዱ እቲ ዅነታት ዝፈጠሮ ኃዘን ይገልጽ ነበረ። ኦሎምፒያስን ካልኦት ዲያቆናውያትን ብንብዓት እናተሓጸባ ኣብ እግሩ ወደቓ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ካህናት ጸዊዑ እቲ ኣብ ዙርያኡ ከም ዘብዐኛ ኾይኑ ከቢቡ ዝሕልዎ ዘሎ ሕዝቢ ነቲ ዅነታት ሰሚዑ ረበሻ ምእንቲ ኸይፈጥር ነዚኣተን ካብዚ ውሰደን በሎ። ንሳተን ድማ ብኃይሊ ብዝከኣለን መገዲ ነብሰን ኣረጋግኣ። ኣብ መንጎ እቶም ነቲ መንበረ ጵጵስና ብዙርያኡ ከቢቦም ዚሕልዉዎ ዚነበሩ ሕዝብን ኣብ መንጎ ወተሃደራት መንግሥትን ባእሲ ተፈጢሩ ደም ምእንቲ ከይፈስስ ብምባል፡ ናብቲ ሕዝቢ ብብዝኂ ተኣኪቡዎ ዚነበረ ናብ ሸነኽ ምዕራብ ናብ ዚነበረ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣፍ ደገ ዝኸይድ መሲሉ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ብምዕጻፍ፡ ነቶም ንእኡ ንምስዳድ ተቐሪቦም ዚነበሩ ወተሃደራት ባዕሉ ከደ። ንሳቶም ድማ ብለይቲ ናብ ገምገም ባሕሪ ወሰድዎ። ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ከካብ ቤቶምን እናተወስዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚነበሩ ቤት ማእሰርቲ ብክርስቲያን ተመልኡ። ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ተቐየሩ። ኣብ ክንድኡ መተካእታ ክሽየሙ በዓል ኣውዶክስያ ዘዳለዉዎም ንኣርኪዮስን ኣቲከስን ዚተባህሉ ናይ ቤተ መንግሥቲ መዳኸርቲ ኣፍልጦ ሃብ ምስ ተባህለ፡ ኣፍልጦ ኣይህብን እየ በለ። ቤተ ክርስቲያን መሰላ ዚሐልወላ ሓቀኛ ኣቦ ኪትስእን ዚጀመረት፡ ንመራሒኣ ነገሥታት ከም ዝደለዩዎ ምሻምን ምስዓር (ምውራድን) ካብ ዝጅምሩ እዩ።

ከምዚኦም  ብናይ ወይዘራዝርን መኳንንትን ብፍቓድ ዝሽየሙ ሰባት፡ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ትኪ ክተክኽ ከሎ ኣዕይንቶም ኣቐዲሙ ዚነብዕ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን (ናይ ምእመናን) ትርግታ ልቢ ዘይኮኑስ ናይቶም ዝሸሙዎም ነገሥታት ድሌታት ክሰምዑን ክፍጽሙን ዝነብሩ እዮም። መራሕቲ ኺጋገዩ እንከለዉ ግደፍ ኢሎም ዝቚጥዑሉ ሞራል ይኹን ኃይሊ ስለ ዘይብሎም፡ ሰበሥልጣናት ዝደለዩዎ ኺገብሩ እንከለዉ፡ ነቲ ናይ ግፍዒ ጽዋዕ ካብ ምብራኽ ኃሊፎም “ግደፍ ግቡእ ኣይኮነን” ንምባል ኮነ ንምግሣፅ ሕልና ይኹን ኃይሊ የብሎምን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጓሶት ዘይኮኑስ ሰብ ዓስቢ እዮም /ዮሐ 10፡11-13/። ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ በዓል ኣውዶክስያ ንርእሰን ይጠቕሙና እዮም ኢለን ንምሻም ንዘዳለዋኦም ሰባት ኣፍልጦ ንኽህብ ምስ ተሓተተ ፍቓደኛ ዘይኮነ። ምኽንያቱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካይዳ ከምዚ ኪኸውን ስለ ዘይግባእ። እዚ ድማ ተወሳኺ ከቢድ ወንጀል ኮይኑ ተቖጽረሉ። 

ንእኡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኂዞምዎ ምስ ወፁ ሽዑ ንሽዑ ሓዊ ተላዒሉ ነቲ ቤተ ክርስቲያንን ንመንበረ ጵጵስናን ናይ መንግሥቲ ናይ ሕጊ መወሰኒ ቤት ምኽርን ካልኦት ሕንፃታትን ብምልኦም ኣቃጸሎም። እቲ ሓዊ ካብ ትሕቲ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝምህረሉን ኮፍ ዝብለሉን ዚነበረ መንበር እዩ ጀሚሩ። ጳላድዮስ ከም ዝገልጾ እቲ ሓዊ ብምኽንያት ስደት ናይዚ ቅዱስ ኣቦን ቤተ ክርስቲያን ብዝበጽሓ መከራ ኃዚኖም ዚነበሩ ሕዝቢ ከይተንከፈ ከም ድልድል ብልዕሊኦም ዋላ ሓንቲ ከይጐድኦም እናኃለፈ እናመረጸ ዘቃጽል ተኣምራዊ ባርዕ ከም ዚነበረ ይገልጽ። በዚ ምኽንያት ድማ “ንሕና ኢና ኣቃጺልናዮም” ኢሎም ምእንቲ ክኣምንሎም ነቶም ምስኡ ይቐርቡ እዮም ዝበሃሉ ሰባት ዚተፈላለየ ስቓይን ምግቡዕባዕን ጌሮም እኳ እንተፈራርሕዎም ኪኣምኑሎም ግና ኣይከኣሉን።

እቶም ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዝነበሮም ተኣማንነት ዝቐጸሉ ካህናትን ጳጳሳትን፡ በቶም ብበዓል ኣውዶክስያ ዚተሸሙን ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ናይቶም ዚሸምዎም ነገሥታት ፍቓድ ዝፍጽሙ ጳጳሳት፡ ካብ መንበሮም ከም ዝስደዱ ብምግባር ተሰጎጉ። ናይ ሮማ ሊቃነ ጳጳሳት ኢኖሰንት ጉባኤ ብምግባር ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከም ዚስደድ ምግባሩ ሕጋዊ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ናብ መንበሩ ኪምለስ ከም ዘለዎ ወሰነ። እቲ ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከም ዝስደድ ዝገበረ ሲኖዶስ ግና ዘይሕጋውን ውግዙን እዩ በለ። ንቕዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዝወረዶ ስደት ኃዘኑ ብምግላጽ ድማ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ጸሓፈሉ። ንጉሥ ኣርቃዴዎስውን ብዛዕባዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኽግበር ኣተሓሳሰበ። ናይ ምዕራባዊ ክፋል ናይ ሮማ ንጉሥ ዚነበረ ኃዉ ንንጉሥ ኣርቃዴዎስ ዝኾነ ንጉሥ ኣኖሬዎስውን (ብ395-423 ዓ.ም) ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዚተፈጸመ ነገር ምስ ሰምዐ ብምኅዛን፡ እዚ ብቴዎፍሎስ ዚተፈጸመ ነገር ኣዝዩ ዘኅዝን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ናይ ምብራቓዊ ክፋልን ምዕራባዊ ክፋል ናይ ሮማ ጳጳሳት ዝርከቡሉ ሓደ ኣጠቓላሊ (ኃባራዊ) ሲኖዶስ ንኽእከብ ጻውዒት ከቕርብ ንኃዉ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ መልእኽቲ ለኣኸሉ። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ዚስዕብ ዝብል ነበረ፦

“ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ቁስጥንጥንያ ፓትርያርክ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዚተቐነባበረ ተንኮልን ዚወረዶ ግፍዕን ዘስተኻኽልን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ፍትሕን ሰላምን ከም ዝሰፍን ዝገብርን ግቡእ ዝኾነ ናይ ምትዕርራይ ስጉምቲ ንኽትወስድ ብምልማን ንኣኻ ንኽቡር ንጉሥ ዚጽሕፈልካ ዘለኹ እዚ ንሣልሳይ ጊዜ እዩ፡ እንተ ኾነ ግና ክሳዕ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይተገበረን። ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ውሕስነትን ካብ ዘለኒ ጭንቀት ዚተላዕለ፡ ኣብ ግዝኣትካ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ጳጳሳት ኣብ ተሰሎንቄ ከም ዝእከቡ ንኽትገብር ሕጂውን ደጊመ እጽሕፈልካ ኣለኹ፡ ብወገን ምዕራብ ግና ንሕና ድሉዋት ኢና። ...ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ዘለዉ ጳጳሳት ንሊቀ ጳጳሳት ዮሓንስ ዘለዎም ስምዒት ንኽትርዳእ፡ ንእኡ ብዝምልከት በቲ ወሪድዎ ዘሎ ብምኅዛን ቅልጡፍ ናይ ምትዕርራይ ስጉምቲ ኽወስድ ከም ዘለኒ ዝለኣኹለይ ደብዳቤ ምስዛ ናተይ ደብዳቤ ኣተኃኂዘ እሰደልካ ኣለኹ። ብፍላይ ንኣኻ ንኽቡር ንጉሥ ዘተሓሳስቦ ነገር ድማ እቲ ምንጪ ናይዚ ዅሉ እዚ ከም ዝኾነ ዚንገረሉ ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ ዋላ እኳ ፍቓደኛ እንተ ዘይኮነ ብኃይሊ ከም ዝርከብ ኪትገብሮ አተሓሳስበካ። በዚ ድማ ጳጳሳት ብሓድነት ተኣኪቦም ንዅሉ ዝኾነ ነገር መርሚሮም ብቕልጡፍ ግቡእ ውሳነ ንኽውስኑ እዩ።” እንተ ኾነ ግና እቶም ካብ ንጉሥ ኣናሬዎስን ካብቲ ናይ ሮማ ፓትርያርክ ካብ ኢኖስንትን (404-417 ዓ.ም) ናብቲ ናይ ምብራቕ ገዛኢ ናብ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ዚተላእኹ ልኡኻት፡ በቶም ናይ ምብራቓዊ ክፋል ናይ መንግሥቲ ሰበ ሥልጣናት ተታኂዞም፡ ተኣሲሮም ንኣዋርኅ ድኅሪ ምንግልታቶም ተመለሱ። ናይ ሮማ ፓትርያርክ ድማ ምስ ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ምስ ቴዎፍሎስን ምስቶም ድኅሪ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ስደት ኣብ ናይ ቁስጥንጥንያ መንበር ዚተተክኡን ብሓፈሻ ምስቶም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ጸላእትን ኣሳደድትን ዝነበሩ ኵላቶም ዝኾነ ዓይነት ርክብ ኣቋረጹ። 

No comments:

Post a Comment