“ምሉእ ሰብ ናብ ምዃን ምዕባይ”
ኣቐድም ኣቢሉ ከም ዚተገልጸ ብመሠረት እቲ “ብዝኁ ተባዝኁ” ዝብል ኣምላኻዊ ቓል ሰብኣይን ሰበይትን (ወድን ጓልን) ርክብ ኪፍጽሙ እንከለዉ፡ ካብ ሰበይቲ ደም ካብ ሰብኣይ ድማ ዘርኢ ይኽፈል እሞ፡ ኣብ ማኅፀን ናይታ ሰበይቲ ውሕደት ይገብሩ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ሓድሽ ሕይወት ይጅምር። ጥንሲ ይፍጠር።
እዚ ጥንሲ እዚ ነፍሲ ዘላቶ ደኣ እምብር ናይ ዘርእን ናይ ደምን ውሕደት ጥራይ ኣይኮነን። ብመሠረት ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ሰብ ኪፍጠር እንከሎ ሥጋኡን ነፍሱን ብሓንሳእ ደኣ ይርከቡ እምበር ኣይቀዳደሙን እዮም። ኣብ ጊዜ ጥንሲ ዘርእን ደምን ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ኪኽፈሉ እንከለዉ፡ ነፍሲውን ከይቀደመትን ከይተቐደመትን ምስኦም ኃቢራ ትኽፈል። ናይ ነፍስን ናይ ሥጋን ምንጪ እቶም ወለዲ እዮም።
ዕንጨት ምስ ፋሕፋሕካዮ፡ እምኒ ድማ ምስ ኣጋጨኻዮ፡ ካብ ዕንጨትን ካብ እምንን ዚተፈለየ ባህርይ ዘለዎ ሓዊ ከም ዝርከብ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ ምስ ገበሩ ኸኣ ደምን ዘርእን ተዋሒዶም ጥንሲ ኺፍጠር ከሎ፡ ሽዑ ከምቲ ምሳሌ ናይ ሓዊ ብባህርይኣ፡ ካብ ዘርእን ካብ ደምን ፍልይቲ ዝኾነት ነፍሲ ትርከብ።
ጠስሚ ኣቐዲሙ ኣብ ውሽጢ ጸባ ብምንባሩ፡ ጸባ ኪረግእ ይኽእል። ጠስሚ እንተ ዘይነብሮ ነይሩ ግና ኪረግእ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ከምኡ ድማ ጥንሲ ኣብ ዝፍጠረሉ ጊዜ፡ ብመገዲ ዘርእን ደምን ነፍሲ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ተኸፊላ ምስቲ ጥንሲ ተዋሒዳ እንተዘይትነብር ነይራ፡ ኣብ መኣዲ ከም ዚተቐበልካዮ ደም፡ ካብ ምርጋእ ኃሊፉ እናደረቐ ምኸደ ነይሩ እምበር ሕያው ፍጡር ናብ ምዃን ኪስጉም ኣይምኸኣለን ነይሩ።
እቲ ኣቦ ትዕግሥቲ ዝኾነ ኣቦና ኢዮብ ምርጋእ ናይ ጸባ ንኣጀማምራ ጥንሲ ብምሳሌ ምጥቃስ ከም ዝከኣል “ከመ ሐሊብ ሀለብከኒ፡ ወከመ ግብነት አርጋእከኒ” ማለት “ኸም ጸባ ካብ ኣቦይ ሓለብካኒ ኸም ርግኦ ኸኣ ኣብ ማኅፀን ኣደይ ኣርጋእካኒ፡ ቈርበትን ሥጋን ኣልበስካኒ፡ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ ሕይወት ሃብካኒ ፍቕርኻ ድማ ኣርኤኻኒ” ይብል /ኢዮ 10፡10-12/።
በዚ መሠረት ናይ ዕለት ጥንሲ ብምዃን ዚተፈጠረ ሕያው ፍጡር ቀስ ብቐስ ሥጋ ኣዕጽምቲ ጅማት ጸጕሪ ጽፍሪ…ወዘተ ናብ ምዃን ኪጓዓዝ ከሎ፡ ነፍሲ ብወገናውን ነቲ ሥጋዊ ኣካል ወይ ሰብነት ምዃን ዚጀመረ ጥንሲ ብምንቅስቓስ ናይ ሕይወት ሥራሓ ትጅምር። እዚ ናይ ሕይወት ጕዕዞ ዚከናወን ብኃይሊ ናይቲ ጥንሲ ወይውን ብናይ ወለዲ ፍቓድን ሓሳብን ኣይኮነን። ነቢይ ዳዊት “ውእቱ ፈጠረነ ወአኮ ንሕነ - ንሱ ሠርሓና ንሕና ኣይኮንናን” ኢሉ ከም ዚተዛረበ፡ ጥንሲ ብፍቓድን ኃይልን ናይ እግዚአብሔር እዩ ዝፍጠር።
ወለዲ ንውላዶም እንታይ ዓይነት ሰብ ኪመስሉ ከም ዘለዎም ዝውስን ንድፊ ኣውፂኦም ኣይወልድዎምን እዮም። ኮይኑ ግና ሓድሽ ሕይወት ንምጅማር ምኽንያት ከም ዝኾኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ሕጂውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ቅዱስ ዳዊት፦ “ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ጠንጠኑኒ፡ ንስኻ ኦ እግዚአብሔር ትእርንበኒ ኢኻ” ብምባል ተዛሪቡ እዩ /መዝ 27፡10/። ናይዚ ምሉእ ሓሳባት ምሥጢር “ኣቦይን ኣደይን ከምቲ ዝፈቐድዎ ተራኺቦም ኣብ ማኅፀን ደርብዮምኒ እዮም፡ እግዚአብሔር ግና ብሕይወት ተቐበለኒ ማለት ሕያው ከም ዝኸውን ገበረኒ” ማለት ከም ዝኾነ ናይ ዳዊት ኣንደምታ የረድኣና። ካብዚ ትርጓሜ ከም ንርድኦ ወለዲ ነዚ ጥንሲ ንምርካብ ምኽንያት ኪኾኑ እንከለዉ እግዚአብሔር ግና ናይ ጥንሲ በዓል ቤት ከም ዝኾነ ኪንርዳእ ንኽእል /መዝ 26፡10/።
ጥንሲ ኣምላኽ ኣለዎ። ኣምላኹን ተስፋኡን ከኣ እግዚአብሔር እዩ። ብዙኃት ግና ነዚ ዚተረድኣ ኣይመስላን። ካብኣተን ንላዕሊ ናይ ጥንሲ በዓል ቤት ከም ዘሎ ኣይመስለንን እዩ። ነዚ ምስክር ዚኸውን ከኣ ጥንሲ ከም ረሳሕ ማይ ኣብ ፈቐዶኡ ምጕሓፈን፡ ምንጻል ጥንሲ ብዘይ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ምፍጻሞምን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሕጊ ጸዲቑ ብኣዋጅ ንኽፍቀድ ንምግባር ኪጓየዩ ምርኣይናን እዩ። ቅዱስ ዳዊት ነቢይ ስለ ዝኾነ ንዝኃለፈን ንዝመጽእን ናይ ምፍላጥ ጸጋ እግዚአብሔር ሂብዎ እዩ። በዚ ጸጋኡ ድማ ንሱ ንባዕሉ ጥንሲ ኣብ ዚነበረሉን፡ ዋላ ሓንቲ ኣብ ዘይፈልጠሉን ዘመን ብዛዕባ ዚነበረ ናይ እግዚአብሔር ሓለዋ ኪዛረብ እንከሎ፡ ከምዚ ይብል፤- “ካብ ዝውለድ ጀሚረ ኣባኻ ተዓቖብኩ፡ ካብ ማኅፀን ኣደይ ጀሚርካ ኸኣ ንስኻ ኣምላኸይ ኮንካ” /መዝ 22፡10/። ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ እግዚአብሔር ናይ ጥንሲ ኣምላኽ ከም ዝኾነን፡ እቲ መሥርሕ ብምሉኡ ካብ ወለድን ካብ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያን ንላዕሊ ከም ዚከታተልን ኪንርዳእ ንኽእል።
ኣብ ላዕሊ ዚተጠቕሰ ናይ ሕይወት ኣጀማምራ ካብ ጥንሲ ጀሚሩ ክሳዕ ውሉድነትን ርስአን (እርጋንን) ዘሎ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ሕይወት ጕዕዞ፡ ብኃይሊ ናይ እግዚአብሔር ሓለዋ ከም ዝፍጸም ንምርዳእ፡ ሓደ ካብ ሊቃውነተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከምዚ ይብል፦ “ኦ! ዘታወፅኦ ለሕፃን እምሐቌ ብእሲ ወትፌንዎ ውስተ ከርሠ ብእሲት - ኦ! ንሕፃን ካብ ሕቖ ናይ ሰብኣይ ከፊልካ ናብ ማኅፀን ሰበይቲ እትልእኾ”። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ሕፃን” ዝበሎ ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እዩ። ምኽንያቱ ሕፃን ንምዃን ዝበቅዕ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዝኾነ ነቲ ናይ መጻኢ መንነቱ “ሕፃን” ኢሉ ጸውዖ። ካብዚ ገጸ ንባብ እዚ ናይ ጥንሲ ኣፈጣጥራ፡ ናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ምዃኑን፡ ወድን ጓልን ርክብ እኳ እንተ ገበሩን ብዘይ ናይ እግዚአብሔር ኃጋዝነት ጥንሲ ናይ ምፍጣር ክእለት ከም ዘይብሎም ንርዳእ። ሕጊ ስዒረን ብዝሙት እኳ እንተ ጠነሳ፡ ንሳተን ብዝሙተን ደኣ ይሕተታ እምበር፡ እቲ ጥንሲ ብፍቓድ እግዚአብሔር ከም ዚተረኽበውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብዛዕባ እቲ ጥንሲ ብምቕጻል “ብሰፋድድ ትጥቕልሎ፡ ማይ ምስ ኮነ ብባህርይ ጥበብካ ተርግኦ ንስኻ ኢኻ፡ ናይ ሕይወት መንፈስውን ኡፍ ትብለሉ” ብምባል ምስ ተዛረበ “ ንሃብቲ ኾነ ንድኽነት ንምጽዳቕ ይኹን ንምዅናን ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ትዕድሎ” ይብል። እዚ ማለቱ ግና እግዚአብሔር ኣብ ፵ መዓልቱ ንስኻ ሃብታም ኩን ንስኻ ድማ ድኻ ኹን፡ ንስኻ ጻድቕ ኩን ንስኻ ድማ ተኾነን ይብል ማለት ኣይኮነን። ናይዚ ትርጉሙ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ “ጥንሲ ከም ማይ ኮይኑ ከይተፈልጠ ንመዓልታት ይጸንሕ። ብድኅርዚ ጭራ ካብ እትመስል ትርኢት ተበጊሱ እናዓበየ ይኸይድ ማለት እዩ፡ ኣብ ፵ መዓልቲ ተሥዕሎተ መልክዕ (ህዋሳት) ይማልእሉ። በዞም ህዋሳት እዚኣቶም እንተ ጽዒርሎም ሃብታም ዝኾነሎም፡ ሃካይ እንተ ኾይኑሎም ድማ ድኻ ዝኾነሎም፡ ሠናይ እንተ ገበረ ዚጸድቀሎም፡ ክፉእ እንተ ሠሪሑ ኸኣ ዝኹነነሎም ብምዃኖም ከምዚ ብምባል ተዛረበ።
ጥንሲ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርኅ ኣገራምን ዚተወሳሰበን ኣካል ዘለዎ ምሉእ ብምሉእ እናዓበየን ብቑዕ ኣካል ዘለዎ ሕፃን ይኸውን። ብድኅርዚ ብውሽጢ ዚደፍእ ብደገ ኸኣ ዚስሕብ ከይሃለወ፡ ብጥበብ እግዚአብሔር ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ጸቢብ ናብ ሰፊሕ ዓለም ይመጽእ። ኣብዚ ጊዜ ኸኣ ሕፃን ተወልደ ይበሃል /ዮሐ 16፡21/።
ሕፃን ከም ዝውለድ ዝገብር እግዚአብሔር እዩ። ቅዱስ ዳዊት “ግናኸ ካብ ማኅፀን ወላዲተይ ብደኃን ክውለድ ዝገበርካኒ ሕፃን ከለኹ ኸኣ ዝሓለኻኒ ንስኻ ኢኻ” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ /መዝ 22፡9/። ነዚ ኂዙ ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ደጊምካውን ካብ ማኅፀን ተውፅኦ” ይብል። ብተወሳኺውን “ዓይኑ ትኸፍት ጎሮሮኡ ከፊትካ ተብክዮ፡ ኢዱን እግሩን ተንቀሳቕሶ….” ናይዚ ኣንቀጽ እዚ ሓተታ ናይ ቅዳሴ ኣትናቴዎስ ትርጓሜ “ ሕፃን ኪውለድ ከሎ ዓይኑ ይኸፍት፡ ጎሮሮኡውን ይኽፈት፡ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ንዝቕበረሉ መቓብር ከፊቱ ብሕሊና የርእዮ። ከምኡውን ካብቲ ዝቕበረሉ ምድሪ ሓመድ ኣምጺኡ የጥዕሞ። ሽዑ ኣምሪሩ ይበኪ። ክበኪ እንከሎ ንብዓት የብሉን፡ ንብዓቱ ክመውት እንከሎ እዩ ዝፈስስ” ብምባል ኣቐሚጥዎ ኣሎ።
ወዲ ሰብ ብዛዕባ ኣፈጣጥራኡ ኪምርምር እንከሎ ናይ እግዚአብሔር ውዕለት ይርዳእ። ብናብራኡ ምምራር ገዲፉ ኸኣ ናብ ምምስጋን ይምለስ። ቅዱስ ዳዊት “ንስኻ መስተንክር ኢኻ፡ ድንቂ ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ ከመስግነካ እየ። ግብርታትካ መስተንክር እዩ ኣነውን ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ። ኣዕጽምተይ ምስ ተፈጥራ ኣብ ማኅፀን ኣደይ ከኣ ብጥንቃቐ ምስ ተሠርዓ፡ኣብኡ ብኅቡእ ክዓቢ ኸሎኹ፡ ኣብኡ ኸም ዘሎኹ ረኣኻኒ። ኣዕይንትኻ ድቂ ኸሎኹ ረኣያኒ። እቲ ምዱብ ዕድመይ ገና ኸይጀመረ እንከሎ ገና ኣብ መጽሓፍካ ጽሑፍ እዩ” ብምባል ዚተዛረበ ኸኣ ብዛዕባ ኣፈጣጥራኡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ መነጸርነት ኪምርምር ስለ ዝኸኣለ እዩ /መዝ 139፡14-16/።
ካብ ዘይምውላድ ምውላድ ይኃይሽ። ምኽንያቱ ምውላድ ኣብ ልቦና ናይቲ ዝፍቶ ፈጣሪ ሓደ ተባሂልካ ምቚጻር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ምሕጻይውን እዩ። እንተ ኾነ ግና ተወሊድካ ብኽፉእ ግብርኻ ካብ ምዅናንሲ ካብ ጥንቱ ዘይምውላድ ይኃይሽ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ይሁዳ ክዛረብ እንከሎ፦ “እቲ ሰብ እትስ እንተ ዘይውለድ ምኃሾ ነይሩ” ዝበለ ኸኣ በዚ እዩ /ማቴ 26፡24 ትዳርና ተላጽቆ 2ኛ እትም ገጽ 43/።
ናይ ጥንሲ ኣተዓባብያ ቅልጡፍ እዩ። ምስ ተወለደ ግና ኣተዓባብያኡ ከምቲ ኣብ ጊዜ ጥንሲ ዝነበረ ኣይቅልጥፍን እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ካብቶም ናይ መጀመርታ ኣሥራው ጀሚሩ ካልእ ዝቐልጠፈ ናይ ዕብየት ምዕባለታት ይኽሠት። ኣብዚ ጊዜ እዚ ድማ ካብ ቊልዕነት ናብ ናይ ንእስነት ናይ ምልዋጥ መሥርሕ ይጅምር፡፤
“በበሕቅ ልህቀ” ከም ዝተባህለ ዋላ ደኣ በበንእሽተይ ይኹን እምበር ኵሉ ሰብ እናዓበየ ምስ ከደ “ምሉእ ሰብ” ዝበሃል ክንዲ ኣዳም ምስ ኮነ እዩ። ዓቕሚ ኣዳም ከም ዝበሃል ማለት እዩ። እዚ ኸኣ 30 ዓመት እዩ። ኣዳም ኪፍጠር ከሎ ወዲ 30 ዓመት በጽሒ ነበረ። ዓመት ዝመልአ ጠቦት ጐድኒ ደኣ እምበር ቁመት ከም ዘይውስኽ፡ 30 ዓመት ዝመልኦ በጽሒ ድማ ይረጉድን ይኽስዕን ደኣ እምበር ቁመት ኣይውስኽን እዩ።
ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም እኹል ሰብኣይ እምበር ብኣእምሮ ከም ሕፃናት ከይንኸውን ይመክር እሞ፡ ምዕባይ ከም ዘድልየና ይነግረና። ዕብየትና ክሳዕ ኣበይ ምዃኑ ኺነግረና እንከሎ ኸኣ “ምሉእ ሰብ ናብ ምዃን” ይብለና። ናይ ምሉእ ሰብኣይ መለክዒ ክሳዕ ኣዳም ወይ ክሳዕ ካልኣይ ኣዳም “ብጹሐ አምጣን በአቅመ ፍጻሜሁ ለክርስቶስ” (ክሳዕ እቲ ንኣካለ መጠን ዝበጽሐ ክሳዕ ክርስቶስ) ብዕድመ ምብጻሕ ምዃኑ በዚ መልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ናብ እኹል ሰብኣይ ናብ ክርስቶስ ምልኣት ብጽሕና ክሳዕ እንበጽሕ እዩ” ይብል /ኤፌ 4፡13-15/።
ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ቅዳሴኡ እኹል ሰብ ወይ መንእሰይ ዝበሃል ከመይ ምዃኑ ኺገልጽ እንከሎ፦ “ወልህቀ በበሕቅ እስከ ወርዘወ በአምጣነ ብእሲ” ይብል /ቅዳ. ኤጲፋ. ቊ 54/። “ምሉእ ሰብ” ዝበሃል መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ማለት ድማ ኣብ መንጐ ቊልዕነትን በጽሕን ዘሎ ዕድመ እዩ (መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብተክአ ተስፋይ)። ብተወሳኺውን በጽሒ ጐበዝ ንዘርኢ ዝበጽሐ ማለት ከም ዝኾነ ዝትንትን መዝገበ ቃላት ኣሎ (ዘርጋው የአማርኛ መዝገበ ቃላት ኪዳነ ወልድ ክፍሌ)። ናይ ግእዝ ቋንቋ ድማ መንእሰይ (ጐበዝ) ንምባል “ወሬዛ” ንብዙኅ ቊጽሪ መንእሰያት (ኣጓብዝ ጐራዙ) ክብል እንከሎ ድማ “ወራዙት” ይብል።
ኣቐዲሙ ከም ዝተገለጸ “ምሉእ ሰብ” ዝበሃል ንዋያት ዝተማልኡሉ ማለት ህዋሳት ዚተደላደሉሉ፡ ከም ልቡ ኪሓስብን ኪንቀሳቐስን ክዛረብን ዝኽእል ሰብ እዩ። “ምሉእ ሰብ” ኃላፍነት ኪወስድ ይኽእል። “ምሉእ ሰብ” ብዛዕባ ርእሱ ኺገልጽ ይኽእል። መልሲ ንምሃብ ብቑዕ ብምዃኑ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንእኡ ዝምልከት ጉዳይ ይሕተት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዓይኑ ብተኣምር ናይ ፈጣሪ ዚተፈወሰን ኣቕሚ ኣዳም ዝበጽሐን ወለዱ መብርሂ ክህቡ እንከለዉ፦ “..ንእኡ ሕተትዎ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ” ክብሉ ንሰምዖም /ዮሓ 9፡21-23/። ካብ ኣዘራርባ ናይዞም ወለዲ “ምሉእ ሰብ” ዝበሃል ብዛዕባ ርእሱ ኽዛረብ ዝኽእል፡ ሓሲቡ ዚሠርሕን ተሓቲቱ ዝምልስን ከም ዝኾነ ኽንርዳእ ንኽእል። ብሓፈሻ “ምሉእ ሰብ” ዝበሃሉ ኵሉም እቶም ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ኣወዳትን ንዓቕሚ ሔዋን ዝበጽሓ ኣዋልድን እዮም።
No comments:
Post a Comment