በስመአብ
ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን
ኣብ’ዚ ጽሑፍ እዚ ናይ ዝተፈላለዩ ምስ’ዚ ኣርእስቲ ምትሕሓዝ ዘለዎም ቅዱሳን እቦታትን መናፍቓንን ጠባይ ኪንርኢ ኢና። ንኣብነት ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ፡ ቅዱስ ኤጲፋንዮስን ካልኦትን፡ ካብ ተጻረርቶም ድማ ካብ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ጀሚርና ኪሳብ ቴዎፍሎስ እቲ ብዙሓት መነኮሳት ዘሳደደ ገዳም ዘቃጸለ መፍቀሪ ሽመት ዝነበረ ፓትርያርክ ናይ ግብጽን ካልኦትን ኪንርኢ ኢና። እዚ ጽሑፍ ብዝግባእ መታን ኪርድኣና ድማ ኣቐዲመ ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ ብሓጺሩ ኪገልጽ ኪፍትን እየ።
ዕላማ
እዚ
ጽሑፍ እዚ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ከፊልና ኪንርድኦ ጽቡቕ እዩ።
ቀዳማይ እቶም ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ስርዓት ተሳዒሩን ጳጳስ ተኣሲሩ ካልእን ብዝብል ሽፋን ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም ናይ ተሓድሶ እምነት መዳመቕቲ ኮይኖም ዘለዉ
ዝምልከት ኪኸውን እዩ። ኣብ’ዚ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ካብ ካልኦት ኣሕዋት ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ ግብጽን ኢትዮጵያን ታቦት ብምምጻእ
ትኽክል ኢና ዘለና እናበሉ ሰባት ዘታልሉ ዘለዉ ግጉይ ኣካይዳ ብዝምልከት፡ እዚ ኣካይዳ እዚ ብስርዓተ ቤተ ክርስቲያን ውጉዝ ኣካይዳ
ከም ዘኾነ ናይ ኣቦታት ቅዱሳን ሊቃውንት ጉባኤ ከም ዘይቅበሎን ትምህርቲ ናይ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብምጥቃስን ታሪኾም ብምግላጽን
ግልጺ ኪገብሮ ኪፍትን እየ።
ካልኣይ ደረጃ ድማ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ብጽምኣት ናይ ስልጣንን
ፍቕሪ ሽመትን ተቓጺሎም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ብሓሶትን ብጸለመን ብዝተፈላለዩ ሰባት ከም ዝጽልኡ ንምግባር ሓሰውቲ
መሰኻኽር ዝእክቡን፡ ብዝተፈላለየ ሜላታት ጸቕጢ ብምፍጣር ኣብ ስጋዊን መንፈሳውን ሕይወት ናይ’ቶም ቅኑዓትኣገልገልቲ ፈንጅታት ተኺሎም፡
ንቤተ ክርስቲያን ዝፈታተኑ ስውራት ጸላእቲ ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ ውን ንቤተ ክርስቲያን ናይ ዕዳጋ ቦታ ብምግባር ምንጪ እቶቶም
ስለ ዘይኮነት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘተዓናቕፉን ንዝፈታተኑን ዝምልከት ትሕዝቶ ውን ኣለዎ።
ብቐሊሉ መታን ኪርድኣና
1ይ።
እቶም ቤተ ክርስቲያን ንምብታንን ንምድኻምን ዝጽዕሩ ፍቕሪ ሽመትን ፍቐሪ ገንዘብን ዘለዎምን ብስውር ናይ ምንፍቕና ሓሳብ ዝተገነዙን
ሰባት ከም ይሁዳን ቴዎፍሎስን ተማዒዶም ተገሲጾም ዘይሰምዑ ሰባት
እዛ ጽሕፍቲ (ቴዎፍሎሳውያን፡ ተረፈ ይሁዳ ወ ዘ ተ ) ዝብል መጸውዒ ሂባቶም ኣላ።
2ይ።
እቶም ብዘይ ፍላጥ ብገርሂ ልቢ ነዞም መደናገርቲ ሰባት ሰሚዖም፡ ነቲ ተንኮል ከይመርመሩ ጸግዒ ናቶም ኮይኖም ዝማጎትሎም ሰባት
ድማ (ኤጲፋንዮሳውያን ዝብል መጸውዒ ብምሃብ ተግባሮም ከቋርጽዎ እዛ ጽሕፍቲ ትዕድሞም)
3ይ።
ነቶም ነዚ ናይ ቴዎፍሎሳውያን ስራሕ ተቓዊሞም ብትዕግስቲ ዚነብሩ
ዘለዉ ድማ ከም ኣቦኦም ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣኽሊል ጽንዓቶምን ትዕግስቶምን መታን ኪቕበሉ ጽንዑ እናበለት ተተባብዖም።
ናይ
ቤተ ክርስቲያን ጸላእቲ ዓይነቶም ብዙሕ እዩ። ንምንታይ’ሲ እቲ ዋና ጸላኢ ዲያብሎስ ዝመጸሉ መንገዲ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ። ብሓፈሻ
ግን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸላእቲ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ኪንከፍሎም ንኽእል ኢና። ናይ ደገ ጸላእቲ (ኣሕዛብ ኣይሁድ ካብ
ቤተ ክርስቲያን ተወጊዞም ዝተፈልዩ መናፍቓን) ኪኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኣይ ድማ ናይ ውሽጢ ጸላእቲ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን
ምሳና ዝቕድሱ ምሳና ዘቐድሱ ምሳና ዝዝምሩ ምሳና ዝመሃሩ ኮታ ካብ ምእመን ኪሳብ ጳጳስ ዘለዉ ብምልኦም ዘጠቓልል እዩ። ነዚኣቶም
መጽሓፍ ቅዱስ “ቢጽ ሓሳውያን” ሓሰውቲ ኣሕዋት ብምባል ይጽውዖም። ቅዱስ ጳውሎስ ንስብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝሰደዳ (2ይቲ መልእኽቱ 11:26) "ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ" ኪብል ዝገለጾም ነዚኦም እዩ። ደጊሙ ውን ኣብ (ገላ 2፡4) እዚ ከኣ ብሰሪ እቶም ባሮት ምእንቲ ኪገብሩና፡ ተጎሓልዮም እተሓወሱና፡ ንሳቶም ውን ነቲ ብክርስቶስ ዘለና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ" ብምባል ኪስልዩ ዝኣትዉ ባሮት ኪገብሩና ዝደልዩ እናበለ ዕላምኦም ከይተረፈ ኣግሂድልና ኣሎ። ስውራት ጸላእቲ ዝበሃሉ ድማ እዚኦም እዮም። ምእመን ብሕማቕ
ስነ ምግባር ካህናት ብትዕቢትን ብፍቕሪ ሽመትን መምሃራን ናይ መናፍቕነት ስውር ትምህርቲ ብምትእትታዉ ወ ዘ ተ ።
ካብ’ዞም
ክልተ ዓይነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸላእቲ ዝያዳ እቶም ናይ ውሽጢ ጸላእቲ እዮም ንቤተ ክርስቲያን ዝጎድእዋ። ብፍላይ ናይ'ዚ ዘመን እዚ መናፍቓን (ተሃድሶ) ንተዋህዶ ኣብ ውሽጣ ኮይንካ፡ ብናታ ጳጳሳት ብናታ ካህናት ብናታ መምሃራን ብናታ ዘመርቲ ብናታ ንዋየ ቅድሳት ጌርካ ምቕያር ጥራይ ኢዩ ዘዋጽኣና ኪብሉ ብጋህዲ ንሰምዖም ኣለና። ድሮ ውን ጀሚሮሞ ኣለዉ። በዚ ድማ እየ ኣርእስቲ ናይ’ዛ ጽሑፍ
ስውራት ጸላእቲ ብዝብል ጀሚረያ ዘለኹ።
ስውራት
ጸላእቲ ሰብ ከይፈለጦም ስለ ዝሰርሑ ብዙሕ ሰብ ኪጎድኡ ይኽእሉ እዮም። እዚኣቶም ፈተውቲ ተመሲሎም መጸበቕቲ ተመሲሎም መዐረይቲ
ተመሲሎም ስለ ዝመጹ ብዙሕ ሰብ ተገሪሁ ከም ዝስዕቦም ይገብሩ። ኣብ ውሽጦም መርዚ ተሰዊሩ ኣሎ። ኣስተውዕል ዲያብሎስ ናብ ገነት
ኪኣቱ ከሎ ኣብ ስጋ ተመን ተሰዊሩ እዩ ዝኣተወ፡ ንሔዋን ድማ ደስ ብዘብል ናይ ውዳሴ ቃል ድኣ እምበር ብጸርፊ ኣይኮነን መጺእዋ፡
ዝሃባ ተስፋ ውን ጽቡቕ እዩ ዝመስል “ኣምላኽ ኪትኮኑ ኢኹም” ዝብል ቃል ውሽጡ ግን ብሓሶት ዝተለወሰ መርዚ ሓዚሉ ነበረ። ነዚ
ድማ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ “ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።(ሮሜ 16፡17-18) ብምባል ዝመዓደና።
ነዚ ስለ ዝተረድኡ እዮም ሓደ “ኦ ጎይታ ካብ ፈተውተይ ድኣ ሓልወኒ እምበር
ካብ ጸላእተይ’ሲ ባዕለይ ኪሕሎ እየ” ብምባል ዝጸለዩ።
ነዚ
ጽሑፍና ከም መበገሲ ናብ ዝኾነና ታሪኽ ከሕልፈኩም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቃል ምስ’ዚ ኣብ ዘመንና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን
ዘሎ ሽግር ኣተኣሳሲርና ድማ ንመሃር። ብርግጽ ገሌና ናይ ቴዎፍሎስ ጠባይ ይህልወና እዩ ካብ’ዚ ንመሃር፡ ወይ ነቶም ናይ ቴዎፍሎስ
ጠባይ ሒዞም ዘዕገርግሩና ንተዓዘቦም እሞ ንጠንቀቐሎም።
ቴዎፍሎስ
ግን መን እዩ?
ቴዎፍሎስ
ካብ 381-412 ዓ/ም ዚነበረ ናይ (እስክንድርያ) ግብጺ ቤተ ክርስቲያን መበል 23 ፓትርያርክ እዩ። ቴዎፍሎስ ብጣዕሚ ጨካን
ዝደለዮ ነገር ንምፍጻም ማንም ዓይነት መንገዲ ካብ ምጥቃም ድሕር ዘይብል ሰብ ነበረ። ቴዎፍሎስ ኣብ ብዙሓት ናይ ታሪኽ መዛግብቲ
ከም ዝተጻሕፈ ስርሑ ውን ከም ዝምስክሮ፡ ንካልኦት ኣብ ትሕቲኡ ኪገብር ዝደሊ ክርክርን ነገርን ዝፈቱ፡ ንሰብ ዘጥቅዓሉ መንገዲ
እንተረኺቡ ርህራሄ ዘይፈልጥ ጨካን ሰብ ነበረ።
ክሳብ
399 ዓ/ም ናይ ኣርጌንስ ኣድናቒን፡ ናይ ኦሪገናውያን ኣተሓሳስባ ደገፍትን ተኸተልትን ናይ ዝነበሩ ሰባት ፈታዊ ነበረ። ኦሪገናውያን
ካብ ዝበሃሉ መነኮሳት መብዛሕትኦም ካብቶም ኣዝዮም ዝቐርብዎ ፈተውቱ ነበሩ። ንሓደ ሓደ ካብኣቶም ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ቤተ
ክርስቲያን ኣገልግሎት መዲብዎም ነበረ።
ብምኽንያት
ናይ ኦሪገን (ኣርጌንስ) ትምህርቲ ዮሐንስ ጳጳስ ዘኢየሩሳሌምን ሩፊኖስን ናይ ኦሪገን ኣተሓሳስባ ብምድጋፍ ብሓደ ወገን፡ ቅዱስ
ኤጲፋንዮስን ጄሮምን ድማ በቲ ካልእ ወገን (ኣንጻር ኦሪገናዊ ኣተሓሳስባ) ኮይኖም ብዝፈጠርዎ ዘይምርድዳእ፡ ቴዎፍሎስ ምስቶም ቀዳሞት
ጉጅለ ብምዃን ጄሮም ንጳጳስ ዮሕንስ ኪሰምዖን ከኽብሮን ከም ዝግብኦ ነገሮ። ብምቕጻል ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ውን ኪነቕፎ ጀመረ፡ ንሓደ
ናይ ኦሪገን ተቓዋሚ ዝነበረ ጳውሎስ ዝበሃል ናይ ግብጺ ጳጳስ ውን ካብ ግብጺ ኣባረሮ።
ኦሪገን
(ኣርጌንስ) መን እዩ?
ኦሪገን
ካብ 182-251 ዓ/ም ዝነበረ ኮይኑ ናይ መጀመርያ ናይ ቤተ ክርስቲያና ናይ ስነ መለኮት ሊቅ ነበረ። ኣቡኡ ብሰማዕትነት ዝዓረፈ ኪኸውን ከሎ ንሱ
ግን ሰማዕትነት ኪቕበል ኢሉ ምስ ተበገሰ ኣዲኡ ክዳውንቱ ስለ ዝሓብኣትሉ በዚ ምኽንያት ተረፈ። ኣዝዩ ብጣዕሚ ዝተማህረን ናይ ክርስትና
ትምህርቲ ብዝበለጸ ንምቕራጽ ብዙሕ ዝደኸመን እዩ። ኣዝዮም ብዙሓት ዝኾኑ ጽሑፋት ጽሒፉ እዩ። ዕድሜኡ ብምሉኡ ንቤተ ክርስቲያን
ደኺሙ እዩ። ኣማውታኡ ውን ስለ ክርስቶስ ኪብል ብዝረኸቦ ማህረምቲ እዩ። ነቶም ብድሕሪኡ ዝመጹ ሊቃውንት መበገሲ ዝኸውን ሰፊሕ
ስራሕ ሰሪሑ እዩ። እንተኾነ ግን ኣተሓሳስባኡ ምስ ናይ ፕላቶ ፍልስፍና ዝተሓዋወሰ ስለ ዝነበረ ናይ ኑፋቔ ትምህርታትን ጌጋታትን
ገዲፉ እዩ ከይዱ። ካብ’ዚ ዝተላዕለ ንሱ ምስ ሞተ ብሓደ ወገን ናቱ ኣድነቕቲ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናቱ ኣተሓሳስባ ዝቃወሙ ብምዃን
ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘይምርድዳእ ፈጢሩ ኔሩ። ይቕጽል >>>
No comments:
Post a Comment