ቊጥዐ እግዚአብሔር ዘለዓዕል ሃይማኖቶም ናይ ዚኸሓዱ ሰባት ናይ ጓይላ ነጋሪት ኣብ ውሽጢ ጾም ኣርብዓ። ዝሙት ኃጢአት እዩ ምስቲ ኣብ ጾም ኣርብዓ ዚግበር ጓይላ ኪነጻጸር ከሎ ግን ቀሊል እዩ፡ ሰብ ምቕታል ዓቢይ ኃጢአት እዩ፡ ምስ’ቲ ኣብ ጾም ኣርብዓ ዚግበር ጓይላ ተነጻጺሩ ግን ከንቱ እዩ። ኣሕዋተይ ነዚ ኃጢአት እዚ’ስ ምስ ምንታይ እሞ ከነጻጽሮ እየ። ጓይላ እንተዘይ ተነሲሕካሉ ብዘይ ዋጋ ዕዳጋ ናብ ገሃንም ዚድርቢ ጨካን ንጉሥ እዩ፡ እቲ ኣብ ጾም ኣርብዓ ዚግበር ጓይላ ግን ናይ ሕይወትካ ምሉእ ንብዓት ዚሓትት ከቢድ ኃጢአት እዩ!!! ኣንታ ሓወይ እስከ ንገረኒ! አጐይታኻ ኣብ ዚጾመሉ መሬት ኣብ ናይ ጾሙ ጊዜ ብስኽራንን ብጓይላን ምውዓል’ሲ ካብቲ እናጾመ መጺኡ ዚፈተኖ ሰይጣን ብምንታይ ይፈልየካ? ንእሱር’ሲ ጸሎትን ምህለላን ድኣ የድልዮ እምበር ብምኽንያት እሱራት እናበልካ ንጾም ናይ ገንዘብን ናይ ፖለቲካን መጋበሪ ኪንገብር!!! "ንቖልዓ ኪብላ ይበልዓ፡ ኪበልዓ ኪብላ ድማ ብእሳት ገሃንም ይብልዓ" እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ" (1ይ ጢሞ 6፡10) እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ!!!
1.3 ደርፍን ጓይላን ኣብ ዘመነ ብሉይን ዘመነ ሓድሽን
ጓይላ ኣብ ታሪኽ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ እስራኤላውያን ታሪኽ ክነግረና እንከሎ ኣብ ጊዜ ልደት ኣብ መርዓ ኣብ ጊዜ ዓወትን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓጎስ በዓላትን ይደርፉ ኔሮም እዮም። ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣህዛብ ውን ዓለማዊ ደርፊ ይደርፉ ኔሮም። ኢዮ 21፤11-12 ማቴ 14፡6 ኤር 31፤4 ማቴ 11፤17 ዘጸ 15፤20-21 መሳ 11፤34 1ይ ሳሙ 18፤6 2ይ ሳሙ 6፤14 ሉቃ 15፤25
እንተ ኾነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘመነ ኦሪት ውን እንተ ኾነ ዓለማዊ ደርፊ ብዝምልከት ኣብ ዝተነግረሎም ዓንቀጻት ኵሎም ዘሕዝን ውጽኢት ኢና ንረኽበሎም። እስራኤላወያን ከምቲ ካብ ኣህዛብ ዝተማህርዎ ዓለማዊ ደርፊ ኣብ ዝደርፍሉ ጊዜ ክንቀፉን ክግሰጹን እምበር ከምስገኑ ኣይንረኽቦምን ኢና 1ይ ቆሮ 10፡። ብተወሳኺ ውን መዝሙር ደርፊ ይበሃል ድዩ? ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝተገልጸ ምንም እኳ ብስም ደርፊ ዝተገልጸ መብዛሕትኡ ብዛዕባ መዝሙር እንተኾነ ኣብ ጊዜ ኦሪት ናይ ደርፊ ምኽልካል ከም ናይ ዘመነ ሓድሽ ጥቡቕ ኣይነበረን። ስለ’ዚ ድማ "ንጓይላ ጊዜ ኣለዎ" ዝብል ነንብብ ኢና:። መክ 3፡4 እዚ ድማ ኣብ ዘመነ ኦሪት ናብ ኣምልኾተ ጣኦትን ናብ ዝሙትን ዝመርሕ እንተዘይኮይኑ ጥቡቕ ዝኾነ ናይ ደርፊ እገዳ ከም ዘይነበረ ዘረድእ እዩ። ኣብ ዘመነ ሓድሽ ግን ማንም ዓይነት ደርፊ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ።
ደርፊ ናይታ ጸልማት ናይ ኦሪት ዘመን ሥራሕ እዩ። "ኣብ ትሕቲ ጸልማት ንዝነብሩ ዘደንቕ ብርሃን ወጸሎም" ተባሂሉ ኣብ ዝተኣወጀሉ ዘመነ ሓድሽ እንዳ ነበርካ ምድራፍ ግን ናይ ጸልማት ስራሕ ምስራሕ እዩ።ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ "ለይቲ ሓሊፉ መዓልቲ ቀሪባ እያ እሞ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ ብጓይላን መስተን ኣይኮነን ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኮነን " ሮሜ 13፤13 ብምባል ዝምዕደና። ምንም እኳ ጓይላ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተኸልከለ እንተ ኾነ ናይ ቀዳሞት ኣቦታትና ግን ካብ ዘመነ ኦሪት ተተሓሒዞሞ ዝመጽኡን ጽቡቕ ባህሊ ብሰፊሑ ዘንጸባርቑን እዮም ኔሮም። ከምዚ ምባልና ግን ጓይላ ንምምስጋንን ንምድናቕን ዘይኮነ እቶም ናይ ቀደም ደርፍታት ካብዞም ናይ ሕጂ ብዝሓሸ ንባህልን ወግዕን ሃይማኖትን ዝነበሮም ኣክብሮት ንምግላጽ እዩ።
ኣብ ዘመነ ኦሪት ዝተፈቐዱ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተኸልከሉ ብዙሓት ሕግታት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ዘመነ ኦሪት ብሓሶት ኣይኹን እምበር መሓላ ኣይክልከልን እዩ ኔሩ። መዝ 63፤11 ዘዳ 6፡13 10-20 ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ብሓቂ ይኹን ብሓሶት ከቶ ኣይትምሓል ተባሂሉ እዩ። ምፍታሕ ውን ኣብ ዘመነ ኦሪት ይፍቀድ ኔሩ እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ምፍታሕ ይኹን ፍትሕቲ ምምርዓው ፈጺሙ ዝተኸልከለ እዩ። "ዘዳ 24፡1 ማቴ 19፡3-9 1ይ ቆሮ 7፡10 ከምኡ ውን ኣብ ዘመነ ኦሪት ኣምልኾተ ጣኦትን ዝሙትን ዘኸትሉ ጸወታታትን ደርፍን ዘሕዝን ሳዕቤናት ክም ዘኸተሉ እኳ እንተ ተጻሕፈ ምሉእ ብምሉእ ክንቀፉ ግን ኣይንርእን ኢና። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ከምቶም ኣብ ኦሪት ተፈቒዶም ኣብ ሓድሽ ዝተኸልከሉ ደርፊ ውን ከምኡ ፈጺሙ ዝተኸልከለ እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ደርፊ ፈጺሙ ክውገዝ እንምልከቶ ብኣፍ ሐዋርያት እዩ። ጐይታና ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ኣብ ዝተረኽበሉ ጊዜ ጓይላ ብማንም መልክዑ ኣየልዓለን። ነዚ ሒዞም ብሑሓት ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ናይ ብዙሓት ህዝብታት ታሪኽ ከም እንርድኦ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ እዋን መርዓ ደርፊ ይግበር። እንታይ ድኣ ጐይታና ኣብ ቤት መርዓ ኣብ ዝተረኽበሉ ጊዜ ደርፊ ብዛዕባ ምቅዋሙ ዘይተጻሕፈ? ብምባል ደርፊ ተፈቒዱ እዩ ንምባል ኣብ ክርክር ይኣትዉ።
ብመጀመርያ ጐይታና ኣብ ዝተረኽበሉ መርዓ ደርፊ ከም ዝነበረ ማንም መረጋገጺ የለን። እዚ ከየረጋገጽካ ድማ ደርፊ ኔሩ ንምንታይ ድኣ ጐይታና ዘይተቓወሞ ምባል ክልቲኦም ግምትን ናይ ፈጠራ ወረን ካብ ምዃን ኣይሓልፉን እዮም። ብካልኣይ ደረጃ ከምዚ ዝብሉ ሰባት ባዕላቶም ንምድራፍ መእተዊ ዝረኸቡ እናመሰሎም እዩ እምበር ብሓቂ ጐይታ ዝኣዘዞም ኩሉ ዝገብሩ፡ ጐይታ ዝተቓወሞ ድማ ዝገድፉ ሳባት ኰይኖም ኣይኮኑን። እዚ ንምባል ዘድለየና ኣዘራርባኦም "ደርፊ ጐይታና ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ እንከሎ ነቒፍዎ እንተ ዝኸውን ንሕና ውን ኣይምደረፍናን ኔርና" ዝዓይነቱ ስለ ዘምስሎም እዩ። ብሣልሳይ ደረጃ ጐይታና ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝተመላለሰሉ ጊዜ ኵሉ ነገር ኣይተዛረቦን። ነዚ ምስክርና ድማ " ዝነግረኩም ካልእ ብዙሕ ዘረባ ኣለኒ ግና’ኸ ኩሉ ሕጂ ክትጸርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፡እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዝዛረብ እምበር ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ’ሞ ንሱ ነቲ ዝመጽእ ከፍልጠኩም ናብ ኵሉ ሓቂ ውን ክመርሓኩም እዩ።." ዮሐ 16፡12-13 እዩ ፍጽምቲ ሕጊ ዝተባህለት ወንጌል ብሐዋርያት ኣቢላ ተሰቢኻ ክሳብ እትጠናኸር ደርፊ ኃጢኣት ምኻኑ ብዕሊ ኣይተኣወጀን ኔሩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ድኻም ደቂ ሰባት እዩ ዘይተነግረ። ምሩጽ ኣቕሓ ዝተባህለ ጳውሎስን ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ ዓለም ዘይሮም ምስ መሃሩ ግን ጓይላ ኃጢኣት ምዃኑ ብወግዒ ኣወጁ።ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መዓስን ኣበይን እንታይ ክምህር ከም ዘለዎ ስለ ዝፈልጥ "ኣብ ቃና ዘገሊላ ስለምንታይ ንደርፊ ዘይተቓወመ? ክንብል ኣየኽእለናን እዩ። ኣብ ሐዋርያት ሓዲሩ ወንጌል ክሳብ ዘጽንዓ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ጊዜ ንኩሉ ኣይተዛረቦን። ካብ ዝመሃሮን ዝተዛረቦን ውን እንተ ኾነ ንዓና ዝተጻሕፈልና ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ውን ክንዝንግዕ የብልናን። ዮሐ 21፡15
1.4 ጓይላን ደርፊን ንምንታይ ይኽልከል?
ነዚ`ዚ ሕቶ ደርፍን ጓይላን ናብ ጣኦት ኣምልኾ ስለ ዝወስድ ንዝሙት ዝደፋፋአ ሓይሊ ስለ ዘለዎን ኢልካ ክምለስ ይከኣል አዩ። እንተኾነ ግን በዚ መልክዕ ዝተወሰኑ ነጥብታት ብምቕማጥ ጥራይ መልሲ ምሃብ ደርፊ ንዝተኸልከለሉ ምኽንያት ጸቢብ አዩ ዝገብሮ። ብርግጽ አዚ ንሕና ከነቕርቦ አንኸልን ኣብ መጻሕፍቲ ድማ ዝተጻሕፍን ዝርዝር ምኽንያት አዩ። አንተኾነ ግን ኩሎም ምኽንያታት ንሓታቲ ኣአምሮ ዕረፍቲ ንኽህቡ ከከም ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ኣአምሮ ብቕዓት ደረጃ ዝተቐመጡ አምበር ደርፊ ዝተኸልከለሎም ምኽንያታት አዚኦም ጥራይ አዮም ማለት ኣይኮነን። ደርፊ ዝተኸልከለሎም ካልኦት ቀንዲ ምኽንያታትን ናይ ደርፊ ጎዳኢ ባህርያትን አግዚኣብሔር ይፈልጥ ምባል ይቐልል። ሓደ ብመንፈሳዊ ሕጊ ዝተኸልከለ ነገር ንምንታይ ከም ዝተኸልከለ ምኽንያቱ ከይፈለጥኩ ንምትግባሩ ድሕር ኣይብልን አየ ኣይትበል። ከምዚ ምባልካ ብዙሕ ትርጉም ክወሃቦ ይኸል አዩ። ኩሉ ነገር ክፈልጥ ኣለኒ ዝብል ትዕቢተኛነት ወይ ግትርነት ወይ ድማ ናብ ዘይምእዛዝን ዘይምእማንን ከዘንብለካ ይኸእል እዩ። ናብ ሓደ ኣዳራሽ ብዙሓት ሰባት ክኣትዉ ርኢኻ ንስኻውን ተኸቲልካዮም ክትኣቱ ኣብ ዝፈተንካሉ ብሓደ ዋርድያ ምስ እትኽልከል ምኽንያቱ ከይፈለጥኩ ክኸልከል የብለይን ትብል ዲኻ? ልክዕ ከምኡ ድማ ኩሉ ሰብ ናብ ደርፊ ይኸይድ ንስኻ ግን ንኸይትደርፍ ብሃይማኖትካ ተኽልኪልካ ኢኻ። ስለ ምንታይ`ከ ደርፊ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ናይ ግድን ክፈልጥ ኣለኒ ትብል? ምኽንያቱ ምፍላጥካ ኣየጽድቐካን ዘይ ምፍላጥካ ውን ኣየኾንነካን አዩ። ደራፊ አንተኾንካ ግን ክትሕተተሉ ኢኻ። አንተዘይ ደሪፍካ ድማ እዙዝ ውሉድ ተባሂልካ ክትምስገነሉ ኢኻ። ስለዚ ኣብ ዘይምልከተካን ኣብ እትሕተተሉን ነገር ጊዜኻ ካብ እተጥፍአ`ሲ ዝምልከተካ ጥራይ ዘይትገብር?
ብርግጽ ሃይማኖት ሓቲትካን ግልጺ ብዝኾነ መልክዑ ምኽታል የመስግን አምበር ኣየንቅፍን አዩ። ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕቶ ውን ብሕቶነቱ ዝውገዝ ኮይኑ ኣይኮነን። ኣቐዲሙ ዝተነቐፈሉ ምኽንያት ግን አቲ ሕቶ ንዘስዕቦ ሕማቕ ተጽዕኖ ንምአላይ አዩ።
ሓደ ነገር ክትክልከል አንከልኻ ብፍላይ ድማ አቲ እገዳ መንፈሳዊ አገዳ አንተኾይኑ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ምምርማር አንተተኣዘዝካ ኣብ አግዚኣብሔር ዘለካ እምነት አዩ ዘመልክት። ንምንታይ አንዳበልካ ትከራኸር እንተኮይንካ ግን፡ ብፍጹምነት እግዚኣብሔርን ንሱ ንዓኻ ኢሉ ብዝሠርዖ ሥርዓትን ትኽክልነት ወይ ቅኑዕነት ኣይትተኣማመንን ኢኻ ማለት አዩ። ብድጋምሜ ውን ከምዚ ኢልካ ኣብ አትምጉተሉ ጊዜ ደርፊ ናይ ሥጋ ፍቓድ ክሳብ ዝኾነ ጠበቓ ዝቖምካ ንናይ ሥጋ ፍቓድካ ኢኻ አምበር ንንፍስኻ ብዘይምዃኑ ዘለካ ናይ አምነትን ፍቕርን ጉድለት አዩ ዘመልክት። ካብ`ዚ ብተወሳኺ ውን ንኹሉ ነገር ስለምንታይ አናበልካ ብምሕታት ኣብ መወዳአታ እትእዘዞ ውን ምኽንያቱ ምስ እትፈልጦ ጥራይ አንተ ኾይኑ፡ ብምኽንያት እምበር ብእምነት ዘይምዃኑ ክትፈልጥ ይግባካ።
ደርፊ ንምንታይ ይኽልክል? ዝብል ሕቶ ሓደ ጊዜ ምስ ተፈጠረካን እምነትካ ምስ ጎድለን ድማ ዋላ እኳ ምኽንያቱ እንተፈለጥካዮ ንዓኻ አኹል ኣይኮነን። ደርፊ `ብናይ ሙዚቃ ቃናኡ ይኹን ብመልእኽቱ ናብ ክፉእ ሰራሕ ክመርሓካ ይኽእል እዩ ክትብሃል እንከለኻ `ናብ ክፉአ ዘይመርሓኒ ደርፊ እንተሰማዕኩ`ኸ? ናብ ዝብል መወዳእታ ዘይብሉ ክርክር ኣይትእቶ። ነዚ ኩሉ ገዲፍካ ደርፊ እንተተረፈኒ እንታይ ዝጎድለኒ ነገር ኣሎ? ኢልካ ነብስኻ እንተትሓትት ምተጠቐምካ ኔርካ። እንተዘይደረፍካን ደርፊ እንተዘይ ሰማዕካን ብናትካ ትርጉም ምዝንጋዕ ኢልካ ካብ አትጽውዖ ተጨባጢ ዘይኮነ ደስታን ጊዜ ምብኻንን እንትዘይኮይኑ ምንም ዝተርፈካ ነገር የለን። ኣብ ላዕሊ ብመንፈሳዊ መንገዲ ደርፊ ንምንታይ ከም ዝተኸልከለ ምዝርዛር ምሥጢሩ ከም ዘጽብቦ ምግላጹ ትኽክል እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ዝተወሰኑ ነጥብታት ብምልዓል ናይ ደርፊ ጎዳኢ ገጽታ ክንጠቅስ ይግባእ።
ሀ፡ ደርፊ ናይ ኣጋንንቲ ሰራሕ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱሰ ኣጋንንቲ ከም ዝደርፉ ብግልጺ ከም`ዚ እናበለ ይነግረና እዩ `ኣብኡ ኣጋንንቲ ክደርፉ እዮም` ኢሳ 13፡21 ስለዚ ኣይትድረፉ ማለት ናይ ኣጋንንቲ ስራሕ ኣይትስርሑ ማለት ምዃኑ ተረዳእ። ነዚ ብዝምልከት መጽሓፈ መቃብያን ድማ ከምዚ ይብለና `,,,, እናደረፉ ምስ ኣጋንንቲ ይጻውቱ ነበሩ፡ ኣጋንንቲ ውን ንኹሉ ጽወታኣኦምን ደርፎምን የድንቕሎም ነበሩ` 3ይ መቃ 36፡27-28። ኣብዚ ክፍሊ ዘሎ ኣገላለጻ ድማ ፍልይ ብዝበለ ኣጋንንቲ ደረፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ ኣብ ጎኒ እቶም ንደርፊ ዘድንቑ ውን ምስላፎም እዩ። ደርፊ ናይ ኣጋንንቲ ስራሕ ምዃኑ ምስ ተገንዘብካ ዓይንኻ ተኸፊቱ ሓደ ምስጢር ክምርምር ክጅምር እዩ። እስኪ ኢትዮጵያ ወሲኽካ ጃማይካውያንን ሓደ ሓደ ኣፍሪቃውያንን ናይ ካልኦት ኣህጉራት ደረፍትን ብምስትውዓል መርምር። ጸጉሮም ተቖኒኖም ብኣልኮላዊ መስተን ሓሸሽን ደንዚዞም ክሳውዶም ብምውንጫፍ ዝደርፍዎ ደርፊ ምንጩ እንታይ ከም ዝኾነ ንምሰተወዓል ፈትን። ዛር ዘለዎም ሰባት ርኢኻ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ፈጺሙ ተመሳሳሊ ኮይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ውቃቢ ዘለዎም ክግዕሩ ርኢኻ ኣይትፍልጠን? እዚ ናይዞም ውቃቢ ዘለዎም ግዓር ድማ ቅምጥ ኢሉ ህይሕ ህይሕ እናተባህለ ዝድረፍ ባህላዊ ደርፊ ይምስል። ቅዱስ ሓዊ ከም ዝበልዎ "ደርፍን ሳዕሳዒትን ካብ ሰይጣን ዝተረኽቡ እዮም"። ኣጋንንቲ ደረፍቲ ጥራይ ዘይኮኑ ናይ ኩሉ ዓይነት ደርፍን ጨፈራን ምንጪ እዮም። ብድሕሪ እዚ ናተይ ስጋኣት ደረፍትን ኣጫፈርትን ሓደስቲ ናይ ኣደራርፋን ኣስዓስዓን ሜላ (style) ንምታትታው ንምቕዳሕ ክብሉ ናብቶም ኣጋንንቲ ዝሓድርዎም ሰባት ፈቐዶ ናይ ጸበል ቦታታት ምኻድ ከይጅምሩ እዩ። ምኽንያቱ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዘድልዮም ገንዘብን ዝናን እምበር ሃይማኖትን ምግባርን ኣይኮነን።
....................... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment