bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 15 June 2016

መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንንት መበል 20 ክፋል


ኣብ 6ይ ክፋል ናይ ስብከቱ መበል 17 ሓሶት


እቲ ዘሕዝን ኣብቲ መሠረት እምነት ናይ ተዋህዶ ኣብ እምነቶም ብዘይካ ስም ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ካልእ ልቕብቃብን ጐባጥ መባጥን ጥውይዋይ ተንኮላትን ከም ዘይነበሮም ዚዝንቶ ምዃኑ እዩ። ነዚ እምነት እዚ ግና ሓያላት ጠንቆልቲ ግብጻውያን ተንሲኦም ብብዙሕ ዚዓይነቱ ሰይጣናዊ ትምህርትታት ተደባሊቑ ከም ዚተርፍ ገበርዎ። እቲ ኣብ ዓለም ዚፍለጥ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ተዋሕዶ ዚብል ስም ዚተለቀቦ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓት ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። እቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኦርቶዶክስ ነቲ ኣብ በዓል ኢትዮጵያ ዘሎ ሥርዓት ኦርቶዶክስ ዳርጋ ንመብዛሕትኡ ኣይፈልጥዎን እዮም።


ናይ ግብጺ ጠንቆልቲ ድኣ እንታይ ኪገብሩ  ናብ ኤርትራ መጺኦም? ኣበየናይ ዘመን? መን ዝተባህለ ጠንቋሊ ኸ እዩ መጺኡ ኔሩ? እንታይ ዚብል እምነት እዩ ኸ ለቂቡ? ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ከም ዘይብልካ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ጠንቋሊ ንስኻ ኢኻ፡ ዘይተገብረን ዘይተባህለን ጥንቁል ኣቢልካ ትዛረብ ድፍረትን ሓሶትን ዝተገዘምካ ዘይተባህለን ዘይተገብረን ለቂብካን ጠንቁልካን ትሕሱ ጠንቋሊ። ስለ’ዚ ብግብጻውያን ጠንቆልቲ ናይ ሰይጣን ትምህርቲ ተወሲኽዎ ዝብል ዘረባኻ ውጹእ ሓሶት እዩ።


ብምቕጻል እቲ “እቲ ኣብ ዓለም ዚፍለጥ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ተዋሕዶ ዚብል ስም ዚተለቀቦ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓት ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። እቶም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኦርቶዶክስ ነቲ ኣብ በዓል ኢትዮጵያ ዘሎ ሥርዓት ኦርቶዶክስ ዳርጋ ንመብዛሕትኡ ኣይፈልጥዎን እዮም


ብመጀመርያ እተን 6 ኦርቶዶክሳዊ ተዋሕዶ እምነት ዘለወን ሃገራት “ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሶርያ፡ ኣርመንያ፡ ህንዲ” ዝበሃላ እየን። እዚአን ድማ ብዶግማ ሓደ እየን። ምስ በዓል ናይ ሩስያ ግሪኽን ካልኦት ኦርቶዶክስ ዝበሃላ ንክርስቶስ ክልተ ባህሪ ኣለዎ ኢለን ዝኣምና ግና ብእምነት ዘራኽብ የብልናን። ብእምነት ዘራኽበና ካብ ዘይሃለወ ድማ ንዓና ይምሰሉ ኣይምሰሉ ዘገድሰና ኣይኮነን።

 ዋላ እኳ ኣብ’ቲ መሰረት ናይ እምነት እንተተፈላሊኻ እቲ ካልእ ዝስዕብ ምስጢራትን ስርዓታት ሓደ ምዃን ዋላ ሓንቲ ትርጉም ኣይሃልዎ እምበር፡ ነቲ ሓሶትካ ንምቕላዕ ግን፡ ምስኦም ዘመሳስለና ብዙሕ ነገር ኪዝርዝረልካ እየ።


ነገረ ሃይማኖት
ፕሮቴስታንት
ተሃድሶ
ምብራቕ ኦርቶዶክስ
ኦሬንታል ኦርቶዶክስ
1ጥምቀት ሓጢአት ከም ዝድምስስን ንድሕነት ኣገዳሲ ምዃኑን ይኣምኑ

ኣይኣምኑን
ኣይኣምኑን
ይኣምኑ
ንኣምን
2 ቅዱስ ቁርባን ኣማናዊ ናይ ክርስቶስ ቅዱስ ስጋን ደምን ምዃኑ
ኣይኣምኑን
ኣይኣምኑን
ይኣምኑ
ንኣምን
3 ቅዱስ ቁርባን መስዋዕቲ ምዃኑ
ኣይኣምኑን
ኣይኣምኑን
ይኣምኑ
ንኣምን
4 ናብ ቅዱስ ቁርባን ንምቕራብ ኣቐዲምካ ብንስሓ ምድላው ከም ዝግባእ
ኣይኣምኑን
ኣይኣምኑን
ይኣምኑ
ንኣምን
5 ምስጢረ ሜሮን ጸጋ እግዚእብሔር ዘውህብ ጸጋ ምዃኑ
ኣይኣምኑን
ኣይኣምኑን
ይኣምኑ
ንኣምን
6 ጾምን ጸሎትን ሓጢኣት ንምስትስራይ ዝኣመሰለ ጥቕምታት ከም ዘለዎም
ኣይኣምኑን
ኣይኣምኑን
ይኣምኑ
ንኣምን
7 ንካህን ምንዛዝን ቀኖና ምቕባልን ከም ዝግባእ
 ቅዱሳን ከማልዱልና ከም ዝኽእሉ
ኣይኣምኑን
ኣይኣምኑን
ይኣምኑ
ንኣምን

ስለ’ዚ ዋላ እኳ መሰረቶም ስለ ዘይጸበቐ ነዚኦም ምእማኖም ጥራይ ትርጉም ዘለዎ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ስርዓታቶም ምሳና ዝመሳሰል ስርዓትን እምነትን ግን ኣለዎም። ብዙሓት ናይ ቅዱሳን በዓላት ኣለዎም፡ ኣብያተ ክርስቲያናቶም ብስም ቅዱሳን እዩ ዝጽዋዕ ወዘተ።


ኣብ 8ይ ክፋል ስብከቱ መበል 18 ሓሶት
ተዋሕዶ ዋላ እኳ ቀደም ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ጥራይ ይኣምኑ ከም ዚነበሩ ኮይኑ እንተተዘንተወሎም ሕጂ ግና ከምኡ ኣይኮኑን። ኣብ እምነት ብዙሓት መላእኽትን ኣስማት ደቂ ሰባትን ተጸጊዖም እዮም ዚርከቡ ዘለዉ ንኣምላኽን ንመላእኽትን ብሓደ እናኣገልገሉን ኣስማቶም እናጸውዑን ብኣስማት ብዙሓት ቤት መቕደስ እናሰርሑን ንነፍሲ ወከፍ ዕለተ በዓል ሰሪዖምሎም በቲ ዚሰርዕዎ በዓል ድማ ኣብቲ ብስም እግዚአብሔር ዘይተሃነጸ ቤት መቕደስ እናመጹ ድማ ብስም መላእኽቲ የምልኹን ይቕድሱን ኣለዉ።


ሕጂ ውን ከም ኣመልካ ኢኻ ትሕሱ ዘለኻ፡ እስኪ ኪሓተካ፡ ተዋሕዶ ኣምላኽ ኢላ ዝጸውዓቶ “መልኣኽ” መን ኣሎ? ኩሎም መላእኽቲ ፍጥረት ናይ ጎይታ እዮም። ኣምላኽና እቲ ኣቦታትና  “ኢየሱስ ክርስቶስ ጥዑመ ስም ለዘይጸውዖ” እናበሉ ወግሐ ጸብሐ ብጥዑም ዜማ ዘመስግንዎ፡ እቲ ደጋጊምካ ውን እንተጸዋዕካዮ ዘይጸገብ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ንመላእኽቲ ግን ከም’ቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ሃቡ” (ሮሜ 13፡7) ዝብለና ዝግብኦም ክብሪ ድኣ ንህቦም እምበር ነምልኾ መልኣኽ የብልናን።


ብኣስማት ቅዱሳን ቤተ መቕደስ ምስራሕ ድማ ፍቓድ ኣምላኽን ትእዛዙን እዩ (ኢሳ 56፡4)። ኣብቲ ብስም እግዚእብሔር ዘይተሃነጸ ቤተ መቕደስ ብስም መላእኽቲ የምልኹን ይቕድሱን ዝበለካዮ ድማ ሓሶት እዩ። ምኽንያቱ ቤተ መቕደስ ዋላ ብስም ቅዱሳን ይጸዋዕ ናይ ክርስቶስ ቤተ መቕደስ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ገሊጸልካ ኔረ። ንመላእኽቲ የምልኹን ይቕድሱን ዝበልካዮ ድማ ብዛዕባ መን ትዛረብ ከም ዘለኻ ውን ትፈልጥ ዘለኻ ኪሳብ ዘይትመስል ሓሲኻ እየ ዝብለካ። ምኽንያቱ ተዋሕዶ ንመላእኽቲ ኣይነምልኽን ኢና ብምባል ደጋጊመ ነጊረካ ኣለኹ። ብዝኾነ ኣብ’ዚ ሓሶትካ ንምግላጽ ጥራይ ስለ ዝኾነ እዚ ይኣኽለካ። ኣብ ነናቱ ኣርእስቲ ግን ብሰፊሑ ጌረ ኪጽሕፈልካ እየ።


ኣብ 10ይ ክፋል ስብከቱ  መበል 19 ሓሶት
እንዳ ሥላሴ ማለት እንዳ ሠለስተ ማለት እዩ
 ኣብ ዚሓለፈ እዋን ነቲ ናይ ተዋሕዶ መጻሕፍቲ የጽንዓሉ ኣብ ዚነበርኩ ጊዜ እቲ ሥላሴ ዚበሃል እግዚአብሔር ዘይኮነስ ካልእ ከም ዚኾነን ምድራዊ ታሪኽ ውን ከም ዘለዎ ካብ ሰብ ከም ዚተወልደን ኣብ ሳልሳይ መኣልቲ ልደቱ ድማ ንኣምላኽ ከም ዘመስገኖን፡ ኣብ ምድሪ ኪነብር ከሎ ውን 50 ኣናብስን 50 ነብርን ይሕልውዎ ከም ዚነበሩን እዚኣቶም ውን ሓመድ ኣሰር ናይ እግሩ ይምገቡ ከም ዚነበሩን ዚገልጽ መስሓቒ ዚኾነ ዛንታ ምስ ረኸብኩ ኣዝየ ተገረምኩ።

ኣነስ ዋላ እቲ ኣተሓሳስዋኻ ሰብ ኪመዝነኒ እዩ ኸ ኣይትብልን ዲኻ? ብመጀመርያ “እንዳ ሥላሴ ማለት እንዳ ሠለስተ ማለት እዩ” ዝብል ትርጉም ካበይ ኢኻ ኣምጺእካዮ። ናትና ትምህርቲ “ሥላሴ” ሓደ ይኾኑ ሰለስተ ይኹን ድኣ ይብል እምበር ከም ጣኦታውያን 3 ኢልና ደው ኣይንብልን ከም ሰባልዮሳውያን ድማ ሓደ ገጽ 1 ኣካል ኢልና ኣይንምህርን። ስለ’ዚ ስላሴ ዝብል ቃል እግዚእብሔር ብስም ብግብሪ ብኣካል ሰለስተ፡ ብስልጣን ብፍቓድ ብባህሪ ዝኣመሰሉ ድማ ሓደ ምዃኑ ዘረድእ ቃል እምበር፡ ከም’ዚ ንስኻ ባዕልኻ ዝተርጎምካዮ “እንዳ ሰለስተ” ማለት ኣይኮነን።

ቀጺሉ እሞ ኸኣ መንነትካ መመሊሱ ዘጋልጽ ፈጣጥ ሓሶት እዩ። እዚ ንስኻ ዝዘርዘርካዮ ታሪኽ ናይ ጻድቕ ኣቦና ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድኣ እምበር ናይ ቅድስት ስላሴ ታሪኽ ኣይኮነን። ነዚ ንምርግጋጽ ስእሊ ናይ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ጥራይ ይኣኽለካ እዩ። ኣናብስትን ኣናብርን ዓጂቦሞ ዝሰኣሉ ጻድቕ ኣቦና እዩ።

No comments:

Post a Comment