ቅዱስ ጳውሎስ ንቆላስዮስ ሰባት ኣብ ዚለኣኸሉ መልእኽቱ ምዕራፍ 4:12 ንዘሎ ሃይለ ቃል ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ዚተርጎመሉ መበል 12 ድርሳኑ፡ ኣብ ዘምኑ ይፍጽም ንዝንበረ ናይ መርዓ ሥነ ሥርዓት መሰረት ብምግባር፡ መርዓ ብዝምልከት ስፍሕ ዚበለ ትምህርቲ ሂቡ እዩ።
ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ነቶም ብምኽንያት መርዓ ዚወጽኡ ወጻኢታትን ዳንኬራታትን ኣጽኒዑ ዚቃወም ኣቦ እዩ። በዚ ጽሑፍ`ዚ ድማ ነዚ ከነስትውዕል ንኽእል ኢና። ሓዳር እንታይ እዩ? ምርኢት (ድራማ) ድዩ? ኣይኮነን። ዋላ እኳ ንስኻትኩም ንሓዳርን ንምሳሌኡን ኣኽብሮት እንተዘይብልኩም፡ ሓዳር ግሩም ምስጢርን ናይ ዓቢይ መንፈሳዊ ምሥጢር ምሳሌን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ`ዚ ኪምህር ከሎ፡ `እዚ ምሥጢር እዚ ዓቢይ እዩ` ይብል`ሞ ደጊሙ ውን ` ኣነ ግን ብክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን እምስሎ ኣለኹ` ይብል።(ኤፌ 5፡32) መርዓ ናይ ክርስቶስን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ምሳሌ እዩ። ኣብ`ዚ ከም`ዚ ዚበለ ክቡር ምሥጢር ዳንኬርኛታት (ደረፍቲ) ብምግባዝ ዶ ንዝሙት ከተላልዩ ይግባእ እዩ? እንተ ኾነ ግን ሓደ ካባኻትኩም `ከም`ዚ ኪትብል ከለኻ ደናግል ወይ ዚተመርዓዉ ኣይሳዕስዑ ማለትካ ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑስ ንሳቶም ኣብ`ዚ መርዓ`ዚ ዘይሳዕስዑ ድኣ መን ኪስዕስዕ እዩ? ኢሉ ኪሓተኒ ይኽእል እዩ። ናተይ መልሲ ግና ዋላ ሓደ ሰብ ኣይሳዕስዕ ዚብል እዩ። ኣብ ወገን ኣሕዛብ ኣብ ከም`ዚ ዚኣመስለ ሥርዓታቶም ዳንኬረኛታት (ደረፍቲ) ዳንኬራታት (ደርፍታት) የቕርቡ እዩ። ኣባና ግን ዚኾነ ዓይነት ምሥጢራት ኪፍጸሙ ከለዉ ብጸጥታን ብትሕትናን ብሰናይ ሥነ ምግባርን ከምኡ ውን ብጽቡቕ ሥነ ሥርዓት እዩ። እዚ ናይ መርዓ ሥነ ሥርዓት ኣመንዝራታትን እግዚአብሔር ዘይፈርሑን (ደረፍትን ሳዕሳዕትን) እንተተጋቢዞምሉ፡ ከመይ ኢልና ኢና መንፈሳዊ መርዓ ኢልና ኪንጽውዖ ንኽእል? ከም`ዚ እንተኾይኑ ደኣ ከመይ ጌርካ እዩ እቶም ክልተ ኣካላት ሓደ ኮይኖም ኪበሃል ዝከኣል? ክርስቶስ ኣብ ዚተረኽበሉ መርዓ ግን ዳንኬራ የለን ናይ እምብልታ ድምጺ ውን ኣይስማዕን እዩ። እንተኾነ ግን ግሩም ዚኾነ ጸጥታ ዚሰፈኖ፡ ብዓቢይ መንፈሳዊ ሥርዓት ዚፍጸም እዩ። በዚ ሥርዓት`ዚ ሓደ ኣካል ናብ ምዃን ኪመጹ ከለዉ፡ ሓድነቶም ሕይወት ኣልባ ፍጥረታት (ሕይወት ዘይብሎም ፍጥረታት) ከም ዘለዎም ሓድነት፡ ወይ በዚ ምድሪ ዚርአ ዓይነት ሓድነት ኣይኮነን።
እንተ ኾነ ግን ናይ እግዚአብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ኮይኖም ሓደ ይኾኑ። እዚ ዓቢይ ዚኾነ ምሥጢር ኣብ ዚፍጸመሉ ቦታ፡ ከም ኣራዊት ዓቢይ ህውከትን ረበሻን ከምኡ ውን ንነፍሲ ዘርስሑ ካልኦት ዓበይቲ በደላት ይፍጸሙ። ክልቲኦም ሓደ ኣካል ብምዃኖም ኣብኡ ዘሎ ናይ ፍቕሪ ምሥጢር ኣስተውዕል፡ እዞም ክልተ ኣካላት ክልተነቶም ሒዞም ዚቕጽሉ እንተኾይኖም ኪባዝሑ ኣይክእሉን እዮም። እንተ ኾነ ግን ሓደ ናብ ምዃን ኪመጹ ከለዉ ይበዝሑ። ካብ`ዚ እንታይ ኢና ንመሃር? ናይ ሓዳር ዓቢይ ክብሪ ዶ ኣይኮንናን ንመሃር? ሥላሴ ኣብ መጀምርያ ኣብ ዚገበርዎ ባይቶ፡ ነዞም ክልተ ኣካላት ሓደ ጌሮም ፈጥርዎም። ስሞም ድማ ሰብ በልዎም። ድሓር ድማ ነዞም ሓደ ጌሮም ዚፈጠርዎም ኣካላት ክልተ ብምግባር ገለጾ።
ዋላ እኳ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ክልተ እንተኾኑ፡ ናይ እግዚአብሔር ፍቓድ ግን ሓደ ኪኾኑ ስለ ዝነበረ መሊሱ ብሓዳር ሓደ ገበሮም። ናቱ ፍቓድ ንኽግለጽ ውን ሓደ ንበይኑ ኣምሳሉ ንምውላድ ብቑዕ ከም ዚኸውን ኣይገበሮን። ስለ`ዚ ምስ`ቲ ተቓራኒ ኣካል ሓድነት ንዘይመስረተ ሰብ ሓደ ኣካል ዚበሃል መጸውዒ ኣይወሃቦን እዩ። እንተ ኾነ ግን ናይ`ቲ ካልእ ፍርቂ ኣካል ይበሃል። ነዚ ምስክሩ ድማ ንበይኑ ውሉድ ምውላድ ዘይምኽኣሉ እዩ።
እዚ ሥርዓት`ዚ እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ዚሠርዖ ሥርዓት እዩ። ነዚ ናይ ቃል ኪዳን ምሥጢር ኣስተውዒልኩምሉ ዶ? ኣቐዲሙ ሓደ ጌሩ ፈጠሮም ድሒሩ ደማ ነጻጸሎም፡ ደጊሙ ድማ ነዞም ክልተ ዚነበሩ ወገናት ናብ ሓድነት ኣምጽኦም። ከም`ዚ ጌሩ ስለ ዚሠርሖ፡ ሰብ ብሓዳር ሓደ ካብ ዚኾኑ ወገናት ከም ዚፍጠር ኮነ። ሰብኣይን ሰብይትን ክልተ ኣካል ዘይኮኑስ ሓደ ኣካል እዮም። እዚ ብብዙሕ መረዳእታት ምርግጋጽ ይከኣል እዩ። ብያዕቆብ ወይ ድማ ብኣደ ጎይታናን መድሓኒናን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ወይ ድማ እግዚአብሔር ሰብ ኪፈጥር ከሎ፡ `ሰብ ብመልክዕናን ብምስልናን` ንፍጠር ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም (ዘፍ 1፡27-28) ብዚብል ቃሉ ምርግጋጽ ይከኣል። ሰብኣይ ርእሲ እንተኾይኑ ሰበይቲ ድማ ዚተረፈ ኣካሉ ትኸውን። ስል`ዚ ሓደ ናይ ደቀ መዝሙርነት መዓርግ ኪህልዎ ከሎ ሓደ ድማ ናይ መምህርነት ቦታ ይሕዝ። ሓደ መራሒ ኪኸውን ከሎ እቲ ካልእ ድማ ተኣዛዚ ይኸውን። ሔዋን ካብ ጎኒ ኣዳም ትረኸብ እምበር ንድሕሪት ምልስ ኢልና ናታ ልደት ምስ ንምርምር ኣብ ሓደ ኣካል ከም ዚነበሩ ኢና ነስተውዓል። በዚ ምኽንያት ሓደ ኣካል ከም ዚኾኑ ንምርዳእ ክብል እግዚአብሔር ነታ ሰበይቲ ደጋፊት በላ ዘፍ 2፡18። ንሱ እግዚአብሔ ኣምላኽ ብሓድነት ካብ ምምባሮምን ኣቦን ኣደን ካብ ምዃንን ብዝበለጸ ሓደ ኣካል ብምግባር ኣኽበሮም።(ዘፍ 2፡24) ……ይቕጽል
No comments:
Post a Comment