. . . ሽዑ ኣነ “ኣንቲ ዓባየይ ኣዝማሪት እኮ እታ ኣብ ገዛውትና ኣውድኣመት ክኸውን ከሎ ብዋጣ እናገበረት ትስዕስዕ ዝነበረት በለጠሽ እትበሃል ኢትዮጵያዊት ከምኣ ማለት እኮ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ። ንሳ ምስዛ ዘማሪት መሓዛይ እንታይ ኣራኺብዋ፡ ንሕና ንዝምር ኢና ንሳ ግና ትደርፍን ትስዕስዕን ጥራይ እያ” ብምባል ኪጣብቕ ፈተንኩ፡ ዓባይይ ግና ስምድ ኢላ “ሔዋን ጓለይ ንስኺውን ከም ናታ ትስዕስዒ ዲኺ?” ምስ በለትኒ፡ ዓባየይ ኣብዚ ዓዲ ዝበዝሓ መዘምራን ይስዕስዓ እየን፡ እቶም ካህናት ድማ ሳዕስዒትን ማህሌትን ደርፍን መዝሙርን ብሓደ ስለ ዘይከይድ፡ እተን ኣብ ጓይላ ዝሓደርክን ክትዝምራ ኣይግብኣክንን ኢዩ ኢሎም ከልኪሎምና ኣይፈልጡን ኢዮም፡ ከምኡ ዝብል ናይ መዘምራን ሕግን ሥርዓትንውን የብልናን። ስለዚ ንሳቶም ዘይከልከሉናስ ዓበየይ ድማ ዘየጨንቕ እዩ ዘጨንቐኪ፡ ሎሚስ ልዕሊ ካህን እምበር ክትኮኒ ደሊኺ” ብምባል ክምልስላ እኳ እንተፈተንኩ፡ ዓበየይ ግና ብመንፈሳዊ ሕይወት ዝበሰለት ብጸጋ እግዚአብሔር ዝኸበረት ስለ ዝነበረት “ሔዋነይ ሰብ ሕጊን ሥርዓትን እኳ እንተዘይተሠርዓሉ፡ ክፍጠር ከሎ ምስኡ ዝተፈጥረ ሕማቕን ጽቡቕን ፈልዩ ዘፍልጥ ሕጊ ኣብ ልቡ ተጻሒፍዎ ስለ ዝፍጠር፡ ሕጊ ዘይተገብረለይ ሥርዓት ዘይተሠርዓለይ ኢሉ ከመኽኒ ግቡእ ኣይኮነን። (ሮሜ 2፡14-15) ቅደሚ ኣቦና ሙሴ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣብ ዘመኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን ናይ ኣምልኾ ሥርዓትውን ኣይተሠርዓሎምን፡ በቲ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ልቦም ዘቐመጦ ሕጊ (ሕገ ልቦና) ተመሪሖም ጥራይ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ እናፈለዩ ብምሥራሕ ንእግዚአብሔር ኣሥሚሮመዎ እዮም።
ንስኺ ግና ብዛዕባ ደርፍን ጓይላን ሳዕስዒትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ ኃጢኣት ምዃኑ ተጻሒፍልኪ ኢዩ። (ገላ 5፡19-21 ሮሜ 13፡13 1ይ ጴጥ 4፡1-3 .....) ብሕጽር ዝበለ ደርፊ ናይ ኣጋንንቲ ኢዩ እዛ ጓለይ፡ ምድራፍ ጥራይ ዘይኮነ ንደርፊን ጓይላን ምድጋፍን ምትብባዕን ውን ሥራሕ ኣጋንንቲ ምዃኑ ብኸምዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ኣሎ “እናደረፉ ምስ ኣጋንንቲ ይጻውቱ ነበሩ፡ ኣጋንንቲውን ንኹሉ ጸወታኦምን ደርፎምን የድንቕሎም ነበሩ” /3ይ መቃ 36፡27-28/። እሞ “ነቲ ጽዋዕ ጐይታን ጽዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይኮነልኩምን እዩ፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትቅበሉውን ኣይኮነልኩምን እዩ፡ ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ከነቕንኦ ዲና?” 1ይ ቆሮ 10፡21-22። ዝብል ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ከ እንታይ መልሲ ይህልወኪ ይኸውን? ሔዋን ጓለይ ሕጂስ ዝተረድኣኪ ኢኺ እትመስሊ ርኢኺ እዛ ጓለይ ሥራሕ ኣጋንንቲ እናሠራሕኪ፡ ልብኺ በዚ ናይ ኣጋንንቲ ሥራሕ ዝኾነ ደርፍን ጓይላን ተመሊኡ እንከሎስ በየናይ ሕልና ኢኺ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቆይምኪ ኺትዝምሪ፡ ከመይ ኢልኪኸ በተን ናይ ኣጋንንቲ መሳርሒ ዜማ ዝኾነ ከበሮ ናይ ጓይላ ዝረኸሳ የእዳውኪ፡ ነቲ ብቐዱስ ሜሮን ዝኸበረ ንዋየ ቅድሳት ናይ ያሬዳዊ ዜማ ንምዝያም ዝጥቀምሉ ከበሮ ብድፍረት ክትንክፍዮ፡ እቲ ከም እንስሳ ዝተፈላለየ ህዋሳትኪ ተቐሊዑ ኵሉ ሰብ ክርእዮ ተጋሊጹ ንብዙሕ ሰብ ናይ ዝሙት ስምዒቱ ከም ዘለዓዕል ብምግባር ኣብ ኃጢኣት ከም ዝሽመም ዝገበረን፡ ብዝተፈላለየ ኢክርስቲያናዊ ዝኾኑ ቅብአታት ናይ ሰዶም ዝተቐብአ ኣካላትኪ ነቲ ክቡርን ቅዱስን ልብሲ መዘምራን ክትለብሲስ ከመይ ዘይትፈርህን ዘይተንቀጥቅጥን? ነዚ ንዋየ ቅድሳት ምስ እትደፋፈሪ ዝወርደኪ መቕጻዕቲ ኣብ ትንቢተ ዳንኤል ናይ ንጉሥ ብልጣሶር ታሪኽ ኣስተውዕሊ።
ንሱ ነቶም ናቡከደነጾር ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ብምምጻእ ኣኽቢሩ አቐሚጥዎም ዝነበረ ንዋየ ቅድሳት ኣብ ቤት ጓይላ ኣምጺኡ መንፈሳዊ መስተ ንኽስተየሎም ዝተቐብኡ ሥጋዊ መስተ ክስተየሎም ገበረ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ክብልዓሎም ዝተቐብኡ፡ ሥጋዊ መግቢ ክብልዓሎም ኣዘዘ፡ ብድሕሪ እዚ ናይ እግዚአብሔር ቊጥዓ ኣብ ልዕሊኡ ነደደ ብሃንደበት ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከት ኢድ፡ መንደቕ ናይቲ ንጉሥ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ቤት በሲዓ ብምእታው ኣብ ፊቱ ማኔ ቴቄል ኡፋርሲን፡ ዝብሉ ሠለስተ ቃላት ጽሒፋ ተሰወረት። ትርጉሙ ድማ “ማኔ” ማለት ኣምላኽ ንመንግሥትኻ ቆጸሮን ጠረሶን፡ “ቴቄል” ማለት ድማ ተመዚንካስ ፈኵስ ኮይንካ (ቀሊልካ) ተረኺብካ ማለት ክኸውን ከሎ፡ “ኡፋርሲን” ድማ መንግሥትኻ ተመቒላ ንሰብ ፈርስን ሜዶንን ተዋህበት ማለት ኢዩ።
ስለዚ ነቲ ሥጋዊ ምስ መንፈሳዊ፡ ነቲ ኣምላኻዊ ድማ ምስ ሰይጣናዊ ምትሕውዋስ፡ ኣብ ምቕዳስ ጸኒሕካ ኣብ ምድናስ፡ ኣብ መዝሙር ጸኒሕካ ድማ ናብ ጓይላን ሳዕስዒትን ምኻድ፡ ከም ናይ ብልጣሶር ብሚዛን እግዚአብሔር ተመዚንካ ፈኲስ (ቀሊል) ኮንካ ከም እትርከብ እዩ ዝገብረካ፡ ፍጻሜኡ ድማ ከም ናይ ብልጣሶር ሕማቕ ሞት ኢዩ። (ትን ዳን 5፡1.... ፍጻሜ) ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ “ሓሰማስ ተሓጺባ ኣብ ጸብሪ፡ ከልቢ ድማ ናብ ትፋኡ ተመልሰ ” (2ይጴጥ 2፡22) ዝበሎ ከይበጽሓኪ ሓዲኡ ድኣ ሓዚ” ብምባል ዘረባኣ ምስ ወድአት ዘረባኣን ትምህርታን ኵሉ ደስ ኢሉኒ ተቐቢለዮ ኸብቅዕ፡ ነታ ንኽንደይ ሰባት ንዓይውን ከይተረፈ መዐንቀፊ ኮይናትና ዝነበረት፡መልሲ ውን ዘይረከብኹላ ሕቶ፡ ዓባየይ ብኸመይ ትምልሰለይ ምእንቲ ኸፈልጥን ነቶም ከምኡ እናበሉ ዝሓቱ ድማ ተቢዐ እቲ ቅኑዕ መልሲ ምእንቲ ኺነግሮምን ግና “ኣንቲ ዓባየይ’ እሞ ጓይላ ናይ ኣቦታትና ዘይኮነን? ብምባል ገለ ነዛ ኵሎም ሰባት ከም መዐንቀፊ ዝኾነት ቃል መልሲ ክትህበኒ ኢለ ብሕቶ መለስኩላ።
No comments:
Post a Comment