bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday, 18 April 2016

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 6ይ ክፋል

1,5 ኣብ ጊዜ ሓጎስ ይድረፍ ?
ብዙሓት ሰባት ሰብ ኣብ ጊዜ ፈተናን ሽግርን ጥራይ ዝፍተን እዩ ዝመስሎም። እንተ ኾነ ግን ሰብ ኣብ ጊዜ ሓጎስን ዘድልዮ ኵሉ ኣብ ዝረኸበሉ ጊዜን ውን ክፍተን ይኽእል እዩ። ካብ መከራን ስእነትን ንላዕሊ ሓጎስን ጽጋብን ንሰብ ዝያዳ ከም ዝፍትን ውን ብሩህ እዩ። ጥበበኛ ሰለሞን "እምበኣርሲ ኣነ ንልበይ ንሓጎስ ክፍትነካ እሞ ባህ ይበልካ በልኩ። ግናኸ እነሆ እዚ ውን ከንቱነት እዩ" ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ሰብ ኣብ ጊዜ ሓጎስ ውን ብዝያዳ ክፍተን ከም ዝኽእል ዘረድአእ እዩ መክ 21 ደስታን ሓጎስን ኣኸቲልዎም ካብ ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ሓደ ድማ ጓይላ እዩ። ሰባት ኣብ ጊዜ መርዓ ኣብ ዓመተ ልደቶም ኣብ ዘብዕልሉ ጊዜ ኣብ መመረቕታን ኣብ መዘናግዒታትን ግብጃታትን ካልኦት ዓበይቲ በዓላትን እነተዘይደረፉን እንተዘይ ሳዕስዑን ዝተሓጎሱ ኣይመስሎምን እዩ። ብፍላይ ኣብ ጊዜ መርዓ "ጓይላ የለን ብመዝሙር ጥራይ እዩ" እንተ ተባሂሉ "እዋእ አንዳ ሓዘን እምበር ኣምሲልኩሞ" ዝብሉ ሰባት ቊጽሮም ውሑድ ኣይኮንን። እዚ ድማ ኣብ ኵሉ ናይ ሓጎስ ጊዜ ጓይላ ክግበር ኣለዎ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባኦም ዝመንጨወ እዩ። ብርግጽ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ሓጎስ መዓልታት ብዛዕባ ጓይላ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብለና?


1.6 መጽሓፍ ቅዱስ ንጓይላ ምስ ሓጎስ ኣየተሓሕዞን እዩ።
ሐዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ናይ ሓደ ክርስቲያን መግለጺ ሓጎስ እንታይ ክኸውን ከም ዝግባእ መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሉ "ዝተሓጎሰ ሰብ እንተሎ ይዘምር" ክብል ጽሒፍልና ኣሎ ያዕ 513 ስለዚ ኵሎም ክርስቲያን ኣብ ጊዜ ሓጎሶም በሊዖም ሰትዮም "ስብሐት ለአብ ስብሐት ለወልድ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ" እናበሉ ጸሎተ ስብሐት ድሕሪ ምጽላዮም። ብዝተፈላለዩ ናይ ምስጋና መዛሙር ሓጎሶም ክገልጹ ይግበኦም። እዚ ድማ ካብ ሐዋርያት ዝተረኽበ ትምህርቲ እምበር ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ሐዋርያት ብሊቀ ማኅበር ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኸ መኣዲ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን እንታይ ከም ዝገበሩ ክገልጽ እንከሎ መጽሓፍ ቅዱስ "መዝሙር ምስ ዘመሩ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ" ብምባል ድሕሪ መኣዲ ከም ዘዘመሩ የረድኣና ማቴ 2626-30 ምእመናን ሥጋኡን ደሙን ምስ ተቐበሉ ዲያቆን "ነአኵቶ"ምባሉ ውን ናይ’ዚ ምሳሌ እዩ።
ካብ’ዚ ሓሊፎም ማለት ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ናብ ጓይላ ዝኸዱ ግን "ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ ክደርፉ ውን ተንስኡ" ምስ ዝተባህለሎም ብኣምልኾተ ጣኦት ምስ ዝነወሩን እስራኤል ዘሥጋ እዮም ዝቑጸሩ 1 ቆሮ 107 ክርስቲያን ኣብ ጊዜ መርዓ ብዛዕባ መግቢ መስተን ሳዕስዒትን ኣይኮነን ክሕጎስ ዘለዎ። እዚ ኩሉ ናይ ደስታኦም መግለጺ ድኣ እምበር ናይ ሓጎሶም ምንጪስ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ ሓጎሶም ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ዲያብሎስ ውግእ ዝጻወሩሉ መጸግዒ ማለት ቅዱስ ሓዳር ስለ ዘመሥረቱ፡ ናይ ዘመናት ትምኒቶም ክውን ስለ ዝኾነ ብሓፈሻ ናይ መርዓውን መርዓትን ጉዳይ ብጽቡቕ ምፍጻሙ ንኹሉ ሰብ የሐጉሶ። ብቅዱስ ሓዳር ዘይሕጎስ ሰይጣን ጥራይ እዩ።
ቅዱስ መጽሓፍ "እቲ ደው ኢሉ ንዕኡ ዝሰምዕ ዓርኪ መርዓዊ ግን ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጎስ" ይብል ዮሐ 329 መርዓዊ ኣይደርፍን ኣይሰዕስዕን "ድምጺ መርዓዊ" ማለቱ ግን የዕሩኽቱን ፈተውቱን ብምልኦም "መርዓዊ ንመርዓት ሕጋዊት በዓልቲ ቤቱ ክትከውን ፈትዩ ከም ዝተቐበላ ቃሉ ክህብ እንከሎ ኣዝዩ ደስ ይብሎም ማለት እዩ"።
ከምቶም የዕሩኽን ናይ መርዓዊ ፈተውትን ኩሎም ክርስቲያን ድማ ብብልዕን መስተን ብጓይላን ብሳዕስዒትን ዘይኮነ፡ ናይ መርዓውቲ ናይ ልቦናኦም ትምኒት ብምፍጻሙ እዩ። ብመግቢን መስተን ብጓይላን ሳዕስዒትን ዝሕጎሱ ግና ዓለማውያን እዮም። ምኽንያቱ ጓይላ ንባዕሉ ናይ ሥጋ ሥራሕ ስለ ዝኾነ።
ሄሮድስ መንፈሳዊ ሰብ ኣይነበረን፡ ብናይ ወለተ ሄሮድያዳ ሳዕስዒት ደስ ዝበሎ ድማ ሥጋዊ ምዃኑ ካብ ዝተላዕለ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ "ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኮይና ሳዕሰዐት ንሄሮዶስ ድማ ኣሓጎሰቶ" ይብል ማቴ 146
መርዓ ዝኣክል ዓቢ ሃይማኖታዊ ጉዳይ እናተፈጸመ ምስ መርዓ ተዛመድቲ ዝኾኑ ብዙሓት ጽቡቓት ነገራት ብምስትውዓል ኣብ ክንዲ እትሕጎስ፡ ብብልዕን መስተን ብጓይላን ብሳዕስዒትን እትሕጎስ እንተ ኴንካ እዚ ንስኻ ኣዚኻ ሥጋዊ ሰብ ከም ዝኾንካ እዩ ዘመልክት። እዚኣቶም እኮ መርዓ ኣብ ዘይብሉ ጊዜ ውን ክትረኽቦም እትኽእል ነገራት እዮም። እቲ ቀንዲ ዘድሊ እዚ ዘይኮነ እቲ ናይ መርዓውቲ ብፍቓደኛነት ብምሉእ ልቢ ሓደ ኮይኖም ምርካብ እዩ።
ናይ መርዓ ሓጎስ ንምግላጽ መዝሙር ዘይኣክል’ዶ ይመስለካ? ኣይትጋገ መዝሙር ካብ መንፈሳዊ ጥቕሚ ሓሊፉ ብድምቀቱ ውን እንተኾነ ኣተሓሕዛኻ ድኣ ይውስኖ እምበር ካብ ጓይላ ንላዕሊ መርዓኻ ከዳምቐልካ ይኽእል እዩ። ብፍላይ ድማ ንኣምላኽና ምስጋና ይኹኖ ብዙሓት ዘመርቲ ኣብ ዘለውሉን ኣብ ዝፈረይሉን ኣብዚ ዘመን’ዚ እዚ ዘጠራጥር ሓሳብ ኣይኮነን። ኣብ ናይ መርዓ ኣዋርሕ ኣብ ፈቐዶ መናፈሻታት ካብ ጓይላን ሳዕስዒትን ብዝበለጸ ጎሊሑ ዝርአ ናይ መዝሙርን ወረብን ትርኢት ድማ ዓቢ ምስክር እዩ እንተ ኾነ ግን ሓደ ዓቢ ሽግር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብዙሓት ሰባት ከምቲ ንጓይላ ዝጓየይዎን ዝደኽምዎን ንመዝሙር ከምኡ ኣይተግሁን እዮም። ኩሉ ነገር ኣተሓሕዛኻ እዩ ዝውስኖ። መዝሙር ውን ብትግሃት እንተ ዘይሒዘዝካዮ ኣይደምቕን እዩ። ሸለል ኣብ እትብለሉ ጊዜ እናዘሓለ ይኸይድ። ጓይላ ውን እንተኾነ ብዝግባእ እንተዘይተጊሆምሉ ምዝሓሉ ኣይተርፎን እዩ። እዚ ንምባል ዘድለየሉ ምኽንያት "ብመዝሙርን ብመንፈሳዊ ሥርዓትን ዝፍጸም መርዓ ኣይደምቕን እዩ" ዝብሉ ድኹም ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ሰለ ዘለዉ እዩ። መንፈሳውያን ድማ ብዛዕባ ናይ መርዓኦም ድምቀት ካብ ምጭናቕ ብዛዕባ እቶም መንፈሳዊ ዋጋ ዘውህቡ ሃይማኖታውያን ሥርዓታት ዝያዳ ክጭነቑ ይግባእ።
ፍትሐ ነገሥት መንፈሳዊ ክርስቲያን ኣብ ጊዜ መርዓ ጓይላ ክገብሩ ከም ዘይግባእ ይእዝዘና። ኣዝዩ ዘደንቕ ኣገላልጻ ናይ’ዚ መጽሓፍ ድማ ምድራፍ ጥራይ ዘይኮነ ንደረፍቲ ምጥቓዕ ምስዕሳዕ ኣካላትካ ምውዝዋዝ ኣብ ጓይላ ዕልል ምባል ናይ ደረፍቲ ቃላት እናተቐበልና ምድጋምን ምኽልካሉ እዩ። እቲ ቃል ከምዚ ይብል "ወኢይደልዎ ለክርስቲያናዊ ከመ ይሑር ኀበ ቤተ ከብካብ ይጥፋሕ እደዊሁ ወያፅሕስ በአእገሪሁ" ማለት "ሓደ ክርስቲያን ኣብ ቤት መርዓ ከይዱ ደርፊ ሰሚዑ ብኣእዳዉ ከጣቕዕን ብእግሩ ከሸብሽብን ኣይግበኦን ማለት እዩ" (ፍት.መን.አን 1.1) ብዙሓት ክርስቲያን መርዓ ንዝዓደሞም ሰብ ኣኽብሮት እና መሰሎም ክደርፉን ክስዕስዑን ይረአ። ካልእ እናተጻወተን አእናሳዕስዐን ንሳቶም ዘይምስዕስዖም ድማ ከም ነውሪ ይቖጽርዎ። ኣይተረድኦምን ድኣ እምበር እቲ ዝኸፍአ ነውሪ ግን ክርስቲያን ኴንካ ምስዕሳዕ እዩ።
ክርስቲያን ደርፍን ሳዕስዒትን ናብ ዘለዎ መርዓ ፈጺሞም ኣይኺዱ ኣይበሃልን። እንተ ኾነ ግን ከይድካ ምስቶም ዝደርፉን ዝስዕስዑን ምትሕብባር ብመንፈሳዊ ሥርዓት ክልኩል እዩ። እቲ ዝጸውዓኩም ሰብ ውን ምስኡ ብምብላዕን ብምስታይን ናይ ሓጎሱ ተኻፈልቲ ክትኮኑ እምበር ናይ ግድን ዘይሳዕሳዕኩም ዘየጣቓዕኩም ኣይብልን እዩ። ፍትሓ ነገሥት ኣብ ጓይላን ኣብ ሳዕስዒትን ኣይትተሓባበሩ እዩ ዝበለ እምበር ናብ ቤት መርዓ ኣይትኺዱ ኣይበለን። ሓደ ሰብ ናብ ቤት መርዓ ከይዱ ኣይድረፍ ኣይሳዕስዕ እምበር ንቅዱሳን ምእመናን ከም ዝግባእ ብልክዕ ክምገብ ይኽእል። እዚ ድማ "ዳዕሙ ይብላዕ በሥርዓት በከመ ይደልዎሙ ለቅዱሳን" ማለት " እንተኾነ ግን ንክርስጢአን ከም ዝግብኦም ብሥርዓትን ብልክዕን ይመገብ" ብዝበሎ ይፍለጥ (ፍት.መን.አን 11) ስለዚ ንሕና ክርስቲያን ኣብ ጊዜ መርዓና ፈጣሪና ዝምስገነሉን ዝኸብረሉን መንገዲ ብምፍጣር ብመንፈሳዊ መዝሙር ንኣምላኽንን ንጉሥናን ክርስቶስ ከነሐጉስ ይግበኣና። ነዚ ብምግባርና ድማ ዋጋኡ ኣዝዩ ዝኸበረ ናይ ዓወት ኣኽሊል ክንሽለም ኢና። ናይ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ርእሲ ዳግማይ ዝቑረጸሉ ማለት ብዙሓት ኃጢኣት ሰሪሖም ብነፍሲ ዝሞትሉን ሃይማኖትና ዝንቀፈሉን ሥራሕ ማለት ጓይላ ኣብ መርዓና ከነፍቅድ ኣይግበኣናን።
 
.......................  ይቕጽል

No comments:

Post a Comment