2. ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ዘሎ መተዓረቒ እንታይ ማለት እዩ /1ይ ጢሞ 2:5?
ኣሐዱ እግዚኣብሔር << እግዚኣብሔር ሓደ እዩ >> ማለት
ሀ. እግዚኣብሔር ኣብ ብዝተፈለየ ኣካሉ ሓደ እዩ።
ለ. እግዚኣብሔር ምስ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብባህሪ ሓደ እዩ።
ወአሐዱ ሕሩይ ማእከለ እግዚኣብሔር ወሰብእ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘኮነ ሰብአ { ኢሳ 45፡21-22 ዮሐ 17፡3 ዕብ 12፡ 24።
ሀ. << ሰብ ኮይኑ ሰብን እግዚኣብሔርን ዘተዓረቐ ኢሱስ ክርሰቶስውን ሓደ እዩ። ማለት { ወልድ አየሱስ ክርስቶስ ውን ብዝተፈለየ ኣካሉ ሓደ እዩ }
ለ. ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብባህሪ ሓደ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ቃል እዚ ክርስቶስ ብዘመነ ሥጋዌ ናትና ናይ ድኹማት ሰባት ሥጋ ብምልባስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምዃን ምስ ገዛእ ነብሱ መንጎኛ ኮይኑ ስለ ዝዓረቐና መንጎኛ በሎ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን መንጐኛታት ዚነበሩ ካህናት እዮም። ናትና ሊቀ ካህናት ግና ክርስቶስ እዩ።
ናይ ብሉይ ኪዳን ካህናት መንጐኛታት ኮይኖም ንሰብ ምስ ኣምላኽ ንኽዓርቅዎ ገንሸል ወይ ካልእ ደም ናይ እንስሳታት የድልዮም፡ ናትና ሊቀ ካህናት ግና ንሱ ባዕሉ ገንሸል እዩ።
ናይ ብሉይ ኪዳን ካህናት በደል ናይቲ ኃጢአተኛ ሰብ ናብቲ ገንሸል የኅልፍዎ እሞ እቲ ገንሸል በጃ እቲ ኃጢኣት ዚገበረ ሰብ ይሕረድ፡ ናትና ሊቀ ካህናት ግና በደልና ባዕሉ ተሸከሞ ኣብ ክንዳና ድማ ርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ኣቕረበ።
ናይ ብሉይ ኪዳን ካህናት ነቲ መሥዋዕቲ ሕሩድ ተቐቢሉ ይቕረ ዝብለሎም ኣምላኽ ደኣ የድልዮም ነበረ እምበር ንሳቶም ፍጡራት ስለ ዝኾኑ ኃጢአት ይቕረ ናይ ምባል ሥልጣን ኣይነበሮምን፡ ናትና ሊቀ ካህናት ግና ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ መሥዋዕቲ ዝቕበልውን ንሱ ባዕሉ እዩ። ባዕሉ መንጐኛ ካህን፡ ባዕሉ መሥዋዕቲ ዝኾነ ገንሸል፡ ባዕሉ ተቐባሊ መሥዋዕቲ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ናይ መሥዋዕቲ በጊዕ ንሱ እዩ፡ መሥዋዕቲ ዘቅርብ ካህን ንሱ እዩ ምስ ናይ ባህሪ ኣቡኡ ምስ ኣብ ናይ ባህሪ ሂወቱ መንፈስ ቅዱስ መሥዋዕቲ ዝቕበል ውን ንሱ እዩ። ብምባል ዝመሃረና /ዮው 1፡29 እብ 9፡11-28 ሃይማኖተ ኣበው ዘጎርጎርዮስ 36፡125/
ስለዚ እምበኣር “መንጐኛ” ዝኾነ ኵሉ መሥዋዕቲ ዝኸውን ደም ከም ዘድልዮ ርኢና ኣሎና። ሕጂ ንክርስቶስ (ሎቱ ስብሐት) መንጐኛ እዩ ንብሎ እንተ ደኣ ዄንና ንሱ ኵሉ ሳዕ እናመጸ ኪሥውዓልና እዩ ዝብል ጽላለ ኣብ ውሽጥና ኣሎ ማለት እዩ። ንሕና ግና ምስቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ዄንና ከምዚ ንብል፦ ስለ’ዚ ድማ እዩ እዚ ሐዋርያ ኵሉ ጊዜ ቆይሙ ዘገልግል ንኸየምስልዎ ብምሕሳብ ብምትጋህ ሓደ ጊዜ መሥዋዕቲ ከም ዚሠውዐ ኣረድአ። ሓደ ጊዜ ሰብ ከም ዚኾነ ሓደ ጊዜ ተሾመ ሓደ ጊዜ ከም ዚተሾመ ሓደ ጊዜ ኣገልገለ። ሰብ ኣብ ዚኾነሉ ጊዜ ናይ ሰብነት ሥራሕ ብምሥራሕ ጸኒዑ ከም ዘይነበረ ከምኡ ድማ ኣብ ዘገልገለሉ ጊዜ ኣብ ምግልጋል ጸኒዑ ኣይነበረን። ሕጂ የገልግል እንተዝህሉ እቲ ሐዋርያ ቆመ ደኣ እምበር ተቐመጠ ኣ
ይምበለን ነይሩ። መሥዋዕቱን ቁርጺ ዚኾነ ልመናኡን ናብ እዝነ ኣብ (ናይ ኣቦ እዝኒ) ናብ ገጸ ኣብ (ኣብ ቅድሚ ኣቦ) ዚበጽሐት ስለ ዚኾነት ከምቶም ዚቐደሙ ሊቃነ ካህናት ኵሉ ጊዜ ከገልግል ኣየድልዮን እዩ። (homily on the epistle of Hebrews, Hom 13)
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ውን ናይ ልደት ነገር ኣብ ዝተዛረባሉ ድርሳኑ “ብሥጋ ዝተወልደልና ኣተዓራቒ ዝኾነና ካብ ዝጓዳእን ዘኅዝንን ናይ ዲያብሎስ ኣገዛዝኣ ናጻ ዘውፅኣና ክርስቶስ ሎሚ ነመስግኖ” ብምባል ናይ ክርስቶስ ኣተዓራቕነት ኣብ መስቀል ኮይኑ ብዘፍሰሶ ደሙ ካብ ጽኑዕ ባርነት ናይ ዲያብሎስ ናጻ ከም ዝገበረና ደኣ እምበር፡ ሕጂ ከም ቅዱሳን ይልምነልና እዩ እናበልካ ንፈጣሪ ናብ ፍጡር ምቕያር ከም ዘይግባእ ይምህረና። /ሃ.ኣበው ዘሱኑትዩ 110፡28።
“ወኮነ ዓራቄ ለሐዲስ ኪዳን በውኂዘ ደሙ ቅዱስ… ናይ ሓድሽ ኪዳን መተዓረቒ ኮነ፡ ብምፍሳስ ቅዱስ ደሙ ኸኣ ንምእመናን ኣንጺሕዎም ንኣሕዛብውን ቀዲስዎም እዩ እሞ ኦ ቅድስት ለምንልና” ዝብል ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ቃልውን ብንጹር ኣተዓራቕነት ተባሂሉ ዘሎ ዕለተ ዓርቢ ብዘፍሰሶ ደሙ ንዝተፈጸመ ደኣ እምበር ንኻልእ ዚተነግረ ቓል ኣይኮነን /ውዳሴ ማርያም ዘሰንበት ተሰመይኪ/።
ብሰፊሑ ንምርዳእ ኣብዚ ንጠውቕ
No comments:
Post a Comment