bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday, 18 April 2016

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 7ይ ክፋል

1 .7 ደርፊ ምስማዕ ኃጢኣት ድዩ?
ብዙሓት ሰባት "ነቲ ጽቡቕ ካብቲ ክፉእ እንዳፈለኹ እንተሰማዕኩስ እንታይ ኣለዎ? ብምባል ይሓቱ እዮም። እዚ ግና ስንፍና እዩ። ሕጊ እግዚአብሔር ከየፍረስካ ጽቡቕ ካብ ክፉእ ክትፈሊ ኣይትኽእልን ኢኻ። ክትፈላልዮም እትኽእል ድማ ነቲ ሕማቕ ውን ከይተረፈ ክትሰምዖ ምስ እትኽእል ጥራይ እዩ። ስለ’ዚ ነቲ ሕማቕ ብምስማዕካ ኃጢኣተኛን መፍረሲ ሕጊን ይገብረካ። እዚ ኩሉ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እትመርጾ ደርፊ ውን ምሉእ ብምሉእ ጽቡቕ ደርፊ ክበሃል ኣይክእልን። ብተወሳኺ ውን ከምዚ ዝኣክል ጥንቃቐ እናገበርካ ምስማዕ ከም ምስማዕ ጥራይ ክትቆጽሮ የሸግር እዩ። ካብዚ ኩሉ ድማ ደርፊ ጥቕልል ኣቢልካ ምግደፉ እቲ ዝቐለለ መድሃኒትን ኣማርጽን እዩ።

ገሊኦም ሰባት ድማ ኣነ ኣይድረፍ እምበር ደርፊ እንተ ሰማዕኩ እንታይጸገም ኣለዎ? ብምባል ይሓቱ። እዚ ሕቶ ድማ ናይ ኃጢኣት ባህርያት ካብ ዘይምፍላጥ ዝመንጨወ እዩ። ደራፊ ምዃን ኃጢኣት እንተ ኾይኑ ደርፊ ምስማዕ ኃጢኣት ዘይኮነሉ ማንም ዓይነት ምኽንያት የለን። ሰማዒ ደርፊ እንተዘይነብር ኔሩ ቊጽሪ ደርፍን ደረፍቲን ውን ምቐነሰ። ወይ ውን ደርፊ ፈጺሙ ኣይምሃለወን። ስለ’ዚ ደራፍን ሰማዕን ከምተን ዘይነጻጸላ ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም እዮም። ሰማዒ ደርፊ ናይ ደርፊ ተሓባባሪ እዩ። ናይ ሰራቒ ተሓባባሪ ኣይሰረቐን ክበሃል ይከኣል ? ስለዚ ሰማዒ ደርፊ ውን ኣይበደለን ኣይበሃልን እዩ። ንጐይታና ዝሰቐልዎ ኣይሁዳውያን ቊጽሮም ውሑድ እዩ ኔሩ፡ ኵላቶም ኣይሁዳውያን ንጐይታ ንምስቃልን ንምውጋእን እኳ ዕድል እንተ ዘይረኸቡ መብዛሕትኦም ግን ብሓደ ድምጺ "ስቐሎ ስቐሎ" ኣብ ምባል ሰሚሮም እዮም (ማቴ 27220 እሞ’ኸ ድኣ ሓደ ኣይሁዳዊ ኣነ ንጐይታ ኣይሸንከርኩዎን ጎኑ ውን ኣይወጋእኩዎን ስቕሎ ስቐሎ ጥራይ እየ ዝበልኩ እንተበለስ ንስኻ ነጻ ኢኻ ዝበሃል ይመስለና?
ሕጂ’ኸ ኣይድረፍ እምበር ደርፊ ምስማዐይ እንታይ ኣለዎ? ብምባልካ ንመን ከም ዝመሰልካ ነጺርልካ ? ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣግሪፉን ንሰቐልቲ ኣሕሊፉ ድሕሪ ምሃቡ "ኣነ ካብ ደም እዚ ንጹህ ሰብ እዚ ነጻ እየ" ብምባል ኢዱ ንዝተሓጸበ ጲላጦስ ኢኻ ትመስል። ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታኡ ክሳብ ምኽሓድ ዘብጽሖ ከቢድ ፈተና መዓስ ከም ዝተፈተነ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ምስ ኣይሁድን ምስቶም ንጐይታ ዝሰቕሉን ሓዊ እናስሓነ እንከሎ እዩ እዚ ኵሉ ፈተና ዝወረዶ ማቴ 2658 ንስኻ ድኣ እሞ ከመይ ኢልካ ኢኻ ደርፊ እናሰማዕካስ ናይ ደርፊ እሳት ኣየቃጽለንን እዩ እትብል? ይሁዳ ውን እንተ ኾነ ኣብ ናይ ፈጣሪ ስቕለት ተሓባባሪ ስለ ዝኾነ እምበር ባዕሉ ንጐይታ ከም ዘይሰቐሎ ፍለጥ። ደራፊ ደርፊ ካብ ውሽጡ ብልሳኑ ኣውጺኡ ንኻልኦት የካፍል። ንስኻ ድማ ካብ ደራፊ ብእዝንኻ ተቐቢልካ ናብ ውሽጥኻ ብምእታው ምስ’ቲ ደራፊ ትካፈል ኣለኻ። እሞ’ኸ ድኣ ኣብ ምንታይ እዩ ፍልልይኩም? አረ ወደብ ብምዃንካስ ናትካ ዝኸፍእ እዩ ዝመስል።
ብርግጽ ሓደ ሰብ ደራፊ ሰማዒ ደርፊ ወይ ሳዕሳዒ ዝበሃል ብመንፈሳዊ ሕይወቱ ተወቃሲ ዝኸውን ናይ ደርፊ ድምጺ ብእዝኑ ስለ ዝኣተወ ጥራይ ኣይኮነን። ከምዚ እንተ ዝኸውን እሞ ንክርስቲያን ካልእ ዓለም መድለዮም ኔሩ። ድምጺ ደረፊ ኣብ ኣውቶብሳትን ዝተፈላለዩ ናይ መጓዓዝያ መሥመራትን፡ ሻሂን ቡንን ኣብ እትሰትየሉ ናይ መዘናግዒ ቦታታትን ሆቴላትን ኣብ ገዛኻ ኮፍ ኢልካ እንከለኻን ብዝተፈላለየ መንገዲ ብእዝንኻ ኣትዩ ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝኸድካዮ ሰባት ንባዕሎም ክሰምዕዎ ደልዮም ዝወልዕዎ ደርፊ ኣጥፍኡለይ ክትብል መሰል ከም ዘይብልካ ፍሉጥ እዩ። ደርፊ ኣብ ዝተወላዓሉ ኩሉ ቦታታት እዝንኻ ብጡጥ ክትዓብስ ማለት ውን ኣይኮነን። እሞ’ኸ ድኣ ክትገብሮ ዝግበኣካ እንታይ እዩ? ደርፊ ብዘይ ምስማዕ ንፈጣሪኻ እዙዝ ክትከውን እንተ ድኣ ደሊኻ ልብኻ ንደርፊ ኣይትሃብ። ማለት ደርፊ ባዕልኻ ደሊኻን ተመኒኻን ብዕላማ ኣይትስማዕ። ንስኻ ከይደለኻ ደርፊ ናብ እዝንኻ እንተ ኣትዩ ግን ሰሚዕካ ኣይበሃልን። ክትሰምዕ ክትደሊ እንከለኻን ኣተኵሮ እንተ ድኣ ሂብካዮን ስምዒትካ ብደርፊ እንድሕር ተተንኪፉን ግን ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኢኻ ተወቃሲ እትኸውን።
ደርፊ ብብዙሕ ነገራት ዝተዓጀበ እዩ። ስለ’ዚ ተሓታቲ ዝኸውን እቲ ደራፊ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ብዝተፈላለየ መንገዲ ንደራፊ ዝተሓባበሩ ብምልኦምን እዮም። እዚ ድማ ካብ ኣድነቕትን ካብ ሰማዕትን እዩ ዝጅምር። ካብኡ ሕልፍ ኢሉ ድማ ዝተፈላለየ ሽልማት ንደረፍቲ ብምሃብ ንደረፍቲ ዘተባብዑ፡ ግጥምን ዜማን ዘቀናብሩ ብድምጺ ዝዕጅቡን ዝቕበሉን ብዝተፈላለየ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ዘቀነባብሩን ዝዕጅቡን፡ ደርፊ ናብ ዕዳጋታት ዘቕርቡን ዘከፋፍሉን ኩላቶም ካብ ክሊ ናይ ደርፍን ደራፍን ዝወጽኡ ኣይኮኑን። ብዛዕባ ጓይላ ክለዓል እንከሎ ብዘሐዝን ኩነታት ብቐዳምነት ዝጥቀስ ናይ ጓል ሄሮድያዳ ሳዕስዒት እዩ። ናይ ወለተ ሄሮድያዳ ሳዕስዒት ንናይ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ምቑራጽ ርእሲ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ማቴ 146-12 ሄሮድስ ድማ ዝደለየቶ ንክገብረላን ንክህባን ብዝኣተዎ ቃል መሠረት ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ክሳድ ቆሪጹ ሂብዋ እዩ። እንተ ኾነ ግን ናይ’ዚ ኩሉ ጥፍኣት ዝተጋለጸ ሄሮድስ ሰማዒ ደርፊ ድኣ እምበር ንሱ ባዕሉ ደራፊ ከም ዘይነበረ ኣስተውዕል። ንሕና ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ደርፊ ናይ ሃይማኖት ናይ ሃገር ናይ ኣቦን ኣደን ናይ ሓውን ሓፍትን ፍቕሪ ወይ ታሪኽ ዝገልጹ ግጥምታት እኳ እንተ ሃለዉ ክንሰምዖም ኣይግባእን። ምኽንያቱ ካብዚ ኩሉ እዚ ንላዕሊ እቲ ብሰንኪ ደርፊ እንጉድኦ ጉድኣት ይበልጽ። ብተወሳኺ ብዛዕባ እዞም ነገራት እዚኣቶም ካብ ደርፊ ንለዕሊ ሃይማኖትና ብዝግባእ ትምህረና እያ።
ዋላ እኳ ጠቓሚ መልእኽቲ ዘለዎ እንተመሰለ ደርፊ ክንሰምዕ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ደርፊ ብትሕዝትኡ ናብ ስምዒት ይወስድ እሞ ልቢ ናይ ምስራቕ ባህሪ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ናይ ደርፊ ግጥምታት ዋላ እኳ ጥቕሚ ዘለዎ መልእኽቲ እንተ ኾነ፡ ነቲ ደርፊ ዝሰምዑ ሰባት ብስምዒት ስለ ዝወጹን ልቦም በቲ ዜማ ስለ ዝስረቕ መልእኽቱ ብጽሞና ንምስማዕ ይሽገሩ። ብዙሓት ኣዒንቶም ብምሽፋን ከም ዝተመሰጠ ሰብ ምስቲ ደርፊ ዓው ኢሎም ክደርፉ ይረኣዩ። እንተ ኾነ ግን እንታይ መልእኽቲ ከም ዘለዎ ፈጺሞም ኣየስተውዕልዎን እዮም። ነብስኻ እንተ ትምርምር ባዕልኻ ክትርዳእ ምኸኣልካ። "እዚ ደርፊ ብዙሕ ጊዜ ሰሚዐዮ ኣለኹ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ግን ኣስተውዒለሉ ኣይፈልጥን" ዝብሉ ሰባት ገጢሞምኻ ይፈልጡ? ንምንታይ ይመስለካ ስምዒታውያን ይኾኑ እሞ ልቦም ስለ ዝስረቕ እዩ። ደርፊ ምሉእ ብምሉእ ዘይ ምስማዕ ጭፍንነት ኮይኑ እንተ ተሰሚዕካ። ሕጂ ውን ክነግረካ ዝደሊ መንፈሳውነትካ ከም ዝጎልሕ እዩ። መንፈሳውነትካ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ደርፊ ማዕረ ክንደይ ክውገዝ ዘለዎ ከም ዝኾነ እናተረድኣካ ክኸይድ እዩ።
መንፈሳውነት እንተ ዘይብልካ ግን ጓይላን ደርፊ ምስማዕን ክውገዝ ኣብ ዝረኣኻሉ ጊዜ ንምንታይ ተኸልኪሉ? ዝብል ሃይማኖታዊ ምሥጢር ዘይኮነ ብዙሕ ገንዘብ ሂብካ ዝገዛእካዮ ካሴት ሲዲ ዲቪዲን ካልእን ከንቱ ከም ዝተረፉኻ ክስመዓካ ይኽእል።
እዞም ኩሎም ዝጠቐስናዮም ግን ካልእ ኣማራጺ ሥራሕ ዘይብሎም’ዶ ይመስለካ? ኣይፋሉን ኣንፈቶም ቅይር ኣቢልካ ናብ መዝሙርን መንፈሳዊ ስብከትን መንፈሳዊ ፊልምታትን ክትርእየሎምን ክትሰምዓሎምን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ዝኣመሰለ ኣማራጺ እኳ እንተዘይነብረካ ብሃይማኖትካ ደርፊ ዝተኸልከለሉ ምሥጢር ካብዞም ቀንጠመንጢ እዚኣቶም ኣንኢስካ ኣይትርኣዮ። ናይ ኣብርሃም ሃይማኖት ኣለኒ ትብል? እንተ ኾነ ግን ይትረፍ’ዶ ወድኻ ንመስዋዕቲ ከተቕርብ’ሲ ነቲ ብዘይጠቅም ገንዘብ ዝገዛእካዮ ካሴት ንኸይትገድፍ እኳ ካብ ፈጣሪኻ ክትፈላለ መሪጽካ።ንስኻ ሰማዒ ደርፊ ጥራይ ክነስኻ ኣዲኡ ከም ዝሞተቶ ህጻን ማዕረ ክንድ’ዚ ትሓዝን እንተ ኴንካ እቶም ሞያኦምን መነባበሪኦምን ዝገበርዎ ሰባት’ከ እንታይ ይስመዖም ይኸውን? ደርፊ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ጎዳኢ እዩ። ካብቲ ናይ ቃኤል ወገን ዝኾነ ናይ መጀመርያ ጀማሪ ደርፊ ዝኾነ ዮባል ወዲ ከዓድ ጀሚሩ ደርፊ ከቕጽዕ እምበር ክጠቅም ኣይተራእየን። ዘፍ 421 እቲ ሓያል ዝበሃል ሳምሶምን ኣዝዮም ብዙሓት ዝኾኑ ፍሊስጤማውያንን ብምንታይ እዮም ዝጠፍኡ? ብምኽንያት ደርፍን ንዕኡ ዝኣመሰለ ጸወታታትን’ዶ ኣይኮኑን። መሳ 1623 ኣብ መጽሐፈ ቀሌምንጦስ ከም ዝተጻሕፈ "ሰይጣን ንሰባት ብደርፍን ተውኔትን እዩ ዘስሕቶም" ብሓደ ጊዜ ልዕሊ ሠለስተ ሽሕ ሰባት ዘቕዘፈ ኣምልኾተ ጣኦትን ጓይላን ንክርስቲያን ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ክጠቕሞም ኣይክእልን እዩ ዘጸ 1735 ስለ’ዚ ኣብ ጎኒ ጓይላን ደርፍን ሳዕስዒትን ደርፊ ኣብ ምስማዕ ውን ይኹን ምስላፍ መንፈሳውነት ኣይኮነን።

.......................  ይቕጽል
 

No comments:

Post a Comment