ቴዎፍሎስን ቅዱስ ኤጲፋንዮስን
ብዙሕ ጊዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብብዙሓት ሰባት ዝፍጸም ጌጋ
ካብ ተንኮልን ክፍኣትን ጥራይ ኣይኮነን። ክፍኣት ዝኣልሙን ስውር ዕላማን ዘለዎም ቴዎፍሎሳውያን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እቶም
ብዘይ ርድኢት (ብዘይ ምስትውዓል) ደድሕሪ ቴዎፍሎስ ዝስዕቡ ግና ብዙሓት እዮም። ስርዓት ከነዐሪ ሃይማኖት ኣቦታትና ኪንሕሉ
ብምባል ስርዓት ኣቦታቶም ብዝገደደ ዝስዕሩ ብኡ ኣቢሎም ድማ ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ሕጂ ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ቴዎፍሎስ ናይ ኦሪገን መጻሕፍቲ ኣወገዘ። ቅዱስ ዮሐንስ
ኣፈወርቅ ግን “ሕጂ ነዚ ጉዳይ ዘልዕል ማንም ምኽንያት ከይሃለወ፡ ከምኡ ድማ ብዙሓት ዝተኣከብዎ ዓቢይ ጉባኤ ተጌሩ
ከይተመኽረሉ ብጉያ ጉያ ንማንም ምውጋዝ ግቡእ ኣይኮነን ብዝብል ነቲ ጉዳይ ኣደናጎዮ። በዚ ምኽንያት ቴዎፍሎስ ንቅዱስ
ኤጲፋንዮስ ናብ ቁስጥንጥንያ (ናይቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ሃገረ ስብከት) ከይዱ ናይ ኦሪገን መጻህፍቲ ከወግዝ ከም ዘለዎ
ለኣኸሉ።
ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ቁስጥንጥንያ
ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ብናይ ቴዎድሎስ መልእኽቲ ካብ ቆጵሮስ
ተበጊሱ ናብ ቁስጥንጥንያ ኣተወ። ብቐጥታ ናብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቁስጥንጥንያ ብምእታው ድማ ሓደ ዲያቆን ሾመ። ስርዓተ
ቅዳሴ ኣካየደ። እንተኾነ ግን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና ኣብ ናይ ካልእ ሃገረ ስብከት ካህን ይኹን ዲያቆን ምሻም ሕጋዊ
ኣይኮነን። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብመሰረት ስርዓት ናይ ኣቦታት ኣኽቢሩ መታን ኪቕበሎ ምስ ካህናት ኮይኑ ናብኡ ከደ።
ኤጲፋንዮስ ግን ንቴዎፍሎስ ንኸሐጉስ ኪብል “ምስ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣይከውንን እየ፡ ምስኡ ኪራኸብ ውን ኣይደልይን እየ”
ብምባል ኣቕበጸ።
ቴዎፍሎስ ዝልእኮም ሰባት ሕጂ ውን እንተኾነ ምስ ደቂቀ
ዮሐንስ ኪራኸቡ ኣይደልዩን እዮም። ምኽንያቱ ምስኦም ኮፍ ኢሎም እንተተዘራሪቦም እቲ ተሸፊኑ ዘሎ ሓቂ ተገሊጹ ናይ ቴዎፍሎስ
ጉድ ስለ ዝቕላዕ። ቴዎፍሎስ ነዚ ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዝፈልጥ ነቶም ዓጀብቱ ናይ ደቂቀ ዮሐንስ ስብከት ከይሰምዑን ምስኦም ኮፍ
ኢሎም ከይመያየጡን ዶብ ይገብረሎም። ብዛኦባኦም ዝበልዎን ዘይበልዎን ወረታት እናነዝሐ ሰብ ከም ዝጸልኦም ኪገብር ድማ ይጽዕር።
እዚ ኩሉ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ ቅዱስ ዮሐንስ ግን ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ፍቕርን ኣይተለወጠን
ነበረ። ስለ’ዝኾነ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓቢሮም ንኽጽልዩን ኣገልግሎት ንኽፍጽሙን ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ (ኣብ ናይ ቅዱስ
ዮሐንስ መንበረ ጵጵስና) ምስኡ ሓቢሩ ንኽኸውን ዓደሞ። ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ግን “ናይ ኦሪገን መጻሕቲ ከየወገዝካን፡ ቴዎፍሎስ
ዘሳደዶም መነኮሳት ኣወጊዝካ ካብ ቁስጥንጥንያ ከይሰደድካዮምን ምሳኻ ኣይሓብርን፡ ምሳኻ ውን ኣይጽልይን” ብምባል ኣብ መርገጺኡ
ጸንዐ። ካልእ ብቴዎፍሎስ ዝተጥጅአ ተንኮል ብዘይ ርድኢት ንምፍጻም ድማ ተዓጥቀ፡ ንጽባሒቱ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ብቴዎፍሎስ
ዝተኣለመ ተንኮል ብተግባር ንምፍጻም ናብ ቤተ ክርስቲያን እናኣተወ፡ ንተንኮሉ ዝተረድአ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሴራፕዮን
ዝተባህለ ሊቀ ዲያቆን ነዚ ዝስዕብ ደብዳቤ ሂቡ ለኣኾ።
“ኦንቅዱስ ኤጲፋንዮስ፡ ምስ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝጻረሩ ብዙሓት ነገራት ገበርካ። ብመጀመርያ ኣብተን
ኣብ ትሕተይ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣነ ከይፈለጥኩ ክህነት ሂብካ። ኣቲኻ ውን ኣገልጊልካ። ጉባኤ ውን ጌርካ። እዚ ኩሉ
ፈጺምካ ከለኻ ኪቕበለካ እንተበልኩ ውን ኣቢኻ። ኣናባና ኪትመጽእ እንተተጋበዝካ ውን ኣይተቐበልካዮን። ኩሉ ነገር ብናትካ ውሳኔ
ትገብር ኣለኻ። ሕጂ ውን ዝገበርካዮን ኪትገብሮ ሓሲብካ ዘለኻን፡ ነገር ከምጽእ ዝኽእል ህዝባዊ ቁጥዓን ሁከት ከምጽእ ንዝኽእል
ነገር ተሓታቲ ንኸይትኸውንን፡ ነብሰኻ ኣብ ሓደጋ ንኸይትወድቕ ተጠንቀቕ”
ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ወቐሳን ተግሳጽን ምስ ሰምዐ ብቕጽበት ካብ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ወጺኡ ናብ ቆጵሮስ
(ሃገረ ስብከቱ) ንምምላስ ጉዕዞ ጀመረ።
እግዚአብሔር ናይ ክልቲኦም ቅድስና ኪገልጽ ስለ ዝደለየ፡ ናይ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ሞት ንቅዱስ ዮሐንስ፡ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ሞት ድማ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ገለጸሎም'ሞ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ንቅዱስ ዮሐንስ "ኣብ መንበርካ ከለኻ ኣይትመውትን ኢኻ" በሎ፡ ቅዱስ ዮሐንስ ድማ "ንስኻ ድማ ኣብ መንበረ ጵጵስናኻ ኣይትበጽሕን ኢኻ" በሎ። ክልቲኦም ዝበልዎ ድማ ተፈጸመ። "ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ንሃገረ ስብከቱ ኪኸይድ ከሎ ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ከይበጽሐ ግንቦት 12 403 ዓ/ም ዓረፈ። ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ብተንኮል ቴዎፍሎስን ተሓባበርቱን ንግስቲ ኣውዶክስያ ከቢድ ስደት ኣውሪዳትሉ " ኣብ ስደት ከሎ ብ12 ግንቦት 407 ዓ/ም ዓረፈ።
“ኦ ቅዱስ ኣቦና ኤጲፋንዮስ፡ ከም’ቲ ንስኻ ተንኮል ናይ ክፉኣት ሰባት ከይፈለጥካ ንስለ እግዚብሔር
ብምቕናእ ዘይግባእ ስራሕ ዝሰራሕካ’ሞ፡ ነቲ ተንኮል ናይ’ቶም ዝኣለሙልካ ክፉኣት ሰባት ዘቃልዕ ንጌጋኻ ድማ ዝእርም ተግሳጽ
ምስ መጸካ ዝነቓሕካ እሞ መሳርሒ ናይ ክፉኣት ሰባት ካብ ምዃን ዘምለጥካ፡ ሎሚ ድማ ነቶም ኣብ ከም’ዚ ናትካ መጻወድያ ኣትዮም
ዘለዉ ኣብ ላዕሊ ኮይንካ ተዓዘቦም እሞ ዘነቓቕሕ መንፈስ ኪሰደሎም ጸሊ”
ናይ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ጌጋ እንታይ ኔሩ?
ኣብ ላዕሊ ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ደብዳቤ ከም ዝረኣናዮ፡ ሓደ ጳጳስ ብዘይ ፍቓድ ናይ’ቲ ኣብ
ሃገረ ስብከቱ ተሽይሙ ዘሎ ጳጳስ ከይዱ ክህነት ክህብ ታቦት ክህብ ኣይክእልን እዩ ዝብል ቃል ብምጥሓስ ንሓደ ሰብ ዲቁና
ብምሃቡ እዩ።
ብዙሓት ሰባት ግብጺ ምሳና እንድዮም፡ ኢትዮጵያ ከማና እንድዮም፡ እናተባህለ ብዝወሃበና ኣብ ውሽጡ ካልእ
ቴዎፍሎሳዊ ሽርሒ ዘለዎ ዝምቡዕ ትምህርቲ ተታሊልና፡ ኤርትራውያን ኢና ብናይ ኤርትራ ቅዱስ ሲነዶስ ኢና ንምራሕ እናበልና፡
ብዘይ ፍቓድ ጳጳሳትና ታቦት ካብ ግብጺ ወይ ካብ ኢትዮጵያ ነምጽእ ሰባት እምበኣር ሕጂ ስውር ሽርሕና ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ ደብዳቤ
ይቀላዕ።
ስለ’ዚ ብመሰረት ስርዓት ናይ ቤተ ክርስቲያን ይትረፍዶ ጳጳስ ናይ ካልእ ሃገር ብዘይፍቓድ ጳጳስ ናይቲ
ኣብኡ ተሸይሙ ዘሎ ጳጳስ ኣገልግሎት ኪፍጽሙስ፡ ሓደ ኣብ ጀርመን ዘሎ ናይ ግብጺ ጳጳስ እኳ ነቲ ኣብ ሆላንድ ዘሎ ናይ ግብጺ
ጳጳስ ከየፍቀደ ኣብ ሆላንድ መጺኡ ኣብ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ኪህብ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ናይ
ኢትዮጵያ ጳጳስ ውን ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ጳጳስ ከይፈቐደሉ ኣሜሪካ ከይዱ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኪፍጽም
ኣይክእልን እዩ። ብሓጺሩ ናይ ዞባ ማእከል ጳጳስ ነቲ ኣብ ዞባ ስሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ጳጳስ ከየፍቀደ ውን ኣብ ዞባ ስሜናዊ
ቀይሕ ባሕሪ ታቦት ኪህብ ክህነት ክሸይም ኣይፍቀድን እዩ።
ብ381 ዓ/ም መቅደንዮስ ንምውጋዝ ኣብ ቁስጥንጥንያ ዝተጋብኡ 150 ኤጲስቆጶሳት 7 ዓንቀጽ ዘለዎ
ውሳኔታት ኣሕሊፎምልና እዮም። እቲ ካልኣይ ዓንቀጽ ድማ ከም’ዚ ይብል “ኩሎም ጳጳሳት ካብ ምምሕዳሮም ወጻኢ ኣብ ዝኾኑ ሃገረ
ስብከታት ኣብ ማንም ጉዳይ ኪኣትዉ ኣይግባእን። ማንም ኤጲስቆጶስ ተጋቢዙ እንተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ ሃገረ ስብከት ከይዱ ኪሸይም
ወይ ካልእ ናይ ምሕደራ ስራሕ ኪሰርሕ መሰል የብሉን” ይብል።
እንተሓሰብናዮኸ ከመይ ዝበለ ንዕቀት እዩ፡
ኣቦታትና ብሕይወት ከለዉ፡ ሃገረ ስብከቶም ማዕርጎም ሽመቶምን ኣቃሊልና ናብ ካልእ ኪንከይድ? እንታይ ኮን ይኸውን ዕላማና? መቸም
ነዚ ዝዓበየ ስርዓት ረጊጽካ ስርዓት የዐሪ ኣለኹ ምባል ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኪቕበሎ ዝኽእል ኣይኮነን። ካልእ ናይ ቤተ ክርስቲያንና
መጽሓፍ ውን ነዚ ኣመልኪቱ ከም’ዚ ይብለና
ካህን ወይ ዲያቆን ንኤጲስቆጶስ እንተነዓቖ ፣ በይኑ ቤተ መቕደስ እንተ ሰረሐ፣ ኤጲስቆጶስ ዉን ሰለስተ ግዜ ጸዊዑ መልሲ እንተዘይ
ሃቦ፣ ንሱ ካብ ማዕርጉ ይሰዓር። ተኸተልቱ ዉን ይሰዓሩ። ፍት.ነገ. አን 6 ቁ 228
ካህን ወይ መነኩሴ ቤተ ክርስቲያን ገዲፉ እንተ ኸደ፣ እታ ካልአይቲ ቤተ ክርስትያን
ኣይትቀበሎ፣ ናብ ቦቱኡ ንኽምለስ ለምንዎ። ክምለስ እንተዘይፈተወ ይፈለ። ኣብ ጉባኤ ዉን ኣይተሓወስ። ፍት.ነገ. 6 ቁ 229-230 2)
ሕጊ ፈሊጡ ዘይሰርሓላ፣… ወይ ናብ ተወጊዞም ዝተፈለዩ ዝዛረብ፣ ዝጽሊ፣ ብዘይ ፍቓድ ኤጲስቆጶስ ዝኸይድ ይሰዓር።ʾʾ ፍት.ነገ.አን.6.ቁ.224-25
አው ዘየሐሚ አወ ዘይገብር ትዕቢተ አው ዘይሰክብ ምስለ ዘማዊት ብእሲት አው ዘሖረ ሃበ ንጉስ ዘእንበለ ትእዛዝ
ሊቁ,,,,,,,,አው ዘአስተሐቀሮ ለኤጲስ ቆጶስ ዘዚኣሁ ወተፈልጠ እምነ ምስዋዑ ወገብረ ምስዋዐ ባሕቲቱ ሶበኒ ጸውዖ ወኢተሰጥዎ
አው ዘፈለሰ እም ቤተ ክርስቲያኑ ሃበ ካልእ ቤተ ክርስቲያን ወእምዝ ገብአ ሃቤሃ አው ሖረ ሃበ ነጊድ .,,,,,,ይትመተር እም
ሲመተ ዲቁና። (ፍት ነገ 7:5)
ወኢይሕንጹ ቤተ ክርስቲያን ዘእንበለ በትእዛዝ ኤጲስቆጶስ ወለእመ
ተሀበለ ፩ዱሂ ወገበረ ካልእ ብዘይ ትእዛዝ ኤጲስቆጶስ ቤተ ክርስትያን ኣይስርሑ። ሓደ ሰብ እኳ ደፊሩ ካብዚ
ወጻኢ ንተሰረሐ ኣብ ውሽጣ ክሳብ ዘለዓለም ቍርባን ኣይቑረብ። ካህን ውን ነዚ ጥሒሱ ኣብ ውሽጣ ቍርባን እንተ ቆረበ ክህነቱ ይሰዓር። ʾʾ ፍት. ነገ. አን. 1 ቁ 2
ይቕጽል
ቃላለ ሂወት የስመዓልና ሓውና ወልደኣብ እግዚኣብሔር ይሓግዝካ፡
ReplyDelete