በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ዕርገት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም
ዕርገት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም
ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እግሪ መስቀል ብሓደራ ዝተቐበለ ን 15 ዓመታት ምስኣ ዝነበረ ኣብ 64 ዕድሚኣ ዝነበረ ዕረፍታን ፍልሰታን ትንሣኤኣን ዕርገታን ብዓይኑ ዚረኣየ ቅዱስ ዮሐንስ፡ ነታ ንኣምላኽ ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህፀና ንምስካም ዚበቕዐት ናይ ኣምላኽ ታቦት ድሕሪ ምዕራጋ ኣብ ሰማያት ዘለዋ ዓብን ፍጹምን ዝኾነ ክብሪ ኣብ (ራእይ 11፡19) “ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ተኸፍተ ኣብታ መቕደሱ ውን ታቦት ተራእየ” ድሕሪ ምባሉ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “እታ ንኹሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ክጓስዮም ዘለዎ ወዲ ዝወለደት ንሳ ኣብ ሰማይ ፀሓይ ተጎናጺፋ ወርሒ ድማ ኣብ ትሕቲ እግራ ዝኾነላ፡ ዓሠርተ ክልተ ከዋኽብቲ ኣኽሊል ዝኾነላ ከም ዝረኣየ ዮሐንስ ጽሒፉ ኣሎ። ዮሐንስ ናይታ ናይ ኣምላኽ ታቦት ዝኾነት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታን ኣብ ሰማይ ዘለዋ ክብርን ርእዩ “ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ተኸፊተ ኣብታ መቕደሱ ውን ታቦት ተራእየ” ብምባል ኪጽሕፍ ከሎ ሃብተ ትንቢት ዚተዋህቦ ዳዊት ድማ ኣብ መዝ 132፡8 “ኦ እግዚአብሔር ንስኻን ታቦት መቕደስካን ተንሥእ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ” ብምባል፡ ክብሪ ንዕኡ ይኹን ወዳ ብሥልጣኑ ንሞት ስዒሩ ተንሢኡ ናብቲ ንቕጽበት ዓይኒ ውን ትኹን ዘይተፈልዮ ናብ ዙፋኑ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ፡ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸና ዝጸረቶ ታቦቱ ድንግል ማርያም ውን ብሥልጣን ናይ ወዳ ተንሢኣ ብኽብሪ ናብ ሰማይ ከም እትዓርግ ትንቢት ተዛሪቡ ኢዩ።
ቅዱስያዕቆብ ዘሥሩግ ዝተባህል ሊቅ ውን ብምሥጢር ብምርቓቕ ዮሐንን ክብራ ኣብ ሰማይ ዝተመልከተላ ዳዊት ዕርገታ ዝመስከረላ ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም “ብምሥጢር ዝተመልአት ታቦት፡ ኣማናዊት ታቦት፡ እሳት ዝተመልአት ታቦት፡ ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት” ብምባል እንዳኣብርሀ ተዛሪቡ ኢዩ።
እዚ ቅዱስ ኣቦ ንድንግል ምሥጢር ዝተመልአት ታቦት ክብል ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ ብናይዛ ታቦት ምሳሌነት ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምሥጢር ብሓቂ ዚተፈልጠላ ስለ ዝኾነት ኢዩ። ደጊሙ ውን ብምሥጢር ዝተመልአት ታቦት ማለቱ ኣደነት ምስ ድንግልና ድንግልና ምስ ኣደነት ኣዛሚዳ ዝሓዘት፡ ዘርኢ ሰብኣይ ዘይወደቓ፡ ኢድ ሰብ ዘይዳህሰሳ፡ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይውስንዎ ጐይታ ብዘይምርመር ድንግልና ኣብ ማሕፀና ዝኸኣለት ፍሉይ ምሥጢር ዝተረድአትን ብምሥጢር ዝተኸበበት ምሥጢረ ዕርገታ ዝንገረላ ናይ ምሥጢር ታቦት ስለ ዝኾነት ኢዩ።
ቅዱስ ያዕቆብ ነዚ ክገልጽ እንከሎ “....” ድንግል ብምሥጢር ዝተመልአ ታቦት ኮይና ትነብር ኣላ፡ ናይ ካህናት ወገን ደስ ይብሎም የኽብርዋ ድማ” ብምባል ምሥጢራዊ ታቦትነታ ኣጕሊሑ ተዛሪቡ ኢዩ።
ደጊሙ ውን እዚ ሊቅ ነቲ እሳተ መለኮት ዝኾነ ጐይታ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ኣብ ማሕፀና ዝተሸከመት ብምዃና “እሳት ዝተመልአት ታቦት ብምባል ገሊጽዋ እዩ። እዚ ውን ኪሩቤልን ሱራፌልን ንዕኡ ካብ ምፍራህ ዝተላዕለ ብኽልተ ኣኽናፎም ገጾም ሸፊኖም ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ሸፊኖም ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምሉ እሳተ መለኮት ዝኾነ ጐይታ ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ኣብ ማሕፀና ዚጸወረት ናይታ ኣማናዊት ታቦት ዝኾነት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገር ንብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ኣደኒቑ እዩ።
ቅዱስያእቆብ ዘሥሩግ ብሥልጣን ናይ ወዳ ካብ ሞት ተንሢኣ ናይ ዝዓረገት ታቦት ኣምላኽ ናይ ዝኾነት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገር ኪገልጽ ከሎ “They looked on her...”ናይ እግዚአብሔር መንበሪ ኢሎም ይምልከትዋ፡ ኣባታቶም እሳት ዝተሰከመት ታቦት ጌሮም የኽብርዋ” ብምባል ምሂሩ እዩ። ብሣልሳይ ደረጃ እዚ ሊቅ ብምሥጢር ብምርቓቕ ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት ብምባል ዘመስገነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብኣጻብዕቲ እግዚአብሔር ዝተጻሕፉ ዓሠርተ ቃላት ዘለዎም ጽላት ኣብታ ታቦት ይቕመጡ ነበሩ። (ዕብ 9፡3-5) ኣብ ዘመነ ሓድሽ ውን እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣካላዊ ቃል ኣብ ማሕፀና ዝተሰከመት ማህደረ ቃለ ኣብ ኣማናዊት ታቦት ብምዃና እዚ ስያሜ እዚ ክህባ ክኢሉ። ፍቊረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ ውን ኣብ ወንጌሉ ናይ ክርስቶስ ነገረ ተዋሕዶ ኪገልጽ ከሎ “ቃል ሥጋ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ድማ ኣባና ሓደረ” (ዮሐ 1፡14) ኢሉ ከም ዝመስከረ ኣካላዊ ቃል ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ብምዃኑ ናይ እግዚአብሔር ቃል ኣብ ልዕሊኣ ካብ ዝተቐመጣ ታቦት ንላዕሊ ናይቲ ኣካላዊ ቃል ጐይታ ኣዲኡ ዝኾነት ናይ ኣማናዊት ታቦት ድንግል ማርያም ክብሪ ኣዝዩ ከም ዝዓቢ ክገልጽ እንከሎ “she was carried as an ark full of scriptur...” ናይ ቅዱስ ቃል ታቦት (መሕደሪት) ኮነት፡ ናይ ምሥጢራት ትርጉም ነብያት ዝተዛረብሉ ኣብኣ ስለ ዝሓደረ በዚ ድማ ክብራ ካብቲ ናይ ጠረጴዛ ክብሪ ንላዕሊ እዩ። ብዘደንቕ ክብሪ ኣኽቢርዋ እዩ” ብምባል ዮሐንስ ኣብ ሰማይ ዝረኣያ ናይ ኣማናዊት ታቦት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክብሪ ተዛሪቡ እዩ።
v
ብዛዕባ
ቅድስት ድንግል ማርያም
ናይ ኣምላኽ ታቦትነት
ናይ ጥንቲ ኣቦታት
ምስክርነት
v
ንኣምላኽ 9 ወርሕን 5 መዓልትን ኣብ ከርሳ ዚጸወርት ብነሐሰ 16 ብናይ ወዳ ሥልጣን ካብ ሞት ተንሢኣ ናብ ሰማይ ዝዓረገት ዮሐንስ ዝረኣያ ኣብ ሰማይ እትርከብ ናይ ኣማናዊት መቕደስ ናይ ቅድስት ድንግል ታቦትነት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዕሙቕ ብዝበለ ብሰፊሑ ምሂሮም እዮም። ካብቲ ብዙሕ ንምስክርነት ዝኸውን ወሑድ ናይ ኣቦታት ሊቃውንት ትምህርቲ ነቕርብ።
ንኣምላኽ 9 ወርሕን 5 መዓልትን ኣብ ከርሳ ዚጸወርት ብነሐሰ 16 ብናይ ወዳ ሥልጣን ካብ ሞት ተንሢኣ ናብ ሰማይ ዝዓረገት ዮሐንስ ዝረኣያ ኣብ ሰማይ እትርከብ ናይ ኣማናዊት መቕደስ ናይ ቅድስት ድንግል ታቦትነት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዕሙቕ ብዝበለ ብሰፊሑ ምሂሮም እዮም። ካብቲ ብዙሕ ንምስክርነት ዝኸውን ወሑድ ናይ ኣቦታት ሊቃውንት ትምህርቲ ነቕርብ።
“በቲ ጊዜ ሓቅነቱ (ምሥጢሩ) ንኽፍለጥ ካብታ ድንግል መድኃኒ ኣካላዊ ቃል፡ ብውሽጥን ብደገን ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዘጌጸት ታቦት ብሥጋ ተገሊጹ ናብዚ ዓለም መጸ። እታ ታቦት ተገልጸት... ንሞት ዝስዕረሉ ታቦት ተወሃሂዱ ውን (እቲ ዘድኅን) መድኃኒት ናብዚ ዓለም መጸ። እዚ ውን ክቡር ሰብነቱ እዩ። (ቅዱስ ሂፖሊተስ 170-236 ዓ.ም)
“ብውሽጥን ብደገን ኣጊጻ አትርአ ዓለም ብምልእታ እትቕደሰሉ መዝገብ ዝተሸከመት ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል እያ። ኦ ጐይታ ካብቲ ቀዳማይ ኣቦና (ኣዳም) ዝተላዕለ ዝወደቐ ነገድና ንኸተተንሥእ ካብ ሕቚፊ ኣቦኻ ተንሥእ!... ኣብሣሪ መልኣኽ ሒዝዎ ዝመጸ መልእኽቲ ከምዚ ዝብል ነበረ፡ ነቲ ዝጠፍአ ኣዳም ንኽደሊ ፍቕሪ ገደደኒ ስለ’ዚ ኪወርድ እየ፡ ኣቐዲሙ ብመልክዐይ ዝተፈጥረ ኣዳም ብኃጢኣት ነቲ ሥራሕ ኣእዳወይ ኣበላሽይዎ እዩ’ሞ፡ ኣብ ውሽጡ ዚነበረ ሓቀኛ መልክዐይ ውን ኣደብዚዝዎ እዩ እሞ ኪወርድ እየ። ስለ’ዚ ነዚ መልእኽቲ ሒዝካ ናብ ድንግል ማርያም ኪድ። እቲ ነቢይ “ኣንቲ ናይ እግዚአብሔር ከተማ ብዛዕባኺ ዝተነግረ ነገር ድንቂ እዩ ኢሉ ናብ ዝተነበየላ ናብታ እትዛረብ ከተማ (መዝ 87፡3) ናብታ ለባዊት ገነት፡ ናብታ ምብራቓዊት ኣፍ ደገ (ሕዝ 44፡2) ናይ ምባል ዝግበኣ ናብ ዝኾነት ናብታ ኣብ ምድሪ ዘላ ሰማይ ናብታ ብርህቲ ደመና ኪድ፡ ኬድካ ውን ከም ዝመጽእ ንገራ፡ ብኵነት ንኽሓድራ ኢለ ናብ ዘዳለኽዋ መቕደስ፡ ናብ ናይ ተዋሕዶ ኣዳራሽ፡ ብሠረጋ ንኽውለደላ ናብ ዝመረጽክዋ ንጽሕቲ ድንኳን ነዚ መልእኽቲ ሒዝካ ኪድ። ንዓይ ንምቕባል ንኽትዳሎ ናብታ ለባዊት ታቦት ኬድካ ኣብ እዝና ደስ ይበልኪ በላ። ንኸይተሰንብዳን ንኸይተቖጥዓን ግና ተጠንቀቕ። ኣቐዲምካ ደስ ብዘብል ሰላምታ ሰላም ንዓኺ ይኹን በላ፡ ቀጺልካ ድማ መንነትካ ግለጸላ” (ቅዱስ ጎርጎሬዎስ 213-270 ዓ.ም)
ኦ ንጐይታ ድሕሪ ምውላድኪ ውን ዘለዓለማዊት ድንግል ዝኾንኪ ድንግል! ኦ ጸጋ ዝተመላእኪ ስምዕኒ! ተቐዲሑ ካብ ዘይውዳእ ጸጋኺ መታን ኪንባረኽ ነዞም ዘይጠቕሙ ቃላትና ከም ቁምነገር ቈጺርኪ ተቐበልልና። ካብ ውሽጢ ልቦናና ከም ዝወጹን ክብርኺ ንምምስጋን ዝበቕዑ ከም ዝኾኑ ጌርኪ ተቐበልልና። ኦ ጸጋ ዝተመላእኪ እመቤትና ንግሥትና ኣዴናን ወላዲት ኣምላኽናን፡ ዓለም ብምልኡ ዝቕደሰሉ መዝገብ ዝተሸከምኪ ሓቀኛ ኣማናዊት ታቦት፡ ካብ ዘረባና ሓንቲ ጽብቕቲ ነገር እንተረኸብኪ ብምባል ኵልና ፍጥረታት ኣምኃ ዝማሬና ነቕርበልኪ ኣለና.... “ኦ ድንግል! ብሓቂ ንስኺ ካብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ዝለዓልኪ ኢኺ፡ ኦ ማኅደረ ቃለ አብ! ምሳኺ ኪመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ኦ ድንግል ምሰየናይ ፍጥረት’ሞ ከወዳድረኪ እየ? ንስኺ ካብቲ ኣቐዲሙ ብወርቂ ዘጌጸ ናይ ወርቂ ታቦት ንላዕሊ ብንጽሕና ዘጋየጽኪ ክብርቲ ኢኺ። ሓቀኛ መና ዝተሸከምኪ ናይ ወርቂ ሞሰብ ንስኺ ኢኺ። መና ዝተባህለ ውን መለኮት ዝተዋሓዶ ሥጋኡ እዩ” (ቅዱስ ኣትናቴዎስ 295-375 ዓ.ም)
ብርግጽ ውን እታ ታቦት ድንግል ወላዲተ ኣምላክ እያ። ኣቤቱ ኦ ጐይታ ንዓኻ ዕንቊ እንተመሰልናካ ንድንግል ድማ ነባቢት ታቦት ንብላ። ኣማናዊ ፀሓይ ንስኻ ኢኻ’ሞ ድንግል ድማ ሰማይ ንብላ፡ ዘይትጽምሉ ጽጌ ንስኻ ኢኻ፤ሞ ብዘይ ጥርጥር ድንግል ምብስባስ ዘይብላ ጨንፈር ብድጋሜ ውን ሞት ዘይሥልጥነላ ገነት ንብላ፡ ኢሳይያስ ውን ብመንፈስ ቅዱስ ተቓንዩ ካብ ርሑቕ ምስ ረኣያ፡ እነሆ ድንግል ብድንግልና ኪትወልድ እያ ስሙ ውን ኣማኑኤል ክትብሎ እያ” (ኢሳ 7፡14) እዛ ድንግል እዚኣስ መን ኮን ትኸውን? ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝተፈልየት ካብ ኵለን ደናግል ዝተመርጸት ናይ ባሕርይና መመክሒ ናይ ክብርና ውን ኣኽሊል ዝኾነት፡ ኣምላኽ ብምውላድ ሔዋን ካብ ሕፍረት ንኪትድሕን፡ መርገም ካብ ኣዳም ንኽርሕቕ፡ ናይ ድራጎን ክፉእ ሥራሕ ከም ዝቆራረጽ ዝገበረት፡ ናይ ምንዮት ፍላጻ ዘይተንከፋ፡ ናይ ፍቓድ ፈቲው ፈጺሙ ዘይጎድኣ ወላዲተ ኣምላክ ቅድሰት ድንግል ማርያም እያ... ኦ ጐይታ ንስኻን ታቦት መቕደስካን ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ተንሥእ! እዚኣ ውን ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። (መዝ 132፡8) ንዓኻ ብዕቊ እንተመሲልናካ ብዘይጥርጥር ንድንግል ድማ ነባቢት ታቦት ንብላ። (ሄስክዩስ 300 ዓ.ም)
ካብ ጐኒ ኣዳም ብዝወጸት ዓጽሚ ክፉእ ሰይጣን ናይ ኣዳም ልቢ ኣውጽኦ (ኣስሓቶ) ሓይሊ ዝተመልአት ከም ንዳጎን ንሰይጣን ዝቖርረጸት ካልእ ዓጽሚ ድማ ካብ ጐኒ ኣዳም ወጸት። ኣብ ውሽጢ ታቦተ ጽዮን ንሰይጣን ዘግዓረት ሓንቲ ዝተሰወረት ጽሕፈት (እዛ ዓጽሚ) ድንግል ማርያም ነበረት። እታ ጽሕፈት ምስ ተገልጸት ዳጎን ተቖራሪጹ ዝወደቐ ድማ በዚ እዩ። ኣቐዲሙ ምሳሌ ቀጺሉ ድማ ኣማናዊ ክመጽእ ግድን ስለ ዝኾነ። ስለ’ዚ እቲ ክፉእ ተደርበየ ምሥጢሩ ድማ ተፈጸመ እዛ ምሥጢር እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ብኣማናዊ በጊዕነቱ ዝተበጀወና ነቲ ዘጥፍኣና ዳጎን ዘጥፍኣልና ንሱ ብሓቂ ብሩኽ እዩ። ኦ ናይ ጳጳሳት መአከቢኦም ናይ ጻድቃንን ደናግልን ኣኽሊሎም፡ ንጽሕናኺ ካብ ማንም ንላዕሊ ክብ ክብ ዝበለ ናይ እግዚአብሔር መዓጠንቲ ዝኾንኪ፡ ኣዝያ ዝደመቐት ፋና ሰማያዊ መና ዝተመልአት ኣዝያ ዝወቀበት ሞሶብ ንደቂ ሰብ ዝተጻሕፈ ሕጊ ዝሓዘት ጠረጴዛ፡ ኣማናዊት ታቦት መለኮት ባዕሉ ዝጽሕፈላ ብራና ካብ ኵሎም ጠቢባን ንላዕሊ ብልሂ ዝኾነት ንግሥቲ፡ ኵሉ ግዜ ብርሃን እትህብ ድንግል፡ ኣዝያ እተጸናንዕ እትመርሕ ቅድስተ ቅዱሳን ኣገልጋሊ..... ንሱ ርእሳ ስለ ዝኾነ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተገልግል፡ ዮሴፍ ግን ኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ስለ ዝተሽከመት ንድንግል ማርያም ንኸገልግላ ተንሥአ፡ ካህን ዘካርያስ ውን ቅድስናኣ ተመልኪቱ ኣብ ቅድሚ ኣማናዊት ታቦት ኣገልገለ። ሙሴ እግዚአብሔር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈሎም ጽላት ተሰከመ፡ ዮሴፍ ግን ፈጣሪ ኣብ ማሕጸና ዝተስከመት ንጽሕቲ ጽላት ሓዘ” (ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ 306-373 ዓ.ም)
ናይ ክርስቶስ መልክዕን ምሳሌን ዝግለጻላ ዝነበረ ታቦት ነበረት፡ እዚ ውን ተቓዳምን ተኸታልን ዘይብሉ ናይ ወልድ ዋሕድ ሰብ ናይ ምዃን ምሥጢር ምልስ ኢልና ክንምልከት እንከለና፡ ልክዕ እታ ታቦት ከም ዝኾነ ኣካላዊ ቃል ባዕሉ ኣብ ድንግል ማሕጸን መቕደስ ክሓድር እንከሎ ንርኢ” (ቅዱስ ቄርሎስ)
እንሆ ድንግል ማርያም ኣደን ኣገልጋሊትን ደመናን ድንኳንን ከምኡ ውን ናይ ጐይታ ታቦት ኮይና ኣላ። ስለ’ዚ ንዑ ንስኺ ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝተፈለኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ፡ ናይ ሔዋን ናይ ምድኀና ምኽንያት ንስኺ ጥራይ ኢኺ። ዓለም ብደሙ ዝገዝአ ጐይታ ዝተረኸበልኪ ንስኺ ጥራይ ኢኺ እናበልና ንወድሳ።(ቅዱስ ፕራክልዮስ)
“እዛ ታቦት እዚኣ
እያ ካብ ቤተ
ልሔም ተበጊሳ ኣብ
እምባታት ጽዮን ዝዓረፈት።
እዛ ታቦት እዚኣ
እያ ነቲ ናይ
ኵሉ ንገሥ ዝኾነ
ወልድ ኣብ ንጹሕ
ማህጸና ዙፋን ዝኾነቶ፡
እዛ ታቦት እዚኣ
እያ ነቲ ምስ
ኣቡኡ ማዕረ ዝኾነ
(ብልዕልና ዝመዓራረዮ) ንወልደ
እግዚአብሔር ዙፋኑ
ዝኾነቶ እዚኣ
ታቦት እዚኣ
እያ። ካብ
ባህሪ ኣቡኡ ምንም
ከይተፈልየ ኣካላዊ ቃል ንጹሕ
ዝኾነ ሥጋኣን ነፍሳን
ወሲዱ ዝተወሃሃደ .... መንፈሳዊት
ዙፋን፡ ኦ ልዕል
ልዕል ዝበልኪ እግዚአብሔር
ባዕሉ መሪጹ ዘዳለወኪ
ድንግልን ኣደን! ብዛዕባኺ
ዝንገር ምሥጢር ብሓቂ
ዓቢ እዩ............... እዛ
ናይ ቃል ኪዳኑ
ታቦት እታጋርድ ናይ’ቲ
መቕደስ መጋረጃ ናትኪ
ምሳሌ እያ። ስለ’ዚ
ናትኪ ምሳሌ ካብ
ዝኾነት ታቦት ክንድዚ
ዝኣክል ዓቢ ክብሪ
ካብ እግዚአብሔር ዚተጎናጸፈት ካብ
ኮነት፡ ሥልጣነ ክህነት
ዘለዎም እንተዘይኮይኑ
ንዓኣ ክርእዩን ኣትዮም
ክትንክፍዋን ንማንም
ዘይከኣል ካብ ነበረ፡
ንዓኣ ዝጋርድ መጋረጃ
ከም ንግሥቲ ይሕልዋ
ካብ ነበረ፡ ኣማናዊት
ንግሥቲ፡ ሕጊ ዝሃበ
ሕያዊት ናይ እግዚአብሔር
ሓቀኛ ታቦት፡ ነቲ
ማንም ክስከሞ ዘይክእል
እግዚአብሔር ኣብ
ማሕጸንኪ ክትስከሚ ዝኸኣልኪ
ንዓኺ እሞ ካብቶም
ትሕቲ ኵሉ ዝኾንና
ዘይንጠቅም ምናምን ካብ
ዝኾንና ካባና ከመይ ዝበለ
ልዕልናን ክብርን ይግበኣኪ
ይኸውን።(ቅዱስ
ሜቶድየስ 815-885 ዓም)
ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ዘዝነበሩ ሪፎረመርስ (ፕሮቴስታንት) ንባዕሎም ቅድስት ድንግል ማርአም ካብ ጥንተ ኣብሶ ንጽሕት ምዃና ገሊጾም ኔሮም። (ብ1504-1575) ናይ ዝዊንግሊ ተኸታሊ ዝነበረ ሄንሪች ቡሊንገር ብዛዕባ’ዚ ክገልጽ እንከሎ “What pre-eminence in the eyes of God the Virgin
Mary…” (ምስ ካልኦት ቅዱሳን ንምንጽጻር እትኸብድን ኣዝያ ልዕሊ ኵሎም ክትከውን ዝግበኣን
ናይ ድንግል ማርያም ንጽሕናኣ እምነታ ቅድስናኣ ካብ (ርስሐት) ዝነጽሀት ምዃናን ጽቡቐ ጠባያን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢ ኢዩ......ካብ
ልደታ ጀሚራ ንጽሕት ዝነበረት ናይ ንጽሕት ቡራኬ ዝተቐበለት... ኣደ ኣምላኽ ናይ መንፈስ ቅዱስ መቕደስ ኣካላ ንጹሕን ኃጢአት
ኣልባ ዝኾነ ናይ ድንግል ማርያም ዝተቐደሰ ሰብነታ ብመላእኽቲ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ ንኣምን ኢና) ብምባል ገሊጹ ኔሩ።(Heinrich Bullinger, cited
in Thurian, page 89, 197, 198)፡፡
እዚ ዕርገት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ኣብዘን ዝስዕባ ካብ ቤተ ክርስቲያንና ወጻኢ ዝኾነ እምነት ዘለወን ሃገራት ውን ብዓቢ ድምቀት ይኽበር ኣብ ጣሊያን፣ ማልታ፣ ስሎቬኒያ፣ ፖላንድ፣ ፖርቹጋል፣ ሩማኒያ፣ ቺሊ፣ ሳይፕረስ፣ ሀይቲ፣ ሴኔጋል፣ ስሎቬኒያ፣ ስፔን፣ ካሜሩን፣ ጋቦን፣ ሩዋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ሴኔጋል፣ ቶጎ፣ ኮትዲቭዋር፣ ማዳጋስካር ንዝያዳ ትምህርቲ ዝቕጽል ፖስት ተኸታተል እግዚአብሔር ምስትውዓሉ ይሃበና
ምስጋና ንእግዚአብሔር ንወላዲቱ ድንግልን ንመስቀሉ ክቡርን ኣሜን!!!
No comments:
Post a Comment