….ብ1854 ዓ.ም. ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፬ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ኣብ መንበረ ማርቆስ ምስ ተቐመጡ ድማ ካልእ
ናይ ፕሮቴስታንትመሕበር ናብ ግብጺ መጸ። ናይ ኣሜሪካ ፐሪስቤተርያን ሚስዮን (American
United Presbyterian Mission) ናይ ዚተባህለ ማሕበር ሰባት ኣብ’ቲ ዘመን ኣብ ግብጺ ናይ ዚነበሮም
ተልእኾ ኣብ ዚጸሓፍሉ መጽሓፎም “ፓትርያርክ ኣብ ምሻም ውን ናትና ኢድ ኣለዎ” ክሳብ ምባል በጺሖም እዮም። እዚ ማሕበር እዚ ካብ’ቲ
ቅድሚኡ ዚነበረ ናይ ሲኤምኤስ ማሕበር ነዛ ቤተ ክርስቲያን ኪንቅይራ ኢና ከነሐድሳ ኢና ዝብል እስትራቴጂ ገዲፎም ህዝቢ ካብ ኦርቶዶክሳዊት
ቤተ ክርስቲያን ምውጻእ ኣብ ዝብል ዝዓለመ ብምንባሩ እዩ።
እቲ እቲ ማሕበር
ብ1860 ዓ/ም እዚ ናይ እምነት ትካል ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መጥቃዕቱ ኪጅምር ከሎ፡ ኣይቢስ
ዚተባህለት ጃልባ ብምግዛእ በዛ ጃልባ እዚኣ ክሳብ ላዕላይ ግብጺ ዘሎ ገጠራት ብፈለግ ኒግል ብምጉዓዝ ተልእኾኦም ይፍጽሙን ይገዝኡን ነበሩ። ናይ’ዚ ትካል ቀንዲ ኣካያዲ ሥራሕ ዚነበረ ጋሊያን ላንሲንግ ናይ ፕሮቴስታንት ሚስዮናዊ ኪኸውን ከሎ ቀንዲ ኣተኩሮኦም ዚገበሩ
ድማ ኣብ ላዕላይ ኢግብጺ ኣብ ዚነበራ ገጠራት እዩ። “ኣብ ከተማ እስክንድርያ ዝነብሩ ዚተማህሩን ኣብ ናይ መንግሥቲ ሥራሕ ዚተዋፈሩን
ኦርቶዶክሳውያን ምልዋጥ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ፡ ስለ’ዚ ካብ ነዚኦም ነቶም ድኻታታትን ዘይተማህሩን ኣብ ላዕላይ ግብጺ ዘለዉ ምእመናን
ምልዋጥ ይቐለኒ” ኢሉ ዝሓሰበ ላንሲንግ ጃልባኡ ብፈለግ ኒል እናጀለበ ናብ ላዕላይ ግብጺ ኣምርሐ። ናይ ላዕላይ ግብጺ ተቐማጦ ዘይተማህሩን
ድኻታትን እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ጉዳይ ምልዋጥ ሃይማኖቶም ግን ከምቲ
ሚስዮናዊ ዝሓሰቦ ቀለልቲ ኣይነበሩን። ብዘይካ’ቲ ኣብ እግሪ ዓይነ ሥውራን ናይ ቤተ ክርስቲያን መምህራነ ፊደል (Blind Areefs) ኮፍ
ኢሎም ናይ ኮፕቲክ ቤተ ክርስቲያን ጸሎታት ብቊልዕነቶም ዝተማህርዎ እንተ ዘይኮይኑ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበሮም
ንቤተ ክርስቲያኖም ግን ክሳዶም ዝህቡን ነቦታቶም ዝእዘዙን ነበሩ።
ላሲንግስ
ነዞም ናይ ገጠር ተቐመጥቲ “ካህን ኪጸውም ከሎ እጸውም፡ ካህን ከፋስግ
ከሎ ድማ አፋስግ ዝብሉ ዓያሹ” እናበለ ይገልጾም።
ዋላ እኳ ንሱ ከም
ዕሽነት ቆጺሩ ይላገጸሎም እምበር፡ እቶም ነበርቲ ግን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንካህናት ምኽባርን አሠረ
ፍኖቶም ምስዓብን ማዕረ ክንደይ ጠቓሚ ከም ዝኾነ ዝተረድኡ ከም ዝኾኑ ዘርእይ እዩ ኔሩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ‘ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናኾንኩምዎ
እምበር ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይቶት ኣይትኹኑ፡ እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይጽምሉ ኣክሊል ክብሪ ኪትቅበሉ ኢኹም(1ይ
ጴጥ 5፡3” ከም ዝበሎ ድማ እቶም ካህናት ኣብነት ዝኾኑን መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ናይ ክብሪ ኣኽሊል ክህቦም ዝጽበዩ እሙናት ምዃኖም
ዘርእይ እዩ።
ሚስዮናዊ ላንሲንግ ኣብታ ኣብ ላዕላይ ግብጺ ትርከብ ኣስዩት ትበሃል ከተማ ምስ በጽሐ፡ ነቲ ሊቀ ጳጳስ ኣብታ ከተማ ዚርከብ ናይ ቀለም ቤት ትምህርቲ ዕቤት ከም ዘድልዮ ኣእሚኑ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስቲያን
ዚነበረ ቤት ትምህርቲ ንናይ ኣሜሪካ ሚሽን መምህር፡ሓደ ክፍሊ ከም ዝወሃቦ ኪገብር ክኢሉ ኔሩ። እዚ ብምዃኑ ድማ እቶም ኣብታ ከተማ
ዝቕመጡ ዝነበሩ ናይ ዓይነ ስውራን ናይ ፊደል መምሃራን ቅር ኢልዎም ነበረ። እዞም ዳዊት ዘድግሙን ጸሎት ዚምህሩን ኣቦታት ብዓይኒ
ናይቶም ሚስዮናውያን ኣዝዮም ዚተናዕቁ ነበሩ። ናይ ሚስዮናውያን ጸሓፊ ነቲ ኣቦታት ዝምህርዎ ዚነበሩ ጸሎት ኣብ መጽሓፉ ኪገልጾ
ከሎ “ዝሞቱ ናይ ግብጺ ጸሎታት” እናበለ በቲ ልሙድ ሚስዮናዊ ንዕቀት ዚተመልአ ኣዘራርባ ይገልጾም ነበረ።ነቶም ናይ ከተማ ኣስዩት
ሊቀ ጳጳስ ድማ “ንምንኩስናዊ መነባብሮ ብምኽራር ዚፍለጡ” እናበለ ይገልጾም ነበረ። ነዞም ኣብ ገጠር ዚቕመጡ ኦርቶዶክሳውያን ብቐሊሉ
ኪቕይሮም እየ ኢሉ ሓሲቡ ዚነበረ ሚስዮናዊ፡ እዞም ኣብ ገጠር ዚቕመጡ ኦርቶዶክሳውያን ግን ካብ’ቶም ኣብ ከተማ ዝቕመጡ ዚተማህሩ
ኦርቶዶክሳውያን ንላዕሊ ፈተንቲ ኮንዎ። ብሃይማኖቶም ዘይጸዓቱ ብጾምን ጸሎትን ኣቐዲስካ ብምቚራብን ኣዝዮም ዝተግሁ ኮይኖም ረኸቦም።
ተኸራኺርካ ንኸተእምኖም እቶም ዘይተማህሩ ሰባት ብዝበለጸ ኣሸገርቲ ኮንዎ። ምስ ሓደ ሰፋይ ክዳን ብዛዕባ ዝገበሮ ክርክር ድማ ከም’ዚ
ብምባል ጽሒፍዎ ኔሩ “መስኪናይ ኬዴስን የዕሩኸቱን ቁርሲ ምሳና ሓቢሮም ኣይተመገቡን ነበሩ። እቲ ጉዳይ እንተጻረኹዎስ ለካ ኣብ
ጾም ስለ ዝነበሩ እዩ። ዚጾምዎ ጾም ከም’ቲ መብዛሕትኦም ናይ ምብራቕ ክርስቲያናት ዚገብርዎ ኣብ ክንዲ ናይ እንስሳ ሥጋ ኣሕምልቲ
ብምትካእ ጥራይ ኣይኮነን። ናይ ግብጻውያን ጾም’ሲ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። ንኬዴስን ኣዕሩኽቱን ንነዊሕ ሰዓታት ኣዘራረብኩዎም፡ ‘ጐይታ
(ናይ ጾም) ኣርዑት ኣይጸዓነልኩምን’ ኢለ ከእምኖም ፈተንኩ……… ንሳቶም ግን ንሥጋኦም ንምድካም ካብ ኃጢአት ንምርሓቕ ኣብቲ ኣዝዩ
ሙቐት ዘለዎ ኩነታታ ኣየር እኳ ኪጾሙ ከም ዘለዎም እዮም ዝኣምኑ!!”
ብዛዕባ ጐይታ እሰብኽ እየ ዝብል ሚስዮናዊ ነቲ ጐይታና ጸይሙ
ዘርኣየናን ‘ኪትጾሞ ከለኹም…ከም’ዚ ግበሩ፡ ከም’ዚ ድማ ኣይትግበሩ’ ኢሉ ዝመሃረና ጾም ከም ኃጢአት ቆጺሩ ብዘይምስትውዓል እኳ
እንተ ነዓቖም፡ እቶም ኣብ ገጠር ዝቕመጡ ዚነበሩ ግብጻውያን ክርስቲያን ግን በቲ ጭዋ ዝኾነ ቃላቶም ናይ ጾም ጥቕሚ ኣረዲኦሞ እዮም።
በቲ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ዚደለዮ ውጽኢት ከምጽእ ዘይከኣለ ሚስዮናዊ፡ ናይ’ታ ቤተ ክርስቲያን ምምሕዳራዊ ጉድለታት ተጠቒሙ ንምእመናን
ክህውኽ ጀመረ። ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስቲያን ዚመሓደሩ ናይ ቀለም ኣብያተ ትምህርታት፡ ብሞያኦም ብቊኣት ዝኾኑ እኹላት
መምሃራን ብዘይምምዳቦም በዚ ምኽንያት ሕዝቢ ኣብ ኣመራርሓ ናይ ቅዱስ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ኣመራርሓ ቅሬታ ስለ
ዝነበሮም ነቶም ሚስዮናውያን ምቹእ ኩነታት ፈጠረሎም። እቲ ሕዝቢ ብደረጃ ናይ’ቶም ኣብያተ ትምህርታት ስለ ዘይተሓጎሰ ውን ንደቁ
ናብ ናይ ፕሮቴስታንት ሚሽን ኣብያተ ትምህርታት ንኽልእኽ ኣገዲድዎ ነበረ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ኩነታት እዚ ድማ ኣብ ካይሮ ንዝሥራሕ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ካብ ምእመናን ገንዘብ ዘዋፅኡ
ተወከልቲ ብቅዱስ ፓትርያርክ ተወኪሎም ናብ’ታ ገጠር ናብ ላዕላይ ግብጺ ተዋፈሩ። ኣቐዲሙ ውን ኣብ ምጉርምራም ዚነበረ ሕዝቢ ‘ገንዘብ
ሃብ’ ምስ ተባህለ መሊሱ ተቖጥዐ። እዚ ከነታት እዚ ድማ ነቲ ሚስዮናዊ መርዓ ከነሉ “ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተፈጥረለይ፡ እቶም
ፓትርያርክ ኣብ ካይሮ ንቤተ ክርስቲያን መሥርሒ ዝኸውን ገንዘብ ዝእክቡ ሰባት ለኣኹ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ነዘ ፈጺሙ ኣይተቐበሎን ኔሩ፡
ስለ’ዚ ነቲ ናይ ገጠር ሕዝቢ ከም’ዚ እናበልኩ ኪዛረቦ ጀመርኩ ‘ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ካብ ካይሮ እናመጻኹ ከለኹ ከም ዝሰማዕክዎ
ቅዱስ ፓትርያርክ 25 ሺሕ ፓውንድ ዝዋግኡ ነታ ቤተ ክርስቲያን ዚኸውን ሥእሊ ካብ ኤውሮጳ ኣዚዞም ኣለዉ’ በልክዎም፡ ናይ ሰብ ጠባይ መቸም ኵሉ ጊዜ ኣብ ኵሉን ሓደ እዩ።ጉዳይ ጁባኦም ስለ ዝኾነ ኵላቶም ልቦም ከፊቶም ይሰምዑኒ ነበሩ”።
ንናይ ቤተ ክርስቲያን ምምሕዳራዊ ጉድለት
ተጠቒምካ ንኣቦታት ምውራድነ ምስ ምእመናን ምርጻምን ናይ መናፍቓን ልሙድ ተንኮል ምዃኑ ካብ’ዚ ኪንርዳእ ንኽእል። ንብዙሕ ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ፕሮቴስታንታዊ ተሐድሶ ምንቅስቓስ መንገዱ እናቐያየረ
ንናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ከም’ዚ ጌሩ ክሓማምሳ ጸንሐ። ኣብ ውሽጢ’ታ ቤተ ክርስቲያን ተሰግሲጎም ካብ ኣሜሪካን ካብ ኤውሮጳን፡ዝለኣኽ ገንዘብ እናተቐበሉ ክሕደት ዝዘርኡ ዚነበሩ
መናፍቓን ቀስ ብቕስ እናወጹ መጹ።
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ 4ይን ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታትን ዋላ እኳ
ደንጉዮም እንተኾኑ ነዚ ትንኮል እናፈለጥዎ ስለ ዝመጹ ነቶም ኣብ ውሽጢ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ፕሮቴስታንታዊ
ትምህርቲ ዚሠርሑ መፍቀርያነ መናፍቃን ከወግዝዎም ጀመሩ። እቲ ኣብ ናይ አቡነ ቄርሎስ ዘመነ ፕትርክና ዚተመሃላለፈ፡ናይ መጀመርያ
ውግዘት ድማ ኣብ ልዕሊ “ቢሾይ” ዝተባህለ መነኮስ እዩ ኔሩ። እዚ መነኮስ እዚ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ክሕደት ክዘርእ ድሕሪ ምጽናሕ፡
ናይ ምንኩስና ቃል ኪዳኑ ኣፍሪሱ ሰበይቲ ብምእታው ከይረፈደ ዝሓረረ ዕምበባ ኮይኑ ተረፈ። በዚ ምኽንያት ተወጊዙ ተፈልየ። ብተመሳሳሊ
ውን ኣብ ሃገርና ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ሊቀ ጳጳስ ንዝነበሩ (ምናልባት አቡነ ሰላማ ሣልሳዊ) ረድኢ ኮይኑ ንሸውዓተ ዓመታት
ዘገልገለ፡ ኣባ ሚካኤል ዚተባህለመነኮስ ናብ ግብጺ ምስ ተመለሰ ኣብ ኢድ እቶም ንፕሮቴስታንታዊ ተሃድሶ ዘቀላጥፉ ወዲቑ ነበረ።
ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤተ መቕደስ ናይ መናፍቓን ትምህርቲ ብድፍረት ኪምህር ስለ ዝጀመረ ድማ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተወጊዙ ተፈልየ።…ይቕጽል
No comments:
Post a Comment