1ይ ““ካህናቶም
ድማ ብሥርዓተ ብላዕ ስተ ንኸብዶም የገልግሉ። ኣረቅን ወይንን ቢራን እናሰተዩ ድማ ይሰኽሩ። ኣብ ዝሞቱ ሰባት ድማ ናይ ሥርዓተ
ብላዕ ስተ ጨንደላሕላሕ ብመልክዕ ዓሱርን ተስካርን እናተባህለ ይበልዑ”
ንቤተ ክርስቲያን እትህቦ ነቐፌታ ብውልቀ ሰባት ደረጃ ኪኸውን ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣነ ዝምልሰልካ መልሲ
ውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓቀኛ መምርሒ እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ እምበር ናይ ውልቀ ሰባት ጠባይ ብዝምልከት ኣይኮነን። ብሓፈሻ እዚ
ንካህናት ንምቅላልን ምእመናን ካህናት ከም ዝጸልኡ ንምግባርን ኮነ ኢልካ ዝሃቀንካዮ ሃቐና ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዝፈልጥ
እዚ ሓድሽ ኣይኮነን። ካህን ሰብ እዩ ኪጋገ ድማ ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ካህን ስለ ዝሰክር ካህን ስለ ዝዝሙ ካህን ስለ ዝሰርቕ
እቲ ናቱ ሃይማኖት (እምነት) ቅኑዕ ኣይኮነን ናብ ምባል ዘብጽሕ ኣይኮነን።
ንኣብነት ኣቦና ኖህ ጻድቕ ሰብ እዩ። እንተኾነ ግን ወይኒ ሰትዩ ከም ዝሰኸረን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ
ሓቂ እዩ። “ኖህ ድማ
ሓረስታይ ምድሪ ኪኸውን ጀመረ፡ ወይኒ ኸኣ ተኸለ። ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኸኣ ጥራዩ ዀነ። ከም ዝብለና(ዘፍ 9:20-21)
ካብኡ ብዝኸፍአ ድማ ኣቦና ሎጥ ወይኒ ሰትዩ ሰኺሩ ምስ ክልተ ደቁ ዝሙት ኪሳብ ምፍጻም ከም ዝበጽሐን ነንብብ። “ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶ፥ እንሆ፡ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ፡ በለታ” (ዘፍ 19፡34)
ካብ’ኡ ሕልፍ ኢልና ምስ ንዕዘብ ድማ እቶም ክልተ ካህናት ደቂ ኤሊ ኣፍኒንን ፊንሃስን፡ ዘመውቲን ሰረቕትን ከም ዝነበሩ ነንብብ “ኤሊ
ድማ ኣዝዩ ኣረገ እቲ እቶም ደቁ ኣብ ብዘለዉ እስራኤል ዘገበርዎ ኩለን ነተን ኣብ ደገ ምርኻብ ድንኳን ዘገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዝድቅስወን ሰምዔ” ከም ዝብለና (1ይ
ሳሙ 2:22)
እቲ እግዚአብሔር ከም ልበይ ዘበሎ ቅዱስ ኣቦና ዳዊት ውን ሰበይቲ ሰብኣይ ዓሚጹ ንሰብኣያ ውን ብምቕታል ዓቢ ሓጢአት ኪሰርሕ ኢና ነንብብ (1ይ ሳሙኤል 11-ፍጻሜ)
እቲ ዝዓበየ ጥበብ ዝተዓደለ ውዱ ሰለሞን ውን እግዚአብሔር ዘይ ፈልጣ ኣማኢት ዝኾና መምለኽቲ ጣኦት ብምምርዓው ብዝሙቱ ንኣምላኽ ኣሕዚንዎ እዩ።(1ይ ነገ
11፡1-4)
ኣብ ሓድሸ ኪዳን ምስ ንመጽእ ድማ ይሁዳ ሓደ ካብቶም 12 ሐዋርያት ነበረ። እንተኾነ ግን ካብ’ቲ ዝሕዞ ዝነበረ ገንዘብ ይሰርቕ ነበረ።(ዮሐ 12፡6)
ስለ’ዚ ኣስተውዕል እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ሰባት ነቲ ንዓለም ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ዝፈጠረ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ብምምላኽ ዝፍለጡ፡ ሃይማኖቶም ቅኑዕ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም። ከም ዝረኣናዮም ግን ገሊኦም ብዝሙት ገሊኦም ብስርቂ ገሊኦም ድማ ብስኽራን ተሰኒፎም ከም ዝነበሩ እዩ። እሞ ኸ ድኣ በዚ ዶ ሃይማኖቶም ቅኑዕ ኣይነበረን ኪበሃል ይከኣል እዩ።
ኣይፋሉን ንሳቶም ሃይማኖቶም ቅኑዕ እዩ ዝነበረ፡ ሰባት ከም ምዃኖም መጠን ግን ተጋገዩ። ካብ’ዚኣቶም እቶም ዕድሎም ተጠቒሞም ዝተነስሑ ድሒኖምሲ ቅዱሳን እናበልና ውን ንጽውዖም ኣለና። ከም ደቂ ኤሊን ከም ይሁዳን ዝኣመሰሉ ተግሳጽ እግዚአብሔር ዘይተቐበሉ ፍጻሜኦም ጥፍኣት ኪኸውን ከሎ፡ እቶም ተገሲጾም ዝተመለሱ ከም በዓል ቅዱስ ዳዊትን ካልኦትን ድማ ናብ ቅድስና በቕዑ። ስለ’ዚ ብምግባር ንማንም ሰብ ናይ ምፍራድ ስልጣን የብልናን።
ሕጂ ውን እንተኾነ ተረፈ ይሁዳ ናይ ይሁዳ ዕጫ ከይረኽቦም ከም ዳዊት ብንስሓ ኪምለሱ ምእንቲ እቶም ኣብ ስጋዊ ነገር ዝወደቑ ኣገልገልቲ ኪንጽሊ ድኣ ይግብኣና እምበር ማንም ኪንፈርድ ስልጣን የብልናን። ኣብ ፈቐዶኡ ንርእዮ ከም ዘለና ፓስተራት ኢና በሃልቲ ንብዙሓት መሳኺን ደቂ ኣንስትዮ “ጎይታ ኣዚዙኒ እዩ’
እና በሉ ኣደዳ ብዙሕ ስቓይ ኪገብርወን ኢና ንዕዘብ። እምበር ካህናት ተዋህዶስ ኣብ ኪዳኖም ኪሳብ ዕለተ ሞቶም ዝጸንዑ ኣብነት ናይ ጽኑዕ ሓዳር እዮም። ጽኑዕ ሓዳር ዝደለየት ዲያቆን ትመርዖ ዝብሉ ዘሐብኑ ኣቦታት እዮም።
ሕጂ ድማ ናብ’ቲ
“ኣብ ዝሞቱ ሰባት ድማ ናይ ሥርዓተ ብላዕ ስተ ጨንደላሕላሕ ብመልክዕ ዓሱርን ተስካርን እናተባህለ ይበልዑ” ዝበልካዮ ቃል ኪምለስ
ኣብ’ዚ ውን ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ምፍላጥ ገለ ስርዓት የትሕዘካ ይኸውን እዩ እሞ፡ ብዛዕባ ኣብ ጊዜ ተስካርን ዓሱርን ኪግበር
ዘለዎ ስርዓት እንታይ ከም ዝብል ተኸታተል “
“ፍትሓት ጸሎት ዓሱር ኣርብዓ ሰማንያ ተዝካር መንፈቕ ዓመት ወዘተ ኪፍጸም
ከሎ ዝኾነ እኽለ ማይ ከይግበር ክልኩል እዩ” እዩ ዝብል (ቃለ ኣዋዲ ኣንቀጽ 26 ቁጽሪ 3)
ስለ’ዚ እቲ ብመልክዕ ዓሱርን ተስካርን ናይ ብላዕ ስተ ጨንደላሕላሕ ይገብሩ
ዝበልካዮ ውጹእ ሓሶት እዩ። ምናልባት ኣብ’ዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይብለይ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት በዚ መልክዕ ብሜስን ብዝሕላን
ከሕልፎ እየ እናበሉ ቤተ ክርስቲያን ዘይትእዝዞ ናይ ባዕሎም ልምዲ ዘለዎም ሰባት ከም ዘለዉ ኪሰሓት የብሉን። ሕጂ ውን እንተኾነ
ነዚኦም እናረኣኻ ንቤተ ክርስቲያን ምንቃፍ ንይሁዳ ርኢኻ ንጎይታ ከም ምንቃፍ እዩ ዝቑጸር።
1ይቲ ካሴት 2ይ
ገጽ 2ይ ክፋል መበል
12 ሓሶት
ገሊኦም ብሰንበት እንተሞይትካ ዝሓተካ ዘይብልካ መንግሥተ ሰማያት ኢኻ ትኣቱ፡ ገሊኦም
ድማ ብበዓላት ሩፋኤል እንተሞይትካ መንግሥተ ሰማያት ኢኻ ትኣቱ ይብሉ።
ብዛዕባ’ዚ ዋላ ሓንቲ ኪብለካ ኣይክእልን እየ። ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ንምጽላም ዝመሃዝካዮ ጽንጽዋይ
ከም ዝኾነ ካብ ማንም ዝኽወል ስለ ዘይኮነ። “ብሰንበት እንተሞይትካ ዝሓተካ ዘይብልካ መንግሥተ ሰማያት ኢኻ ትኣቱ፡ ገሊኦም ድማ
ብበዓላት ሩፋኤል እንተሞይትካ መንግሥተ ሰማያት ኢኻ ትኣቱ” ዚበሉ መን እዮም? እዚ ትምህርቲ እዚ ምናልባት ንመጻኢ ኪትጅምሮ ዝደለኻዮ
ናትካ ውጥን እንተኾይኑ ኣይፈለጥኩን። ኣብ “ቅድስት ተዋሕዶ” ግን ከም’ዚ ዚብል ትምህርቲ የለን።
ቤተ ክርስቲያን ሰብ ብናይ ክርስቶስ ናይ
ባህሪ ኣምላኽነትን ኣድሓንነትን ኣሚኑ፡ ተጠሚቑ፡ ቆሪቡ ትእዛዝ ኣምላኽ እናሓለወ ብጸሎት ናይ ጻድቃን ብተራዳእነት ናይ ቅዱሳን
መላእኽቲን እናተደገፈ ብምሕረት ኣምላኽ ድኣ ይጸድቕ እምበር ብዝሞተሉ ዕለት እናረኣኻ ይጸድቕ ይኹነን ኢላ ኣይትምህርን እያ።
ሓደ ካብቶም ዝምለኹ በዓላት እንተድኣ ንጊዮርጊስ ጓሳን መድሓንን ኪኾነኩም ተቐቢልኩሞ ብስሙ ድማ እንተ ለመንኩም ብመስዋእቲ ሕሩድ
ድማ እንተ ኣገልገልኩሞ በዓሉ ድማ እንተዘይደፈርኩም ምስ ሞትኩም ሲኦል ምእንቲ ከይትኣትዉስ ዋሕስ ኪኾነኩም እዩ። ምስ እግዚአብሔር
ድማ ኪዓርቀኩም እዩ ይብልዎም።
መጀመርያ ዝምለኹ በዓላት ዝበልካዮም፡ ኣብ ተዋሕዶ ዝምለኹ በዓላት የለዉን። ኣምልኾ ንሓደ ንክርስቶስ
እምበር ንካልእ ኣይወሃብን እዩ። ዝኽበሩ መንፈሳውያን በዓላት ግን ኣለዉና። ብዛዕባ’ዚ ኣብ’ቲ በዓላት ዝብል ኣርእስቲ ኪንርእዮ
ኢና። ኣብ’ዚ ግን ንሓሶትካ ኣቃሊዐዮ ጥራይ ኪሓልፍ ንበዓላት ይምልኹ ዝበልካዮ ውጹእ ሓሶት እዩ።
“እንተድኣ ንጊዮርጊስ ጓሳን መድሓንን ኪኾነኩም ተቐቢልኩሞ ብስሙ ድማ እንተ ለመንኩም”
ዝብሉ
ቃላት ድማ ዝተሓዋወሱ ቃላት እዮም። ንቅዱስ ጊዮርጊስ ኮነ ካልኦት ቅዱሳን ብቃል ኪዳኖም ብጸሎቶም ይጓስዩና ይራድኡና ናብ እግዚአብሔር ንምብጻሕ ይድግፉና ድኣ ንብል እምበር፡ ጓሳናን መድሓኒናን ሓደ
ክርስቶስ እዩ። ብስሞም ኪንልምን ድማ ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ። እዚ ውን ኣብ’ቲ ኣማላድነት ዝብል ኣርእስቲ ብሰፊሑ ኪንርእዮ ኢና።
መበል
13 ሓሶት
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ
እቶም ሰባት ዘለዎም ኵሉ ጨቐቕ ኢሎም ብብላዕ ስተ መሥዋዕቲ ብምግባር ዝክርን ንግደትን እናበሉ የገልግልዎም። ካብዚ ሓሊፈም ድማ
ሓደ ሰብ ካብ ሓንቲ ስድራ ቤት እንተ ሞተ ብናይ ገርግሽ ትውክልቲ ዋሕስ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ እናበሉ የስተምህሩ ከም ዘይነበሩ፡ ነቲ ኣብ ገርግሽ ተወኪሉ ዝሞተ ሰብ ድሕሪ ሞቱ ካብቲ ዝነበሮ ኃጢአት ምእንቲ
ከነድሕኖስ ሰልዲ ሃቡና እሞ ፍትሓት ክንገብረሉ ኢና፡ ሰልዲ እንተዘይከፈልኩም ግና ፍትሓት ኣይንገብረሉን ኢና ይብሉ።
እዚ ውን ውጹእ ሓሶት እዩ። ንፍትሓት ዝኸውን ሰልዲ ሃቡና ብዘይ ሰልዲ ኣይንፈትሖን ኢና ዝብል ትምህርቲ
ኣብ ተዋሕዶ የለን።
እቲ ዝሞተ ኣብ መበል
12 መዓልቲ ድኣ ኪፍታሕ ኣለዎ እምበር፡ እቲ ቅድሚ ምቕባሩ ዝነበረ ናይ ፍትሓት ጸሎት እኹል ስለ ዘይኮነ፡ ደጊምና ኪንፈትሖ ኢና
እሞ ሰልዲ ሃቡና ይብሉ። ድኻታትን ካህናትን ምእንቲ
ክበልዑ ድማ ብዓቢ ሽሻይ ኪሓልፍ ኣለዎ ይብሉ። ክሳዕ ተስካር ዘይተፈትሐ እሱር እዩ ይብሉ። ጐይታ ድሕሪ ትንሣኤ 40 መዓልቱ ስለ
ዝጸንሐ፡ እታ ናይ ዝሞተ ሰብ 40 መዓልቲ ኣብ ጠፈር ትጸንሕ ኣብ 40 ድማ ፍትሓት ተጌሩላ ትኣቱ ይብሉ።
ብዛዕባ ፍትሓት ዝምልከት
ኣቐዲመ ኣብ መበል 11-17 ክፋል ብሰፊሑ መሊሰዮ ስለ ዘለኹ፡ ኣብ’ዚ ምድጋም ኣየድልን እዩ። ብዛዕባ’ቲ ደጋጊምካ “ብዓቢይ ሽሻይን
ብላዕ ስተን ኪሓልፍ ኣለዎ ትብሉ” ትብሎ ዘለኻ ሓሶት ውን ንሕና “ፍትሓት
ጸሎት ዓሱር ኣርብዓ ሰማንያ ተዝካር መንፈቕ ዓመት ወዘተ ኪፍጸም ከሎ ዝኾነ እኽለ ማይ ከይግበር ክልኩል እዩ” እዩ ዝብል (ቃለ
ኣዋዲ ኣንቀጽ 26 ቁጽሪ 3) እሞ ካብ ሓሶትካ ዕረፍ ጥራይ እየ ዝብለካ።
3ይ ክፋል 2ይ ካሴት
1ይ ገጽ መበል
14 ሓሶት
ሰይጣን ውን ኣብቲ ማየ ጸሎት ተባሂሉ ዚፍለጥ ናይ ኣጋንንቲ ስፍራ ብመልክዕ ገበልን
ተመንን እናተገልጸ ብዙሕ ዚዓይነቱ ጠባሪ ፈውስታትን ትእምርታትን ይገብር እዩ። ከምቲ ቻይናውያንን ህንዳውያንን ንኣትማንን ገባብልን
ከም መላእኽቲ ዚቖጽርዎም ኣመንቲ ተዋህዶ ድማ ነቶም ኣብ ማየ ጸሎት ዚግለጹ ገባብል ከም መላእኽቶም እዮም ዚቖጽርዎም እዝ ስ እንታይ
ኪትብሎ ትኽእል ተመን ከ ምስ ኣምላኽ እንታይ ርክብከ ኣለዎ?
ማይ ጸሎት ርእሲ ናይ ገበል (ሰይጣን) ዝርገጸሉ ቦታ ስለ ዝኾነ ንኣጋንንትን
ኣጋንንቲ ንዝሓደርዎም ሰባትን ቀጥቀጥ እዩ ዘብሎም። ደጋጊመ ዝብለካ ዘለኹ ቃል ንሱ እዩ። ቤተ ክርስቲያን “እስመ ዘእንበሌከ ባዕድ
ኢነአምር” ማለት ብዘይካኻ ካልእ ባዕዲ ዝኾነ ኣምላኽ ኣይነፈልጥን እናበለት ትዝምረሉ ሓደ መርዓዊ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣለዋ ክርስቶስ።
ንገበል ኮነ ንካልእ ፍጡር ኣምላኽ ኢላ ኣይትፈልጥን። ብዛዕባ’ዚ ውን ኣብ’ቲ ማየ ጸሎት ዝብል ኣርእስቲ ብሰፊሑ ክንርእዮ ኢና።
4ይ ክፋል 2ይ ካሴት 2ይ ገጽ መበል 15 ሓሶት
ተዋህዶ ከምዚ ይብሉ
ከምቲ ንፕረዚደንት ናይ ሓደ ሀገር ብቐጥታ ኪትረኽቦ ዘይከኣል፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ግና እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ሰበሥልጣን ሒዞም
ናብኡ ከብጽሑኻን ከራኽቡኻን ዚኽእሉ ልክዕ ከምኡ ከኣ ክርስቶስ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኢኻ ትረኽቦ፡ እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ሰበሥልጣን
እዮም ዘራኽቡኻ ብምባሎምሲ ምሥጢር ናይቲ ምድራዊ ክርስቶስ ሃሳስ ፍልጠት ይዝርግሑ ከም ዘለዉ ተረድኡ።
ሕጂ ውን ብዛዕባ
እዚ ኣብ’ቲ ኣማላድነት ዝብል ኣርእስትና ስለ ንመሃሮ ንሓሶትካ ገሊጸዮ ጥራይ እየ ኪሓልፍ። ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ብቐጥታ
ኣይተረኽቦን ኢኻ ኢላ ኣይትምህርን እያ። እሞ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝብል ጸሎት ድኣ ናብ መን ድዩ ዝጽለ? እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ
ከይበልና ንውዕለሉ ዕለት ከ ኣሎ ድዩ? እሞ ነዚ ድኣ ናበይ ኪትደፍኖ ደሊኻ? ኣብ ሰማይ ትነብር ኣቦና ንብሎ ብቕጥታ ንክርስቶስ
እዩ። እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ (ኦ ጎይታና ክርስቶስ መሓረና) ንብሎ ውን ብቐጥታ ንዕኡ እዩ።
5ይ ክፋል 3ይ ካሴት 1ይ ገጽ መበል 16 ሓሶት
እቲ ዘገርም ብዙሓት
ካብ ሐዋርያት ሃይማኖት ተዋሕዶ ክርስትና ቅድሚ ልደተ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ተጀሚሩ ስለ’ዚ ሃይማኖት ተዋሕዶ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ
ሃይማኖታት ናይ መጀመርያ እዩ ተዋሕዶ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ ተጀሚሩ ይብሉ።
ተዋሕዶ ዝብል መጸውዒ
ዝመጸ ብ431 ኣብ ናይ ኤፌሶን ጉባኤ ከም ዝኾነ ኩሉ መጻሕትና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ተዋሕዶ ማለት እኮ “ቃልን ስጋን ዝተወሃሃደ”
ማለት እዩ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ “ቃል ስጋ ኮነ” ዝበሎ ቃል እዩ።(ዮሐ 1፡14) ቃል ስጋ ዝኾነሉ ድማ ኣብ ማህጸን ድንግል
ማርያም ምስ ሓደረ ድኣ እምበር ቅድሚኡ ኣይኮነን። ነዚ ትምህርቲ እዚ ዝቃወም ንስጥሮስ ዝተባህለ መናፍቕ ምስ ተንስአ ጉባኤ ብምግባር
ንንስጥሮስ ረቲዖም ነታ ኦርቶዶክስ ዝብል መጸውዒ ሒዛ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝብል መጸውዒ ወሲኾም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ
ዝብል መጸውዒ ሓዘት።
ስለ’ዚ ተዋሕዶ ዝብል
መጸውዒ ካብ’ቲ ተዋሕዶ ዝብል እምነት ድሒሩ ዝተዋህበ እዩ። ተዋሕዶ ዝብል እምነት ካብታ ኣካላዊ ቃል ስጋ ናይ እመቤትና ዝተዋሃሃደላ
ጀሚሩ ዘሎ ዝነበረ እኳ እንተኾነ ከም መጸውዒ ዝተጠቐምናሉ ግን ድሕሪ ጉባኤ ኤፌሶን እዩ። ብሓፈሻ ናይ ክርስትና ናይ ኣጸዋውዓ
ኣስማት ካብ ዘመነ ሐዋርያት ምስ ንጅምር፡ መጀመርያ ሐዋርያት ደቀ መዛሙርቲ ይበሃሉ ኔሮም። ቀጺሎም ኣብ ኣንጾክያ ምስ በጽሑ
“ክርስቲያን፥ ተባሂሎም (ግ ሐ 11፡26) ብ325 ድማ ነቲ ኣምላኽነት ናይ ክርስቶስ ዝኸሓደ ኣርዮስ ፈልዮም፡ ካብታ ናቱ ዝምብዕቲ
እምነት ንምፍላይን ሓቅነታ ንምእዋጅን፡ “ኦርቶዶክስ” ማለት ቅንዕቲ ቀጥተኛ እምነት ዝብል ስያሜ ሃብዋ፡ ብ431 ንስጥሮስ ናይ
ቃልን ስጋን ምውህሃድ ምስ ከሓደ ድማ ንክሕደቱ ስዒሮም ቃልን ስጋን ከም ዝተወሃሃደ ዝነግር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ንምጽናዕ
(ተዋሕዶ) ዝብል ስም ሃብዋ። ካብኡ ጀሚራ ድማ (ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ) ተባሂላ ትጽዋዕ።
ብፍላይ ናይ ኤርትራውያን
ድማ ካብ ዓለም ፍልይ ዝበለ ሓለፋ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ዘመነ ብሉይ ንእግዚአብሔር ዘምልኹ ዝነበሩ እስራኤልን ኤርትራን ኢትዮጵያን
ጥራይ እየን። ብድሕሪኡ ክርስቶስ ምስ ተወለደ ግን እስራኤል ክሒዳ ነቲ ናይ ሙሴ ኣምላኽ ኣብ መስቀል ኪትሰቕሎ ከላ፡ ኤርትራ ግን
ብመንገዲ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ (ባኮስ) ኣቢላ ብ34 ዓ።ም ቅድሚ ኩሉ ዓለም ክርስትና ዝተቐበለት እንኮ ሃገር እያ። ካብ ብሉይ
ናብ ሓድሸ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ሽግር ዝተሰጋገረት ሃገር ኤርትራ እያ። (ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን) ተባሂላ ድማ ትጽዋዕ ኣላ።
No comments:
Post a Comment