1.10 ካህንን ደርፍን
ካህናት ብዝምልከት ናብ ደርፊ ገጾም ከየዘንብሉ ኣዝዮም ትርር ዝበሉ ኣደነቕቲ ሥርዓታት ኣለዉ። ይትረፍዶ ካህን ንባዕሉ ሰበይቲ ካህን ውን ካብ ደርፍን ንዕኡ ዝኣምሰሉ ነገራትን ክትርሕቕ ኣለዋ። ብዛዕባ`ዚ ፍትሓ ነገስት መንፈሳውያን ካህናት ዝኾኑ ሰባት `ናብ ጓይላ እትኸይድ" ሰበይቲ ክምርዓዉ ከም ዘይግብኦም የጠንቅቕ (ፍት.ነገ ኣን 9) እንደገና ውን ብዛዕባ ናይ ካህናት ናብራ ክገልጽ እንከሎ "ኢይደልዎሙ ለካህናት ወለላእካነ ቤተ ክርስቲያን ወለሊቃናተ ምእመናን ከመ ይርአዩ ምንተኒ እምርእየተ ዘውስተ ከብካብ ወምስሐት። አላ ይትነሥኡ ወይሑሩ እምቅድመ ይባኡ መስተዛውያን" እዚ ማለት "ካህናትን ናይ ቤተ ክስርስቲያን ኣገልገልትን ናይ ምእመናን ሓለቓታትን መርዓን ካልእ ናይ ምሳሕ እንግዶትን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ካብቶም ኣብኡ ዝረኣዩን ዝስምዑን ጓይላን ደርፍን ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ክርእዩ ኣይግባእን። ድሕሪ ምምጋቦም ኣቡነ ዘበሰማያት ደጊሞም ጓይላ ከይተጀመረ ይውጽኡ" ማለት እዩ (ፍት.ነገ ዘን 9)
ኣብ ላዕሊ ዝሰፈረ ቃል ካህናት ናብ ቤት መርዓ ኣይኺዱ ኣይብልን እዩ። ምኽንያቱ መርዓ ማሕበራዊ ሕይወት ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ግን እቲ መርዓ ብደርፊ እንተኾይኑ ንሳቶም ክስዕስዑስ ይትረፍ ኮፍ ኢሎም ጓይላ ክርእዩ ውን ኣይግብኦምን። ፈውስ መንፈሳዊ ዝተባህለ መጽሓፍ ውን ብተወሳኺ "ካህናት ኢይነጽሩ ተውኔተ ወኢዘፈነ" ማለት "ካህናት ጓይላን ንዕኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ኣይርኣዩ" ይብል። (ፈው.መን 32፡7) ናብ ቤት መርዓ ክኸዱ ዝተፈቐደሎም ውን ማሕበራዊ ሕይወት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ግና ጓይላን ሳዕስዒትን ኣብ ዘለውዎ ዘመውቲ ኣብ ዝውዕልሉን ቦታ ግን ዋላ ንብልዒን ንመስተን ውን ንኸይኣትዉ ክልኩል እዩ። ነዚ ጥሒሱ ብድፍረት ዝገብር ካህን ግና ክሳብ ምውጋዝ ከም ዘብጽሖ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብኸምዚ ዝስዕብ የረድኣና "ወለእመ በልዓ በቤተ ምዝፋናት ወሰትየ በማህደረ ዘማውያን ይሰደድ" ማለት "ዝድረፈሉን ዘመውቲ ኣብ ዝሓድርሉን ቦታ ከይዱ ዝበልዕን ዝሰትን ካህን ይፈለ" (ፍት.ነገ አን 9) እሞ’ኸ ድኣ እዚ ዝኣክል ሥርዓት እንከለና ሓደ ካህን ወይ ውን መነኮስ ንጓይላን ደርፍን እናወደሰ እንተተዛረበን እንተሰበኸን ‘ሲ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ስለ’ዚ ኵላቶም ካህናት ክኾኑ ዝደልዩን ኣቐዲሞም ክህነት ዝተቐበሉን ሰባት ነዚ ኹሉ ናይ ኣቦታት ሥርዓት ከስተውዕልሉ ይግባእ።
ምእመናን ውን እንተኾነ ዝተፈላለየ ሽግርን ፈተናን ናይ ዘለዎም ካህናትን ናይ ቤተ ክረስቲያን ኣገልገልትን እናረኣዩ ናብ ጓይላ ክሰሓቡ የብሎምን። ክርስቲያን ንኹሎም ዝደርፉን ኣብ ናይ ደርፊ ኣደባባያት ዝተራእዩን ምሕማይ ከም ዘይጠቅም ፈሊጥና፡ ደርፍን ጓይላን ናብ ነብስና ከም ዘይሰርጽ ንምግባር ክንቃለስ ይግበኣና። ካህናት ብዘየስተውዓልሉ መንገዲ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለን ቤተ ክርስቲያን ዘንቅፍ ስራሕ ንኸይሰርሑ ኩሎም ምእመናን ክድግፍዎም ይግባእ። ድጋፍና ድማ ምንም እኳ እቲ ጉዳይ ናትና እንተ ኾነ፡ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ኣብ ዘይብሉ ዝኾነ ዓይነት ምድላዋት ካህናት እንተ ተረኺቦም ንዓኦም ቀልጢፍና ከነፋንዎም ወይ ድማ ኣብ’ቲ ምድላዋት ንኽርከቡ ተጽዕኖ ዘይምግባር፡ ብጸሎትን ቡራኬን ኣሳቢብና ንብዙሓት ኣብ ዝረኣዩሉ መድረኽ ንኽወጽኡ ዘይምደድፍፋእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ካህናት ኣብ ማእከል ጓይላን ሳዕስዒትን ንኻልኦት ጽቡቕ ኣርኣያነት ስለ ዘይኮነ።
....................... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment