bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday, 18 April 2016

ንሕና ባዕልና ንነብስና ናይ ምንታይ ምኽንያታት ኢና?

 ብቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዝተጻሕፈ (ገብረ እግዚአብሔር ኪደ ናብ ኣማርኛ ካብ ዝተርጎሞ ሰማዕትነት ኣያምልጣችሁ ዝብል መጽሓፍ ዝተረኽበ)

ሓደ ዓይኑ ዚሓመመ ሰብ ፀሓይ ንምርኣይ ይኸብዶ። እታ ፀሓይ ሽግር ሃሊዋ ዘይኮነስ እቲ ሰብ ዓይኑ ስለ ዚሓመመ እዩ። ንሕና ውን ቃለ እግዚአብሔር ንምስማዕ ኪስልችወና እንከሎ፡ ዓይነ ልቦናና ብዚበኣሰ እናዓወረ እዩ ዚኸይድ። ፈርዖን ቃል እግዚአብሔር ኣይሰምዕን እየ ኣብ ዚበለለሉ ጊዜ ልቡ ተረረ። “ኣነ ግና ልቡ ኸጽንዖ እየ”(ዘፀ 4፡21) ተባሂሉ ከም ዚተጻሕፈ። እዚ ዓይነት ኣዘራርባ ናይ መጻሕፍቲ ልማድ እዩ። “ንዘይረብሕ ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም” (ሮሜ 1፡28) “በታተኖም” ዚብሉ ኃይለ ቃላት ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብብዝሒ ተጻሒፎም ንረክብ ኢና። እዚ ማለት እቶም ሰባት ንእግዚአብሔር ስለ ዘይደለይዎ፡ ናብ ናይ ገዛእ ድሌት ትምኒትን ኪኸዱ ፈቐደሎም ማለት እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ክፍኣቶም ኪኸዱ እግዚአብሔር ፈቒድሎም ማለት ግን፡ እግዚአብሔር ምስ ሓሳቦም ተሰማሚዑ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ናይቶም ሰባት ሓሳብ ምስ ናይ እግዚአብሔር ሓሳብ ስለ ዘይተሰማምዕ እሞ ከኣ ኪምለሱ ስለ ዘይፈተዉ ከም ዚደለይዎ ንኺኸዱ እግዚአብሔር ስቕ ኢሉ ረኣዮም ማለት እዩ።


ካብ እግዚአብሔር ምስ እንርሕቕ ናብ ሰይጣን ኢና ንኸይድ። እግዚአብሔር ነዚ ኣሕሊፉ ይህበና። ፍርዲ ድማ ኣብ ልዕሌና ንሽከም።  እግዚአብሔር ኣሕሊፉ ሂብና ማለት ግን እግዚአብሔር ፈትዩ ፈቒዱ ንሰይጣን ኣሕሊፉ ሂቡና ማለት ኣይኮነን። ናብ ሰይጣን ንኸይድ ንሕና ባዕልና ኢና። ብፍቓድናን ብድሌትናን ካብ እግዚአብሔር ምስ ረሓቕና፡ በደልና ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ትቐውም። ንኸይሰምዓናን ንኸይምሕረናን ድማ ትኽልክሎ።(ኢሳ 59፡2) በደልና ካብ ዓቕሚ እግዚአብሔር ንላዕሊ ኮይና ኣይኮነትን። እንታይ ድኣ ንሕና ስለ ዘይፈተና እዩ። ዘማራይ ክቡር ዳዊት “እነሆ ካባኻ ዚርሕቁ ኪጠፍኡ እዮም” ዚበሎ ድማ ነዚ እዩ።(መዝ 73፡27)

 እግዚአብሔር ኣብ ነቢይ ሆሴዕ ሓዲሩ “ናይ ኣምላኽካ ሕጊ ስለ ዝረሳዕካ ኣነ ድማ ኪገድፈካ እየ” ኢልና ኣሎ።(ሆሴ 4፡6) ብድጋሜ ውን ጐይታና ኢየሱስ ክረስቶስ “ኢየሩሳሌም፡የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም” ኢሉ ኔሩ።(ሉቃ 13፡34) ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ሓዲሩ ውን “ስለምንታይ እዩ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሔ? ጸዊዔ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይመልሰለይ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ? ወይስ ከናግፍዶ ሓይሊ የብለይን? እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ ኤንጽፎ፡ ንወሓይዝ ድማ ምድሪ ኣጻምእ እገብሮ፡ ሰኣን ማይ ከኣ ዓሳታቱ ብጽምኢ ሞይቶም ይምሽምሹ”  ኢልና እዩ። (ኢሳ 50፡2)

 እግዚአብሔር በዞም ኃይለ ቃላት ጌሩ ከመሓላልፎ ዚደለየ መልእኽቲ፡ ንጥፍኣትና ኮነ፡ ንልምዓትና ቀንዲ ምኽንያት (ጠንቂ) ንሕና ባዕልና ከም ዚኾንና 

No comments:

Post a Comment