bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday, 5 June 2016

ስውራት ጸላእቲ 2ይ ክፋል

 ቴዎፍሎስ ሓሳቡ ከም ዝቐየረ

እቲ ካብ 399-400 ዓ/ም ናይ ኦሪገን ደጋፊ ዝነበረ ቴዎፍሎስ ምስ ኣባ ኤስድሮስ ዝተባህለ መነኮስ ብግላዊ ጥቕሙ ስለ ዝተጻልአ፡ ነቲ ናይ ኦሪገን ኣተሓሳስባ ንዝድግፍ መነኮስ (ንኣባ ኤስድሮስ) ንምጥቃዕ ኪብል ኣንጻር ኦሪገናውያን ተሰለፈ። ምስ ኣባ ኤስድሮስ ዘጻልኦም ጉዳይ ጉዳይ ገንዘብ እዩ። ኣባ ኤስድሮስ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ነቶም ኣብ እስክንድርያ ዝርከቡ ድኻታት ክዳውንቲ መግዝኢ ኪኸውን ኢላ ብዙሕ ወርቂ ብማሕላን ብብዙሕ ሓደራን ተቐቢሎም ነበሩ። ንሶም ድማ ቴዎፍሎስ እንተሰሚዑ ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕሎ ምዃኑ ጽቡቕ ጌሮም ጠባዩ ስለ ዝፈልጥዎ ንዕኡ ከይነገሩ ከም ሓደራኦም ንድኻታት ኣካፈልዎ።

ሎሚ ውን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ውግእ ናይ’ዚ መቐጸልታ እዩ። ኣብ መንጎ እቶም ንገንዘብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስጋዊ ጥቕሞም ዘውዕልዎ ቴዎፍሎሳውያንን፡ ኣብ መንጎ እቶም ነዚ ተቓዊሞም ኣብ ዝግብኦ መንፈሳዊ መዓላ ከውዕልዎ ዝደልዩን ዝጽዕሩን ኤስድሮሳውያናን ዝግበር ኩናት።


ቴዎፍሎስ ግን ነዚ ነገር እዚ ብመንገዲ’ቶም ዝነበርዎ መገብተ ዜና ኣቢሉ ስለ ዝፈለጠ ኣዝዩ ሓረቐ።

ናይ ቴዎፍሎሳውያን መገብተ ዜና ሕጂ ውን ተዘሪኦም ኣለዉ፡ እዚ ናይ ኤስድሮሳውያን ኣሳራርሓ ድማ ኩሉ ጊዜ ከቃጽሎም እዩ ዝነብር።

ቴዎፍሎስ ንግዚኡ ትም ዝበለ መሰል’ሞ ድሐሪ 2 ወርሒ ንካህናት ኣኪቡ ንኣባ ኤስድሮስ “ቅድሚ 18 ዝተኸሰስካዮ ክሲ ኔሩ፡ ስራሕ በዚሕኒ ረሲዐዮ ኔረ” ዝብል ናይ ፈጠራ ክሲ ከፈተሎም። ኣባ ኤስድሮስ ግን ኣብ ቅድሚ ካህናት ንዕኡ ብዘሕፍር ሕቶታት  ጌሮም ስለ ዘዋጠርዎ፡ ከም ዘይተዋጽኦ ፈሊጡ ነቲ ነገር ናብ ካልእ መዓልቲ ብቖጸራ ኣመሓላለፎ።

ኣስተውዕል ናይ ቴዎፍሎሳውያን ጠባይ ሕጂ ውን ንሱ እዩ። ስራሕ በዚሕኒ ምጥዓም ስኢንኒ እናበልካ መዓልቲ ተናውሕ እሞ፡ ንዓኻ ዘጣቕዑ ደገፍቲ መልሚልካ ንገሊኦም ብጥቕሚ፡ ንገሊኦም ብግርህነት ብምትላል፡ ንገሊኦም ንዕኦም ብዝቐርብዎም ሰባት ጌርካ ጸቕጢ ብምፍጣርን ብምፍርራሕን ናትካ ኣጥቃዕቲ ኮይኖም ከም ዝስለፉ ምግባር። ሕጂ ውን ነዚ ጠባይ እዚ ዝተሰለሙ ቴዎፍሎሳውያን ንቤተ ክርስቲያን ከቢቦማ እለዉ። ስለ’ዚ ሓንሳብ ነዚ ንባብ ኣቋርጽ ኣቢልካ እሞ ኣስተንተን፡ ኣብ ዘለኻዮ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ናይ ቴዎፍሎስ ማልያ ለቢሶም ዝጻወቱ ዘለዉ በዓል መን ምዃኖም መርመር። ብድሕሪ እዚ ኣከፋፋሊ ናቶም ካብ ምዃን ንኽትቁጥብ ኪሕግዘካ እዩ።

 ቴዎፍሎስ ንኣባ ኤስድሮስ ንምኽሳስ፡ ገንዘብ ብምሃብ ናይ ሓሶት ምስክር ንምግዛእ ንሓደ ቆልዓ ብመንገዲ ሓፍቱ ጌሩ ብዙሕ ገንዘብ ሓቦ። ኣደ ናይቲ ቆልዓ ግን “ነዚ ናይ ዓመጽ ገንዘብ ኣይቅበልን እየ” ብምባል፡ ንኣባ ኤስድሮስ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሓሶት ምስክር ንምምስካር ካብ ሓፍቲ ቴዎፍሎስ ገንዘብ ከም ዝተቐበለት ኣርኣየቶ። ነቲ ገንዘብ ድማ ኣይቅበልን እየ ኢላ መለሰቶ። ሓፍቲ ቴዎፍሎስ ድማ ብሕማም ተሳቕያ ሞተት።

ብሰንኪ በደል ናይ ካህናት ኣፍኒንን ፊንሃስን፡ ህዝቢ እስራኣኤል ኣብ ኩናት ሃሊቑ፡ ታቦተ ጽዮን ተማሪኻ፡ ሰበይቲ ናይ ካህን ፊንሃስ እናሓረሰት ሞይታ፡ ኣቦኦም ካህን ኤሊ ነዚ ክፉእ ወረ ምስ ሰምዐ ካብ ውንበሩ ወዲቑ ሞይቱ።(1ይ ሳሙ 2፡22-38 1ይ ሳሙ 4፡5-22) ሕጂ ድማ ብሰንኪ ናይ’ዚ ክፉእ ሓዋ  ተሓባባሪተ ብምዃና ሓፍቲ ቴዎፍሎስ ጠፍአት። ቴዎፍሎሳውያን ኩሉ ጊዜ ለኪሞም ኪኸዱ እንተዘይኮይኑ ዘልምዕዎ የለን።

ቴዎፍሎስ ብሞት ናይ ሓፍቱ እኳ ኣይተማህረን። በዚ ዘይቀንዓሉ ምዃኑ ምስፈለጠ “ኤስድሮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተባረረ እዩ” ብምባል ኣወገዞ። ሽዑ ኣባ ኤስድሮስ ንሕይወቱ ውን ስለ ዝፈርሐ ናብ ናይ ቀደም ገዳሙ ናብ ኒጥሪያ ብምህዳም ኣብ በዓቱ ተቐሚጡ ነገሩ ንፈጣሪ ኣሕሊፉ ሃበ።

ቴዎፍሎስ ኣብ ልዕሊ ኣባ ኤስድሮስ ዝረኸቦ ዓውት ዘተኣማምን ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ፡ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከይገለጸ ሽዑ ንሽዑ ካብ ዓበይቲ ናይ ገዳም ኣበምኔታትን ኣቦታት ዝተወሰኑ ጳጳሳት ከይተረፉ ካብ ገገዳሞም ካብ በረኻታት ከም ዝስደዱ ዝእዝዝ ደብዳቤ ንናይ እቲ ከባቢ ጳጳስ ለኣኸ። እዞም መነኮሳት እዚኣቶም ምስ ካህናቶም ኮይኖም ብምንታይ ምኽንያት ይስደዱ ከም ዘለዉ ሓተትዎ። ንሱ ግን ካብ ሓደ ፓትርያርክ’ሲ ይትረፍ፡ ካብ ማንም ሰብ ብዘይትጽበዮ መልክዕ ብጽፍዒት ሃረሞም።

ምስጓግ ናይ መነኮሳት

ቴዎፍሎስ በዚ ከይተወሰነ ነዞም መነኮሳት ንምውጋዝ ነናብ ሃገረ ስብከቶም ጉባኤ ጸውዐ። ንሳቶም ቀሪቦም ኪማጎቱ ግን ዕድል ኣይሃቦምን። ሓንቲ ቃል ከተንፍሱ ውን ኣይከኣሉን። ኣቐዲሙ ብዓቢ መምህርነቶምን ቅድስናኦምን ዘኽብሮም ዝነበረ ኣረጋውያን መነኮሳት ንኣባ ኤስድሮስ ከም ናቱ ጌሮም ስለ ዘየባረርዎን፡ ንዕኡ ብዘርኣይዎ ምድንጋጽን ብሓንሳብ ኣወገዞም። ብሓንሳብ ንኩላቶም ምስጓግ ስለ ዘፍርሖ ግን ሓንሳብ 2 ሓንሳብ ድማ 3 እናገበረ በብተራ እናገበረ ኣሳደዶም። ቀጺሉ ናብ ገዳሞም ናብ ኒጥርያ ብወተሃደራት ተዓጂቡ ብምኻድ ነቶም ኪሕዞም ዚደለየ 3 ጳጳሳትን ካልኦት መነኮሳትን ስለ ዘይረኸቦም፡ ነቲ ኣብ በዓቶም ዝጸንሖ ንኣሽቱ ነገራት ነቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ መንእሰያት ኣካፊሉ፡ ነቲ ገዳሞም ምስ ኩሉ መጻሕፍቶምን ንዋየ ቅድሳቶምን ብሓዊ ኣቃጺሉ ናብ እስክንድርያ ተመልሰ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ሓደ ህጻን ውን ኣብቲ ሓዊ ከም ዝተቓጸለ ይንገር። እቶም 300 ዝኣኽሉ መነኮሳት ድማ ናብ ፊልስጤም ቀጺሎም ውን ናብ ኢየሩሳሌም ተሰዱ። ካልኦት ድማ ናብ ካልእ ቦታ ተበታተኑ። ቴዎፍሎስ ግን ሕጂ ውን ንናይ ፍልስጤም ጳጳስ ነዞም ስደተኛታት መነኮሳት ኣብ ናይ ውልቁ ይኹን ብቤተ ክርስቲያን መዕረፊ ንኸይቅበሎም ደብዳቤ ሰደደሉ።

ስደተኛታት መነኮሳት ኣብ ቁስጥንጥንያ

 እዞም ስደተኛታት መነኮሳት ድሕሪ ብዙሕ ምንግልታት ቁስጥንጥንያ በጽሑ። ኣብ እግሪ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ወዲቖም ድማ፡ ነዘን ብግፍዐኛታት ብዙሕ ግፍዒ ዝወረደን ነፍሳት ንኽረድአን ተማሕጸንዎ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ነዞም ብመከራ ዝላሕልሑ መነኮሳት ረኣየ። ከም’ቲ ልሙድ ርህራሄኡ ብጣዕሚ ሓዘነሎም እሞ በኸየ፡ ከዕርፉ ድማ ነገሮም። ንሳቶም ድማ “ከምቲ ካልኦት ጳጳሳት ንቴዎፍሎስ ፈሪሖም ዋላ ሓንቲ ዘይሓገዙና፡ ንስኻ ድማ ዋላ ሓንቲ ዘይትሕግዘና እንተኮይንካ፡ ናብ’ቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺና ዝኾነ ናብ ንጉስ ኪንከይድ ኢና፡ ስል’ዚ ንክብሪ ቤተ ክርስቲያን ኪትብል ናብ ገዳምና ናብ ግብጺ ኪንምለስ ንቴዎፍሎስ ለምነልና” በልዎ።

 ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ ቴዎፍሎስ ተዘራሪብካ ንምፍትሑ ቀሊል እዩ ኢሉ ሓሰበ። ንዓኣቶም ድማ ናብ ቴዎፍሎስ ደብዳቤ ልኢኹ መልሲ ኪሳብ ዚሰደሉ፡ ስለ ምንታይ ከም ዝመጹ ንዋላ ሓደ ከይነግሩ መኸሮም። መዕረፊ ቦታ ሃቦም፡ ካልእ ዘድልዮም ነገራት ዝሃብዎም ግን ምእመናን እዮም ኔሮም (ብፍላይ ድማ ኦሎምቲያ ዝተባህለት ሕያወይቲ ኣደ እያ ትረድኦም ኔራ)። ኣብ’ቲ ጊዜ እቲ ካብ ቴዎፍሎስ ናብ ቁስጥንጥንያ ዝተላእኩ ካህናት ኣብ’ኡ ነበሩ እሞ፡ ንዓኣቶም ጸዊዑ ነዞም ተሰዲዶም ዝመጹ መነኮሳት ዝፈልጥዎም እንተኮይኖም ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ከም ዝፈልጥዎምን  ብዊሕይም ዝተፈልጡን ዝተመስገኑን ኣቦታት ምዃኖም፡ እንተኾነ ግን ግፍዕን በደልን ዝወረዶም መነኮሳት ምዃኖም ብግልጺ ነገርዎ። “ኦ ኣቦና ብዝከኣለካ ዘበለ ብርህራሄ ተመልከቶም” ድማ በልዎ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ እዞም መነኮሳት ኣብ ውሽጢ ሕቕፉ ከም ዘለዉ ንኣሽቱ ደቁ ብምቑጻር ይቕረ ኪብለሎምን ኪቕበሎምን፡ ንሱ ውን ናይ ቴዎፍሎስ ውሉድን ሓውን ምዃኑ፡ ብምግላጽ ንቴዎፍሎስ ብትሕትና ጸሓፈሉ። ቴዎፍሎስ ግን ኣይተቐበሎን።


ቴዎፍሎስን ቅዱስ ኤጲፋንዮስን ይቕጽል

No comments:

Post a Comment