bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday, 18 April 2016

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 8ይ ክፋል

1,8 ደርፊ ምድጋፍ
 
ናይ ሥጋ ሥራሕን ፍረን ዝኾነ ደርፊ፡ ናይ ሥጋ ትምኒት ስለ ዝኾነ ንእግዚአብሔር ደስ ኣየብሎን እዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ብናይ ሥጋ ፍቓድ ዝሕጎስ ኣይኮነን። ይትረፍዶ ብተግባር ዝፍጸም ሥጋዊ ሥራሕ’ሲ ይትረፍ ሥጋዊ ሓሳብ ውን ሞት ኣለዎ። ነዚ ድማ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ "ብዛዕባ ሥጋ ምሕሳብ ሞት እዩ" ዝበሎ ቃል ምስክርና እዩ። በዚ ጥራይ ውን ኣየብቅዐን "እቲ ሓሳብ ሥጋ ምስ እግዚአበሔር ጽልኢ እዩ" ውን ይብለና። ኣስዕብ ኣቢሉ ውን እቲ ሐዋርያ "እቶም ኣብ ሥጋ ዘለዉ ንእግዚአብሔር ደስ ከብልዎ ኣይክእሉን እዮም" ኢልና ኣሎ ሮሜ (86-8) ከም ኵሉ ሥጋዊ ሓሳብ ደርፊ ናይ ሥጋ ፍረ ከም ምዃኑ መጠን ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ኣነጻጺርና እንተ ርኢናዮ ምድራፍ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ደርፊ ምሕሳብን ኣብ ጐኒ ጓይላን ደርፍን ደው ኢልካ ምክርኻርን ውን ኃጢኣት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ሥጋ ሞት እዩ ስለ ዝብለና። ኣብ ናይ ጓይላን ደርፍን ዓለም ዝተዋፈሩ ሰባት ኣዝዮም ካብ ምብዝሖም ዝተላዕለ፡ ደርፊ ኃጢኣት ምዃኑ ዘይፈልጡ ሰባት ኣይሰኣኑን እዮም። ብርግጽ ደረፍትን ማሕበሮምን ኣዝዩ ዓቢ ሓይሊ እዩ ዘለዎም። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ብዙሓት ደርፊ ምቅዋም ከንቱ ድኻም ጥራይ እዩ እናበሉ ተስፋ ክቖርጹ ይኽእሉ እዮም።

 



እንተ ኾነ ግን ክርስቲያን ደርፊ ብምቅዋሞም ኣብ ልዕሊ ደርፊ ዘሕድርዎ ተጽዕኖ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ እግዚአብሔር ምዃኖም ይምስክሩ ምህላዎም እናተመልከቱ ንደርፊ ኣብ ምቅዋም ዝያዳ በርቲዖም ክሰርሑ ይግባእ። ናይ ደርፊ ጕዕዞ ደው ንምባል ዘይከኣል እኳ እንተ መሰለ፡ ንደርፊ ከይተቓወሙ ትም ምባሎምን ኣድነቕቲ ደርፊ ኰይኖም ምርካቦምን ነቲ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ዝምልከቶ ሰብ ዓቢ ጌጋ እዩ። ፍትሐ ነገሥት መንፈሳዊ ብዛዕባ ናይ ጾም ብልዒ ክርክር ምስ ዝፍጠር "ናብ ጾም ኣድልዉ" ይብለና። እዚ ድማ ክርስቲያን ኩሉ ጊዜ ንነፍሲ ከነድሉ ከም ዝግበኣና ዝምህር እዩ። ስለ’ዚ ንሕና ክርስቲያን ካብ ብልዒ ንጾም ካብ ደርፊ ድማ ንመዝሙር ኣድሊና ክንዛረብ ይግበኣና። ብዛዕባ ደርፊን ጓይላን ጠበቓ እንቐውም’ሲ ንመን ክንድግፍ ስለ ዝደለና ኢና? ንቤተ ክርስቲያን? ዋላስ ንዓለም? ንነፍሲ ወይስ ንሥጋ? ንፈጣሪ ወይስ ንዲያብሎስ? ዓለማውያን ንደርፊ እንተ ኣወደሱን ድግዲጊት ተዓጢቖም እንተ ተኸራኸሩን ኣየደንቕን እዩ። እቲ ዘገርም ግን መንፈሳውያን ኢና ዝብሉ ሰባት ናይ ደርፊ ሰበኽቲ ኮይኖም ምርካቦም እዩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ደርፊ ብሃይማኖት ዘይንቀፍ ነገር ከም ዝኾነ ጌሮም ብምሕሳቦም፡ ደርፊ ንኽድግፉ ጥራይ ዘይኮነ ደረፍቲ ክሳብ ምዃን ኣብጺሕዎም እዩ። ካልኦት ድማ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘመርቲ ናብ ደረፍቲ ተቐይሮም እዮም። ፍቅረ ንዋይ ካብ መንፈሳውነት ዝበልጾም፡ ሓቀኛ መንፈሳዊ ዕላማ ዘይብሎም፡ ብቑዕ መንፈሳዊ ብስለት ዘይጨበጡ ሰባት ካብ ነብሶም ሓሊፎም ደርፊ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ጌሮም ንካልኦት ንምእማን ሰቢኾምን ጽሒፎምን እዮም። ሓቂ መሲልዎም ድማ ብዙሓት ናታቶም መንገዲ ተኸቲሎም እዮም። እንተ ኾነ ግን ውሑዳት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልገልትን፡ መንፈሳውያን ዝነበሩ ሰባት ዝደገፍዎን ደርፊ ይኹን ዝኾነ ዓይነት ናይ ኃጢኣት ሥራሕ ናብ ጽድቂ ከም ዘይልወጥ ኣስተውዕል። ንኣብነት ግርማ ተኽለ ኢየሱስ "የሰው ምግባርና የመከራ ቀንበር ናይ ሰብ ምግባርን ናይ መከራ ኣርዑትን" ኣብ ዝተባህለ መጽሓፎም "ናይ ኤስያውያንን ናይ ኣፍሪቃውያንን ደርፊ ፈጺምካ እንተ ዘይገደፍካዮን ሓደ ሓደ ጊዜ እንተ ሰማዕካዮን ኣይከፍእን እዩ። ምኽንያቱ መልኣኽ ከም ዝመሃሮም ዝሕሰብ ስለ ዝኾነ እዩ" ብምባል ጽሒፎም ኣለዉ። (ግርማ ተክኽ ኢየሱስ፡1950 ገጽ 151)
ኣባ መልከጼዴቅ ድማ ዋላ ሓንቲ መረጋገጺ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻሕፍቲ ከይጠቐሱ፡ ብዛዕባ ደርፊ "ደስ ዘብል ሙዚቃ ምስማዕ ንኣእምሮ ዕረፍቲ ዝህብ ስለ ዝኾነ ንኹሉ ሰብ ኣድላይን ጠቓምን እዩ።" ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ። ኣብ’ዚ እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ንደርፊ ከም ጠቓሚ ነገር ምጥቃሶም ጥራይ ዘይኮነ ክተርፍ ከም ዘይብሉ ነገር ቆጺሮም "ንኹሉ ሰብ ኣድላዪ እዩ" ምባሎም እዩ። (ኣባ መልከ ጸዴቅ 1983 ገጽ 185) እዚ ሰብ እዚ ጳጳስ ክሳብ ምዃን በጺሑ ኔሩ እዩ። ብውግዘት ከም ዝተኣለየ ድማ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ሕጂ ጊዜ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ንቤተክርስቲያንና ዘይጠቕሙ ሥራሓት ይሰርሕ ምህላዉ ዘረጋግጹ ጭብጥታት ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ኵነታት ኣባ ወልደትንሳኤ ውን ብዛዕባ ደርፊ ኣመልኪቱ ኣብ ድምጺ ራድዮ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ "ደርፊ ዝቃወሙ ንእግዚአብሔር እዮም ዝቃወሙ" ክሳብ ኣብ ምባል ከም ዝበጽሐ ሰሚዕናዮ ኣለና። እዚ ሰብ እዚ ውን ልክዕ ከም ኣባ መልከጸዴቅ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ናይ ጸላኢ ሰናያት ሥራሕ ይሰርሑ ምህላዉ ብማህበረ ቅዱሳን ዝተዳለወ ናይ ድምጽን ምስልን ጽሑፍን መረጋገጺታት ክንርዳእ ንኽእል።ካብዚ ኵሉ እንርድኦ እምበኣር መንፈሳውያን ኢና ዝብሉ ብዙሓት ሰባት ብቃል ይኹን ብጽሑፍ ንደርፊ ከወድሱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓቀኛ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ግን ኣብ ማንም ቦታ ንደርፊ ከወድስ ኣይንረክብን። ብኣንጻሩ ግን ደርፊን ጓይላን ብኹሎም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክውገዙን ክንቀፉን ኢና ንረክብ።
ይትረፍዶ ብናይ ካህናትን መነኮሳትን ሕማቕ ስራሕ፡ ቆረብትን ኣቐደስትን ብዝተባህሉ ምእመን ብዝሰርሕዎ ኃጢኣት እኳ ብቐሊሉ ዝሰናኸል ብዙሕ ድኹም ምእመን ከም ዘሎ ዝከሓድ ኣይኮንን። ኮይኑ ግና ነቲ ቅኑዕ ድኣ ንሓዝ እምበር ንዝተሰናኸለን ካብ መንገዲ ንዝወጸን እናረኣኻ ናብ ደርፊ ክትሳሓብ ግቡእ ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ መጽሓፍ ዝጸሓፍ ኵሉ ሓቂ እዩ ማለት ኣይኮነን። ሓቅነቱ ክረጋገጽ ዝኽእል ድማ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሚዛን ተመዚኑ ምስ ዝሓልፍ ጥራይ እዩ። እንተ ኾነ ግን መብዛሕትኡ ምእመን ሃይማኖቱ ብዝግባእ ካብ ዘይምፍላጡ መታለልቲ ብዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ ክደናገር ይረአ ኣሎ። ኵሉ ቆቢዕ ዝገበረ መነኵሴ፡ ኵሉ መስቀል ዝጨበጠ ድማ ካህን እዩ ክበሃል ስለ ዘይከኣል ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ኵሎም እዞም ብመንፈሳዊ ካባ ተሸፊኖም ንጓይላ ከድንቑ እንሰምዖም ዘለና፡ ገሊኦም ብዓለማዊ ፍልስፍና ዝተጠቕዑ ወይ ውን ብቑዕ ዝኾነ መንፈሳዊ ርድኢት ዘይብሎም እዮም። ገሊኦም ድማ ንገንዘብን ንዝናን ዝተሸጡ ኮይኖም ኣብ ኵሉ ጠብሎቕ ጠብሎቕ ዝብሉ ማለት ብዓለማውያንን ብመንፈሳውያንን ተፈታውነትን ተቐባልነትን ክረኽቡ ዝደልዩ ድኣ እምበር ትኽክለኛ መንፈሳውነት ዘይብሎም እዮም። ካልኦት ድማ ክሕደትን መናፍቕነትን ዝተታሕዙ ክኾኑ እንከለዉ ኣዝዮም ውሑዳት ግን ማንም ክፍኣት ዘይብሎም በዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣታለልቲ ናይ ተንኮል ስብከት ዝተመረዙን ናይ ጓይላ ኃጢኣትነት ዘይተረድኦም እዮም። ምስ’ዚ ኵሉ’ዚ ድማ ኣጋንንቲ ንደቂ ሰባት ናይ ደርፍን ጓይላን ኣድነቕቲ ብምግባር ናይ ሰይጣናዊ ሥራሖም ተሓባበርቲ ከም ዝገብርዎም ኣይትዘንግዕ። ኣጋንንቲ ደረፍቲን ኣድረፍትን ጥራይ ዘይኮኑ ናይ ደርፍን ጓይላን ኣድነቕቲ ውን ከም ዝኾኑ ተጻሒፉ ኣሎ (1መቃ 3628)
ብዙሓት ከም ዝሓስብዎ ቤተ ክርስቲያን ንደርፍን ጓይላን ብሓደራ ኣይተቐበለትን። ብርግጽ ፊደላት ቁጽርታት ታሪኽን መንፈሳዊ ጽቡቕ ባህልን ቅርስን ትውፊትን ዓቂባ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ከም ዘመሓላለፈት ዝፍለጥ እዩ። ንደርፍን ጓይላን ኣጽኒሓትልና ክንብል ግና ኣይበሃልን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ደርፍን ጓይላን ተረኪባ ኣጽኒሓትልና እያ ምባል ግን ጸርፊ ድኣ እምበር ምጎሳ ኣይኮነን። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵሉ ዘመናት ንደርፍን ጓይላን ከተወግዝን ክትቃወምን እያ ዝነበረትን ዘላን።
ቅዱስ ያሬድ ናይ ዜማ ኣቦ ድኣ እምበር ናይ ደርፊ ኣቦ ኣይኮነን። ሰባት ካብ መንፈሳዊ መዝሙር ማለት ካብ ናይ ቅዱስ አሬድ ዜማ ተበጊሶም እኳ ክደርፉ እንተተረኽቡ ቤተክርስቲያን ንደርፊ ትድግፍ እያ ግን ኣይበሃልን እዩ። ሓደ ሰብ ወዲ ምስ ዝወልድ እሞ እቲ ወዱ ሰራቒ ምስ ዝኸውን ኣቡኡ ሰራቒ ቆልዓ ወሊዱ ይበሃል እዩ? ቅዱስ ያሬድ ናይ ዜማ መሠረት ዘንበረልና ንፈጣሪ ከነመስግነሉ እምበር ክንደርፈሉ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዜማ ምንጪ እኳ እንተ ኾነት ምስ ደርፊ ግን ምንም ዝምድና የብላን።
 
....................... ይቕጽል

No comments:

Post a Comment