ምዕራፍ 13
“ባሕሪ” ናይ ዘየቋርጽ ምንዋጽ ምሳሌ እዩ። ካብ ባሕሪ ወጸ ማለቱ መንበሮም ካብ ዝተናወጾም መንግሥታት ማለቱ እዩ። ነቢይ ዳንኤል
ኣብ ዝረኣዮ ራኢ ዓቢ ባሕሪ ብኣርባዕተ ንፋሳት ክናወጽ ርእዩ። ባሕሪ ዝናወጽን ሰላምን ምርግጋእን ናይ ዘይብሉ መንግሥቲ ምሳሌ
ምዃኑ ክገልጽ ብዛዕባ መንግሥተ ሰማያት ክዛረብ ከሎ “ኣብኡ ባሕሪ የለን” ክበል ገሊጽዎ ኣሎ 21፡1 ። ኣይሁድ ናይ
ድያብሎስ ምሳሌ ዝኾነ ድራጎን ኣበ ባህሪ ኣሎ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ፡ ባሕሪ ናይ ሲኦል ምሳሌ ወይ ናይ ዲያብሎስ መህደሪ ጌሮም ይሓስብዎ።(ኢሳ
27፡1)
ባሕሪ ናይቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝቃወም ናይ ዲያብሎስ መሕደሪ ዝኾነት ዓለም ምሳሌ እዩ (ማር
5፡38)።
ኣታ ቕልጽም እግዚኣብሄር፡ ንቓሕ፡ ንቓሕ፡ ሓይሊ ተኸደን፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲ፡ ብዘመናት ቀደም ዝገበርካዮ፡ ንቓሕ። ንረሃብ ዝቘራረጽካ፡ ንገበል ዝወጋእካስ ንስኻዶ ኣይኰንካ? ንባሕሪ፡ ናይቲ ብርቱዕ መዓሙቚ ማያት፡ ዘንጸፍካ፡ እቶም ድሑናት ኪሐልፉሉ ኸኣ ነቲ ቆር ባሕሪ መገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኰንካ? (ኢሳ 51፡9-10)”። ብምባል ነቢይ ኢሳይያስ ዝገለጾ ነዚ እዩ። ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ውን “ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 73 74፡13)። ኣብዞም ምዕራፋት ገበል እናተበሃለ ዝተጸውዐ
እቲ ድራጎን ዝበሃል እዩ። እዚ ድማ ምስ’ዚ ኣብ ራኢ ዮሐንስ ዘሎ ገበል ዝብል ቃል ተመሳሳሊ እዩ።
ናይ ቤተ ክርስቲያን መተርጕማን “ካብ ባሕሪ ወጸ ዝበሎ መንግሥቱ ቀልጢፉ
ብቕጽበት ስለ ዘይደላደለሉ እዩ ኢብሉ።
መምህር ስቡሕ “ካብ ባሕሪ ክወጽእ ምርኣዩ ስፍሪ ቊጽሪ
ዘይብሉ ኃጢኣታት ስለ ዝሰርሕ እዩ፡ ብካልእ መንገዲ ድማ ኣብ ሰፊሕ ከተማ ክነግሥ እዩ ማለት እዩ። ይብሉ።
ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ 10 ኣቕርንቲ፥ “ነቲ ኣራዊት ተኸቲሎም ዝትንሥኡ 10 ነገሥታት”
እዮም። 7 ኣራእስ ድማ 7 ኣርእስተ ኃጣውእ እዮም። እቲ ኣራዊት ኣብ ኣቕርንቱ 10 ዘውድታት ኔሮሞ
እዚ ድማ ነገሥታት ምዃኖም የርኢ። ምኽንያቱ ቀርኒ
ናይ ኃይልን ሥልጣንን ምሳሌ እዩ። ኣቕርንቱ ሓደ ቀርኒ ከምዘለዎም እዮም፡ ብኡኡ ጌሩ ክሳብ ጫፍ ምድሪ ዘለዉ
ንኣህዛብ ክዋጋእ እዩ (ዘዳ 33፡17)፡ "ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ ኣሎ” (1ይ ሳሙ
2፡1)፡ “ንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ” (1ይ ሳሙ 2፡10)፡ “እግዚኣብሄር.....ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ” (መዝ
18፡2)"
ነቢይ ዳንኤል ዝረኣዮ ራብዓይ
ኣራዊት 10 ዓቕርንቲ ነበርዎ። እዚ ብነቢይ ዳንኤል ዝተራእየ 4ይ ኣራዊት ግዝኣት ሮም እዩ ኔሩ። ነቢይ ዳንኤል ዝረኣዮም 4 ነገሥታት ፡ባቢሎን ሓደ፡ ፋርስ ንክልተ፡ ግሪኽ ንሠለስተ፡ሮም ድማ ንዓሰርተ ተመቓቒሉ ነበረ።(ዳን 7) እዚ ድማ መንግሥታት ብዝበለጸ እናተኸፋፈሉ
ከም ዝኸዱ ይነግረና።
ሓደ ሓደ ሊቃውንት እዚ ኣራዊት እዚ መንግሥቲ ሮም ምዃኑ ይገልጹ፡ ናይ ሮም መንግሥቲ ተኸፋፊሉ እምበር ኣይጠፍአን። መላእ
ኤውሮጳን ኣሜሪካን ክፍልፋል ናይ ሮም መንግሥቲ እዮም። ናይ ምዕራባውያን ሥልጣኔ እንብሎ ኣሰራርሓ ናይ ግሪኮ ሮማን ሥልጣኔ ወራሲ
እዩ። ንዓለም ሓንቲ ጌሩ ንምግዛእን ብሓደ ዓለምለኻዊ ናይ ንግዲ ሥርዓት ንኽትምራሕ ዝደልዩ ምዕራባውያን፡ ዋና ዕላምኦም ዓለም
ብናይ ምዕራባዊ ሥልጣኔ ግዝኣት ምዕራባዊ ባህሊ ምዕራባዊ ፍልስፍና ከም ዝወሃሃድ ምግባር እዩ።
ኣብ ኣራእሱ ናይ ጸርፊ ኣስማት ነበሮ፡ ጸርፊ
ዝተባህለ ኣብ ዘመኑ እቶም ቀንዲ ዓበይቲ ኃጢኣታት ዝበሃሉ ብዘይ ሕፍረት ስለ ዝፍጸሙ እዩ። ሃይማኖት ምንዓቕ ቅድስናን ንጽሕናን
ምቅላል፡ ሥነ ምግባራዊ ክርስትና ከም ዝጽላእ ምግባር ናይ’ቲ ዘመን ፍልስፍና ክኸውን እዩ። ቅድስናን ናይ ቅዱሳን ሕይወት ምቅላልን
ምጽራፍን ናይ’ቲ ዘመን ፍልስፍና ክኸውን እዩ።
ነብሪ “እቲ ኣራዊት ነብሪ ይመስል” ኢልዎ። ነብሪ ነቢይ ዳንኤል ንናይ ግሪኽ መንግሥቲ ዝገለጸሉ ምሳሌ እዩ። ነብሪ ብልምዲ
ካብ ኣንበሳ ይንእስ እዩ፡ እንተኾነ ግን ቆራጽን ናይ ሰብ ደም ንምምጣጥ ድማ ፈጣንን እዩ። “ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ” ከም
ዝብል (ዕን 1፡8)። ነብሪ ኣድብዩ ብምጽናሕ ብፈጣን ኩነታት ዘጥቅዕ
እዩ።ሓሳዊ መሲሕ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ከም ነብሪ ቅልጡፍን ጨካንን እዩ። ኵሉ ናይ ጭካኔ መንገድታት ክጥቀም እዩ።
ነብሪ ዝንጉርጉር እዩ፡ ሓሳዊ መሲሕ ድማ ከምዚ እዩ ዝበሃል (መርገጺ) ጠባይ የብሉን። ዕላማኡ ኃጢኣት ንዝበሃል
ኵሉ ምፍጻም እዩ።
ድቢ “ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ ነበሩ” ነቢይ ዳንኤል ንናይ ፋርስ መንግሥቲ ብድቢ እዩ መሲልዎ (ዳን
7፡5) ድቢ ብጭካኔኡን ብኃያልነቱን ምስ ኣንበሳ ሓቢሩ ዝጽዋዕ እዩ። ኣብ ድኻ ሕዝቢ ዝገዝእ ክፉእ ሰብ ከም ዝጓዝም ኣንበሳን
ከም ጥሙይ ድብን ጨካን እዩ” (ምሳ 28፡15)።ከም ዘድቢ ድቢ ተሓቢኡ ጸንሓኒ፡ ከም ኣንበሳ ተቓጽዩ ጠሓረኒ (ሰቆ 3፡10)። “ኰረኵራ ኸም ዘግደፍዋ ድቢ ዀይነ ህሩጕ እብሎም፣ ነቲ መሸፈኒ ልቦም ከኣ እቐዶ፣ ኣብኡ ድማ ከም ዋዕሮ እውህጦም፣ ኣራዊት በረኻውን ይሰላልዕዎም። (ሆሴ 13፡8)።
“ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዚህድም እሞ ድቢ ዚጓንፎ፣ ከምቲ ናብ ቤት ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዜጽግዕ እሞ ተመን ዚነኽሶ” (ኣሞ 5፡19)። ከም ዝብል ሓያልነትን ጥበብ ኣልባነትን ናይ ድቢ ቀንዲ መለለዪ ጠባዩ እዮም።
ሓሳዊ መሲሕ ብኃይን ብጭካኔን ብሸለልትነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዘምት እዩ። ኣብ ቤተ
ክርስቲያን ንዘውርዶ ጥፍኣት ዋላ ሓንቲ ዓይነት ርኅራሄ ኣየርእን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ድማ ዘይልወጥ ተሪር መርገጺ ኣለዎ።
ኣንበሳ “ኣፍ ናይቲ ኣራዊት ከም ኣፍ ኣንበሳ ነበረ” ኣንበሳ ኣብ ትንቢተ ዳንኤል ናይ ንጉሥ ባቢሎን መግለጺ ነበረ (ዳን 7፡4)። ኣንበሳ
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብርቱዕ (መሳ 14፡18) ጽኑዕ 2ሳሙ 17፡10 ሰላላዒ (ዝሰላልዕ መዝ 7፡2) እዩ። “ምጒዛሞም ነቲ ናይ ዋዕሮ ይመስል፡ ከም ሽደን ኣንበሳ ይጓዝሙ፡ የጒራዕርዑ፡ ግዳዮም ዐትዒቶም ኣብ ጽኑዕ ይወስድዎ፡ ዜናግፍውን የልቦን”ተባሂሉ ኣሎ” ተባሂሉ
ውን ብዛዕባ ኣንበሳ ተጻሒፉ እዩ። (ኢሳ 5፡28-29)
ቪክቶርያነስ “ኣፉ ከም ናይ ኣንበሳ እዩ ማለት ደም ምፍሳስ ልማዱ ምዃኑ ንምግላጽ
እዩ” ይብል። ካብ ኣፉ
ምፍርራሕ (ምግቡዕባዕ) እምበር ካልእ ነገር ከም ዘይወጽእ ቪክቶርያነስ ይትርጉም። ኣብ ክሕደት ትምህርቱን ኣብ ፍልስፍናኡን ኣብ ክፍኣቱን ከም ኣንበሳ ብኃይሊ
ዝሠርሕ ብጽንዓት ዘጥቅዕን ዝምንጥልን ዘታልልን ምዃኑ የርኢ።
“እቲ ገበል ከኣ
ኃይሉን ዙፋኑን ዓቢይ ሥልጣንን ሃቦ” ገበል ዝተባህለ ዲያብሎስ ነቲ ሓሳዊ መሲሕ ኵሉ ዓይነት ሰይጣናዊ ኃይልን ዓቕምን ከም ዝህቦን ኣብ
ዓለም ንኽሥልጥን ድማ ከም ዝሕግዞን የመልክት”
ቅዱስ ጳውሎስ “ሓሳዊ መሲሕ ብኣሠራርሓ ሰይጣን ከም ዝመጽእ ገሊጹ ኣሎ”(2 ተሰ 2፡9-12)
No comments:
Post a Comment