ሕቶ፦ "ብርሃን አንብር ጸልማት ከኣ እፈጥር። ደኃን እገብር ክፉእ ከኣ እፈጥር" /ኢሳ 45፡7/ ትርጕም ናይዚ ቓል እዚ እንታይ እዩ? ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ክፉእ ፈጢሩ ይበሃል? እዚ ምስ ባህሪኡ ኪሰማማዕ ከ ይኽእል ድዩ?
መልሲ
… ክፉእ ናይ ጽቡቕ ኣንጻር እዩ። ክፉእ ክልተ ትርጕም ኣለዎ ጽቡቕ ድማ ክልተ ትርጕም ኣለዎ። ቀዳማይ ጽቡቕ ጽድቂ፡ ቅድሰና ዝገልጽ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ንሃብቲ፡ ሰላም፡ ዝና፡ ህያባትን …የጠቓልል።
ክፉእ ድማ ልክዕ ከምኡ ክልተ ትርጉም ኣለዎ። ክፉእ ንኃጢኣትን ንሽግር መከራን ስደትን ውድቀትንውን ክንጥቀመሉ ንኽእል፡፡ ንመከራን ሽግርን ክፉእ ከም ዝበሃል ዚቕጽል ጥቕሲ ንመልከት “ንሱ ግና፡ ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሠናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ? በላ። እዮብ በዚ ዅሉ ነገር ብኽናፍሩ ኣይኃጥኤን /2:10/። ኣቦና እዮብ ኣብዚ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ ክብል ከሎ፡ ንኃጢኣት ማለቱ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ጻድቕ ኣቦ እዩ ዚነበረ። እኩይ ዝበሎ እምበኣር ነቲ ኣብኡ ዝወረደ ዕንወት ናይ ጥሪቱን ሃብቱን ሞት ናይ ደቁን እዩ።
ነቢይ ኤርሚያስውን፦ "እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ዅሉ እዚ ዓብቢይ ሕሰም ኣብዚ ሕዝቢ እዚ ዘውረድክዎ፡ ከምኡ ድማ ኵሉ እቲ ዘተስፈኽዎም ሠናይ ከውርደሎም እየ /ኤር 32;42/። ኣብዚ ውን ሕሰም ዚተባህለ ኃጢአት ሠናይ ዚተባህለ ኸኣ ጽድቂ ኣይኮነን። ሕሰም ዚተባህለ መከራን ሽግርን ኪኸውን እንከሎ፡ ሠናይ ዚተባህለ ድማ፡ ሰላም ራህዋ ቅሳነት…ማለት እዩ።
ጽቡቕ ዝብል ቃል ጽድቂ፡ ክፉእ ዝብል ድማ ብኃጢኣት ከም ዝምሰል ዘረድኡ ጥቕስታት
“ነቶም ንገበርቲ እከይ ክቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሠናይ ክንእዱ ካብኡ ዝተላእኩ መኳንንቲ ስለ እግዚኣብሔር ኢልኩም ንሥርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ” 1ይ ጴጥ 2፡14
"ካብ ክፉእ ህደም ጽቡቕ ግበር" /መዝ34፡14/። ኣብዚውን ክፉእ ዚተባህለ ኃጢአት እዩ፡ ጽቡቕ ዚተባህለ ድማ ጽድቂ እዩ።
"ሎሚ ደቅኹም ክፉእን ጽቡቐን ምፍላይ ዘይክእሉ" /ዘዳ 1፡39/ ዝብሉ ኣብነታት ኪንጠቅስ ንኽእል። ስለዚ እግዚአብሔር ናብ ሃገር ክፉእ ኣምጺኡ እንተ ተባህለ፡ ነቶም ሕዝቢ ንምግሣፅ ወይውን ብኻልእ ዚተፈላለየ ምኽንያት ዚወርድ ጥሜት ስደት ካልእ ነዚ ዝኣመሰለ ክፉእ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ነገራትን የምጽእ ማለት እዩ፡ እምበር እግዚአብሔር ኃጢአት ፈጢሩ ማለት ኣይኮነን። /So many years with the Problems of People Part one Biblical Questions By H.H Pop Shenouda III P,20-23/
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ ቓል እዚ ብሰፊሑ ኣብ ዝመሃረሉን ኣብ ዚተርጐመሉን ክፍለ ትምህርቲ ከምዚ ይብል፦ "እቲ ነቢይ ከምዚ እናበለ ኬድምፅ እሰምዖ ኣለኹ፦ “እግዚአብሔር ከይኣዘዘኸ ንኸተማዶ ክፉእ ይወርዳ እዩ፧” /ኣሞ 3፡6/። “ክፉእ ነገር” እዚ ቃል ኣዘራራቢ እዩ። ካብዚ ዚተላዕለ ናብ ነቐፌታ ንኸይትኸዱን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ትኽክለኛ ሓሳብ ኪትርድኡን እደሊ ኣለኹ።
ብርእሱ ክፉእ ዝኾነ ክፉእ ነገር ኣሎ፡ ንኣብነት ኣመንዝራነት፡ ዝሙት፡ ስስዐን ፍቕሪ ንዋይን ካልኦት ኪቚጸሩ ዘይኽእሉ፡ ናይ መወዳእታ ውግዘትን ቅጽዓትን ዝግብኦም ዘኅፍሩን ዘፍርሁን ካልኦት ተመሳሰልቲ ነገራትን እዮም። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ሕማም፡ ጥሜት፡ ደርቂ ሞትን ካልኦት ነዚኣቶም ዝኣመሰሉን “ክፉኣት” ተባሂሎም ይጽውዑ እዮም። እዚኣቶም ከምቶም ናይ መጀመርታ ስለ ዘይኮኑ እየ “ክፉኣት ይበሃሉ” ዝበልኩ። ምኽንያቱ ብርእሶም ክፉኣት ነይሮም እንተ ዝኾኑ፡ ትዕቢትና ብተግሣፅ፡ ስንፍናና ኸኣ ብምንቕቓሕ ኣበርቲዕና ብምውሳኽ ኣዚና ትጉሃን ከም እንኸውን ብምግባር ምንጪ ናይ ጽቡቕ ነገር ኪኾኑ ኣይምኸኣሉን ነይሮም። “ካብኦም ገለ ምስ ቀተለሎም” ይብል እቲ ነቢይ “እቶም ዝተረፉ ናብኡ ይምለሱ ነበሩ፡ ተጣዒሶም ድማ ብልቢ ናብኡ ይጽልዩ ነበሩ” /መዝ 78፡34/። ስለዚ ነዚ ብዝበለጸ ዘንጽሖም፡ ናብኡ ንኽቐርቡ ዘነቓቕሖምን፡ ንመንፈሳዊ ነገር ዘለዎም ቅንኣትን ተወፋይነትን ዝውስኽን ናብ ምፍቃር ጥበብ ዝመርሖምን “ክፉእ” በሎ፡ ነውርን ኣጸያፍን ዝኾነ ኃጢአት ግና ኣይኮነን።
ብርእሱ ክፉእ ዝኾነ ኃጢአት ግና ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ኣይኮነን፡ እግዚአብሔር ፈጺሙ ኃጢአት ኣይፈጠረን። ኃጢአት ውፅኢት ናይ ናጻ ፍቓድና እዩ። እቲ ግና ነዚ ንምጥፋእ ካብ እግዚአብሔር ዝመጽእ እዩ። ነቶም ብምኽንያት ኃጢአትና ንቕጽዓት ዝመጹ ነገራት “ክፉእ” በሎም፡ ከምዚ ኢሉ ዝጸውዖ ድማ ነቲ ነገር ካብ ተፈጥሮኡ ብምብጋስ ዘይኮነስ፤ ነቲ ሰባት ብልምዲ ዝሃብዎ ስያሜ ወሲዱ እዩ። ንስርቅን ዝሙትን ጥራይ ዘይኮነ ንመቕዘፍቲውን ክፉእ እናበልና ምጽዋዕ ስለ ዝለመደና፡ እቲ ነቢይውን ካብዚ ኣሰያይማ ናይ ሰባት ተበጊሱ ክፉእ ኢሉ ጸውዖ። እቲ ነቢይ “እግዚአብሔር ከይኣዘዘኸ ንኸተማዶ ክፉእ ይወርዳ እዩ፧” እዩ ዝበለ። ነዚ ድማ እግዚአብሔር ብመገዲ ነቢይ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ንመቕዘፍታት ክፉእ ኢሉ ብምስያም ከምዚ እናበለ ብዝበለጸ የብርሆ፦ “ደኃን እገብር መዓት ድማ እፈጥር እዚ ዅሉ ዝገብር ኣነ እግዚአብሔር እየ’ /ኢሳ 45፤7/። ብዛዕባ እዚ ክፍኣት እዚ ክርስቶስውን ንደቀ መዛሙርቱ ኣመልኪትሎም ነይሩ፦ “ንመዓልቲ ክፍኣታ ይኣኽላ እዩ” ብምባል /ማቴ 6፡34/። “ናይ መዓልቲ ክፍኣት” ዝተባህለ ኸኣ ኣብታ መዓልቲ ዘጋጥም ጭንቀትን መከራን እዩ። ስለዚ ንቕጽዓት ክፉእ ይብሎ፡ ኣባና ድማ ቅጽዓት የምጽእ፡ በዚ ድማ መለኮታዊ ሓለዋኡ ብዅሉ መገዲ ንኸርኢ እዩ። /ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን ዘይተኃተመ ጽሓፍ ገጽ 167.../
No comments:
Post a Comment