ምዕራፍ 4 ኣስማተ እግዚኣብሔር
ሓደ ህልውና ኣምላኽ ዝኣምን ሰብ ናይ ኣምላኹ ስም ኪፈልጥ ይግቦኦ። ሰብ ናይ ኣምላኹ ስም ዝፈልጦ ጸዊዑ ንክረኽቦን ንክዛረቦን ጥራይ ዘይኮነ ስመ ባህሪኡ ውን ዝገልጽ ክቡር ምዃኑ ብምርዳእ ንስሙ እቲ ዝግባእ ክብሪ መታን ክንህቦ እዩ። ናይ ኣምላኽና ስሙ ብባዕሉ ብኣምላኽና ዝወጸን ባዕሉ ንደቂ ሰባት ዝገለጾ ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ የረደኣና። ናይ ቤተ ክርስትያንና ሊቃውንትን መጽሓፍ ቅዱስን ዝገልጸልና፣ እግዚአብሔር ኣምላኽና "እግዚአብሔር እየ" ኢሉ ዝገለጸሉ ንሙሴ እዩ።
ቅድሚኡ ግን "ኹሉ ዚኽእል ኣምላኽ" "ኤልሻዳይ" እየ እናበለ ይገልጽ ነበረ። ድሕሪ ኣቦና ኣብርሃም ንሙሴ ኣብ ደብረ ሲና "... ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሃቅ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ከይጥምት ፈርሐ እሞ ገጹ ኸደነ።" (ዘጸ3፥6) ብምባል ገሊጽሉ ድሕሪኡ ግን "ኣምላኽ ድማ ንሙሴ ተዛረቦ በሎ ኸኣ ኣነ እግዚአብሔር እየ ንኣብርሃምን ንይስሐቅን ንያዕቆብን ከምቲ ኹሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎም ብስመይ እግዚአብሔር ግና ኣይተፈለጥኩሎምን።" (ዘጸ6፥3) ኢሉ ንስሙ ንምግላጽ ግዜ ከምዝሃበ፣ ንሕና ውን ስሙን ብስሙ ዝገልጾ ክብሩን ፈሊጥና ንምጽዋዕ ግዜን ቦታን ኪንፈልየሉ ድኣ ይግበኣና እምበር ኣብ ፈቖድኡ ኩባያ ኣብ ዚወደቐና ስሙ ዘንጢልና ኪንጽውዖ ከም ዘይግበኣና የገንዝበና። ስም ኣምላኽ ካ ብኸንቱ ኣይተልዕል ዚተባህለ ውን ነዚ እዩ።ምንም እኳ ንእግዚአብሔር እዚ ናቱ ስም ይኹን ኢሉ ዘውጽኣሉ ሰብ እንተዘየለ፡ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽና ንቅዱሳኑ ዚገለጸሎም ኣስማት ግን ኣለዉ። ካብ’ዚ ቀጺልና ድማ ንውሑዳት ካብኣቶም ምስናይ ትርጉሞም ክንርኢ ኪንፍትን ኢና። ቅድሚኡ ግና አረጋአዊ መንፈሳዊ ብዛዕባ ስም እግዚአብሔር ዚተዛረቦ ቃል ንመልከት። እቲ ቃል ከምዚ እዩ ዚብል "ምንተኑ እሰምየከ ኦ እግዚእየ፡ ወኢየኣምር ዘእብል። ለእመ ሰመይኩከ ኣምላከ ናሁ ትብል ኣልብየ ስም። ወይእዜኒ ኩሎሙ ኣስማት ወባህላት ርሑቃን እምኔከ። ኦ ክቡር ወዐቢይ ምንተኑ እሰምየከ ይእዜ። ወበመኑ ኣስተማስለከ። ስመ ክሡተ ወሀብከ በዘይትፌሥሑ ኃሣሥያኒከ ወይሴብሑ።
ትርጉም
ትርጉም
"ኦ ጐይታ መን ኢለ ክሰምየካ እየ፡ ዝብሎ ድማ ኣይፈልጥን እየ። ኣምላኽ ኢለ እንተሰመይኩኻ፡ ስም የብለይን ትብል። ኩሎም ኣስማትን ባህልታትን ካባኻ ርሑቓት እዮም። ኦ ክቡርን ዓቢይን መን ኢለ ክሰምየካ እየ። ብመንከ ክምስልካ እየ። እቶም ዝደልዩኻ ምእንቲ ክሕጐሱ ፍሉጥ ስም ሃብካዮም" ማለት እዩ። አረጋዊ መንፈሳዊ ድርሳን 43 ገጽ 319
4.1 እግዚአብሔር
እግዚአብሔር ዝብል ቃል ብግእዝ ኮይኑ ናብ ትግርኛ ክቕየር እንከሎ ድማ ጐይታ ሃገር ወይ ድማ ጐይታ ዓለም ማለት እዩ። እግዚአብሔር ተባሂሉ ናብ ግእዝ ዝተተርጎመ ቃል ብቋንቋ ብዕብራይስጥ ኤል ወይ ድማ ንብዙሕ ቊጽሪ ኤሉሂም ዝብል ቃል እዩ። "በቀዳሚ ገብረ እግዚኣብሔር ሰማየ ወምድረ" ‘እግዚአብሔርብ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ" (ዘፍ 1፡1) በምባል ነዚ ኵሉ ፍጥረት ዚፈጠረ ንሱ እግዚአብሔር ምዃኑ የነጽረልና።
4.2 ኤልሻዳይ
ኤልሻዳይ ማለት ድማ ኵሉ ዝኽእል ማለት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ከረድኣና ከሎ ከምዚ ይብል "ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ተማላለስ፡ ፍጹም ከኣ ኹን። ኪዳነይ ኣብ መንጎይን መንጎኻን ከቕውም እየ፡ ኣዝየውን ከብዝሓካ እየ፡ ድማ በሎ። (ዘፍ 17፡162) ኣብ ካልእ ቦታ ውን ደጊሙ ከምዚ ይብል ",እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድማ ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕካን፡ ጭፍራ ህዝብታትውን ኩን።" ብምባል እቲ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንሱ ምዃኑ ገለጸ(28፡3 35፡11 43፡14 48፡3)
4.3 ያህዌ
4.3 ያህዌ
ያህዌ ማለት ድማ ዘሎን ዝነበረን ዝነብርን ማለት እዩ። ብዛዕባ እዚ ውን መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል "ወይቤሎ እግዚአብሔር ለሙሴ ኣነ ውእቱ ዘሀሎ (ዝነበረ) ወይሄሉ (ነዚ ዓለም ኣሕሊፉ ዝነብር) ወከመዝ ትብሎሙ ለደቂቀ እስራኤል ዘሀሎ ፈነወኒ ኀቤኩሙ" ትርጉም "ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴ፡ እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ ኣሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም (ዘፀ 3፡14)
4.4 ኣዶናይ
ኣዶናይ ማለት ድማ ጐይታ ማለት እዩ። ኣብራም ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሔር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ አሎኹ፡ ወራስ ቤተይ ዚኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛር፡ በዓል ደማስቆ፡ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧ በለ።ዘፍ 15፡2
4.5 ኣምላኽ
4.5 ኣምላኽ
ኣምላኽ ማለት ድማ ናይ ኵሉ መላኺ ማለት እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ንረኽቦ። ንኣብነት ኣብ (ዘፍጥረት 28:21) "ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ ተመለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን" ዚብል ቃል ኣሎ። ኣብ (ዘጸአት 15:2) ድማ እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ" ኪብል ዚገለጾ ናይ’ቲ መላኺ ኵሉ ዚኾነ እግዚአብሔር ስም እዩ።
4.6 ፈጣሪ
ፈጣሪ፦ ዚብል ስም ድማ እግዚአብሔር ኩሎም ፍጥረታት ስለ ዝፈጠረ ፈጣሪ ኵሉ ምዃኑ ዚገልጽ ስም እዩ።(ዘፍ 1፡1) ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል "ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ"(ቆለ 1፡16) ደጊሙ ውን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ (ሮሜ 1፡24-25) ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ
ሃቦም" ይብል
ፈጣሪ፦ ዚብል ስም ድማ እግዚአብሔር ኩሎም ፍጥረታት ስለ ዝፈጠረ ፈጣሪ ኵሉ ምዃኑ ዚገልጽ ስም እዩ።(ዘፍ 1፡1) ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል "ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ"(ቆለ 1፡16) ደጊሙ ውን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ (ሮሜ 1፡24-25) ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ
ሃቦም" ይብል
ስለዚውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ። ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።
No comments:
Post a Comment