bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Tuesday, 23 August 2016

ታሪኽ ናይ ተሃድሶ 4ይ ክፋል


ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ካብ ተሐድሶ ብኸመይ ተላቐቐት?

እዚ ብዛዕባ ተሃደሶ ኣብ ግብጺ ዘካየድዎ ምንቅስቓሳትን ዘውረድዎ ጉድኣታትን ብኸመይ ከም ዝተሳዕሩን ዚገልጽ ታሪኽ ግብጻውያን ኣቦታት ባዕላቶም ካብ ዚጸሓፍዎ ጽሑፍ ዝተረኸበ እዩ ሰናይ ምክትታል።

እቲ ጊዜ ብናይ ምዕራባውያን ኣቆጻጽራ መበል 18 ክፍለ ዘመን እዩ ኔሩ። ንሓደ ተልእኾ ዚተላዕሉ ሞራቪያወያን (ዜጋታት ናይ ቼከ ሪፓብሊክ) ዝኾኑ ፕሮቴስታንት ሚስዮናውያን ናብ ግብጺ ኣተዉ። ጐይታና ምስ ወላዲቱ ናብ ዚተሰደደላ ብፈጣን ደመና ተጻዒኑ እናበረረ ናብ ዚበጸሓላ፡ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ናብ ዝመሃረላ ናብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ “ጐይታ ኪንሰብኽ ኢና” ኢሎም ዘመቱ። ናይ’ዞም ሚስዮናውያን ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ንዝሓለፉ 200 ዓመታት ይነድድን ይዝሕልን ንዝነበረ ንናይ ፕሮቴስታንታዊ ተሓድሶ ተንኮል መበገሲ ነበረ። ሚስዮናውያን ብዝኣምንዎ እምነት ንግብጻውያን ንምምራኽን “ነፍሳት ንምድሓን” ብዝብል ናይ ተልእኾ ስምዒት ምምጽኦም ብጽቡቕ ዓይኒ ዝርአ እኳ እንተ ኾነ፡ ኣተኩሮኦም ካብ ሕዝቢ ግብጺ 90 ሚእታዊት ብወልደ እግዚአብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዘይኣምን ናይ ሙስሊም ሕብረተ ሰብ ዘይኮነስ፡ ናብታ ብወንጌላዊ ማርቆስ ወንጌል ዚተሰብከላን ካብ ሕዝቢ ግብጺ 10 ሚእታዊት ጥራይ  ንትሽፍን ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን እዩ  ኔሩ።

 ነቲ ወንጌል ዚፈልጥ ሕዝቢ ወንጌል ንምምሃር (Evangalizing the evangalised)  ዚተላዕሉ  የፕሮቴስታንት ሚስዮናውያን ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ዚነበሮም ካብ መጠን ዚሓለፈ ንዕቀት መግለጺኦም ነበረ። ብዛዕባ ተልእኾኦም ኣብ ዚጽሕፍዎም መጻሕፍቲ ነታ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያንን ንምእመናናን ንዕቀት ብዝመልኦ ቋንቋ እዮም ዚገልጽዎም ኔሮም። “ወንጌል ዘይተሰበኸሎም፡ ልቦም ከም እምኒ ዘተረረ፡ ንክርስቶስ ወዲ ማርያም ከም ዚኾነ ድኣ ኢፈልጥዎ እምበር፡ ብዛዕባ ብጸጋ ምድሓን ዘይፈልጡ፡ ካብ ናይ መሓመድ ተኸተልቲ (ካብ ሙስሊም) ብዋላ ሓንቲ ዘይሕሹ፡ ኣብ ውሽጢ ፒራሚድ ብመሚ ደሪቖም ካብ ዚተቐበሩ ናይ ፈርኦናውያን ሬሳ ዘይሕሹ” ዝብሉ ጸርፍታት ኣብ ፈቐዶ መጻሕፍቶም ይንበቡ ነበሩ።
ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተሃድሶ ዘመታ ብወግዒ ዚተጀመረ ግን ብ1820ን ቸርች ሚሽን ሶሳይቲ (ሲኤምኤስ) ዚበሃል ናይ እንግልሊዝ ፕሮቴስታንት ማሕበር ናብ ግብጺ ኣብ ዚመጸሉ እዩ ኔሩ።

አንግሊካናውያን ሥርሖም ኣብ’ቲ ሽዑ ጊዜ ኣብ ናይ እስክንድርያ መንበር ፓትርያርክ ምስ ዚነበሩ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጴጥሮስን (ብናይ ግብጻውያን ኣጸዋውዓ ድማ  ፖፕ ቡትሮስን) ብምዝርራብ እዩ ኔሩ።  ኣብ’ታ ሃገር ዝወሓደ ቊጽሪ ዘለዎም ምእመናን ዝሕልዉ ፓትርያርክ ድማ ናይ እንግሊዛውያን ናብ መንበረ ማርቆስ ናይ ምምጻእ ተንኮል ኣይተረድእዎን ነበሩ። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ እንግሊዝ ቤተ ክርስቲያን ትህቦ ዝኾነ ዓይነት ደገፍ ኪንቅበል ኢና ኪብሉ ተሰምዑ። ንጥቕሚ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቋንቋ ኮፕት ናብ ቋንቋ ዓረብ ብሚስዮናውያን ንኽትርጎምን ክሕተምን ተሰማምዑ። ናይ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ 7ይ ጽቡቕ ኣቀባብላ ዘሐጎሶም ናይ ሲኤምኤስ ሚስዮናውያን ኣቐዲሞም ካብ ዚሓሰብዎ ንላዕሊ ኪሠርሕሉ ዚኽእሉ ዕድላት ከም ዘሎ ተረዲኦም ስልታዊ መደቦም ኪውጥኑ ጀመሩ። ብዕድመ ዚበሰሉ ኦርቶዶክሳውያን ናብ ፕሮቴስታንት ምልዋጥ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምዃኑ ካብ ተመኩሮኦም ስለ ዚተማህሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዕድመ ዘይበሰሉ ሕፃናትን መንእሰያትን ኣተኵሮም ንኽሠርሑ ኣብ መደምደምታ በጽሑ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ ዚተመረጸ ስልቲ ድማ ቤት ትምህርቲ ምኽፋት እዩ ኔሩ። ነዚ ሓሳብ እዚ እቶም ፓትርያርክ ተቐቢሎም “ነታ ናይ ጽባሕ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ካህናት ዚኾኑ መንእሰያት ዘሰልጥን ቤት ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ናይ እንግሊዝ ቤተ ክርስቲያን ኪምሥረተልና ንደሊ ኣለና” ዝብል ደብዳቤ ነቲ ናይ አንግሊካን ጳጳስ ጽሒፎም ሰደድሉ። እዚ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ደቀይ ኣሰልጥኑለይ ኢላ ንመናፍቓን ትህበሉ ቤት ትምህርቲ ካብ ኣመሠራርታኡ ጀሚሩ ብሚስዮናውያን ዚተጸንዐን ዚተሓሰበሉን እዩ ኔሩ። ኣጀማምራኡ ውን ክልተ ቀንዲ ዕላማታት ብምሓዝ እዩ ኔሩ።
ናይ መጀመርያ ዕላማ ናብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዚኣትዉ ሕፃናትን ኣብኡ ዝዓብዩ ዲያቆናትን ናይ ፕሮቴስታንት ትምህርቲ ተማሂሮም ናይ ቅስና ማዕርግ ምስ ተቐበሉ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊ ዘይኮነ ናይ ፕሮቴስታንት ትምህርቲ ንኽምህሩ እዩ ኔሩ።
ነዚ ምግባር እንተ ዘይተኻኢሉ ዚተሓሰበ ካልእ ዕላማ ድማ ምሉእ ብምሉእ ናብ ፕሮቴስታንት ተለዊጦም ካብታ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ጠቕሊሎም ከም ዝወጹን ኣብ ውሽጢ ግብጺ ናይ ፕሮቴስታንት ማሕበር ንኽምሥርቱ ዝብል እዩ ኔሩ።……..ይቕጽል


No comments:

Post a Comment