bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 18 January 2017

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ሕይወቱን ትምህርቱን መበል 23 ክፋል


..ኣብ ቁስጥንጥንያ ዚነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮኑስ ናይ ኣውዶክስያ ተለኣኣኽትን ገበርትን ኃደግትን ከም በዓል ሴቬሪያንን ኣካክዮስን ነቲ ንጉሥ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ስደት ንኸጽንዕ  ኪደፋፍእዎ ጀመሩ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ሶርያ ናይ ሎዶቅያ ጳጳስ ዚነበረ ኤሊጵድየስን ካልኦትን ነቲ ንጉሥ ንቕዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ከሳድደሉ ዝኽእል ምኽንያት ከም ዘየለ ኣረድኡዎ። “ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ካብ መጀመርታኡውን እንተ ኾነ ብኃይሊ መንግሥቲ ከም ዝስደድ ደኣ ኾነ እምበር ካብ መንበሩ ኣይወረደን። ክምለስ ከሎ ውን ነቲ ንስኻ ብህጹጽ ክምለስ ዝጸዋዕካዮ ጻውዒት ደኣ ተኣዘዘ እምበር፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ናብ መንበሩ ብፍቓዱ ኣይኣተወን። ብተወሳኺ ድማ እዞም ሕጂ ዚጠቕስዎም ዘለዉ ቀኖናታት ብመናፍቓን ዚተወሰኑ እዮም” በሉዎ።

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ጸላእቲ ድማ ብዓው ዓውታን ብዝተፈላለየ መንገድታትን ሓሳባቶም ተቐባልነት ንኽረክብ ይጽዕሩ ነበሩ። ኣብዚ ጊዜ ጳጳስ ኤሊጵድስ ከምዚ በለ፦

“ኦ ንጉሥ እዞም ከሰስቲ ዝኾኑ ጳጳሳት ኣኅዋትና  ኣካክዮስን ኣንቶቂዮስን ንናይ ስደት ውሳኔኦም ከም መርትዖ ጌሮም ዚጠቕሱዎም ዘለዉ ቀኖናታት፡ ‘ናይቶም ሃይማኖቶም ዝቐንዐ ኦርቶዶክሳውያን ኣቦታት እዮም ይበሉ፡ ንሳቶም ድማ ምስቶም ነዚ ቀኖና ዚጠቕስዎ ዘለዎ ዚሠርዑ ኣቦታት ሃይማኖቶም ሓደ ምዃኑ ይዛረቡ፡ ሽዑ  እዚ ዅሉ ክርክር በዚ ክውዳእ እዩ” በለ። እቲ ንጉሥ ድማ እዚ ሓሳብ እዚ ንውሳኔ ምቹእን ቀሊልን ስለ ዝኾነ ንበዓል ኣካክዮስ “ካብዚ ዝኃይሽ መገዲ የልቦን” በሎም። ሽዑ ኣዝዮም ተጨነቑ። እንተ ኾነ ግና ነቶም ቀኖናታት እንተ ተቐቢሎም ኣርዮሳውያን ስለ ዘብሎም፡ ብዘይ ፍቓድና በዚ ኵነታት ተገዲድና ዝተዛረብናዮ እዩ ብምባል ቃሎም ዓጸፉ። ኮይኑ ግና ነቲ ንጉሥ ንናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ስደት ንኸጽንዕ ብዝከኣሎም ኵሉ ምድፍፋእ ቀጸሉ።

ዋላ እኳ እቲ ነገር ከምዚ እንተ ኾነ ናይ ንጉሥን ናይ ንግሥትን ስለ ዚነበረ ግና ንኽስደድ (ንኽእሰር) ተፈርደ። ንሱ ግና ነታ እግዚአብሔር ሓደራ ዚሃቦ ቤተ ክርስቲያን ኣይገድፍን ብምባል ምምሃሩ ቀጸለ። እንተ ኾነ ግና እቲ ነገር ኣብ መንጎ ሕዝብን ኣብ መንጎ ናይ መንግሥቲ ወተሃደራትን ደም ምፍሳስ ዘምርሕ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ መንበረ ጵጵስናኡ ተወሲኑ ተቐመጠ።

 ብ404 ዓ.ም ጳጳሳትን ካህናትን ንናይ ትንሣኤ ወዜማ ለይቲ ንብዙኃት ንኡሰ ክርስቲያን ምሥጢረ ጥምቀት ንምፍጻም ኣብ ምድላው እንከለዉ በቶም ወተሃደራት  ብዙኅ ግፍዒ ወረዶም። እቶም ተጠመቕቲ ተቐጥቀጡን ተንከላበቱን፡ ናይ ምሥጢረ ቊርባን ንዋየ ቅድሳት ብወተሃደራት ናይ ኣሕዛብ ረኸሱ። ካህናት ኣብ ኣገልግሎት ከለዉ ነቲ ለቢሶምዎ ዚነበሩ ልብሰ ተክህኖ ተኸዲኖም እንከለዉ ኣኣውፂኦም ናብታ ኸተማ ሰጎጉዎም። ናይታ ለይቲ እቲኣ ኃዘን ኪትዝክሮ ከለኻ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ጳላድዮስ ብዛዕባዚ ኪዛረብ ከሎ “ንዑሰ ክርስቲያን ክጥመቕሉ ዚተዳለወ ናይ ጥምቀት ማይ ብደም ተበከለ፡ እታ ንሥርየተ ኃጢአት ኪተከውን ዚተዋህበት ቤተ ክርስቲያን ምፍሳስ ደም ተፈጸመላ” ይብል። ናይ ሓጐስን ናይ ሓሴትን ዚነበሩ ናይ ትንሣኤ ሳምንታት፡ ኣብቶም ክርስቲያን ናይ ሰቆቃን ናይ ኃዘንን ሳምንታት ኮኑ። ናይ ግለ ሰባት መንበሪ ኣባይቲ እናተወረሩ፡ ነቶም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኃገዝትን ናይ ቀረባ ደገፍትን ዝኾኑ ጥራይ ዘይኮነስ ደገፍቱ ኸይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ተባሂሎም ዚተጠርጠሩ ኵላቶም እናተገረፉን እናተቐጥቀጡን እናተሳቐዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርበዩ

ንሱ ድማ ኣብ ውሽጢ መንበረ ጵጵስናኡ ተወሲኑ እንከሎ ክልተ ጊዜ ዚተገብረሉ ፈተነ ቕትለት ደኃነ። መጀመርታ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮን ኣእምሮኡ ዚሰሓተን ዚመሰለ ሰብ፡ በሊሕ ሳንጃ ኂዙ ንቕዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ንምቕታል እናጎየየ እንከሎ ብሕዝቢ ተታኂዙ ንኣማሓዳሪ ናይታ ኸተማ ተዋህበ። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ግና ጳጳሳት ልኢኹ ብመግረፍትን ብስቓይን ከይተመርመረ እንከሎ ከም ዝፍታሕ ገበረ። ካልእ ሰብ ድማ ከምኡ በሊሕ ነገር ኂዙ ብሥዉር እናጎየየ ንዝኾነ ክኅዞ ዚመጸ ሰብ እናወግአ ብምድርባይ ናብቲ መንበረ ጵጵስና እናጎየየ ብምኻድ ኪቐትሎ ምስ ሓሰበ እቲ ሕዝቢ ብኽንደይ ጭንቂ ኂዙ ኣትረፎ። 

ናይ በዓል ቴዎፍሎስ ናይ ውልቀ መላኽነት ውፅኢት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዝኣመሰለ ደም ምፍሳስን ስቓይን ኣምጽአ። ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ በዚ ኽፉእ ሥርሑ ምናልባት ንእግዚአብሔር ዘሐጐሰ ዶ መሲሉዎ ይኸውን፧ “አረ እቲ ዚቐትለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት ዜቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ” ብምባል ጐይታና ብሓቂ ተዛረበ /ዮሐ 16፡2/። ኣብቲ መጀመርታ ዚገበሮ ናይ ሓሶት ውንጀላን ፍርድን፡ እግዚአብሔር ንነገሩ ብተኣምራት ምስ ኣፍሸለሉ እንታይ ኮይኑ እዩ ጌጋኡ ፈሊጡ ምስቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ሰላም ዘይገብር፧ ለካ ፍቕሪ ሥልጣን ውልቀ መላኽነት፡ ትምክሕትን ቅንኣትን ማዕረ ኽንድዚ ኣእምሮ ሰብ የዕዉሩ እዮም! “ቅንአት ትበልዖሙ ለልበ ብዙኃን በመዓት እስመ በቅንአትሰ ኢይትረከብ ጸጋ እግዚአብሔር - ቅንኣት ንናይ ብዙኃት ልቢ የቃጽል፡ ብቕንኣት ድማ ጸጋ እግዚአብሔር ኣይርከብን” ዚተባህለ ድማ ነዚ እዩ /መኃ 8፡6/። ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነ ዕለት 5 404 ዓ.ም እቲ ንብዙኅ ጊዜ ክማታእ ዚጸንሐ ንጉሥ ኣርቃድዮስ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ናይ ስደት ውሳኔ ኣጽደቖ። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ድማ ነቲ ውሳኔ ብፍጹም ጸጥታ ተቐበለ። ምስቶም ምስኡ ዚነበሩ ጳጳሳት ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ናይ መወዳእታ ጸሎት ምስ ፈጸሙ፡ ነቶም ጳጳሳትን ኣብኡ ዚነበሩ ካህናትን “ኣነ ከዕርፍ ክኸይድ እየ፡ ንስኻትኩም ንጊዜኡ ኣብዚ ጽንሑ” በሎም። ንሳቶም ድማ ብዓሚቚ ኃዘን ተዋሕጡ። ብድኅሪኡ ነተን ንድኻታትን ንሽጉራትን ብምኅጋዝን ብጠቕላላ ሕይወተን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝሃባን ኵሉ ጊዜ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዘይፍለያን ኦሎምፒያስን ንኻልኦትን ጸዊዑ ከምዚ በለን፦

“ናተይ ጉዳይ ናብ ፍጻሜ ገጹ ከም ዝበጽሐ ይርኣየኒ ኣሎ፡ መገደይ ወዲአ ኣለኹ፡ ብድኅሪ ሕጂ ገጸይ ትርእያ ኣይመስለንን። ንኣኻትክን ዝሓተክን ሓደ ነገር እንተ ሃልዩ፦ ንቤተ ክርስቲያን ዘለክን ቅኑዕ ኣመለኻኽታን ኣገልግሎትን ዋላ ሓደ ኣየሰናኽልክን፡ ንቤተ ክርስቲያን ዘለክን ኣገልግሎት ቀጽላ። ኣብ ናተይ ቦታ ዚትካእ ሰብ ንሱ ሽመት ከይደለየን ብዘይ ፍቓዱን ከምኡውን ብናይ ኵላቶም ስምምዕ ዚሽየም እንተ ኾይኑ፡ ልክዕ ከም ዮሓንስ (ከም ነብሱ) ጌርክን ተቐበልኦ፡ ከምቲ ንኣይ ዚገበርክናለይ ንእኡ ድማ ተኣዘዝኦ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ጳጳስ ኪትከውን ስለ ዘይትኽእል። ከምዚ እንተ ጌርክን ምሕረት ኪትረኽባ ኢኽን። ንኣይ ድማ ብጸሎትክን ደግፋኒ።”...

No comments:

Post a Comment