bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday, 18 April 2016

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን 5ይ ክፋል

. ደርፊ ብዙሕ ጊዜ ምስ መንፈሳውያን መምርሒታት ሥነ ሓሳብ ዘይሰማምዑ ብዙሕ መልእኽታት ኣብ ውሽጢ እቲ ግጥሚ ዘጠቓለለ እዩ። ስለዚ ደርፊ ብኣሉታውን ጸረ ክርስቲያናውን መልእኽትታት ዝተጻዕነ እዩ። ደርፊን ጓይላን ናይ ስምዒት ነጸብራቕ ብምዃኑ ውሱን ቅርጽን ትሕዝቶን የብሉን። ቅጥዒ ዘይብሉ ተለዋዋጢ ነገር ድማ ምስ መንፈሳውነት ኣይሰማማዕን እዩ።

ንኣብነት ናይ መዝሙር ሓሳብ ብመጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝምራሕ። ኃይላ ቃሉ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኃይለ ቃል ዘይሰማማዕ "መዝሙር" ስለ ዘይኮነ ብቕጽበት ውግዘት እዩ ዘጋጥሞ። ስለ’ዚ መዝሙር ቅጥዒ ዘለዎ እዩ ይበሃል።


ደርፊ ግና ናይ ብዙሓት ደረፍቲ ናይ ናይ ግጥሚ ትሕዝቶ ይትረፍ’ሲ፡ ናይ ሓደ ደራፋይ ግጥሚ ጥራይ ምስ እንምልከት እኳ ነንሕድሕዱ ዝጋጮ ናይ ብዙሓት ሰባት ስምዒት ዘንጸባርቕ እዩ። ስለ’ዚ ደርፊ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ንስኻ ክትኮኖ ዘለካ ትኽክለኛን ቅኑዕን ነገር ዘይኮነስ፡ ንስኻ ባዕልኻ እትኾኖ ዘለኻን ካልኦት ዝኾንዎን ናይ ሥጋ ፍቓድ እዩ ዘውርየልካ። ምኽንያቱ ደርፊ ናይ ስምዒት ነጸብራቕ እዩ። ደርፊ ሓደ ሓደ ጊዜ ትዕግሥቲ ደስ ክብሎ ይጸንሕ እሞ በቲ ሓደ ድማ ንቑጥዐ የወድስ። ሓንሳብ ንፍቕሪ ካልእ ጊዜ ድማ ንጽልኢ የመስግን።

ደርፊ ክውገዝ ንዘይብሉ ከወግዝ ክውገዝ ንዝግብኦ ድማ ክውድስ ኢኻ ትሰምዖ። ነዚ ምስክሩ ድማ መብዛሕትኡ ጊዜ ነቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ዘይኮነ ነቲ ናይ ዝሙት ፍቕሪ ብዙሕ ጊዜ ብደርፊ ከወድስ ምስማዕና እዩ። ምስ ዜማ እናተቐናበረ ናብ ልቦና ሓደ ሰነፍ ሰብ ዝኣቱ እዚ ዝተዘበራረቐ ናይ ደርፊ ሕማቕ መልእኽቲ ድማ መንነት ናይ‘ቲ ዝሰምዖ ሰብ ናብ ምዃን ይቕየር’ሞ ምስ መንፈሳዊ ሓቅታት እንዳተጋጨዎ ክሽገር ከም ዝነብር ይገብሮ።

. ደርፊ ንንግድን ንሥነ መንግሥቲ (ፖለቲካን) ንዝተፈላለዩ ሥጋዊ ጉዳያት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዘገልግል ናይ ስብከት መሳርሒ እዩ። ናይ ንግዲ መዋዓውዒ (advertisement) ኩሎም ብደርፊን ብሳዕስዒትን እንተ ዘይተሰንዮም መዋዓውዒ ኣብ ዘይመስልሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። ካልእ ይትረፍ ብዓይኒ ዝረኣየና ፊልም እኳ ናብ ውሽጥና ንኽኣቱ ናይ ደርፊ ድጋፍ የድልዮ እዩ። መቸም ነዚ ንምፍላጥ ናይ ግድን ናይ soundtrack ባዕል ሞያ ወይ ድማ (ሚክስ ኢንጂነር) ምዃን ኣይሓትትን እዩ። ስለ’ዚ ደርፊ ኩሉ ሕማቕ ነገር ናብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝጎዓዘሉ ሰረገላ እዩ። ደርፊ ንዘይደለኻዮ ከም እትገዝእ ንዘይትፈትዎ ከም እትገብር ንዘይፈቐድካሉ ንኽትቅበልን ንኽትኣምንን ዝሓባብል ናይ ዝሙት መደለሊ ስለ ዝኾነ ክንሰምዖ ይኹን ክንደርፎ ኣይግባእን።

. ደርፊ ዘይኣተዎ ነገር የለን ክበሃል ይከኣል እዩ። ትምህርታዊ ምድላዋትን ድራማታትን ኩሎም ብደርፊ እዮም ዝዕጀቡ ካልእ’ሲ ይትረፍ ሕጻናት እኳ ኣብ መዋእለ ሕጻናት ብስም መዝሙር ደርፊ ከም ዘጽንዑ ይግበር ኣሎ። እዚ ድማ ናይ ደርፊ ፍቕሪ ከም ዝሓድሮም ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብ ሃይማኖቶም ኣሉታዊ ተጽዕኖ የሕዲሩ እዩ። ደርፊ ብደረጀ ሥርዓተ ትምህርት ከም ሓደ ናይ ትምህርቲ ዓይነት ኮይኑ ምቕራቡ ንዘለናዮ ትውልዲ ናይ ኣመለኻኽታ ምዝንባላት ናይ ምግባርን ምብልሻውን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። እቲ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ጥንቲ ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎስ ኩሉ ነገር ናብ ኃጢኣት ንኸምርሕ ካብ ዘለዎ ድሌት ዝተላዕለ ናይ ስፖርት ምንቅስቓሳት እኳ ምስ ደርፊ ተወሃሂዶም እዮም ዝቐርቡ። በዚ ድማ ደቂ ሳባት ቀስ ብቕስ ደርፊ ከም ዝለማመዱ ይገብር ንኣብነት ኤሮቢክስ ሰርክስ ጂምናስቲክ ዝኣመሰሉ ናይ ብቕዓት ኣካላት ምንቅስቓሳት ከይተረፉ ብደርፊ ተዓጂቦም ሳዕስዒት ብዝመስል ናይ ሰብነት ምንቕናቕ ተቐይሮም እዮም።

. ደርፊ ናይ ዓያሹ ዜማ እዩ። ቅዱስ ዳዊት "ዓሻ ብልቡ ኣምላኽ የለን ይብል" ከም ዝበለና፡ ዓሻ ዝበሃል ብልሙድ ኣዘራርባ ኣእምሮኡ ዝፈዘዘ ናኢ ስረሕ ቅልጥፍና ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃይማኖት ዘይብሉን ሥነ ምግባር ዝጎደሎን ሰብ እዩ። መዝ 141

እዚ ድማ ሓቂ እዩ መብዛሕትኦም ደረፍቲ ገንዘብን ዝናን ይንበሮም እምበር፡ ናይ ውልቂ ሕይወቶም ሓዳሮም ብኣጠቓላሊ ማሕበራዊ መነባብሮኦም ምስ ዝረአ ብብልሽው ሥነ ምግባር ዝተሓጽረን ጽቡቕ ኣርኣያ ክኸውን ዘይክእልን እዩ።

ኩሎም እኳ እንተ ዘይኮኑ ዝበዝሑ ደረፍቲ ሽጋራ ብምትካኽ ጫት ብምቕሓም ዕጸ ፋርስን ዝተፈላለየ ኣደንዛዚ ዕጸዋትን ወልፍታት ዝተኣስሩን ብስኽራንን ድቓላ ብምውላድን ክዳን ዘመውቲ ብምግያጽን ዝፍለጡ እዮም። እቶም ዝተረፉ ውሑዳት ውን ዋላ እኳ ኣብ ቅደሚ ሰባት ነውረኛታት ኮይኖም ኣይረኣዩ እምበር፡ ኣብ ቅደሚ እግዚአብሔር ግን ብውሑዱ ደረፍቲ ብምዃኖም ጥራይ ኣፍረስቲ ሕጊ እዮም። "ዓያሹ ንእግዚአብሔር ደስ ኣየብልዎን እዮም" መክ 54 ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ውን ኣይትዘንግዕ። እሞ’ኸ ድኣ ሰለሞን ንደረፍቲ ዓያሹ እናበለ ብምጽዋዕ "ደርፊ ዓያሹ ካብ ምስማዕ ተግሳጽ ጥበበኛታት ምስማዕ ይበልጽ" መክ 75 ኢሉ እነተ ተዛረበ ግቡእ ኣይኮነን? ንስኻ ውን እግዚኣብሔር ንዘይፈርሑ ሰብ ንዘይሓፍሩ ናይ ሰኽራማት ናይ ወልፈኛታት ናይ ስሱዓት ናይ መምለኽቲ ጣኦት ናይ ቀተልቲ ሰብ ናይ ህልኸኛታት ናይ ትዕቢተኛታት ናይ ደፋራትን ኩሩዓትን ብጠቕላላ ናይ ዓያሹ ዜማ’ስ ንምንታይ ኢኻ እትሰምዕ? ካብ’ዚ ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ድምጽን ትምህርትን ብመዝሙር መልከዕ ምስማዕ ኣይሕሸካን?

. ናይ ዝረኸሱ መናፍስትን ናይ ኩሎም ኣጋንንትን መሕደሪ ክትከውን ትደሊ ዲኻ? ዘይትደሊ እንተ ኴንካ ደርፊ ኣይትስማዕ "ኣብኡ ውን ኣጋንንቲ ክደርፉ እዮም" ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ደርፊ ናይ ኣጋነንቲ ብምዃኑ ሰብ ደርፊ ክሰምዕ እንከሎ ኣጋንንቲ እዮም ዝጽግዕዎ። ንጉሥ ዳዊት በገና ክሃርም እንከሎ ኣብ ንጉሥ ሳኦል ዝሓደረ ርኹስ መንፈስ ይርሕቀሉን መንፈስ ቅዱስ ድማ ይቐርቦን ከም ዝነበረን’ዶ ትኽሕድ ኢኻ? ክርስቲያን እንተ ኴንካ ነዚ ክትክሕድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ እዚ ኩሉ ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝተተጻሕፈ። (1 ሳሙ 1623)

እሞ’ኸ ድኣ ብመንፈሳዊ ቅኔ ዝተቓነየ ናይ በገና ድምጽን መዝሙር ምስማዕን ከምዚ ጌሩ ርኹስ መንፈስ ዘርሕቕ እንተ ኾይኑ ደርፊ ምስማዕ ድማ ብኣንጻሩ ኣጋንንቲ ከም ዘቕርብ ከመይ ኢሉ የጠራጥር? ናይ ሐዋርያት ትምህርቲ ስብከትን መዝሙርን ዝሰምዐ ናይ ሐዋርያት ሰላም ከም ዝሓድሮ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን የረድኣና። ሉቃ 106 ብዛዕባ ናይ ዋርያት ትምህርቲ ምስማዕ ኢስዩስ ክርስቶስ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን እስኪ ደርፊ ምስ ምስማዕ ኣነጻጺርካ ተመልከቶ። ማለት ናይ ሐዋርያት ትምህርቲ ኣብ ዝሰምዕ ሰብ ናይ ሐዋርያት እንተ ሐዲርዎ፡ ናይ ዓያሹ ዜማ ማለት ደርፊ ብፍቓዱ ዝሰምዐ ሰብ’ከ እንታይ እንታይ ይሓድሮ? ናይ ደረፍቲ መንፈስ ከም ዝሓድሮ ግልጺ እዩ። እሞ’ኸ ድኣ ኣብ ደረፍቲ ሓዲሩ ዝነብር መንፈስ ሐዋርያት ክዝምሩን ክምህሩን ዝገበሮም መንፈስ ቅዱስ ይመስለካ? እንተ ዘይኮይኑ ደርፊ ክትሰምዕ እንከለኻ ዝሓድረካ መንፈስ ኣየናይ እዩ?

. ሓደ ሓደ ሰባት ምድቦም ምስ ደርፊ ኣይኮነን ብምባል ብመሳርሒ ሙዚቃ ጥራይ ዝተቐነባበሩ (ኢንስትሩመንታል ክላሲካል) ዝተቐናበሩ ሙዚቃታት ንምስማዕ ልቦም ዝተወፈየ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ ደርፊ ፍቕሪ ካብ ልቦም ከም ዘይጠፍኣሎም በዚ ተግባራቶም ይፍለጡ። ብክላሲካል ዝተቐነባበረ ሙዚቃ ዝሰምዑ ሰባት፡ ግጥሚ ናይቲ ደርፊ ካብ ዘኸትሎ ጉድኣት ጥራይ እዮም ዝድሕኑ። ብዝተረፈ ግን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ናይ ደርፊ ጉድኣት ብምሉኡ እዩ ዝረኽቦም። ግጥሚ ናይ’ቲ ደርፊ ዘስዕቦ ጉድኣት ውን እንተ ኾነ፡ ናይቲ ደርፊ ግጥሚ ቅደሚኡ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡ ወይ ውን ፈጺሞም ዘይፈልጥዎ ምስ ዝኾኑ ጥራይ እዩ ክጎድኦም ዘይክእል።

ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ናይ ደርፊ ጉድኣት በቲ ሥጋውን ኣጸያፍን ትሕዝቶ ናይቲ ግጥሚ ጥራይ ኣይኮነን። ብመሳርሒ ሙዚቃ ጥራይ ዝተቐነባበረ ደርፊ ምስማዕ ውን ብዘይ ትፈልጦ ቋንቋ ዝተደርፈ ደርፊ ከም ምስማዕ እዩ ዝቑጸር። ነዚ ዝሰምዑ ሰባት ናይቲ ደርፊ ግጥሚ ካብ ዘስዕቦ ጉድኣት ዘምለጡ እኳ እነተ መሰሉ፡ ደርፊ ካብ ግጥሚ ወጻኢ ከኸትሎ ካብ ዝኽእል ጉድኣት ግን ዝረሓቑ ኣይኮኑን። ንኣብነት መዝሙር ንምስማዕ ካብ ዝነበሮም ሙቐትን ድሌትን ምዝሓል፡ ሳዕስዒት ንዝመስል ንኣሽቱ ምንቅስቓሳት ድማ ምቅልዖም ዘይተርፍ እዩ። ለካ እቲ "ዘወር በሉ እምበር ኣይሃደሙን" ዝብል ናይ ኣበው ኣበሃህላስ ኣብዚ እዩ ዘዝሰርሕ። አረ ነቲ ብዝግባእ ዘስተውዓሎ ሰብ ምሉእ ደርፊ ካብ ምስማዕ፡ ብመሳርሒ ጥራይ ዝተቐነባበረ ደርፊ ምስማዕ ይኸፍእ። ምኽንያቱ እዚ ካብ ሰማዒ ደርፊ ናብ ደራፊ ዘሰጋግር ብምዃኑ እዩ። ብመሳርሒ ሙዚቃ ጥራይ ዝተቐነባበረ ደርፊ (ክላሲካል ሙዚክ) ክትሰምዕ እንከለኻ እቶም ነቲ ደራፊ ዝዕጅብዎ ዝነበሩ መሳርሒ ሙዚቃታት ንዓኻ ይዕጅቡኻ። ንስኻ ድማ ነቲ ክላሲካል ዜማ እናተኸተልካ ትንቀሳቐስ፡ ብቓልካ ይኹን ብሕልናኻ ክትደርፍ ድማ ትጅምር። እሞ’ኸ ድኣ ኣየናይ ይኸፍእ? ካብ ሰማዒ ደርፊ ናብ ደራፋይ ተቐይርካ ማለት ኣይኮነን?ብፍጥነት ትኸይድ ዝነበረት መኪና ምንም ከይተንሸራተተት ብቕጽበት ጠጠው ክትብል ትኽእል ድያ? ከም ዘይከኣል ዝተፈልጠ እዩ። ሰብ ውን እንተ ኾነ ከምኡ እዩ። ብመሳርሒ ሙዚቃ ጥራይ ዝተቐነባበረ ደርፊ ምስማዕ ብሕልናኻ ናብ ምድራፍ ዝድርኽ ብምዃኑ ከይደረፍካ ኣይትምለስን ኢኻ። እመነኒ ኣፍካ እኳ እንተ ዘይደረፈ ልብኻ ግን ክደርፍ እዩ።

ኣብ ሓደ ሓደ ፊልምታት ጓልን ወድን ብኸንፈሮም ክሰዓዓሙ ክጸጋግዑ ይርአ። ኣብ’ዚ ጊዜ ንስኻ ውን ትሰሓብ’ሞ ብሕልናኻ ነቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ንኽትፍጽም ምሳታቶም ሓቢርካ ምጽግጋዕካ ኣይተርፍን እዩ። ካልእ ሰብ ስለ ዝመጽአ ወይ ብካልእ ምኽንያት ንሳቶም ክሰዓዓምዎ ዝሓሰቡ ጉዕዞ እኳ እንተ ኣቋረጸረዎ፡ ናትካ ሕልና ግን ከም ናቶም ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ርዱእ እዩ። ልክዕ ከምኡ ድማ ብመሳርሒ ሙዚቃ ጥራይ ዝተቐነባበረ ደርፊ ኣብ እትሰምዓሉ ጊዜ ሕልናኻ ንምድራፍ እዩ ዝደፋፋእ። እቲ ደራፊ እኳ እንተ ዘይደረፈ ባዕልኻ ምድራፍካ ዘይተርፍ እዩ።

.......................  ይቕጽል

No comments:

Post a Comment