bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

ትምህርተ ሃይማኖት 3ይ ክፋል

ምዕራፍ 3 ባህርያተ እግዚኣብሔር

እግዚአብሔር ካብ ማንም ንላዕሊ ዝዓበየን ዝለዓለን ስለ ዝኾነ፡ ናቱ መልክዕ ንምግላጽ ኣይከኣለናን እዩ። ካብ ኣተሓሳስባናን ካብ ዓቕምናን ንላዕሊ ስለ ዝኾነ ንምሳሌነቱ ብቚዕ ዝኾነ ነገር የለን። ብመለኮታዊ ክብሩ ንዘለዓለም ዝነብር እዩ። ንኹሉ ነገር ዝህብ ንሱ ባዕሉ ብምዃኑ ካብ ማንም ምንም ነገር ኣይደልን እዩ። መጀመርያን መወዳእታን ዘይብሉ ዘለዓለማዊ እዩ። ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከብ ድማ ምሉእ እዩ።

ምንም እኳ ናይ እግዚአብሔር ጠባያት ካብ ኣእምሮና ንላዕሊ እንተኾነ ንጊዜኡ ንዓና ብዝርድኣና ቋንቋ ንምግላጽ ግን እግዚአብሔር ብባህሪኡ መንፈስ እዩ፡ ዘለኣለማዊ እዩ ኵሉ ዝኽእል እዩ ብምባል ኪንገልጾ ንኽእል። ዘይልወጥ ምዃኑ መለኮታዊ ሓለዋኡ፡ ፍልጠቱ ጥበቡ ቅዱስነቱ ርህራሔኡ ምሉእነቱ ናይ ማንም ሰብ ረድኤት ዘይምድላዩ እናበልካ ውን ባህርያቱ ክንገልጽ ንኽእል።
3.1 ( እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ምሉእ እዩ)

እግዚአብሔር ከም ንፋስን ብርሃንን እንዳተኸፈለ ኣብ ሓደ ቦታ ዝርከብ ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ዘይርከብ ኣይኮነን። ንሱ ብፍጹም መለኮቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ምሉእ እዩ። እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ቦታ ምሉእ ምዃኑ፡ ከምቲ ኣብ መላእ ኣካል ዘላ ነፍሲ ይመስል።

ቅዱስ ዳዊት ኣብ (መዝ 139፡7-12) ካባኻ ናበይ ክኸይድ እየ፧ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ዓረግኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፡ ኣብ ዓዲ ምዉታት እንተደቀስኩ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ። ነፊረ ክንየው ምብራቕ እንተተሓባእኩ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ዝረሓቐ ወገን ምዕራብ እንተተቐመጥኩ፡ ንስኻ ክትመርሓንን ክትድግፈንን ኣብኡ ኣሎኻ። "ጸልማት ይኸውለኒ፡ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን" እንተ በልኩ፣ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ንኣኻ ከም መዓልቲ እዩ። ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዩ" ብምባል ዚገለጾ ድማ ነዚ እዩ።
ነቢይ እግዚአብሔር ኤርሚያስ ድማ ካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ እየ ናይ ርሑቕ ኣምላኽሲ ኣይኮንኩን ዶ ይብል እግዚአብሔር (ኤር 23፡23-24) ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። እዚ ናይ ኤርሚያስ ቃል ንናይ ነቢይ ዮናስ ታሪኽ የዘክረካ። ነቢይ ዮናስ ንህዝቢ ነነዌ ኪንስሑ ስበኸሎም ኢሉ እግዚአብሔር ምስ ለኣኾ፡ ካብ ኣምላኽ ኪሕባእ ኢሉ ናብ ርሑቕ ሃገር ናብ ተርሴስ ሃደመ። እግዚአብሔር ግና ኣብ ኵሉ ዚርከብ ኣምላኽ ስለ ዚኾነ ኣብታ ዮናስ ዚሃድመላ ዚነበረ መርከብ ውን ነበረ። ትንቢተ ዮናስ ካብ ምዕራፍ ሓደ ጀሚርና ነንብቦ።
3.2 እግዚአብሔር ኩሉ ዝኽእል እዩ
እግዚአብሔር ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ባዕሉ ነቦታትና ገሊጽሎም እዩ። (ዘፍ 17፡1 28፡3 35፡11 43፡14 48፡3) እዚ ባህሪ እዚ ናይ እግዚአብሔር ናይ በይኑ ጥራይ እዩ። ማንም ፍጡር ኵሉ ዝኽእል እዩ ተባሂሉ ኪንገረሉ ኣይግባእን። እግዚአብሔር ግና ነቲ ብኣእምሮ ደቂ ሰባት ዘይከኣል ዚመስል ከም ድሌቱ ናይ ምግባር ዓቕምን ሥልጣንን ኣለዎ። ሓያልነቱ ማንም ዘይቃወሞ ሥልጣኑ ድማ ካብ ኵሉ ንላዕሊ። ንሱ ብዝፈቐዶ ዝደለዮ ነገር ይገብር ድኣ እምበር ናይ ማንም ረድኤትን ምኽርን ኣይሓትትን እዩ። ኀያልነቱ ካብ ወሰን ንላዕሊ ዕቤቱ ውን ልዕሊ ኵሉ እዩ። ብሥርሑን ብትእዘዙን ብፍርዱን ማንም ኪቃወሞ ኣይክእልን" (ኢሳ 40፡15-16)

ነቢይ ኤርሚስ ውን ከምዚ ይብል "ኣታ እግዚአብሔረ ኣምላኽ እነሆ በቲ ዓቢ ሓይልኻን በቲ ዝርጉሕ ቅልጽምካን ሰማያን ምድርን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ፡ ንዓኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን"(ኤር 32፡17። ብኣታሓሳስባ ደቂ ሰባት ምንም ዝከኣል ዘይመስል ናይ ተፈጥሮ ሕጊ፡ ብእግዚአብሔር ኣድላዩ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ ጊዜ ዝልወጥ ምዃኑ ቀጺሉ ዘሎ መረዳእታ ንከታተል።

"ባሕሪ ኤርትራ ምንቃጹ(ምምቃሉ) ዘፀ 14፡21-28

ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ማእከል እሳት ምንም ከይተጎድኡ ምምልላሶም።(ዳን 3፡19-27)

ሳራ ኣብ እርጋና ምውላዳ (ዘፍ 21፡2)

ካብ ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ምውላዱን ኪውለድ ከሎ ውን ማኅተመ ድንግልናኣ ዘይምኽፋቱን ወ.ዘ.ተ ኪጥቀስ ይከኣል። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ የለን (ሉቃ 1፡18 ንእግዚአብሔር ዶ ዝጨንቆ ኣሎ እዩ?(ዘፍ 18፡14) ዚብሉ ቃላት ናይ እግዚአብሔር ኵሉ ከኣሊነት ዚምስክሩ እዮም።

??

3.3 እግዚአብሔር ዘለዓለማዊ እዩ
ዘለዓለማውነት ናይ እግዚአብሔር ናይ በይኑ ባህሪ እዩ። እግዚአብሔር በዚ ዕለት ኔሩ በዚ ዕለት ድማ ኣይነበረን ኣይበሃለሉን እዩ። ሙሴ ብዛዕባዚ ኪገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል "እግዚአብሔር ካብ ጥንቲ ዝነበረ ዘሎን ዝነብርን ዘለዓለማዊ እዩ" (ዘፀ 6፡14)
 
ቅዱስ ዳዊት ድማ "አኽራን ከይተወልዱደ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ አረ ንስኻስ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም አምላኽ ኢኻ" መዝ 90፡2 ብምባል ዘለዓለማውነት ናይ እግዚአብሔር ይገልጽ ደጊሙ ውን "ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ ሰማያት ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም ንስኻ ግና ትነብር ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፡ ከም ልብሲ ኪትልውጦም ኢኻ ኪልወጡ ውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ ዓመታትካ ውን ከቶ ኣይውዳእን" (102፡24-27) ይብል።
ኣብ ካልእ ቦታ ውን "መንግሥትኻ ናይ ዘለዓለም መንግሥቲ እያ፡ ግዝኣትካ ውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።(መዝ 145፡13-14 ሉቃ 1፡33-34) ብምባል ዘለዓለማውነቱ ይገልጽ።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ምስ እንምልከት ውን እቲ ብሥጋ ዚተገልጸ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ (ራእ 1፡8) "ኣነ እቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ….ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ" ብምባል ዘለዓለማውነቱ ገሊጽልና ኣሎ። ስለ’ዚ ዘለዓለማውነት ናይ በይኑ ናይ እግዚአብሔር ባህሪ እዩ።

3.4 እግዚአብሔር ኣይልወጥን እዩ
እዚ ማለት እግዚአብሔር ካብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ቅዱስነት ትኽክለኛ ፈራድነት ኀያልነት ፍልጠት ብልኅነት ሕያውነት መሓሪነት ጠቢብነት ኣይውስኽን ኣይቅንስን ድማ እዩ። ፍርዱ ብጊዜን ኵነታትን ዘይተወሰነ ብምዃኑ ሓሰቡ ምልዋጥ ኮነ ውሳኔኡ ምምሕያሽ ኣየድልዮን እዩ።
ወዲ ሰብ ኣቐዲሙ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ፡ ባዕሉ መዲቡ ሓንጺጹ ብዝሰርሖ ሥራሕ እኳ ይጠዓስ እዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ጊዜ እቲ ሓሲብዎ ዚነበረን እቲ ኣብ ባይታ ዘጋጠሞን በበይኑ ስለ ዚኸውን እዩ። እግዚአብሔር ግና ከምኡ ኣይኮነን በቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ባህሪኡ ጌሩ ንነገራት ከይኮኑ ስለ ዝፈልጦም፡ ምስ ኮኑ ዚጠዓሰሉ ኣብነት የብሉን። ነዚ ድማ እዩ ኣቦና ሙሴ‘ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን ከይጠዓስ ከኣ ወዲ ሰብ ኣይኮነን"(ዘኁ 23፡19) ብምባል ዚገለጾ።
ኣብ መጽሓፈ ሰሙኤል ውን "እቲ ጽንዓት እሥራኤል’ሲ ከይጠዓስ ሰብ ኣይኮነን እሞ ኣይሕሱን ኣይጠዓስን ከኣ" 1ሳሙ 15፡29) ዚብል ኢና ንረክብ።
ደጊሙ ውን ኣብ ነቢይ ሚልክያስ ሓዲሩ "ኣነ እግዚአብሔር ኣይልወጥን እየ" (ሚል 3፡6) ይብለና።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ "ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ" (ማቴ 24፡35) ብምባል ነቲ ዘይልወጥ ቃሉ ኣጽኒዕዎ ኣይርከብ።
3.5 እግዚአብሔር መንፈስ እዩ
ንሓደ ቁሳዊ ነገር መግለጺ ብዝኾኑ ነገራት ከም መጠን ግዝፊ ርጕዲ ክብደት ዝኣመሰሉ መግለጺታት ጌርካ ንእግዚአብሔር ምግላጽ ኣይግባእን እዩ። ካብ ፍጥራታት ንዕኡ ምሳሌ ክኸውን ዝኽእል ዋላ ሓንቲ የለን። ነዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ"ንአምላኽሲ ምስ መን ከተመሳስልዎ ምስ አየናይ መልክዕ ከ ከተማዓራርይዎ ኢኹም" (ኢሳ 40፡18) ዚበለና።

ስለ’ዚ እግዚአብሔር ረቂቕ መንፈሳዊ ኣካል ስለ ዘለዎ ማንም ሰብ ኪርእዮ ኮነ ኪድህስሶ ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ውን "አምላኽ መንፈስ እዩ እቶም ዚአምንዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ እዮም"(ዮሐ 4፡24) ዚብላ ቃል ናይ ጐይታ ጽሒፍልና ኣሎ።
ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ "ጐይታ መንፈስ እዩ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ" (2ይ ቆሮ 3፡17) ብምባል እግዚአብሔር መንፈስ ምዃኑ ይገልጸልና።
ነዚ እዩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምሥጢረ ሥላሴ ኪንመሃር ከለና "ካብ ኵሉ ንፋስ ይረቅቕ: ካብ ንፋስ እሳት ይረቅቕ ካብ እሳት መላእኽቲ ይረቁ፡ ካብ መላእኽቲ ድማ ነፍስና ይረቅቕ ካብ ነፍስና እግዚአብሔር ይረቅቕ" ብምባል እንመሃሮ።
3.6 እግዚአብሔር ኩሉ ዝፈልጥ እዩ፦
እግዚአብሔር መዝገብ ኵሉ ፍልጠት እዩ። ንሱ ዘይፈልጦ ነገር ዋላ ሓንቲ የለን። ቅዱስ ጳውሎስ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል "ወዳጄ መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡብ ፍልጠቱን ኮታ ክንደይ ዘይምርመር እዩ።(ሮሜ 11፤33)

ኣብ’ዚ ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር ኵሉ ዚፈልጥ ምዃኑ ዚጠራጠሩ ሰባት ንዘልዕልዎ ሕቶ ኪንምልስ ኢና።
ሕቶ
"እግዚአብሔር ድማ ነቲ ደቂ ሰብ ዚሰርሕዎ ዚነበሩ ከተማን ግንብን ኪርኢ ወረደ" (ዘፍ 11፡5) ስለዚ ከምቲ ናባይ ዚመጸ ጭራሕ ምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተኾይኖም ኪፈልጥ ወሪደ ኪርኢ እየ በለ" (ዘፍ 18፡20-21)

ድሕሪ እዚ ከኣ ኮነ ኣምላኽ ንኣብርሃም ፈተኖ፡ በሎ ከኣ እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ውሰድ እሞ ….ሰውኣዮ (ዘፍ 22፡1-2)?

መልሲ
ኣብዚ ናይ ቋንቋ ሕጽረት ነዚ ናይ እግዚአብሔር ጠባይ ንምግላጽ ስለ ዘይንኽእል ንዕና ብዝርዳእ ንምዝራብ እዩ እምበር ንሱ ኣቐዲሙ ዘይፈልጥ ኔሩ ማለት ውን ኣይኮነን። ኣብ ኵሉ ቦታ ምሉእ ክነሱ ክርኢ ወረደ ማለቱ ውን ከምኡ ናይ ቋንቋ ሕጽረት እዩ። ከምቲ ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ብምልኣት ንምፍላጥን ንምርግጋጽን ኣብቲ ቦታ ብኣካል ከም ዝኸይድ’ሞ ከይዱ ድማ ብርግጽ ብዛዕባ እቲ ኵነተታት ዝፈልጥ። እግዚአብሔር ድማ ንኹሉ ነገር ኣቐዲሙ ብርግጽ ይፈልጥ ከም ዝኾነ ንምሕባር እዩ።

ጭራሕ ምራሕ ክርኢ ወረደ ማለቱ ድማ ልክዕ ሓደ ንጉሥ ንሓደ ክሱስ ፍርዲ ቅድሚ ምፍራዱ ነቲ ክሲ ኣጸቢቑ ቅድሚ ምምርማሩ ውሳኔ ኣየሕልፍን። ነቲ ክሲ ሓቂ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ቅጽዓት ከም ዝውስን። እግዚአብሔር ድማ ናይ ሰዶምን ጎመራን ጭራሕ ምራሕን (ኃጢኣቶም) ፈሊጡ ፍርዱ ከም ዝሃበ ንምግላጽ እዩ።
ንኣብርሃም ውን ወዱ ይሓርዳሉ ዶ ኣይሓርደሉን ንምርግጋጽ ኢሉ ኣይኮነን። ንሱ ኣቐዲሙ ኵሉ ይፈልጥ እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ኣብርሃም እምነትን ጽድቅን ኣብ ሰባት ክፍለጥ ስለ ዝደለየ ብጥበቡ እዩ ነዚ ጌርዎ፡ ምኽንያቱ ንሱ ፈላጥን ጥበበኛን እዩ። እወ ናይ ኣብርሃም እምነትን ተኣዛዝነትን ብእግዚአብሔር ዝተፈልጠ እኳ እንተነበረ ኣብ ደቂ ሰባት ንኹሉ ጊዜ ኣብነት ንኽኸውን ስለ ዝፈቐደ እዩ ነዚ ዝገበረ።
ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ "አብ ቅድሚ ዓይኑ ኩሉ ጋህ ዝበለን ግሉጽን እዩ እምበር ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝሕባእ ፍጡር የለን" (ዕብ 4፡13) ብምባል ዝመስከረ።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ እቲ ሥጋ ለቢሱ ዚመጸ ጐይታ ንኵሉ ዚፈልጥ ማንም ካብኡ ዚስወር ዘየለ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ከም’ዚ እናበለ ይገልጸልና። "ኢየሱስ ግና ኣብ ሰብ ዘሎ ኵሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ክምስክረሉ ኣየድልዮን ንኹሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን" (ዮሐ 2፡25)

ኣብ ካልእ ቦታ ከኣ "ኢየሱስ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንስኻትኩም ግና ክፉእ ትሓስቡ ኣለኹም"(ማቴ 9፡4) ብምባል ሓሳብትና ውን ከይተረፈ ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግረና።

3.7 እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ፦
ቅድስና ካብ ውሽጣዊ ርኽሰትን ክፉእ ስምዒትን ነጻ ኮይንካ ፍቕሪ ዘጐናጽፍ ጸጋን ክብርን እዩ። ናይ እግዚአብሔር ቅዱስነት ንጽሕናን ፍጹም ዝኾነ ሕያውነትን ናቱ ጥራይ ምዃኖም፡ ፍርዱን ትእዛዙን ትኽክለኛ ምዃኑ፡ መሓርን ዕጉስን ንቚጥዓ ደንጓይን ፍጥረቱ ዝፈቱን ጸጋ ዘጐናጽፍን ምዃኑ እዩ።

ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ’ዚ ከምዘ’ ይብል "ዎ እግዚአብሔር ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መንእዩ? ብምስጋና እተፈራህካ ገባሪ ተኣምራት፡ ብቕድስና ከማኻ ዝኸበረ መን እዩ? (ዘፀ 15፡11) ባዕሉ እግዚአብሔር ነዚ ናይ ባህሪ ቅድስናኡ ንሙሴ ከምዚ ኪብል ኣፍለጦ "ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ (ዘሌ 11፡44 1ይ ጴጥ 1፡15-16) ናይ ኣምላኽ ቅድስና ናይ ባዕሉ ናይ ባህሪኡ ኺኸውን ከሎ ንዓና ንደቁ ድማ ነቲ ናይ ባህሪኡ ክብሪ ብጸጋ ተኻፈልቲ ኪንከውን ዓዲልና እዩ። ንሱ ብባህሪኡ ቅዱስ ኮይኑ ንሕና ድማ ብጸጋ ቅዱሳን ኪንከውን ዓደለና።

ሃና ኣደ ሳሙኤል ኣብ ጸሎታ "ከም እግዚአብሔር ዝበለ ቅዱስ የልቦን" ብምባል ቅድስናኡ ብባህሪ ናቱ ናይ በይኑ ምዃኑ ገሊጻ እያ። (1ሳሙ 2፡2) መለኣእኽቲ ውን ከመስግንዎ ከለዉ "እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እዩ።" ብምባል እዮም ዘመስግንዎ።"ኢሳ 6፡3

3.8 እግዚአብሔር ናይ ማንም ረድኤት ኣየድልዮን እዩ
ረድኤት ዘድልዮ ንድኹም እዩ፡ ኣምላኽ ግና ሓያል ስለ ዚኾነ ረድኤት ኣየድልዮን። ረድኤት ዘድልዮ ኵሉ ንምግባር ዓቕሚ ንዘይብሉ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ኵሉ ዚኽእል ስለ ዚኾነ ናይ ማንም ረድኤት ኣየድልዮን እዩ።
ነቢይ ኢሳያስ ከምዚ ይብል "ንመንፈስ እግዚአብሔር ዝመርመረ ወይስ መኻሪኡ ኮይኑ ዝመሃሮ ኸ መን እዩ(ኢሳ 40፡13-15) ቅዱስ ጳውሎስ ድማ "ሓሳብ እግዚአብሔር ዚፈልጥ መን እዩ ወይስ መን እዩ ዘማኽሮ" ብምባል ማንም ዘማኽር ከም ዘየድልዮ ይገልጽ።(ሮሜ 11፡34) ባዕሉ እግዚአብሔር ንኢሰያስ ዚነገሮ ቃል ውን ከምዚ ይብል "እስመ አነ አምላክ ኢይርህብ ወኢይጸምዕ" ኣነ ዘይጠምን ዘይጸምእን ኣምላኽ እየ" ስለ’ዚ ከም ኵልና ፍጡራት ጠምዩ ረድኤት ጸሚኡ ውን ሓገዝ ዝደሊ ኣምላኽ ከም ዘይኮነ ኣነጸረልና።(ኢሳ 40፡28-31)

3.9 እግዚአብሔር ርህሩህን ሕያዋይን እዩ
ኣምላኽና ርህራሄ ናይ ባህሪኡ እዩ። ንዓና ደቂ ሰባት ብኃጢአትና ከይተጸየፈ "ማሕደረይ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኪገብር እየ ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን……(ዘሌ 26፡11-20) ብምባል ኣብ ማእከልና ማሕደር ገበረ።
ረሲኣን ውን ኪምለሱ እምበር ብጥፍኣት ኃጢኣተኛታት ደስ ዘይብሎ ሕያዋይ ኣምላኽ ምዃኑ ድማ "ኣነ ረሲእ ካብ ረሲእነቱ ኪምለስ እሞ ብሕይወት ኪነብር እምበር ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ" ብምባል ኣረድኣና።(ሕዝ 33፡11)

ቅዱስ ጳውሎስ ንናይ መንፈስ ወዱ ንጢመቴዎስ ኣብ ዚለኣኸሉ መልእኽቲ ድማ "እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂ ውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚአብሔር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ" ብምባል ንርህራሄ ኣምላኽ ደጊሙ ገለጸልና።(1ይ ጢሞ 2፡4)

ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ "ጎይታ ኩላቶም ናብ ንስሓ ኪበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኪጠፍእ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ ምእነታኹም ይዕገስ ኣሎ" ብምባል ኣምላኽ ካብ ብዝሒ ርህራሄኡ ዚተላዕለ ንኃጢኣተኛታት ካብ ምቕጻዕ ተዓጊሱ ንንስሓ ከም ዚጽበዮም ይምህረና። (2ይ ጴጥ 2፡4)

ኣቦና ሊቀ ነብያት ሙሴ ድማ "ግዚአብሔር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ ንኹራ ደንጓዪ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን..(ዘፀ 34፡6) ደጊሙ ውን ኣብ (ዘሁ 14፡18) "እግዚአብሔር ንኩራ ደንጓዪ በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ" ብምባል ንርህራሄኡ ይገልጸልና።

እግዚአብሔር ንድሕነትና ኪብል ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ምስ ተወልደ ድማ "ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ ብምባልን ንሕያውነቱ ምእንታና ብሙማትን ኣርኣየናን መሃረናን" (ዮሐ 10፡11 2ይ ዜና 30፡19 መዝ 23፡6 25፡8)

ታሪኽ ናይቲ ርህሩህ ሳምራዊ ዘረጋግጸልና ነዚ እዩ። ሓደ ካህንን ሌዋውን ረጊጸሞ ዚሓለፉ ንሱ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚተመሰለ ጐይታ ግና ንኣቑሳሉ ፈዊሱ ናብ ማህደር ኣጋይሽ ኣእተዎ። (ሉቃ 10፡25) ብተመሳሳሊ ታሪኽ ናይቲ ዝጠፍአ በጊዕን ጥፉእ ወዲን ድማ ዝያዳ ናይ ኣምላኽ ርህራሄ ዘረድኣና ጽቡቕ ኣብነት እዩ። (ሉቃ 15፡1…) ከምኡ ውን ንይስሐቅ ካብ ማሕረዲ ዘድሓኖ ብዝሒ ርህራሄ ናይ ኣምላኽ እዩ። (ዘፍ 22፡12 መዝ 36፡7-10 መዝ 51፡1 ኤፌ 2፡7 ቲቶ 3፡4-6)

No comments:

Post a Comment