…ኣብ’ዚ ቤት ቤት ትምህርቲ እዚ ተመሃሮ ንኽኾኑ
ንመጀመርያ ጊዜ ዚተመልመሉ ካብ 12-15 ኣቢሎም ዚኾኑ መንእሰያት ዲያቆናት እዮም ኔሮም። እዞም ዲያቆናት እዚኣቶም ብምምሕዳር
ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ኣተኩሮ ዚተገብረሎም ኮይኖም፡ ካብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ምስ ዘሎ ማሕበረ ሰብ ዘለዎም ርክብ
መታን ኪቋረጽ ድማ እቲ ቤት ትምህርቲ መሕደሪ ዘለዎ ቤት ትምህርቲ ከም ዚኸውን ተገብረ። ዕረፍቲ ብዘይህብ ናይ ትምህርቲ
ፕሮግራም ከም ዝውጠሩ ብምግባር ድማ እቶም ዲያቆናት ካብ ቅዳሴ ካብ ጸሎትን ካብ ጉባኤን ርሒቘም ምስ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን
ዘለዎም ርክብ ቀስ ብቐስ ተቛረጸ። ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ብኣንግሊካውያን ዚተዳለወ ናይ ፕሮቴስታንት ጸሎት ብቋንቋ ዓረብ
ይካየድ ነበረ። እቶም ዲያቆናት ድማ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ብድሌትን ብሓይልን ቀስ ብቐስ ኪሳተፉ ጀመሩ።
አንድሪው ዋትሰን ዚተባህለ ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ ሚስዮናዊ
ብዛዕባ እቲ ዚነበረ ኩነታት ኪገልጽ ከሎ “ዘነቓቕሕ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያንና ኣገልግሎት ብዙሓት ሰባት ከም ዝማርኽ
እኣምን እየ… እዞም መንእሰያት ውን ናትና ኣገልግሎት ምስ’ቲ ወንጌላዊ ዘይኮነ ዝሞተ ቋንቋኦምን ምስ’ቲ ቀታሊ ዚኾነ ሥርዓተ
ቅዳሴኦምን ከነጻጽርዎ ከለዉ ኣብ ሕልናኦም ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ለውጢ ኪፈጥረሎም እዩ….” ይብል።
ኣብ’ቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብቐዳምነት ዚወሃብ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ኮይኑ፡ እቶም ተመሃሮ ቋንቋ እንግሊዝ ብዝግባእ ፈሊጦም ናይ እንግሊዘኛ መጻሕፍቲ ናብ ዓረብ ኪትረጉሙ ከም መደብ ተታሒዙ ነበረ።
ብዘይካ ቋንቋ
እንግሊዝ ሽፋን ንኽኸውን ተባሂሉ ጥንታዊ ናይ ግብጺ ቋንቋ ውን ይምሃሩ ኔሮም። ዋትሰን ናይ ግብጺ ቋንቋ (ቅጵጥ) ንምንታይ ከም ዝተደለየ ኪገልጽ ከሎ “እቲ ዘሕዝን እቲ ዝሞተ ቋንቋ ኣብ’ዚ ቤት ትምህርቲ ውን ኪመሃር ከም ዘለዎ ምግባርና ከነትርፎ ዘይንኽእል ግዴታ ስለ ዚነበረ
እዩ” ይብል።
ብዘይካ እቲ ናይ ቋንቋን
ናይ ቁጽርን ትምህርቲ ካልእ ብተወሳኺ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣተኩሮ ዚገበረሉ ድማ ናይ ዶግማ ትምህርቲ ኮይኑ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ
ክርስቲያን ንመጻኢ ካህናት ኪኾኑ ዚተሓሰቡ ዲያቆናት ኣብ’ዚ ትምህርቲ’ዚ ነዚ ናይ ፕሮቴስታንተ ናይ ዶግማ ትምህርቲ ከም
ማይ ከም ዝሰትይዎ ተገብረ። ኣብ ግብጺ እናተለመደ መጺኡ ዚነበረ ናይ ፈረንሳይ ቋንቋ ግን ኣብ ግብጺ “ንፓትርያርካዊ ሥርዓት”
ናይ ምኽባር ባህሊ ንኸስፋሕፍሕ ተጽዕኖ ስለ ዝፈጥር ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ቦታ ከም ዘይህልዎ ተገብረ። ናይ’ዚ ቤት ትምህርቲ ተጽዕኖ
ድማ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ጽላሎቱ
ከውድቕ ጀመረ።
ናይቲ ቤት ትምህርቲ ስዉር ዕላማ ዘይተረድኡ ኣቦታት ድማ ነቲ ቤት ትምህርቲ ከም ሓደ ዓቢይ ኣገዳሲ ቤት ትምህርቲ
ጌሮም ይቖጽርዎ ነበሩ። እቲ ዘሐዝን ኣብ’ቲ ሽዑ ጊዜ ብ1847 ናይ ኢስናህ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ አቡነ ሚካኤል ወዲ ጓሎም ዝኾነ መንእሰይ ዲያቆን ኣምጺኦም ሌይድነር
ንዝበሃል መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ‘ነዚ ቆልዓ እዚ ምሃረለይ’ ኢሎም ብሓደራ ኣሕሊፎም ሃብዎ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብዙሕ
ኣይጸንሐን፡ ከምቲ ዝደለናዮ ውጽኢት ኣይረኸብናሉን ብምባል ብናይ ባዕሎም ብናይ ሚስዮናውያን ውሳኔ ከም ዝዕጾን ካልእ ስልቲ ምቅይያር
ከም ዝግበርን ኮነ። እቲ ቤት ትምህርቲ ንሓጺር ጊዜ ዚጸንሐ እኳ እንተ ነበረ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ዝዘርኦ መርዚ (ክሕደት) ግን
ንነዊሕ ጊዜ ጸኒሑ እዩ። ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዚተማህሩን ብተዘዋዋሪ ተጽዕኖ ዝወደቖም ካህናት ዲያቆናትን ምእመናንን ብፕሮቴስታንታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተረጓጉማ ሕልናኦም
ተረቢሹ ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተረጓጉማ ምውህሃድ ኣቢዎም ነበረ።
ነቶም በብግዜኡ ዚለዓሉ ዝነበሩ ክርክራት
መበገሲኦም ምስ ተጻረየ ድማ እቶም ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዚተማህሩ ሰባት ምዃኖም ተረጋገጸ። ብዙሓት ግብጻውያን ምእመናን ካብታ
ናይ ቅዱስ ማርቆስ መንበር ዝኾነት ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ወጺኦም፡ ናብ ፕሮቴስታንት ኪኹብልሉ ከለዉ፡ ፍርቆም ድማ ኣብ
ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ካብ ሚስዮናውያን ዝተዋህቦም ናይ ፕሮቴስታንታዊ ተሃድሶ ሥርሖም ቀጸሉ። መናፍቓን ኣብ ናይ እስክንድርያ
ቤተ ክርስቲያን ዚኣለምዎ ተንኮል ክንድዚ ዝኣልክ ርሕቀት ምስ ተጓዕዘ፡ እቶም ብዘይ ፍላጥ መገዲ ዚጸረጉሉ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጴጥሮስ ፯ይ ብ1852 ዓ.ም ምስ ዓረፉ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ምስኦም ሓቢሩ ዓረፈ።
……ይቕጽል
No comments:
Post a Comment