bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday, 12 June 2016

ስውራት ጸላእቲ 4ይን ናይ መወዳእታን ክ ክፋል




ኣብ’ዚ ነስተውዕል፡ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ 310-403 ዝነበረ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝተኸበሩን ዝዓበዩና ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ዝኾነ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ንጸረ ማርያም መናፍቓን ኣብ ዘመኑ ብጽሑፍን ብስብከቱን ዘየዳግም መልሲ ዝሃበ፡ ኣክሲማሮስ ዝበሃል ዓቢይ ናይ ስነ ፍጥረት መጽሓፍ ዚጸሓፈ ካብቶም 14 ናይ ቤተ ክርስቲያንና ቅዳሴያት ክሳብ ሕጂ ንቕድሶ ዘለና ሓደ ውን ናቱ ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ ዝብል ቅዳሴን ካልኦት መጻሕትን ዝጸሓፈ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ስንክሳርና ውን ኣብ ግንቦት17 ይዝክሮ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ድማ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዳንኤል ኣፈ ወርቅ፡ ኣፈ ዑንቅ ልሳነ ወርቅ ጥዑመ ልሳን እናተባህለ ጽዋዕ እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ፡ ካብ ትጉሃት ክርስቲያን ቤተ ሰ 347 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣንጾክያ ተወልደ። ብ381 ዓ.ም. ዲቁና ብ386 ድማ ቅስና ተሾመ። ብናይ ኣንጾክያ ሊቀ ጳጳስ ፍልብያኖስ ብዚተዋህቦ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት መሠረት ካብ 386-397 ዓ.ም. ወንጌል መሃረ። ኣብ 397 ዓ.ም.ታሪዮስ ዚተባህለ ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያርክ ስለ ዚዓረፈ፡ ብናይ ንጉሥ ኣርቃድዮስ ጻውዒት የካቲት 26 398 ብብዙሕ ልመና ብዘይፍታዉ ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያርክ ኮይኑ ተሾመ።

ነቶም ዝተዘናግዑ ዘሰንብዶም፣ ነቶም ዝተጨነቑ ኸዓ ዘጸናንዕንዖም እዚ ኣዝዩ ዚተፈተወ ናይ ቤተ ክርስቲያን መምህር ናይ ብሉያትን ሓዲሳትን ትርጓሜ ዚሓዙ ልዕሊ 900 መጻሕፍቲ ጽሒፉ እዩ። ካብ ናይ ካልኦት ኣቦታት ናይ ትርጓሜ ሥራሕ ንላዕሊ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ትርጓሜ ፍልይ ዘብሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መወዳእታ ናይ ትርጓሜኡ ባዕሉ ዚኸኣለ ስብከትን ተግሣፅን ኣለዎ። ንኣብነት ወንጌል ማቴዎስ ኣብ ዚተርጎመሉ ድርሳኑ ጥራሕ 90 ስብከታት ኣለዎ። ኣብ ወንጌል ዮሐንስ ድማ 88 ኣለዎ። ከምኡ ’ውን ንሱ ኣብ ዚተርጎሞም ካልኦት መጻሕፍ ብዙሓት ስብከታት ኣለውዎ። ዋላ ሓደ እኳ ዚበዝሑ ጽሑፋቱ ናብ ስብከት ዝደሃቡ እንተኾኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ ’ውን ዕቅበተ እምነት ማእከል ዚገበሩ መጻሕፍቲ ጽሒፉ ኢዩ። ብግንቦት 12 407 ዓ.ም. ኣብ መንገዲ ዓረፈ። ኣብ ልሳኑ ዚነበረት ናይ መወዳእታ ቃል ድማ “ስለ ኵሉ ነገር ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን” እትብል እያ ኔራ። ዓጽሙ ናብ ቊስጥንጥንያ ተመሊሱ ዓረፈ።

እዚ ኩሉ ቅድስና ዘለዎም እኳ እንተነበሩ ካብ ወዲ ስበ ጌጋ ስለ ዘይሰኣን ግን፡ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ካብ ናይ ቆጵሮስ ሃገረ ስብከት መጺኡ ኣብታ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ሃገረ ስብከት  ንቅዱስ ዮሐንስ ከየፍቀደ ኣገልግሎት ብምሃቡ ንሓደ ድማ ዲቁና ብምሻሙን ዓቢይ ጌጋ ነበረ። በዚ ዘይተማህሩ ሰባት ግን ሕጂ ውን ነዚ ታሪኽ እዚ ኪደግምዎ ኪትርኢ ከለኻ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ።
ዲያብሎስ
ሰይጣን ኣብ ተመን ተሰዊሩ ንኣዳምን ሔዋንን ኣስሓተ። ፈታዊ ሓላዪ ተመሲሉ “ኣምላኽ ኪትኮኑ ኢኹም” ብዝብል ሰበብ ካብ ኣምላኾም ደርበዮም።
ኤልዛቤል

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ተወሳኺ ታሪኽ ንምርኣይ ናይ ኣክኣብ ታሪኽ ንመልከት። ኣክኣብ መሬት ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ ናቡቴ ደልዩ፡ ናቡቴ ኪህቦ ስለ ዘይከአለ ብሕርቃን ዝኣክል መግቢ ውን ከይበልዐ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ። ሰበይቱ ኤልዛቤል ነገሩ ምስ ተረድአት ንዕኡ ዝሓገዘት መሲልዋ፡ ብስም ኣክኣብ ደብዳቤታት ጽሒፋ ብማሕተሙ ድማ ሃቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ናቡቴ ኣብ ዝቐመጠላ ከተማ ዝነብሩ ዓበይቲ ዓዲ  ሰደደተን። በዚ ደብዳቤ እዚ ናቡቴ ከም ዝቐተል ኮነ። እቲ ሓቀኛ ፈራዲ ዝኾነ እግዚአብሔር ድማ ኣብ ቤት ኣኤልዛቤል ብርትዒ ፈረደ ንሳን ደቃን ጠፍኡ።(1ይ ነገ 21)

ስለ’ዚ ሓደ ሰብ ንዓና ዝሓሊ መሲሉ ካብ ጥፍኣት ዘድሕነና መሲሉ ከጥፍኣና ስለ ዝኽእል። ኩሉ ብዛዕባና ዝሓሊ ዝመስል ኪምርመር ድኣ ኣለዎ እምበር ኪንኣምኖ ኣይግብኣናን።
 ኣብ ካልእ ጊዜ ውን ኣክኣብ ምስ ሶርያውያን ተዋጊአ ብሰላም ዶ ይምለስ ይኸውን ኢሉ ኣብ ዝሓተተ፡ እቶም ሓሰውቲ ነብያት ብምልኦም ከም ሓንቲ ቃል ኮይኖም “እግዚእብሔር ከም’ዚ ይብል እሎ ንሶርያውያን ኪሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ኪትወግኦም ኢኻ” እናበሉ ብሓሶት ኪመኽርዎ ጅመሩ። ሚክያስ ግን ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ እዚኣቶም ሓሶት ይንበዩልካ ኣለዉ፡ “ብርግጽ ብሰላም እንተተመሊስካ እግዚአብሔር ብኣይ ኣይተዛረበን” እና በለ ኣጠንቀቖ።

 ሰባት ግን ካብ’ቶም ሓቂ ተዛሪቦም ጥፍእትና ዝነግሩና፡ እቶም ጥዑም ዝዛረቡ ጽቡቕ ዘለዉ እዩ ዝመስለና። ስለ’ዚ ንጉስ ኣክኣብ ንሚክያስ ንስኻ ብዛዕባይ ጽቡቕ ኣይትዛረብን ኢኻ ብምባል ናብ እስሪ ቤት ኪድርበ ኣዘዘ። ከም’ቲ ሚክያስ ዝበሎ ድማ ንጉስ ኣብቲ ውግእ ሞተ። ስለ’ዚ ሰባት ንዝህቡና ጥዑም ቃል ዘይኮነ ሓቂ መርሚርና ኪንስዕብ ይግበኣና። ኣብ’ዚ ናይ ኣክኣብ ታሪኽ እቶም ሓሰውቲ ነብያትን፡ ኤልዛቤል ሰበይቱን ስውራት ጸላእቱ ኔሮም።
 ይሁዳ
 ይሁዳ ሓደ ካብቶም 12 ሐዋርያት ኮይኑ ተመሪጹ ኔሩ። ንሱ ግን ምስ ጎይታ እናኸደ ካብ ጎይታ ይሰርቕ ነበረ። ሓንቲ ኣመንዝራ ዝነበረት ሰበይቲ ጨና ኣምጺኣ ኣብ ርእሲ ጎይታ ምስ ኣፍሰሰቶ፡ “እዚስ ተሽይጡ ንድኻታት ምኾነ” ብምባል ናይ ሓልዮት ዝመስል ቃል ተዛረበ። ንሱ ግን ንድኻታት ሓልዩ ዘይኮነ ካብ’ቲ እቲ ጨና ኪሽየጥ እሞ ተሓዚ ገንዘብ ንሱ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ገንዘብ መታን ኪሰርቕ ኢሉ እዩ።(ዮሐ 12፡1-7) ይሁዳ ምስ ጎይታ እናወዓለ ንጎይታኡ ሸጠ። ተረፈ ይሁዳ ኸ?
ሰይጣን ንሔዋን፡ ኤልዛቤል ንኣክኣብ፡ ቴዎፍሎስ ድማ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ስውራት ጸላእቲ ነበሩ። ስለ’ዚ ኣሕዋተይ ቅንያቱ ክፉእ እዩ ከም ዝበሎ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ጠቓሚ ዝመስል ስልጣን ሸመት ዝና ማዕርግ ገንዘብ ካልእ ነዚ ዝኣመሰለ ስጋዊ ጥቕሚ ብምሃብ ቴዎፍሎሳውያን ካብ እምነትና ከየዘናብሉና ጸኒዕና ንቑም። ናይ ቲፎዘነትን ናይ ወገንነትን ናይ ምፍልላይን ሕይወት ክርስቲያናዊ ኣይኮነን እሞ ነቲ “ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።(ሮሜ 16፡17-18) ቃል ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነስተውዕሎ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ውን ኣብ 2ጴጥ.2:1  ከም’ዚ ይብለና“ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም።

 ሐዋርያ ይሁዳ ድማ ኣብታ ሓንቲ መልእኽቱ ብዛዕባኦም ኪዛረብ ከሎ  እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም” ይሁ.1:19

ወስብሐት ለእግዚአብሔር














No comments:

Post a Comment