በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜን
ገና ትምህርቲ ኽጅምሩ ምስ በሉ ብሃንደበት እተን ኣደ ብብኽያትን ብኃዘንን ኣዕይንተን ደም መሲሉ፡ ብንብዓት ምዕጉርተን እና ተሓጸባ ከም ማርያም በዓልቲ ጨና ኣብ ቅድሚ ኵላትና ኣብ እግሪ ኣቦይ ቀሺ ተደፊእን ተናስሓ። ኣቦና ብተግባራተን ስለ ዝተሰናበዱ ብቕልጡፍ ካብቲ ዝወደቓሉ መሬት ኣተንሦኦም መስቀል ክሳለማ ሃብወን። እተን ኣደ ግና ብዝፈጸምኦ ኃጢኣት ፍጹም ተጣዒሰን ንኣናውን መምሃሪ መታን ክኾነና ብዛዕባ እቲ ኵነታት ከምዚ እናበላ ዘርዚረን ነገራና “እዞም ደቀይ መለበሚ ኣይግበርካ መለበሚ ኣይኽላእካ ከም ዝበሃል እዚ ሕይወት ናተይን ናይ ጓለይን መለበሚ ይኹንኩም። ጓለይ ካብ ሕፃንነታ ቤተ ክርስቲያን ክትዓብየለይ ይምነ ስለ ዝነበርኩ፡ ቃለ እግዚአብሔር እናተማህረት እያ ዓብያ፡ ዓቕሚ ሔዋን ምስ በጽሐት ግና ገንዘብ ስለ ዝሰሳዕኩ ንሓደ ንኣኣ ዘይመስል ብዘይካ ገንዘብ እኳ ኣምላኽ ዘሎ ዘይመስሎ ሃብታም ሰብ ክትምርዖ ገዲደያ። እዚ ዅሉ ዝገበርኩ ድማ ንባዕለይ ገንዘብ ስለ ዝሰሳዕኩ እምበር ንኣኣ ሓልዮት ኣይነበረን። እቲ ጸሎትን ፍርሃት እግዚአብሔርን ዘይብሉ ሓዳር፡ እቲ ሰላም ዝሃደሞ ቆዮቛን ባእስን ዝመኣዱ ሓዳር ዕረ ስለ ዝጠዓማ ድማ ንእኡ ገዲፋ ደገ ደገ ክትብል ጀመረት ኣላዪ ስለ ዝሰኣነት ድማ ግዝእቲ ናይ ድራግን (ሓሽሽ) ኣልኮላዊ መስተን ኮነት። ኣነ ድማ ተፈዊሳ እያ እናበልኩ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ጠንቆልቲ ክኸይድ ጀሚረ። እቲ ካብኡ ዘምጽኣላ ኣፋውስ ድማ መመሊሱ ካልእ ዝገደደ ሕማቕ መንፈስ ከም ተኅድር ጌርዋ። ሕጂ ግና ዓቕለይ ምስ ጸበበኒ ኣማራጺ ምስ ሰኣንኩን ውሽጠይ ብዝገበርኩዎ ኃጢኣት እናወቐሰኒ ኣብራኸይውን ራዕ ራዕ እናበለኒ ናብዚ ቅዱስ ቤት ክመጽእ ተገዲደ። እዞም ደቀይ በጃኹም በጃኹም ነዚ ኂዝኩምዎ ዘለኹም ጕዕዞ ኣጽኒዕኩም ኃዝዎ ጽንዑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ..” ብምባል ደጋጊመን ምስ ተማሕጸናና ኣብ መንጎ ንብዓት ስዒርወን፡ ገጸን ብነጸላአን እናሸፈና ኃዲገናና ናብቲ ጓለን ዘላቶ ክፍሊ ተመልሳ።
ብድኅርዚ ኣቦይ ቀሺ “ተመስገን ኣምላከ ኣበዊነ፡ ንዳዊት ካብ ዝሙት፡ ንጴጥሮስ ካብ ክሕደት ነቲ ብየማንካ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ ድማ ካብ ኵሉ ግብሪ ኃጢኣት ኣንጺሕካ ንስሓኦም ዝተቐበልካ ኣምላኽ ኣቦታትና እግዚአብሔር፡ ናትና ናይ ባሮትካ ንስሓውን ተቐበል። በዚ ዕለት እዚ ንሕና ደቅኻ መታን ክንመሃር ነዘን ኣደ ስለ ዝሰደድካልናውን ነመስግነካ” ብምባል ንኣምላኽ ድኅሪ ምምስጋን “በሉ እዞም ደቀይ ሎሚ እግዚአብሔር በዘን ኣደን ጓልን ገይሩ ብዙኅ ምሂርና ኣሎ። ብፍላይ እዘን ኣደ ኣብ መወዳእታ ደጋጊመን ዝተዛረብኣ ቃል ኣስተውዒልኩምላ ዶ? ኢሎም ሓተቱና ንሕና ድማ እታ “ኣብ መወዳእታ እተን ኣደ ደጋጊመን ዝተዛረብኣ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ጽንዑ” እትብል ቃል፡ ኣብ ልብና ከም ደወል ትሃርም ስለ ዝነበረት፡ “እወ ኣቦና ኣስተውዒልናላ ኣለና ጽንዑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ እየን ኢለናና” ብምባል ነቦና መለስናሎም።
ኣቦና በቲ ንብዓት ዝቖጸረ ኣዒንቶም ናባና እናጠመቱ ፈገግ ድኅሪ ምባል። ግርም ግርም እዞም ደቀይ። ከምቲ ኣቦና እዮብ እግዚአብሔር ብሓደን ብኻልእን መገዲ ይዛረብ፡ ሰብ ግና ኣየስተውዕሎን እዩ” ዝበሎ ከይንኸውን ንዅሉ እንርእዮን እንሰምዖን ከነስተውዕሎ ይግብኣና እዩ። በሉ ሎሚ መዓልቲ በዚ እዘን ኣደ ዝተዛረብኦ ቃል መሠረት ኢና ክንመሃሃር። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝሰደደሎም ቀዳመይቲ መልእኽቱውን ከምዚ እዩ ዝብል “ንቕሑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ሰብኡት ኩኑ በርትዑ ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” እወ እዞም ደቀይ እዚ ዘመን ንቕሓት ዘድልዮ ዘመን ስለ ዝኾነ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ “ንቕሑ” ክብል ኣዚዝና። ምኽንያቱ እዚ ዘለናዮ ናይ ህልቀተ ዓለም ዋዜማ እዩ። ኣብዚ ዋዜማ ናይ መዋዳእታ ዓለም ብዙኃት ጠንቆልትን ሓሰውቲ ነቢያትን ብስመይ ክመጽኡ እዮም፡ ሰብ ፈታው ገንዘብ ክኸውን፡ ሃይማኖት ብኽሕደት እናተሸፈነት፡ ሓሶት ካብ ሓቂ እናደመቐት ክትመጽእ ምዃና ቃሉ ነጊርና እዩ። ስለዚ ሓሚምና ናብቲ ሓቀኛ ማየ ጸሎትን ናብ ቤተ እግዚአብሔርን ደኣ ክንከይድ ይግበኣና እምበር፡ ናብቲ ናይ ሰይጣን ሥራሕ ብጋህዲ ዝረኣዮ ናብ ጠንቋሊን ናብዞም ንፍውስ ኢና እናበሉ መስቀል ጨቢጦም ቆቢዕ ደፊኦም ሰባት ዝእክቡ ሓሰውቲ ነቢያት ክንከይድ ኣይግበኣናን እዩ። እዞም ደቀይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ..ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ካብ ዝመጹ ተዃሉ ተጠንቀቑ” ብምባል ቆርበት በጊዕ ማለት መስቀል መጽሓፍ ቅዱስን ስም ኣምላኽን ስም ቅዱሳንን ዋላ እንተ ጸውዑ በዚ ክንደናገር ከም ዘይብልናን ክንስዕቦም ከም ዘይግበኣናን ኣቐዲሙ ነጊርና እዩ። ብዛዕባ ጠንቆልቲ ድማ ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ምዕ 8፡17-22 ከምዚ ይብል “ኣነን እቶም እግዚአብሔር ዝሃበኒ ደቅን ኣብ ከረን ጽዮን ዝነብር ጐይታ ሠራዊት፡ ኣብ እስራኤል ንትእምርትን ንተኣምራትን ኴንና ኣለና። ነቶም ብሕሹኽሹኽን ብሰላሕን ዝዛረቡ ጠንቆልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ እንተበሉኹም ፡ ንስኻትኩም ከኣ ሕዝቢ ዶ ንኣምላኹ ኣይሓትትን፡ ብዛዕባ ሕያዋን ከ ንምዉታት ዶ ይሕተት እዩ ኢልኩም መልስሎም” እዩ ዝብል። ቅዱስ ዮሓንስ ድማ ብዛዕባ ንጠንቆልትን ሰዓብቶምን ዝረኽቦም መከራ ኣብ ራእ ዮሐ ምዕ 221፡8 “እቶም ጠንቆልቲ…ግና ግዲኦም ኣብቲ ብሓዊ ዚነድድ ቀላይ እዩ” ብምባል ፍጻሜኦም ገሃንመ እሳት ከም ዝኾነ ይነግረና። ስለዚ ድማ እዩ እዚ ሓዋርያ ንቕሑ ዝበለና እሞ ነዚ ዘመን ንንቅሓሉ እዞም
ናብታ ኻልኣይቲ “ኣብ እምነትኩም ጽንዑ” ትብል ዘላ ቃል ምስ እንኸይድ ድማ ኣዝያ ወሳኒት ቃል እያ። ብዙኃት ካባና እምነት ኣለና ኢና ንብል ኣብ እምነትና ግና ጽኑዓት ኣይኮንናን። እምነት ዝበሃል ብኣፍካ ኣምላኽ ኣሎ ኢልካ ምእማን ጥራይ ኣይኮነን። ሰይጣንውን ኣምላኽ ከም ዘሎስ ይኣምን እዩ። ብእግርኻ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስ ጥራይ ውን ኣይኮነን፡ ብልብና ደኣ እምበር ብእግርና ጥራይ ምምልላስ ዋጋ የብሉን። ብጾምን ብጸሎትን ብንስሓን ብቚርባንን ዘይተሰነየ እምነት እምነት ኣይበሃልን እዩ። እዛ ከምዚኣ ዓይነት እምነት ቅዱስ ያዕቆብ ምውቲ እምነት ኢሉ እዩ ዝጽውዓ። “ኣኅዋተይ ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተበለ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም እዛ እምነት እዚኣ ዶ ከተድኅኖ ትኽእል እያ?...ከምኡ ኸኣ እምነት ግብሪ እንተዘይብላ ንርእሳ ምውቲ እያ” (ያዕ 2፡14-18) ስለዚ እዞም ደቀይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ዘሎ እሞ ስምዕዎ፡ ልክዕ ከምዚ ንሕና ተዋሕዶ ኢና እምነት ኣለና ኢልና ንምክሖ ግብሪ ዘይብሉ ተዋሕዶ ምዃን ንበይኑ ትርጉም የብሉን። ሰብ ኣምላኽ ይኣምን እየ እናበለ ብዛዕባ ኣምላኹ ተሓቲቱ ዘይምልስ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ይኣምን እየ እናበለ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየንብብ፡ ኣበ ነፍሲ ከም ዘድሊ ይኣምን እየ እናበለ፡ ኣበ ነፍሲ ዘይብሉ፡ ብንስሓ ይኣምን እየ እናበለ ዘይንሳሕ፡ ብቚርባን ይኣምን እየ እናበለ ዘይቆርብ፡ እዚስ ካብቶም ኣምላኽ የልቦን ዝብሉ፡ ካብቶም ኣበ ነፍሲ ኣየድልን እዩ ዝብሉን ንስሓን ቊርባንን ኣይጠቅምን እዩ ዝብሉን መናፍቓን ብምንታይ ይፍለ?
ከምዚ ንሕና ግብሪ ናይ ደቂ ተዋሕዶ ዘይብልና ክነስና፡ ተዋሕዶ ኢና እናበልና ብኣፍ ጥራይ እንምክሖ፡ ኣይሁዳውያን ውን ንሕና ደቂ ኣብርሃም ኢና እናበሉ ይምክሑ ኔሮም “ክርስቶስ ግና ንስኻትኩም ደቂ ኣብርሃም ምዃንኩም እፈልጥ እየ፡ ግብሪ ናይ ኣብርሃም ስለ ዘይብልኩም ግና ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም ስለዚ ንስኹም ደቂ ኣቦኹም ደቂ ዲያብሎስ ኢኹም” ክብል እዩ መሊስሎም (ዮሐ 8፡37-41) ስለዚ ንሕና ውን ኣመንቲ እንተዄንና ጽኑዓት ኣመንቲ ንኹን። ኣብ እምነትና ጽንዓት እንተዘይብልና፡ ዲያብሎስ ካብ ሃይማኖትና ከውፅኣና ዝቐለለ እዩ ዝኾነሉ። ቅዱስ ጴጥሮስ መናፍቓን ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ጥራይ ከም ዘታልልወን ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል “ዝሙት ዝመልኣ ካብ ኃጢአት ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለውኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓባብልወን ” ብምባል ዲያብሎስ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ከም ዝሓባብለን የረድኣና። (2ይ ጴጥ 2፡14)
ጐይታና ውን ብዛዕባ እምነት ክምህር ከሎ እቲ ለባም ሰብኣይ ቤቱ ኣብ ከውሒ ሓነጸ፡ ንፋስ ነፈስ ዝናም ዘነመ ውኂዝ ወኃዘ፡ ነቲ ቤት ድማ ደፍእዎ፡ ኣብ ከውሒ ስለ ዝተሠረተ ግና ከውድቕዎ ኣይከኣሉን” እቲ ዓሻ ሰብኣይ ድማ ቤቱ ኣብ ሑጻ ሓነጸ ንፋስ ነፈሰ ዝናም ዘነመ ውኂዝ ወኃዘ ነቲ ቤት ድማ ደፍእዎ ወደቐ ኣዋድቕኡ ድማ ዓቢ ኮነ”ይብል።(ማቴ 7፡24-29) እወ እቲ ጽኑዕ እምነት ዘይብሉ ብንፋስን ማይን ውኂዝን ዝተመሰሉ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ይመጽእዎ እሞ ይወድቕ ኣዋድቓኡ ድማ ዓቢ ይኸውን።
በሉ እዞም ደቀይ ሎሚ ድማ እዚ ኣብ ከውሒ ምሥራትን ጽንዓትን ቀንዲ ንዓኹም እዩ ዘድሊ። ከባቢኹም ኣዝዩ ብፈተና ዝመልአ እዩ፡ ከምቲ ጐይታና ንሐዋርያት ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ ይሰደኩም ኣለኹ ዝበሎም፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብዛ ብብዙኅ ፈተና ዝተመልአት ዓለም ኢኹም ዘለኹም። ስለዚ ካብዛ ካብ እግዚአብሔር ኮብሊላ ብዙኅ ናይ ክሕደትን ጥርጥርን ንፋስ ትሰድድ ዘላ ምዕራባዊት ዓለም ተጠንቂቕኩም ነፍስኹም ገቲእኩምን ክትከዱ ይግበኣኩም። ሃይማኖትኩምን ባህልኹምን ንጽሕናኹምን ከይትገድፉ ክሳዕ ደም ምፍሳስ ክትጋደሉ ይግበኣኩም። ናቡቴ ርስቲ ናይ ኣቦታተይ ኣይህብን ብምባል ክሳዕ ደም ዝኸፍል ጸኒዑ እዩ፡ ንስኻትኩምውን ነዛ ርስትኹም ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ ጸኒዕኩም ተጋደሉላ፡ ሠለስተ መንእሰያት ኣናንያ ሚሳኤል ኣዛርያ ንጣዖት ኣይንሰግድን ብምባል ኣብ እቶን ሓዊ ክሳዕ ዝድርበዩ ኣብ ዓዲ ስደት ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዖም እዮም ንስኻትኩምውን ነዚ ከም ኣምልኾ ጣዖት ዝምለኽ ዘሎ ንገንዘብ ኣይንሰግድን ብምባል ኣብ መንፈሳውነትኩም ክትጸንዑ ይግብኣኩም እዩ፡ ዳንኤል ኣብ ዓዲ ስደት ኮይኑ ንኣምላኽና ንእግዚአብሔር ምጽላይ ኣይገድፍን ስለ ዝበለ፡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስቲ ተደርብዩ እዩ፡ ንስኻትኩምውን እዞም ደቀይ ኣብ ዓዲ ስደት ናብ ኣምላኽ ዳንኤል ናብ እግዚአብሔር ካብ ምጽላይ ኣይተቋርጹ።
በሉ እዞም ደቀይ ትምህርትና ንምዝዛም እዘን ኣደ ካብ ዘዕለላና ታሪኽ ክልተ ነገራት ተመሃሩ፡ እታ ቐዳመይቲ እዛ ኣደ ንገንዘብ ክትብል ንጓላ ካብ ኣገልግሎት ቤተ እግዚአብሔር ኣቋሪጻ ቤተ እግዚአብሔር ናብ ዘይፈልጥ ብጥሪት እዛ ዓለም ሃብታም ብመንፈሳዊ ሕይወት ግና ድኻ ናብ ዝኾነ ሰብ ሸይጣታ፡ እዚ ንዓይን ንዓኹም ዝምህረና፡ እዚ ዘመን እዚ ኃው ንኃዉ ወላዲ ምስ ውሉድ ዝጨኻኸንሉ፡ ኵሉ ፈታዊ ነፍሱ እምበር ናይ ደቁ ናይ ኃዉ ናይ ኃፍቱን ዘየገድሶ፡ ኵሉ ሰብ መፍቀሪ ገንዘብ ዝኾነሉ ዘመን ምዃኑ የርእየና ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ዚ ዘለናዮ ዘመን ኣቐዲሙ ከምዚ ክብል ነጊርና ነይሩ “ኣብተን ዳኅሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዝመጽእ እዚ ፍለጥ፡ ሽዑ ሳበት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ እዮም። እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ ዕቡያት ተጻረፍቲ ንወለዶም ዘይእዘዙ…… ተፈኽነንቲ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዝፈትዉ ..መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግና ዝኽሕድዎ…” ክኾኑ እዮም ይብል።(2ይ ጢሞ 3፡1-8)
በዚ ምኽንያት እዩ ኣብ ሳህራ ኣኅዋትና ከም ኣባጊዕ ናብ ጓኖት ብገንዘብ ዝሸጡና ዘለዉ። ኣብ ሲናውን ኵሊት ኣኅዋቶም ኣውፂኦም ዝሸጡ ዘለዉውን ትንቢት ዝፍጸመሉ ምዃኑ ኣስተውዒልና ኣብ እምነትና ዝያዳ ክንጸንዕ እዩ ዝግባእ። “ጐይታና ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ጸላኢ ካብ ርሑቕ ኣይመጽእን እዩ… ..ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ክኾኑ እዮም” ኢሉ ኣቐዲሙ ዝነገረና ትንቢት ይፍጸም ኣሎ።(ማቴ 10፡36-37) ከምዚ እዘን ኣደ ዝገበርኦ ክነግራና ዝጸንሓ፡ ሎሚ ካብ መናፍቓንን ከሓድትን ንላዕሊ ንኣኹም ቤተ ሰብኩም ክፍትንኹም እዮም እዞም ደቀይ። ንስኹም ግና ነቲ “ካባይ ነቡእን ነዲኡን ወይ ንሰበይቱ ዘፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ፡ መስቀሉ ጸይሩ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ” ዝበሎ ቃል ዘኪርኩም ኣብ እምነትኩም ክትጸንዑ፡ ከምዚ እዘን ኣደ ዝመሃራና ኣነ ውን ደጊመ ጽንዑ ጽንዑ እየ ዝብለኩም።
እታ ኻልእ ካብዛ ኃፍትና እንመሃራ ድማ ሓሚማ ክትሳቐ ክትርእይዋ ዝጸናሕኩም ጓልናን ኃፍትናን ኣብ እምነታ ጽንዓት ኔርዋ እንተዝኸውን ዘረባ ኣዲኣ ኣታሊልዋ ኣይምወፀትን። ኣብ ሑጻ ስለ ዝነበረት ግና “ነቲ ካባይ ነቡኡን ነዲኡን ዘፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ” ዝብል ቃል ኣይዘከረቶን። ስለዚ እዞም ደቀይ ንወለድኹም ኣኽብሩ እንተኾነ ግና ከምቲ ቕዱስ ጳውሎስ “ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም” ዝበለና ኵሉ እንእዘዞም ንፍቓድ ጐይታ ዘይጻረር ምዃኑ ከነረጋግጽ ይግብኣና።(ኤፌ 6፡1-3) ካብ ጐይታ ዝፈሊ ካብ ጾም ካብ ጸሎት ካብ ንስሓን ቊርባንን ዝፈሊ ሓሳብ ግና ናይ ማንም ሰብ ሓሳብ ሓሳብ ሰይጣን ስለ ዝኮነ ጸኒዕኩም ተዋግእዎ። ጐይታናውን “ኣነ ጉንደ ወይኒ እየ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፡ ጨንፈር ኣብ ጉንዲ እንተዘይጸንዐ ካብ ርእሱ ክፈሪ ከም ዘይከኣል ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተዘይጸናዕኩም ከምኡ ኢኹም” (ዮሐ 15፡4) እዩ ዝብል እሞ ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ሰብኡት ክንከውን ኵሉ ድማ ብፍቕሪ ክንገብሮ ኣምላከ ቅዱሳን ይሓልወና። ብምባል ትምህርቶም ዛዘምዎ።
ምስጋና ንኣብ ንወልድንመንፈስ ቅዱስን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።
No comments:
Post a Comment