ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ቀዳም 19/3/2016 ናብ ኣብ ሆሎት ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ እሱራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ናይ ምብጻሕ ዑደት ተኻይዱ።
ንእሱር ጓይላ ድዩ ዘድልዮ ጸሎት? መጽሓፍ ቅዱስ "ንኵሎም እሱራት ካብ እስሪ ፈቲሑ ዘውጽኦም መዝሙር ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ሲላስን ከም ዝኾነ ይነግረና(ግ.ብ 16፡19-30) ናብ እሱራት ክደርፉ ዝኸዱ ደራፎ ግን ከምቲ ናብ ብርቱዕ ቊስሊ ዝመጽእ ጨካን ሃመማ ኪጎድኡን ከርክሱን እንተዘይኮይኑ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቕሙን እዩ። ንቊሱል መድኃኒት እምበር ሃመማ ኣይእዘዞን እዩ።
ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገረ እስራኤል ቀዳም.........
እግዚአብሔር ካብ ዘለዓለማዊ እስሪ ቤት ዘድሕነኩም ሐዋርያዊ ሥራሕ ፈጺምኩም ኢኹም እሞ እግዚአብሔር ዓስቢ ቅዱሳን ይሃብኩም። እግዚአብሔር ንእሱራት የሕዋትና ብረዲኤቱ ይሓልዎም ኵሉ ንዕኦም ዝሓይሽ ዘበለ ድማ ይሃቦም።
ለ.ክርስቲያን ዘበለ ኩሉ ደርፊ ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተኸልከለ ተግባር ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። ደራፊ ምዃን ከም መነባበሪ ስራሕ ተጌሩ ክውሰድ ውን ኣይግበኦን። ኣብ ናይ ደርፊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ክርሰቲያን ብሃይማኖት ክነብሩ እንተ ደልዮም፡ ከምተን ብንስሓ ዝተመለሳ ዘመውቲን ሰረቕትን ብንስሓ ተመሊሶም ካልእ ናይ ስራሕ ኣማራጺ ክደልዩ ይግበኦም። ኣብ ዘመንና ኩሎም ናይ ኃጢኣት ተግባርት ናይ ገንዘብ ምንጪ እናኾኑ መጺኦም ኣለዉ። ኩሉ ኣታዊ ዘለዎ ስራሕ ግን ከም ስራሕ ክቑጸር የብሉን። መነባበርየይ እዩ እንጌራ ኮይንኒ እናበልካ ሕልናኻ
ዘሸቑርርን መንፈሳዊነት ዘዳኽምን ስራሕ ካብ ምስራሕ ክንቁጠብ ይግባእ። እቲ ኣይትስረቕ ኣይተመንዝር ዝበለ እግዚኣብሔር ኣይትድረፍ ውን ኢሉ እዩ። እሞ’ኸ ድኣ ብመንፈሳዊ መለክዒ ንዝምልከቶ ሰብ ደርፊ ካብ ስርቂን ዝሙትን ብምንታይ ይፍለ? ሕጊ እግዚአብሄር ኣብ ምፍራስ ኩላቶም ሓደ እዮም። እንታይ ክገብር መነባበርየይ ኮይኑ እናበልካ ደራፊ ኴንካ ካብ ምድራቕ ካልእ ኣማራጺ ምድላይ ይሓይሽ። ኣብዚ ዓለም ደራፊ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ውህበት (ጸጋ) ዘይብሉ ሰብ የለን። ከም’ዚ እንተ ዝኸውን ኔሩ እሞ ፈጣሪ ውን ደርፊ ኣይመወገዘን ኔሩ። ስለ’ዚ እንተድኣ ሓሲብናሉ ከም ኩሉ ካልእ ሰብ ደረፍቲ ውን ካልእ ናይ ስራሕ ኣማራጺ ኣለዎም።
ፍትሐ ነገሥት መንፈሳዊ ብዛዕባ ስራሕ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ከም’ዚ ይብል "ብዛዕባ ተግባረ ኢድ ግን ኣብ ዓለም ካብ ዝስርሑ ስራሓት መንፈሳዊ ሕጊ ዝቃወም ስራሕ እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ። ከም ደርፍን ሕማቕ ጸወታን ብእግርኻ ምሽብሻብ (ጭፈራ) እንተ ዘይኮይኑ ፍት.ነገ መን.አን.23፡820 እዚ ናይ ኣቦታት ቃል ደርፊ ከም ስራሕ ክቑጸር ከም ዘይብሉ ዘረድእ እዩ።
ሐ. ደርፊ ናይ ሥጋ ስራሕ ብምዃኑ ኃጢኣት እዩ ገላ 5፡21 ስለዚ ደርፊ ምድራፍ ብመጽሓፍ ቅዱስ አዝዩ ዝተኸልከለ እዩ። ክርስቲያን ብመንፈሳዊ ሓሳብ ምምልላስ እምበር፡ ከም ደርፊ ዝኣመሰለ ሥጋዊ ስራሕ ክሰርሑ ኣይግባእን። ብመንፈስ ተመላለሱ ናይ ሥጋ ትምኒት ፈጺምኩም ኣይትስርሑ ተባሂሉ ተነጊርና እዩ። ገላ 5፡16
መ. ደርፊ ብመንፈሳውያን መጻሕፍቲ ተወጊዙ እዩ። ደራፊ ምዃን ተኸልኪሉ እዩ። ዝኒ ከማሁ ዝተባህለ መጽሓፍ ነዚ ከረድእ እንከሎ "ሎሚ ህዝቢ ዓለም ዘዘውትሮ ዘሎ ደርፊ ሐዋርያት ኣብ ትምህርቶም ደጋጊሞምን ኣጥቢቖምን ተቓዊመሞ እዮም" ይብል (ዝኒ ከማሁ ኣን 8) ብርግጽ ውን ሐዋርያት ኣብ ዲዲስቅልያ "ኢትኩኑ ዘፈንያነ" ደረፍቲ ኣይትኹኑ ኢሎም ጽሒፎምልና እዮም። (ዲድስ ኣን 7) ቅዱስ ጳውሎስ ከምቲ ብመዓልቲ ብኣገባብ ንመላለስ ብጓይላን ብስኽራንን ኣይኹን" ኢልና እዩ ሮሜ 13፤13 ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ "እቲ ብስኽራንን ብጓይላን ዝተመላለስኩሞ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል" ይብለና 1ይ ጴጥ 4፡3
ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ቅዱስ ጳውሎስ ንሮማውያን ዝለኣኹ መልእኽቱ ንጓይላ ምስ ዝሙትን ስኽራንን ማዕረ ሰሪዑ እዩ ኣቐሚጥዎ።
መጽሐፈ ሓዊ ድማ "ካብ ሰይጣን ዝተረኽበ ስለ ዝኾነ ጓይላን ሳእስዒትን ካባና ከነርሕቕ ይግበኣና" ይብል መጽ ሓዊ አን 50። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ድማ ክብ ምእዛዝ ሓሊፉ "ጓይላ ንኽትገድፉ እልምነኩም ኣለኹ" እናበለ ይምሕጸነና። (ተግ ዘዮሐ አፈ 28)
ጓይላ ኣይንገድፍን ንዝበሉ ድማ መጽሓፈ ሓዊ "ኣብ ጓይላ ጸኒዖም ንዝነብሩ ክፍረዶም እዩ" ከጠንቅቐና እንከሎ ንርኢ (መጽ ሓዊ አን 12) ነዚ ናይ ቅዱስ ሓዊ ቃል ሐዋርያ "ናይ ሥጋ ስራሕ ግሉጽ እዩ ንሱ ድማ ዝሙት ስኽራን ጓይላ ነዚኣቶም ዝገብሩ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣይወርሱን እዮም" ብምባል ዘቐመጦ ናይ መጠንቀቕታ ቃል ሓደ እዩ። ገላ 5፡21 ክፍረዶም እዩ ማለትን ናይ እግዚአብሔር መንግሥቲ ኣይወርሱን እዮም ማለትን ፍልልይ የብሉን።
ሠ.ደርፊ ብመሠረቱ ኃጢአትን ናይ ሥጋ ፍረን ካብ ምዃን ሓሊፉ ብዜማኡን ብግጥሙን ምስኡ ምስ ዝተሓሓዙ ስኽራንን ዝሙታዊ ምንቅስቓሳት ዘለዎም ስምዒትካ ዘለዓዕሉ ሳዕስዒታትን ኣቢሉ ናብ ዝሙትን ናብ ካልእ ክፉእ ስራሓትን ክመርሓካ ይኽእል እዩ። "ጓይላ ናብ ኃጢአት ዝመርሕ ናይ ኵሉ ኃጢኣት ምንጪ እዩ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ" ዝኒ ከማሁ ዝተባህለ መጽሓፍ ውን ኣብ አን 3 ኣን 4ን "ኃጢኣት ናብ ልቢ ወዲ ሰብ ክነግሥ ክመጽእ እንከሎ ካብ ዘቕርበልና ህያባት ሓደ ጓይላ እዩ" ክብል ጠቒስዎ ኣሎ። ናይ ጓይላ ሓይሊ ናብ ዝሙት ጥራይ ኣይኮነን ዝደፋፍኣና፡ ዝኾነ ዓይነት ሥጋዊ ስምዒት ከም ዝሕይልን ናብ ግዳም ከም ዝወጽእን ኣብ ምግባር ውን ዓቢ ተራ ኣለዎ። ደርፊ ኣብ ውሽጥኻ ንዘሎ ሥጋዊ ኣተሓሳስባ ከበራትዕ ወይ ከቀላጥፍ ይኽእል። ክትሓዝን እንከለኻ ከብድኻ ከም እትርበጽ ይገብር፡ ክትሕጎስ ከለኻ ድማ ሓጎስካ ካብ መጠን ንላዕሊ ከጋንኖ ይኽእል። ካልእ’ሲ ይትረፍ ኣካይዳኻ እኳ ክልውጦ ከም ዝኽእል ኣይትዘንግዕ። ንኣብነት ደርፊ መስተ መጢንካ ከምዘይትሰቲ፡ መኪናኻ ብፍጥነት ንኽትዝውር ወይ ውን ሓደ ናይ ጭካኔ ስራሕ ብዘይ ዋላ ሓደ ፍርሓት ከም እትፍጽም ክደፋፍኣካ ይኽእል። ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ብኣጻብዕቲ ናይ ዝቑጸሩ ሰባት ምሩጽ ደርፍታት እንዳ ሰማዕካ መኪና ምዝዋር ከም ዝኽልከል ምግባሮም ድማ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘቕረብናዮ ሓሳብ ምስክር እዩ።
ረ. ኣብ ላዕሊ ብዝተዘርዘረ መልክዕ ደርፊ ንዓኻ ማንም ዓይነት ተጽዕኖ ከም ዘየውርደልካ ይስመዓካ ይኸውን። እንተ ኾነ ግን ንስኻ ካብ ናይ ብዙሓት ዝተፈልየ መንነት ከም ዘይብልካ ፍለጥ። ስለ’ዚ ደራፊ ኴንካ እኹል ፍልጠት ዘይብሎምን ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ዘይደልደሉን ሰባት ክሰናኸሉኻ ስለ ዝኽእሉ፡ ምእንቲ ካልኦት ሰባት ክትብል ዘይምድራፍካ ውን ጽቡቕ እዩ። እዚ ብምግባርካ ድማ "ብሰንኩ መሰናኽል ዝመጽእ ወይልኡ" ካብ ዝብል ኣምላኻዊ ወቐሳ ክትድሕን ኢኻ።ማቴ 18፡7
ሰ.ደርፊ ንስምዒትካ ብምግዛእ ናብ ወልፊ ይቕየር እዩ። ናብ ወልፊ ብምልዋጡ ድማ ወልፊ ካብ ዝኾኑ ነገራት ከም ሽጋራ ዕጸ ፋርስ ኣልኮላዊ መስተ ጫትን ትምባኾን ተፈልዩ ኣይረአን እዩ። እዚ ድማ ሓደ ጊዜ ናብ ደርፊ ዓለም ኣትዮም ክወጽኡ እኳ እንተ ደለዩ ምውጻእ ዝሰኣኑ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ምሰክር እዮም። ብጠቕላላ እምበኣር ደርፊ ነብስኻ ኣብ ክንዲ ምግታእ ስምዒትካ ብምትንካፍ ናይ ስምዒት ግዙእ ይገብረካ። ብዙሓት ብዛዕባ ደርፍን ጓይላን ዝከራኸሩ፡ እቲ ናይ ደርፊን ጓይላን ጽቡቕ ጎኒ ኢሎም ዝኣምንዎ ካብ’ቲ ናይ ሃይማኖቶም ጽቡቕነት ስለ ዝበለጽ ዘይኮኑ ደርፍን ጓይላን ከም ወልፊ ኮይኑ ስለ ዝገዝኦምን ናይ ገንዘቦም ምንጪ ስለ ዝኾነን እዮም። ናይ ደርፍን ጓይላን ወልፈኛታት እንተ ኴንካ ኣብ ውሽጢ ሕይወትና ክንኮኖም ዝግበኣና ብዙሓት መሠረታዊ ጉዳያት ሸለል ከም እንብል ክገብረና ይኽእል። በዚ ምኽንያት ድማ ንሕና ክርስቲያን ደርፍን ጓይላን ናብ ክርስትናዊ ሕይወትና ሰሊኹ ንኽኣቱ ኣይንፈቅድን።
ሸ. ደርፊ መንፈሳውነትና የዳኽሞ እዩ። ንጸሎት ንመዝሙር ንምስጋና ንኩሉ መንፈሳዊ ነገር ዘለና ፍቕርን ትግሃትን ከም ዝዘዝሕትል ይገብር። ካብዚ ንላዕሊ ውን ንጽቡቕ ነገር ዘለና ጊዜ ይቃጸጸና። ነዚ ድማ ኣብ ገዛና ዘሎ ናይ ቴፕ ካሴታትን ሲዲታትን ኣብ መዓልቲ ንኽንደይ ሰዓታት ዝኣክል እዩ ክግዕር ዝውዕል? መንፈሳዊ ነገራት እንሰምዓሉ ጊዜ ምስኡ ምስ እነወዳድሮ’ኸ ክንደይ ሚእታዊት እዩ ዝሕዝ? ኢልካ ንነብስኻ ምሕታት ጥራይ እኹል እዩ።
ቀ. ደርፊ ንመንፈሳውነትና ዝቃጸጸና (ዘዳኽሞ) ጊዜ ብምቅጻጽ ጥራይ ዘይኮነ ሥጋዊ ስምዒታትና ብምብርትታዕን ንመንፈሳዊ ነገር ከም ዝደክም ብምግባርን ውን ዓቢ ተራ ኣለዎ። ናይ ደርፊ ግዙእ ምዃን ብዙሕ ጊዜ ናብ ሥጋዊ ፍቓድ የዘንብለካ። ነዚ ብቐሊሉ ንምግላጽ ሓደ ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንእሰያት ኣብ ጊዜ ጸሎት ክሳብ ዝውዳእ ሰልቺዎም ኣብ ኣፍ ደገ ይጸንሑ እሞ’ ንምዝማር ክበሃል እንከሎ ጥራይ ናብ ኣዳራሽ ይኣትዉ። እዚ ከይኣክል ውን ኣብ ጊዜ መዝሙር ውን ካብ ናይ ንስሓ መዝሙር ናይ ቸብቸቦ መዝሙር ይመርጹ’ሞ ከበሮ ንምህራም ይቀዳደሙ። እዚ ድማ እቲ ሓደ ኣብ ልቦም ናይ ጓይላን ደርፊን ሕርሻ ምህላዉ ዝሕብረና እዩ።
....................... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment