1.9 ናይ ዘመንና ደረፍትን መንፈሳውነትን
ደርፍን ጓይላን ናይ ኣደባባይ ኃጢኣት እዩ። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ደርፍን ጓይላን ብጠቕላላ እያ ተወግዝ። ካብ ክርስቲያን ቤተ ሰብ ተወሊዱ ዝተጠመቐ ሰብ ናብ ደርፊ ከይዝንብል ምምሃር ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ግዴታ እዩ። እንተ ኾነ ግን ሓደ ሰብ ብሓይሊ ክርስቲያናዊ ተግባር ክትሰርሕ ኣለካ ብምባል ተጽዕኖ ክትገብረሉ ግቡእ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ዘጠመቐቶ ውሉድ ግቡእ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምሂራቶ ክነሳ ብድሌቱ ደራፊ እንተ ኾነ ወቐሳ የብላን። ሓደ ኣረማዊ ደራፊ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ተኸታሊ ክኸውን ምስ ዝደሊ ድማ ኣቐዲምካ ድሕሪ ጥምቀቱ ደራፊ ኮይኑ ክቕጽል ከም ዘይክእል ክፈልጥን ክኣምንን ኣለዎ። በዚ ሓሳብ’ዚ እንተ ተሰማሚዑ ውሳኔኡ ንህዝቢ ብኣዋጅ ክነግር ኣለዎ። ደርፊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ምፍራስ ስለ ዝኾነ፡ ንስሓኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክኸውን ይግበኦ። እዚ ድሕሪ ምዃኑ ድሕሪ ምጥማቑ ዋላ ናብ ናይ ቀደም ደርፉ እንተ ተመለሰ ቤተ ክርስቲያን ካብ ነቐፌታ የድሕና እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምድራፍ ኣቋሪጸዮ ኣለኹ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣዋጁ ስለ ዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ናይ ደርፊ ተሓባባሪት ከም ዘይኮነት ብግልጺ ይረጋገጽ።
ሓደ ደራፊ ዝነበረ ሰብ ኣብ ኣደባባይ ወይ ኣብ ቅደሚ ህዝቢ ምንዛዙ፡ ወይ ስርሑ ብኣዋጅ ምግላጹ ነቲ ዝበደሎ ምእመን ከም ዝኸሓሰ እዩ ዝቑጸረሉ። ብተወሳኺ ውን ብናይ ቅድም ጠባዩ ዝፈልጥዎ ሰባት ዳግማይ ንኸይፍትንዎ ይጠቕሞ እዩ። ማለት ኣብ ኣደባባይ ዝኣተዎ ቃልን ውሳኔን ሰሚዖም ደጊሙ ድረፈልና ዝብሎ የለን። መጽሓፍ ቅዱስ ንንስሓ ዝግባእ ፍረ ግበሩ ማለቱ ነዚ ኵሉ እዚ ዘመልክት እዩ። (ሉቃ 3፡8) ኵሉ ጊዜ እኳ እንተ ዘይኮነ ከከም ኣድላይነቱ ሰባት ብኡኡ ንኽመሃሩን ንኽፈርሑን ሰብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምንዛዝን ምግሳጽን ዝግበኣሉ ጊዜ ኣሎ።(1ጢሞ 5፡20) ኢያ 7፡16-26 ማቴ 18፡15-18)
ሓደ ኣረማዊ ሰብ ደራፊ ካብ ምዃን ከይተላቐቐ ኣጥሚቕካ ክርስቲያን ምግባር ንዑኡ ኮነ ንቤተ ክርስቲያን ማንም ጥቕሚ የብሉን። ሓደ ኣረማዊ ካብ ደርፉ ከይተፈለየ ኣጥምቑኒ ምስ ዝብል፡ ደራፊ ምዃን መጀመርያ ኣቋርጾ ክበሃል ይግባእ። እንተ ዘይኮይኑ ግን ጥምቀት ይኩን ክርስቲያን ምዃን ከም ዘይረኽቦም ከፍልጥዎ ይግባአ። ደራፊ ካብ ምዃን ብንስሓ ዘይተመለሰ ኣረማዊ ኣጥምቑኒ ስለ ዝበለ ጥራይ ምጥማቕን ክርስቲያን ምግባርን ፡ ነቲ ሰብ ክልተ ዕጽፊ ወዲ ገሃንም ምግባር ከም ዝኾነ ወንጌል ይምስክረልና። እቲ ቃል ከም’ዚ ይብል "ሓደ ሰብ ከተእምኑ ብባሕርን ምድርን እትዘሩ፡ ምስ ኮነ ድማ ካዕበት ወዲ ገሃንም ትገብርዎ ኢኹም እሞ ወይልኹም" (ማቴ 23፡15) ደረፍቲ ብዝምልከት ከይተጠቐሰ ክሓልፍ ዘይብሉ ነገር ኣሎ። እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ዘጠመቐቶም ደቃ ስለ ዝኾኑ ብዛዕባኦም ክትሓስብ ግድን እዩ። እንተ ኾነ ግን ፍሉጣትን ዝነኛታትን ስለ ዝኾኑ ጥራይ "ይጠቕሙና እዮም ወይ ብገንዘብን ብካልእ ዝተፈላለየ መንገዲ ንቤተ ክርስቲያን ክድግፉ ይኽእሉ እዮም" ብምባል ናይ ደርፊ ስራሖም ከይነቐፍካ ንዓኣቶም ምእንጋድ ንደርፊን ጓይላን ደገፍ ከም ምሃብ እዩ ዝቑጸር። እዚ ድማ መመጻደቕን ግብዝነትን እዩ።
ብርግጽ ደረፍቲ ደርፎም ገዲፎም ብንስሓ ምስ ተመለሱ ብዝግባእ ምእንጋድን ብወግዒ ተቐቢልካ ቦታ ምሃብን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ እዩ። ኣብ ደርፎም ጸኒዖም እንከለዉ ግን ዘምጽእዎ መባእ ምቕባል ውን ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ኃጢኣት ጸኒዑ ካብ ዝነብርን ብግልጺ ዝኾነ ነውሪ ካብ ዝተታሕዘን ሰብ መባእ ምቕባል ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣየፍቅድን እዩ።(ሃ.ኣበ 1986 ገጽ 65-66)
ደረፍቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክመጽኡ እንከለዉ ብሓዘንን ብንብዓትን ኮይኖም ደጊሞም ንዘይምብዳልን ንዘይ ምድራፍን ወሲኖም ምስ ዝመጽኡ መባኦም ክንቅበል ንኽእል። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ድማ ከም ማርያም በዓልቲ ጨና ይኾኑ። እቲ ብዙሕ ኃጢኣቶም ስለ ብዙሕ ንብዓቶምን ፍቕሮምን ይደምሰሰሎም። መባኦም ዘይቅበለሎም ድማ ኣብ ክፉእ ስራሖምን ደርፎምን ጸኒዖም ንዝነብሩ ድኣ እምበር ብንስሓ ንዝተመለሱስ ብብሩህ ገጽ እዩ ዝቕበሎም። ሎሚ ሎሚ ግን ደረፍቲ ካብ’ዚ ስራሖም ከይተዓቀቡ ብግልን ብማሕበርን ናይ መዝሙር ካሴት ክሳብ ምውጻእ ስለ ዝበጽሑ፡ ከም ሰብ ክልተ ዓይነት ሞያ እናተቖጸሩ "ዘማርን ኣርቲስትን ወይ ደራፍን" እከሌ ክሳብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። ደረፍቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻአን <ህንጻ ቤተክርስቲያን ከነስርሕ ኢና> አናበሉ ኣብ መንፈሳዊ ቦታታት ኣብ ውሽጢ ጉባኤ መድረኽ ተዋሂብዎም ገንዝብ ንምኽዕባት ኢሎም ናይ መዝሙር ምርኢት ከም ዘካየዱ ናይ ቅረባ ጊዜ ትዕዝብትና ኢዩ። ደረፍቲ ነዚ ኣብ ዝገበርሉ ጊዜ ኣብ ላዕለዋይ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝተቐመጡ ኣመሓደርቲ ቤተ ከርስቲያን ኣመሓደርቲ ንደርፊ ከይተቓወሙ ድጋፍ ብምሃቦም ብዙሓት ምአመናን ሓዘኖም ገሊጾም ኢዮም።በዚ መልክዑ ንደረፍቲ ድጋፍ ምሃብ ናይ ኣመሓዳድራ ብቕዓት ዘይምህላዉን፡ ናይ መንፈሳዊ ፍልጠትን ምግባርን ጉድልት ከም ዘሎ የረድኣካ። ብተወሳኺ ውን ንዝመጽአ ትውልዲ ግዲ ዘይምሃብን ፍቕሪ ገንዘብን ብዛዕባ ሃይማኖት ዶግማን ቀኖናን ትውፊትን ዘለዎም ሸለልትነት ኢዩ ዘርኢ።
ምድራፍ ከይገደፍዎ ንደረፍቲ ኣብ ከም`ዚ ዓይነት መንፈሳዊ ተግባራት ምውፋር ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ። ንመጻኢ ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ በሰላ ዝገድፍ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ግጥሚ ናይ`ቲ ደርፊ ናይ ፈጣሪ ስምን ተግባርን ብብዝሒ ከም ዝለዓል ዝገብሩ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ኢዩ። መዝሙርን ደርፍን ብዜማን ብሃይለ ቃል ከም ዝወራረሱ ይገብር። ኣብ መወዳአታ ድማ መዝሙርን ደርፍን ፍልልይ የብሎምን ናብ ምባል ከብጽሕ ይኽአል። ስም አግዚኣብሔር ካብ ክብሩ ዝተላዕለ ብምፍራህን ብምንቅጥቃጥን ዝጽዋዕ ኢዩ። አንትኾነ ግን ብዙሓት ደረፍቲ ኣብ ደርፎም ስም አግዚኣብሔር አናጸውዑ ከቃልልዎን መሸቅጢ ክገብርዎን ይረኣዩ ኢዮም። በዚ ሕማቐ ሃጢኣቶም ተፈታውነት ዝረኽቡ ድማ ይመስሎም። ነዚ`ኦም አናተኸተሉ ዝስዕብዎም ኩሎም ድማ ናይ ሓጢኣቶም ተሓባበርቲ ኢዮም። ደርፊ ንባዕሉ ሓጢኣት ኮይኑ አንክሎ ኣብ ርኣሲኡ ስም ናይ አግዚኣብሔር ምትሕውዋሰ`ከ ማዕረ ክንደይ ኣምላኽና ክም ዝጸረፍና ነስተውዕለሉ ዶ?
....................... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment